Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊ ዜጋ!

እንታይ እዩ በደልና ኣንቲ ሃገር ስውኣት መላኺ ሒዙና ዚኸይድ ናብ ጥፍኣት ከም ግብረ ሽበራ ናይ ሰላም መንድዓት ኣብ ምልእቲ ዓለም ገይሩና ገንሸላት! ኤርትራዊ’የ ከይብል ብስምኪ ኮሪዐ ምስልኺ ምኽፍኡ ክዕለል ሰሚዐ ዉሉድኪ ካብ ቤቱ *እናተቐምዐ    *ብሓይሊ እናተወስደ ኣብ ማሕዩር ብስቓይ እናተጣርዐ ደቀይ ዘይምባልኪስ ሓዚነ ነቢዐ! ብዓል

እንታይ እዩ በደልና ኣንቲ ሃገር ስውኣት

መላኺ ሒዙና ዚኸይድ ናብ ጥፍኣት
ከም ግብረ ሽበራ ናይ ሰላም መንድዓት
ኣብ ምልእቲ ዓለም ገይሩና ገንሸላት!
ኤርትራዊ’የ ከይብል ብስምኪ ኮሪዐ
ምስልኺ ምኽፍኡ ክዕለል ሰሚዐ
ዉሉድኪ ካብ ቤቱ *እናተቐምዐ    *ብሓይሊ እናተወስደ
ኣብ ማሕዩር ብስቓይ እናተጣርዐ
ደቀይ ዘይምባልኪስ ሓዚነ ነቢዐ!
ብዓል ኣልጀዚራ፡ ቢቢሲ፡ ሲ ኤን ኤን
ብሰንኪ መላኺ ድያብሎስ ኣረሜን
ሲኦል ዜጋታታ ምዃንኪ ነጊረን
ኤርትራ ሃገረይ ምስልኺ ኣቃሊዐን
ዓለም ክትረድኣኪ ድሕነትኪ ጸዊዐን!
ካብ ሃገራት ዓለም እታ ዝደኸየት
ብጥበብ ምዕባለ እታ ዝደሓረት
ብዲፕሎማሲ እታ ዝተነጸለት
እገዳ ኒሻና ሕላገታ *ጻኦት       *ህዝቢ ብብዝሒ ዝስደደሉ ኩነት
ብምዃንኪ ዓደይ ሓዚነልኪ ብኡነት!
ዕባይ እንዳ ስዋ ‘ግለት’ ኮይና ቃሉ
ሓረስቶት ደገፍቱ ‘ዕርፊ ኣጽንዕ’ እናበሉ
ህዝብና *ብእልበት ጸቢብዎ ዓቕሉ    *ብሓሳረ መከራ
ናብ መጋርያ ሲናይ ጠፊኡ ሃጽ ኢሉ!
ብግህሰት መሰል ሰብ፡ እታ ዝኸፍአት
ኣብዚ ምዕቡል እዋን ዉሉዳ ዝሸጠት
ህዝባ ዘይተኽብር እታ ዝሓሰረት
ቅዋም ኣልቦ ሃገር ስርዓታ ምልክነት
‘ድሕርቲ’ ኢለናኺ መዓሙቕ ደልሃመት!
ኤርትራዊ ዜጋ ሓደራ ክብለካ
ዝግ ኢልካ’ሞ ሕሰብ ኩሉ ኣመዛዚንካ
*ስልንስል ኣይትኹን ንምኽባር መሰልካ     *ክልተ ልቢ፡ ነግ ፈረግ በሃሊ
ካብዚ ዝኸፍእስ እንታይ ከይመጽኣካ!?
ለዋህ ኤርትራዊ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ
መንግስቲ ብምስኣኑ ደሃይ ዝሓተሉ
ኩሊቱ እናሸጡ ዶላር ክኸስቡሉ
ራሻይዳን በደዊንን ይማናጠልሉ
ሃገሩ ከላቶስ ጓኖት የእውያሉ!
ሓወይ ወዲ ዓደይ ስምዓኒ ዝብለካ
ንሓሶት ተቓወም ንሓቂ ደጊፍካ
ካብ ተዅላን ወኻሩን ኣይኹን ትጽቢትካ
ሽም ንህቢ ክትመርጽ ቆጽሊ ኣውሊዕ ኣንቢርካ
ባዕልኻ ወንና ፍቕርቲ ሃገርካ
እዚኣ’ያ እታ ምኽረይ ሰላም ወደሓንካ!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 27-01-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • MEHRETU HABTE aka Yugoslavo Eritrean January 27, 2013

    ንኤርትራ ደዊለላ ኔረ፣ነዚ ሕቶኻ ክትምልሶ
    ወይዘሪት ኤርትራ ደዊለላስ ፣እዚ መልሲ እዚ ሂባትኒ (ብንግሊዝኛ). (ትግራዎት ተጋሩ ስለ ዝዛረቡ ትግርኛ ክትዛረብ ኣይደለየትን።)
    You guys ,be happy… you are free from Ethiopian colony ,that was loaded with cruelty …such as,
    1)University education ,with pocket money,food & boarding ….favour to Eritreans ..special entrance criteria.
    2)All big buildings & businesses were owned by Eritreans.Generally ,the private riches of Ethiopia were owned by Eritreans.
    3)All long distance freights & cafe houses cakes….etc.
    all the cruelty by Ethiopia still continues.
    Just roll over & stay dead ,atleast you have me.

    Your lovely mother Eritrea.
    * That was her message.

  • Semhar January 28, 2013

    Hold your Ground Saleh Osman and our courageous Eritrean armed forces; you will soon be overwhelmed with the support of all Eritrean armed forces and Eritrean people!! You are Eritrean heroes!
    You choose freedom instead of slavery. You stood for what you believe in.
    You represented Eritrean people. You stood against the mad dog, tyrant, dictator Isayas wedi Berad, his blind followers HIGDEF and his burned flag.

    We will liberate our land and our people.

    Let freedom ring in Akeleguzay, Adi keyih!
    Let freedom ring in Senhit, Keren!
    Let freedom ring in Denkel, Asseb!
    Let freedom ring in Barka, akurdet!
    Let freedom ring in Sahil Nakfa!
    Let freedom ring in Seraye, Adi Ugri!
    Let freedom ring in Hamassien, Asmera!
    Let freedom ring in Semhar, Massawa!

    Eritrea will be free soon.
    Our original Eritrean Liberation Flag, Semayawit Banderana will be allover Eritrea!

    Shighey abbey ala?
    Adikeyih besihala!

    Shighey abbey ala?
    Dekemhare besihala!

    Shighey abbey ala?
    Akeleguzay besihala!

    Shighey abby ala?
    UK besihala!

  • Mesinas January 29, 2013

    ዝኸብርኪ ሰምሃር፡ ብመጀመርያ ካብቶም ብምልኪ ኣዒንቶም ዝዓወሩ ኣሕዋትና ብዘይምዃንኪ እንቋዕ ኣሐጐሰኪ ክብለኪ እፈቱ። ብምቕጻል፥ ኣብዛ ኣብ ትሕቲ’ዛ “ኤርትራዊ ዜጋ!” እትብል ግጥሚ ጽሒፍክዮ ዘለኺ ርእይቶ ዘለኒ ሓበሬታ ክሕብረኪ ፍቐድለይ? ሓፍቲ ሰምሃር ሰናይ ናይ ሓርነት ትምኒትኪ ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ፡ ሓንቲ ጌጋ ግን ኣላ ክትእረም ዘለዋ! ንሳ ኸኣ እዛ ንሃገርና ወኪላ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ኣብ ካልእ ቦታ ብትንፋስ ጀጋኑ ስውኣትና ተንበልብል ዘላ ሰንደቕ ዕላማና፡ ህዝቢ ኤርትራ ብመስዋእቱን ብህይወት ደቁን ዝረኸባ ናይ ክብሪ ባንዴራ እምበር ናይዚ ካብ ሰብዓታት ኣትሒዙ ክሳዕ ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራ ዘጽነተን ጌና ዘጽንት ዘሎን ኣውቶክራት ከምዘይኮነት ክሕብረኪ ደስ እብለኒ። ምኽንያቱ፡ እታ ሰማያዊት ባንዴራና ኢልኪ ጠቒስክያ ዘለኺ ማለት፡ እታ ብዕለት 2/12/1950 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንህዝቢ ኤርትራ ዝተወሃበቶ ናይ ፈደረይሽን ባንዴራ ዘይኮነትስ እታ ሃቢ ኤርትራ ኣእላፍ ህይወት ጀጋኑ ደቁ ከፊሉ ብደሙ ዘምጽኣ ህልውቲ ናይ 24 ግንቦት 1991 ዝኾነት ውቅብቲ ህያብ ሰማእታትና ምዃና ሃገራዊት ባንዴራና ከዘኻኽረኪ እደሊ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ናቱን ናይ ውድቡን ካልእ ባንዴራ ኣላቶ።

    ስቓይና ንኽድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

    ካብ ሓውኺ መሲናስ

POST A COMMENT