Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን፡ ናይ ሓባር ቃንዛ ስለዘለና፡ ሓቢርና ንሰጉም ሕሰም ጸላኢና ከኸትም

  ሓደ ካብቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ፍጥር ካብ ዝብል፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን ፍትሒ ንዝጠለቡ ዜጋታት ንምጭፍላቅን ክጥቀመሉ ዝጸንሐን ገና ዝቅጽሎ ዘሎን ርኹስን ኣዕናውን ሜላ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምልሕላሕን ሓው ንሓው ፈላሊኻ ምግዛእን’ዩ። ኣብ ታሪኽ፡ ኩሉም

 

ሓደ ካብቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ፍጥር ካብ ዝብል፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን ፍትሒ ንዝጠለቡ ዜጋታት ንምጭፍላቅን ክጥቀመሉ ዝጸንሐን ገና ዝቅጽሎ ዘሎን ርኹስን ኣዕናውን ሜላ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምልሕላሕን ሓው ንሓው ፈላሊኻ ምግዛእን’ዩ። ኣብ ታሪኽ፡ ኩሉም ገዛእቲ ሓይልታት፡ ንህዝቢ ፈላሊኻ ምግዛእ ቀንዲ መሳርሒቶም’ኳ እንተኾነት፡ ናይ ስርዓት ህግደፍ ሜላ ፈላሊኻ ምግዛእ ግን፡ ክሳብ ኣብ ውሽጢ ሰብ ሓዳር፡ ኣሕዋት፡ ውሉድን ወላድን፡ ትኽ ትንፋስ ኣዕሩኽን፡ ምትእምማን ከምዘይህሉን ከብድን ሕቆን ከምዝኾኑን’ዩ። ንበዓልቲ ቤቱን ኣደ ደቁን ዘእስር፡ ኣሕዋቱን መተዓብይቱን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናበለዩን ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣናተቀዝፉን ዘስቅጥን ህግደፍ ወይ ሞት ዝብልን፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት ዝጎጃጅልን ኣብ ፖለቲካ ዘጥሕልን፡ ኣብ ልዕሊ መቃብር ስውኣት፡ ተሓኒና፡ ዙርያ ተኸዲናን ተቆኒናን ትድብልን ትዕልልን ኣደ፡ ብዘይካ ኣብ ኤርትራ ኮቶ ኣብ ካልእ ዓለም ተራእዩ ኣይፈልጥን’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ፡ ሰባት ጽባሕ ከምዝሓልፉ እናፈለጡ ንመዋእል ዝተርፍ ገበንን ቂም በቀልን ክፍጽሙ ንዕዘብ ኣለና። እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ድማ፡ ዘይተማህረን ዓለም ዘይርኣየን ክደናገርን ንክውንነት ምምዛን ክስእንን እንከሎ ኣይትሕዘሉን ኢኻ። የግዳስ በቲ ንሕብረተሰብ መሪሕ ተራ ክጻወት ዝግብኦ ምሁር ኣካል፡ ኣብ ጎድኒ ሓራዲ ስርዓት ኮይኑ ደም ንጹሃት ክሰቲ፡ ብስቃይ ኣሕዋቱ ሃብቲ ከኻዕብት ሓቂ ክጥምዝዝን ስቅታ ክመርጽን እንከሎ ድርብ ገበን ኢዩ፡፡

ሎሚ፡ እቲ ብውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ መዘና ዘይብሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ዕንደራን፡ ስለዝገንፈለን ዝጸሮ ስለዝሰኣነን፡ ኤርትራዊ፡ ብዓውታን ብጥርኑፍን “ይኣክል ዓመጽ፡ ፍትሒ ይንገስ” ይብል ኣሎ። ብፍላይ እቲ ኣብ ወጻኢ ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ፡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ሓድነት ህዝብና ንምዝራግ ንዓመታት ኣታኣታትይዎ ዝጸንሐ ሰንካም ሜላ ምፍልላይ ስዒሩ፡ ሕሰም ወገኑ ንምፍዋስን ሕድሪ ስውኣቱ ንምትግባርን፡ ናይ ኢህን ምሂን፡ ናይ ምትእምማንን ምጽውዋርን ሃዋህው የማዕብል ኣሎ። ምጥርናፍ ኤርትራውያን ድማ ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ዘሕጽርን ሕሰም ህዝብና ዘወግድን እንኮ ፍታሕ ምዃኑ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ጉሉሕ ኮይኑ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ክሕብኣሉ ዝኽእል በዓቲ እናፈረሰን ከደናግረሉ ዝኽእል ዕድላት እናጸበበን ይመጽእ ስለዘሎ፡ ናይ ዓቅሊ ጽበት ፈንጠርጠር እምበር፡ ኣብ ቅድሚ ህዝባዊ ምልዕዓል ጠጠው ክብል ኣይክእልን’ዩ። እዚ ናብ ክውንነትን ናብ ረብሓ ህዝብና ክቅየርን ግን፡ ተጀሚሩ ዘሎ ጠለብ ህዝቢ፡ ቅኑዕ መኣዝን ክሕዝ፡ ቀዳምነታቱ ከነጽርን ናይ መወዳእታ ዕላምኡ ክፈልጥን እዝዩ ወሳኒ’ዩ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ድኻ ህዝብና ዝዘመቶን ብናጻ ጉልበት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘኻዕበቶን ሃብቲ ስለዘለዎ፡ ብገንዘብን ረብሓን፡ ንሓሶት ናብ ሓቂ ዝቅይሩ ኣፈኛታትን ጸሓፍትን ክገዝእ ጸገም ስለዘይብሉ፡ “ይኣክል ዓመጽ፡ ፍትሒ ይንገስ” ንበይኑ ዕርድታት ህግደፍ ንምፍራስ ኣኻሊ ኣይኮነን። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ናይ ሓባር ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ካብ እንግድዓ ህዝብና ንምውጋዱ’ውን ናይ ሓባር መኸተ’ዩ ዘድልዮ። ዝያዳ ኩሉ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ናትና ምፍልላይን ስቅታን ዕድመ ስልጣኑ ይነውሕን ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ይኸርርን ስለዘሎ፡ እቲ ይኣክል ብዝያዳ ንድኻማትናን ኣበራትናን ዝፍውስን ዘውሕድን ክኸውን ይግባእ።  ኣብዚ እዋን’ዚ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ፡ ቅዋምና ንኸይትግበር፡ እሱራት ንኸይፍትሑ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ንኸይግበረሉን ልዕልና ሕጊ ንኸይነግስን “ዶብና ኣይተሓንጸጸን፡ ብኢትዮጵያ ዝተጎብጠ መሬትና ኣይተመልሰን፡ እገዳ ተጻዒኑና” ዝብሉ መመኽነይታ ከቅርብ ኣይክእልን’ዩ። ካብ ፈለማኡ’ውን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ንዓመታት ብዘይ ፍርዲ ምሕያር፡ ቅዋም ንኽይሰርሕ ምኽልካል፡ ካብ ህዝቢ ተሓቢእካ ዘይንጹራት ውዕላት ምፍራምን ሃገራዊ ባይቶ ምብታንን፡ ምስ ምሕንጻጽ ዶብን ጽልኣት ወያነን ምትእስሳር ኣይነበሮን።

ኣብዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ናይ ይኣክል ኣኼባታትን ሓድሕዳዊ ዘተን ዘርገግጾ ነገር እንተሎ፡ ናይ ቀደም ተጋደልቲ፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን፡ ደቂ ተባዕትዮ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዕድመ ዝደፍኡን መንእሰያትን፡ ደቂ መታሕትን ደቂ ከበሳን፡ ንኹሎም ዘገደሰቶምን ኣብ ሓንቲ ቀለቤት ዝጠርነፈቶምን ኤርትራ’ያ። ኩሎም፡ ካብ ኤርትራ ዝበቆሉ፡ ማያን ፍርያታን ዝተዓንገሉ፡ ምኡዝ ንፋሳ ዘስተማቀሩ፡ መቃብር ኣቦሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ዝዓቀበት ሓላል መሬት ስለዝኾነት፡ መታን መጻኢ ወለዶ ክርከባ’ዮም ብሓባር ንህላወኣን ንሰላማን ድምጾም ዝህቡ ዘለዉ። ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ይኣክል ህዝባዊ ኣኼባታት፡ እቶም ብመውጋእቲ ኣካላቶም ዝጎደለ፡ ብዕድመ ዝደፍኡን ብሕዱር ሕማም ዝሳቀዩን ተጋደልቲ፡ “ንሕና ደጊም ዝተረፈና የለን፡ ሓደ እግርና ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ ኢዩ፡ መንእሰያት መሬት ዓደቦኹም ናባኹም ኢያ ኣድሕንዋ” ኢሎም ብሕንቅንቅ ለበዋኦም ኣመሓላሊፎም። እቲ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ምስግጋር ሓደራን ለበዋን ጥራይ ኣይኮነን ዘንጸባርቅ ዘሎ። ከምቲ፡ “ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ” ዝብሃል፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ንሕና ኤርትራውያን ብህይወትና እንከለና፡ “ካብ ሎሚ ንድሓር መራሒና ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ኢኻ’’ ኢሉ ምልፍላፉ፡ ድሕሪ ሃገር ክብረት የለን ዝብል ሓያል ሃገራዊ ስምዒት’ዩ ኣለዓዒሉ።

ካብ ጥልመትን ጨካን ኣገዛዝኣን ስርዓት ህግደፍ፡ ብዘይካ ውሑደት ብገበን ዝተጨማለቁ መጣቃዕቲ፡ ዝበዝሕ ኤርትራዊ ረብሓ የለን። ስርዓት ህግደፍ ካብ እግሪ ተኽሉ፡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ንጥፍኣትን ዕንወትን ህዝቢ ኤርትራ ይሰርሕ ምንባሩ፡ ብተግባራቱ ኣረጋጊጽዎ ስለዘሎ፡ ሎሚ ምስ ህግደፍ ምድንጋጽን ካብ ህግደፍ ለውጢ ክመጽእ ምጽባይን፡ ካብ ብዕራይ፡ ጓጉድ ጸባ ክትረክብ ምሕላም ኢዩ። እንታይነት ስርዓት ህግደፍ ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ሰሚርካ ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢኻ ዘይምቅላስ ድማ፡ መድሃኒትካ ሓቢእካ ብሕዱር ሕማም ክትሳቀ ምምራጽ ማለትዩ። ዝተፈላለዩ ምንጭታት ከምዘረጋገጽዎ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን መንእሰይ ኤርትራ፡ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ዕስክርና ስለዝመረሮ፡ ዕድላት ትምህርትን ስራሕን ስለዝተነፍጎ፡ ሰብኣዊ መሰሉ ስለዝተጋህሰን ኣብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ከሕልፍ ተገዲዱ ኣሎ። ተንኮልን ዕላማን ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ስደት ክበታተን፡ ተስፋ ቆሪጹ ክምለኽ፡ ንሓድሕዱ ክባላዕ፡ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ መሬትና ድማ መዐንደሪት ባዕዳውያን ክትከውን’ዩ።

ነዚ ንመንነትና ክሓክኽን ልኡላውነትና ከድፍርን ብዘለዎ ዓቅሚ ለይትን መዓልትን ዝሰርሕ ዘሎ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ጉጅለ ህግደፍ፡ ንሕና ኤርትራውያን ንጉዳይናን ንክብርናን ካብ ይኣክል ዝሓልፍ ስጉምቲ ክንወስድ፡ ስውኣትናን ደቅናን ይጽበዩና ኣለዉ። ንኹልና ኤርትራውያን ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ዕዮ ገዛ፡ ኤርትራ ካብ ካርታ ዓለም ከይትጠፍእ፡ ታሪኽና ከይብለል፡ ሃብትናን ብጎሓላሉ ከይውረስ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ዕድሉ ክውስን ኣይክእልን’ዩ” ተባሂሉ ብሕቡራት ሃገራት ይመሓደር ከይንብሃል፡ ብሓባርን ብጽንዓትን ንመርሽ። እቶም ህዝቦምን ሃገሮምን እናጠፍአ፡ ህግደፍ ወይ ሞት ዝብሉ ዘለዉ ሒደት ኤርትራውያን፡ ስርዓት ህግደፍ ናትኩም ኣይኮነን፡ ተጠቂሙ ክድርብየኩም ኢዩ፡ ምስ ውጹዕ ህዝብኹም ወግኑ፡ ቃንዛ ናይቲ ኣብ ማእሰርትን ኣብ ስደትን ዘሎ ፍንጫሕ መሰንገልኩም ስምዑ ጥራሕ ኢና ክንብሎም ንኽእል። ካብ ዘይትረብሓሉ መንገዲ ጥፍኣት ምጓዓዝ፡ ምስ ነብስኻ መኺርካን ብሕሉፍ ጌጋኻ ተናዚዝካን ኣብ ዘምሕረልካ ዕላማ ምቅላስ ነውሪ ወይ ሓጥያት ኣይኮነን። እቲ ገበን “ጸማም ሓደ ደርፉ” ከምዝብሃል፡ ናይ ፖለቲካ ነጋዳይን ዕሱብን ኮይንምካ ደድሕሪ ስርዓት ህግደፍ ምህላልን ኣንጻር ህዝብኻ ምስላፍን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ንኹልና ኤርትራውያን ክንጠፍእን ክንሳቀን ከይደቀሰ ይሓድር ኣሎ፡፡ ምጅጃው፡ ምስትምሳል ሓድሕድ ምውንጃል ግዚኡ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ቃንዛናን ራህዋናን ብሓባር ካብ ኮነ፡ ህላወናን ራህዋናን ከነርጋግጽ ድማ፡ ብሓንቲ ልቢ ነተንፍስ ብሓባር ንጓዓዝ። ስቃይና ንምውጋድን መሰልና ንምርግጋጽን፡ ብዘይካ ንስርዓት ህግደፍ ብጽንዓት ምምካትን ነበረ ምግባርን ካልእ ኣማራጺ የብልናን። ኤርትራውያን፡ ኣቦሓጎታትናን ኣቦታትናን ዝተጻወርዎ ሕሰምን ዝሓለፍዎ ባርነትን ኣባና ከብቅዕ ኣለዎ እምበር ናብ ደቅና ክሰግርን ብስቅታ ክስገርን የብሉን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት 12 ግንቦት 2019

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT