Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን፡ ቅድሚ ሎሚ ዝተገራህናዮን ደምና ዘፍሰስናዮን ይኣኽለና

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ንህዝቢ ኤርትራ ኣግሊሉ ምስ ኢትዮጵያ ዝፈረሞ ሕቡእ ስምምዕ ሰላም፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምፍታሕን ምሕረት ምሃብን ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት፡ ምንጋስን ምኽባርን ልዕልና ሕጊ፡ ብቅዋም ምምእዛዝን ምርጫ

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ንህዝቢ ኤርትራ ኣግሊሉ ምስ ኢትዮጵያ ዝፈረሞ ሕቡእ ስምምዕ ሰላም፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምፍታሕን ምሕረት ምሃብን ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት፡ ምንጋስን ምኽባርን ልዕልና ሕጊ፡ ብቅዋም ምምእዛዝን ምርጫ ምክያድን፡ ንዘተን ዕርቅን ዕድል ምሃብ፡ ኣብ ግዱድ ዕስክርና ንዓመታት ተቆሪኖም ዘለው መንእሰያት መጻኢ ዕድሎም ክመርሑ ክፍቀደሎም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ለውጢ ክመጽእ’ዩ ዝብል ተስፋ ነይሩዎ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ምፍራም መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ካብ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ርክባትን ገጽ ንገጽ ምርኻብን፡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ኣሮሞን ዝፈጸሞ ዑደት፡ ዝሃቦ ናይ ተምበርካኽነትን ክድዓትን መግለጺታትን ዝረኸቦ ሽልማትን ይበዝሕ፡፡ ሓደ ሓደ ጨረቅቲ ኢትዮጵያውያን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ወርሒ ወርሒ ናብ ኢትዮጵያ ምምልላስ ምስ ኣብዝሐ፡ “የወር ኣበባ” ዝብል ሳጓ ኣጠሚቆሞ። የወር ኣበባ ማለቶም ድማ፡ እቲ ወርሒ ወርሒ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝርአ ወርሓዊ ጽግያት ማለቶም’ዩ። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ለጊስሉን ኣዘውቲርዎን ዘይፈልጥ ባህርያት፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣፍልቡ ኣናሃረመን ከብዲ ኢዱ እናስዓመን ብምስኪንኪን ዘርኣዮ ዘይንቡር ስሓቅ፡ ፍሽኽታን ሓጎን ዝተዓዘቡ ድማ፡ “አረ! ለካ ፕረዝደንት ኢሳያስ ጥርስ ኣላቸው” “ለካ ፕረዚደት ኢሳያስ ኣስናን ኣለዎም” ኢሎም ሓጪጮም። ዋዛ ሓዘል ትዕዝብቲ ኢትዮጵያውያን ብዙሕን ሓቅን’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ እንከሎ ሕጉስን ፍሱህ ገጽን ከርኢ እንከሎ፡ ብኣንጻሩ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ክምለስ እንከሎ ግን፡ ጸዋግ ገጽን ዘይሕጉስ መንፈስን ከምዝዓስሉ ሓቢሮም። ጽቡቅ ትዕዝብቲ’ዩ፡፡ ስለምንታይ’ሲ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣካላቱ’ምበር ሃሙን ቀልቡን ኣብ ኢትዮጵያን ምርዋይ ህርፉን ንግስነቱን’ዩ ተጸሚዱ ዘሎ። ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ባህርዳር ኣብ ናይ ምምራቅ ኣጋጣሚ፡ “ኣብ ህይወተይ ከም ሎሚ ተሓጉሰ ኣይፈልጥን’የ” ኢሉ ናይ ልቡ ክገልጽ እንከሎ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ተጸሊኡን ተፈንፊኑን ከምዘሎ ስለዝርድኦ፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ክምለስ እንከሎ ብእከይ ተግባራቱ ቅሱን ከምዘይከውንን ልዋም ለይቲ ከምዘይሓድርን ይፈልጥ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ዘገድሶን ክጥንቀቀሉ ዘለዎን ግን፡ ናይ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ሃተፍተፍን ዘይንቡር መግለጺታትን ኣይኮነን። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ዋላ’ኳ ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡን ዘይእመንን ምዃኑ ዝግንዘብ እንተኾነ፡ መታን ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ዘለዎ ዕቁር ጥሙሕ ንምግሃድን፡ ዳግማይ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ፡ ከናቁቶ፡ ደም ከፋስሶን ኣብ ዘይምልከቶ ውራይ ክጽንበርን ከይደቀሰ ይሓድር ምህላዉ’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ድሕሪ ኣብ ሓምለ 2018 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክቶር ዓቢዪ ኣሕመድ ዘርእዮ ዘሎ ወጠምጠም፡ ንልኡላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ንኽብርን መንነትን ህዝብና ዝብልልን ዘይግሁድን ንመሰረታዊ ጠንቅታት ደም ምፍሳስ ምስ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝነበረ ጉዳይ ዶብ ጎሲኻን ዝተገብረ ስምምዓት፡ “ምስ ኢትዮጵያ ሽግር ዶብ የብልናን፡ ምሕንጻጽ ዶብ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣይኮነን፡ ዶክተር ዓቢዪ መራሒና ኢኻ” ዝብሉ ሕቶታት ዘስዕቡ መግለጺታት ምሃቡ፡ ሓደ ንጹር መደምደምታ ክወሃቦ ይኽእል። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ነቲ “ዶብና ኣይተሓንጸጸን፡ ሃገር ኣብ ኣይ ሰላም ኣይ ኣብ ኩናትያ ዘላ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም እገዳ እንቢሩልና ኣሎ” ብዝብል ምስምስ፡ ደረት ግዜ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከየብቅዕ፡ ቅዋም ከይትግበር፡ ሰብኣዊ መሰል ከይክበር፡ ብዘይ ፍርዲ ዝተኣስሩ ኣሽሓት ዜጋታት ከይፍትሑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ወከልቱ ከይመርጽን ብቀንዱ ህዝቢ ኤርትራ ቅሱን ህይወቱ ከይመርሕን፡ ከም መመኽነይታ ዘቅርቦ ዝነበረ ናይ ሓሶት ፈጠራ ክቅጽሎ ስለዝደለየ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ካልእ ህዝቢ ጽልኢ የብሉን። ብሰሪ ዘይዓግብ ህርፋን ስልጣንን ትዕቢትን ዘለዎ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ግን፡ ህዝብና ካብ ጽባሕ ናጽነት ምስ ኩለን ኣህዛብ ጎረባብትና ሃገራት፡ ከብድን ሕቆን ኮይኑ’ዩ። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮ- ኤርትራ ምኽታሙ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ መስመሩ ዝሰሓተ ሽርክነት፡ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ንሓደ ምድኻም ነቲ ካልእ ድማ ምዕንታር ሞራል ዝጎደሎ ተንኮላት ምቅጻሉ  ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሰላምን ስሩዕ መነባብሮን ህዝቢ ኤርትራ’ውን ዘየርብሕን ዝዘርግን ኢዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ሕብራዊ ባህርያትን ኣቀራርባን ስለዘለዎ፡ ዘይርጉእን ዘይተጸንዐን ምሕዝነት ክፈጥርን ብትዕቢት ኣብ ምውጣጥ ክኣቱን ጸገም የብሉን። ኣህጉራዊ ኣሰራርሓን ሕግታትን ዘይክተል ስርዓት ህግደፍ፡ ሓንሳብ ምስ ቀጠርን ሱዳንን ይመሓዞን ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ ውዕላት ይፈርምን ጸኒሑ ድማ ተጻሪፉ ምስ ኢማራትን ስዑድያ ይተዓራረኽ። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣካይዳን ሜላታትን ውልቀመላኺ ኢሳያስ ዝያዳ ክጥንቀቀሉን ብሸለልትነት ምዕዛብ ከቋርጽን ኣለዎ፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ድማ ብፍላይ እቶም ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ትነጥፉ፡ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ኣፈኛታት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኮይንኩም ሕሰም ህዝብና ተናውሑን ዘለኹም ወገናት፡ ነባሪ ወገንኩም ህዝብኹምን መሬትኩምን እምበር፡ እዚ ጽባሕ ዝጎሓፍን ዝሓልፍን መላኺ ኢሳያስ ኣይኮነን። ንህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ መላኺ ኢሳያስ ዝኣጉዶ ሓዊ ክጥበስ ተሓባበርቲ ክትኮኑ ኣይግባእን። ብፍላይ እዞም ኣብ ዓዲ ዲሞክራስን ፍትሕን ኮይንኩም “ህግደፍ ወይ ሞት” ትብሉ ዘለኹም ሃጢኣን ዒብ ግበሩ። ስም ጋዜጠኛ ዘለዎም እንተኾነ ብሰንኪ ዓፋኒ ፖሊሲታት ህግደፍ ከም ፓፓጋሎ ዝተባህሎም ጥራይ ክደግሙ ዝግደዱ ጋዜጠኛታት፡ ከምእኒ ሱሌማን ዑስማን ዓበን ጳውሎስ ነታባይን፡ እታ ካልኣይ ክፋል ቃለ-መጠይቅ ኢሳያስ መዓልታ ክሳብ ትኣክል ክጽበዩ ሓለውቲ ስጡሕ ኮይኖም ዘለው፡ ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ዓዶም ልቀቀሎም ስለዝኾነ ካብ ፍቃድ ወዲ ኢሱ ምትግባር ካልእ ምርጫ የብሎምን።  ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ከደ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓቢዪ ኣሕመድ ጀሚርካ “ወሰደ ኢሱ፡ ፍቅሪ ስዒሩ፡ ተደሚርና” እናተባህለ እንተተናእደንን በብዓይነቱ ህያባት እንተተዋህበን፡ ነቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን ስደትን ዝሳቀዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣይንታዮምን ኢዩ። ኣሓትናን ኣሕዋትናን፡ ብኣፉ መራሒ ህዝቢ’የ ብዝብል ኢሳያስ ካብ ተተልሙ፡ ንስለቶም ኣብ ማሕዩር፡ ኣብ ስደትን ኣብ መቁሕን ስርዓት ህግደፍ ዘለዉ ዜጋታትና በታ ንኽእላ ዓቅሚ ክንማጎተሎም ኣለና።

ኤርትራውያን እቲ ብስም ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ተፈሪሙ ዘሎ ውዕላት፡ “ዶባት ተኸፊቱ፡ ህዝብን ኣቁሑትን ካብን ናብን ኤርትራን ኢትዮጵያን ይንቀሳቀስ ኣሎ” ኢልና ክንዛነን ቀዳምነታትና ክንርስዕን የብልናን። እቲ ብዶብ ተመኽንዮ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ደማዊ ኩናት፡ ንምምስራት ጥዕና ዘለዎ ጉርብትናን ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ምስ ኢትዮጵያ ይጽንሓለይ ዘየድልዮ ቁልፊ ጉዳይ ክንሱ፡ ቀዳምነት ኣይተዋህቦን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋላ’ኳ ንምትግባር ውዕል ኣልጀርስ ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቀቢለዮ ይበል፡ ብተግባር ግን እቲ ዶባት ኣብ ባይታ ኣይተሓንጸጸን። ውዒሉ ሓዲሩ ዘከራኽር ዶብ መዕለቢ እንተዘይተገይሩሉ ድማ ጠንቂ ኩናትን ስእነት ሰላምን ክኸውን’ዩ። ንኣብነት፡ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ፡ ባድመ ንኤርትራ ትግባእ ተባሂሉ ክንሱ፡ መርገጺ ክልል ትግራይ ባድመ ናብ ኤርትራ ንምስትላምን ካብቲ ቦታ ኣጎዝኦም ጠቅሊሎም ንምውጻእን ከም ሞትን ውርደትን’ዩ ዝቆጽሮ። ውዒሉ ሓዲሩ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ፡ ሕቶ ዶብ ኣዝዩ ተነቃፊ ስለዝኾነን ብግቡእ ዝፈትሖ መንግስቲ እንተዘይረኺቡን ድማ፡ ድሕሪ ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ሕማም ድሓር ኮይኑ ከምዝደግስ ዘተራጥር ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን፡ እስራኤልን ሃገራት ኣዕራብን፡ ኮሎምብያን ቨንዙዋላን፡ ዒራቅን ሶርያን ንብዙሕ ዓመታት ጸጸኒሑ ዝውላዕን ናብ ደም ምፍሳስ ዘምርሕን ግጭት፡ ጠንቁ ዶብን መሬት ይብጽሓንን’ዩ። ብዶብ ህይወት ሰብ ሃሊቁ ንብረት ዓንዩ ሰብ ተመዛቢሉ ክንሱ፡ ዶብ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣይኮነን ክብሃል እንከሎ ድማ ዘይሓላፍነታዊ ውሳኔ ኢዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጸልማት ደርቢኻ ብዛዕባ ውልቃዊ ረብሓ ምትኳር’ዩ።

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከቲምዎ ዘሎ ጸጥታውን ወተሃደራውን ምትሕግጋዝ’ውን፡ መኽሰቡን ጉድኣቱን ከምኡ’ውን ዝርዝር ትሕዝትኡ፡ ክሳብ ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይተገገልጸን፡፡ ይኹን እምበር፡ ቀንዲ ዕላማ  ህላወ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መሬትን ባሕርን ኤርትራ፡ ኢሳያስ ብህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ ስለዘሎ፡ ኣንጻሩ ብህዝቢ ኤርትራ ክልዓል ንዝኽእል ተቃውሞ መጨፍለቂ ክጥቀመሉን  ብሰላሕታ ወተሃደራዊ ዓቅሚ ምክልኻል ኤርትራ ኣዳኺምካን ብሰራዊት ኢትዮጵያ ክጉበጥን ልኡላውነት ኤርትራ ክገሃስን’ዩ። ብተመሳሳሊ መንግስቲ ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ይኹን ካብ ግዳም ተጻብኦታት ምስዘጋጥሞ፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ዘራይ ከምዝኣቱን ንጹሃት ኤርትራውያን መዝሓል ጥይት ከምዝገብሮምን ልኡላውነትና መአንገዲ ብደልን መጨፍለቂ ካልኦትን ከምዝኸውን፡ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ሎሚ፡ ኣብ ሶማል፡ ኢትዮጵያ ንባዕላ ቀጠርን ስዑድ ዓረብያን ዝፈጸሞ ዕንደራ ካብ ዝኽርታትና ዘይሃሰሰ ናይ ቀረባ እዋን ፍጻሜታት’ዩ። ለመጭመጭን መሳጥን መደረታትን መብጽዓታትን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ናይ ደው በለለይ ክብለጸልካ መትከል እምበር፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣረሜናዊ ግፍዕታት እናፈጸመ እንከሎ፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላምን ምዕባለን ክምነ ከምዘይክእልን፡ ውልቃዊ ረብሓታቱ ምስዝጎድሎ ተገምጢሉ ተጻረርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝጫጭሕ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ መንፈቅ፡ ኣብቲ ንዓመታት ምፍጣጥን ምፍኽኻርን ዓብሊልዎ ዝጸንሐ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ በቲ ሓደ ምትእትታውን ተገዳስነትን ገለ ሃገራት ዓረብን ምዕራባውያን መወልተንን ድማ በቲ ካልእ፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ንነብሱ ከም ቀንዲ ተዋሳኢ ስለዝወስዳን ንረብሕኡ ክብል ዝኾነ ዋጋ ዕዳጋ ክገብር ከምዝኽእል ኩሉ ፈሊጥዎ ስለዘሎን፡ ተሰካሚ ኣደራዕን ሕሰምን ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ኣብ ከምዚ ተኣፋፍን ንጉሆን ምሸትን ዝቀያየር ዘሎ ኩነታትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ወሳኒ ዕድሉ እንተዝኸውንን ብቅዋም ዝምእዘዝ መንግስቲ እንተዝህልዎን፡ ምስ ከባቢኡን ዓለምን ብኸመይ ይዋሳእን እንታይ የርብሖን ይጎድኦን ክመምን ክውስንን ምኸኣለ ነይሩ። ስለዚ ኤርትራውያን፡ ውልቀ መልኺ ኢሳያስ ቅድሚ ሎሚ “መሬትና ተወሪሩ፡ ዓለም ዘርያትና፡ ኣብ ኩናት ኢና ዘለና” እናበለ መሰልና ዝገሃሶ፡ ዘዐሸውና፡ ደምና ዘፍሰሶን ንብረትና ዝመንዝዖን ይኣክል ንበሎ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 23 ሕዳር 2018

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Kaled November 23, 2018

    ቀንዲ ዕላማ ህላወ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መሬትን ባሕርን ኤርትራ፡ ኢሳያስ ብህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ ስለዘሎ፡ ኣንጻሩ ብህዝቢ ኤርትራ ክልዓል ንዝኽእል ተቃውሞ መጨፍለቂ ክጥቀመሉን ብሰላሕታ ወተሃደራዊ ዓቅሚ ምክልኻል ኤርትራ ኣዳኺምካን ብሰራዊት ኢትዮጵያ ክጉበጥን ልኡላውነት ኤርትራ ክገሃስን’ዩ።

    You said it all.
    At one point in time, in a not so distant future, Iseyas will invite Ethiopian Army units to Eritrea, with a pretext the two countries need to establish joint military and security arrangements and work together as provided by Jedah peace accords.
    I hope the Ethiopians understand the implications of this move and stay away from our internal affairs. Protecting a dictator is not going to serve their interests.
    Some of us may think this is not going to happen, but it’s a matter of time before we see it actually happening. It’s on the tyrant’s agenda.
    Iseyas is not working for peace between the two countries, he is working for his own sinister agenda.
    A peace process, that keeps Eritrean people in the dark will not last long.
    We need peace with Ethiopia but not at the expense of our national sovereignty and secret treaties signed by enemy of the people.

  • Danilo November 23, 2018

    “ንጉዋል’ሲ ዘግፍሓላ እምበር ዘጽብበላ ነይትረክብ” ዝብል ቢሂል ይሰምዕ ግን፡ትርጉሙ ኣይፈልጦን።ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጲያ ፡ኢትዮጲያ ( ከም እናት፡ኤርትራ ከኣ ኩሉ ግዝየ ክም ጓል እያ ትቁጸር።ኣዚ ማለት ፡ማዓርግ ኣደነትን ጓልነትን ብኸመይ ንምፍላጡ ዝሕርብት! ዶርሆ ድያ ኣንቃቁሖ ቅድም ዝዓይነቱ ጹዉጽዋይ ብቀጻሊ ዘብርስ ሕማም ከይተኣልየ ሰላም የለን።ጨለነትን ሙስሉይነትን ኢሰያስ/ ኣቢ ኣሕመድ ሓደጋ ናይ’21ን ክፍለ-ዘመን እዮም።እዚ እናትዓዘቡ ደገፍቲ ብምህላዎም ኣማን ብኣማን “ጓልሲ ዘግፍሓላ እምበር ዘጽብበላ የለን”ዓግብ!!!

POST A COMMENT