Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊት ህይወት!

በተን መዓልታዊ ሰሪሐየን ዚብለን ኣብ ሃገርን ህዝብን *ብሶላ ዘይብለን        *ኣሰር ዘይብለን ከምቲ ዚተለምደ ከደናግረለን ህዝቢ ተስፋ ጌሩ ክጸናናዓለን ኣብ ዕስራ ሰነውን ከይጃሃረለን ኣደታት ከንብዕ እናሓኸኸ ቁስለን ከርእየን ቀንዩ መስዋእቲ ናይ ደቀን! ህዝቢ ከይጸንዕ ረሲዑ ሓዘኑ ብጥልመት መላኺ እናሓርቀመ ኣስናኑ ዝነኣሱ ደቁ ከይሓቁፍ ቀሲኑ ዓመት መመላእታ ክነብዕ

በተን መዓልታዊ ሰሪሐየን ዚብለን
ኣብ ሃገርን ህዝብን *ብሶላ ዘይብለን        *ኣሰር ዘይብለን
ከምቲ ዚተለምደ ከደናግረለን
ህዝቢ ተስፋ ጌሩ ክጸናናዓለን
ኣብ ዕስራ ሰነውን ከይጃሃረለን
ኣደታት ከንብዕ እናሓኸኸ ቁስለን
ከርእየን ቀንዩ መስዋእቲ ናይ ደቀን!
ህዝቢ ከይጸንዕ ረሲዑ ሓዘኑ
ብጥልመት መላኺ እናሓርቀመ ኣስናኑ
ዝነኣሱ ደቁ ከይሓቁፍ ቀሲኑ
ዓመት መመላእታ ክነብዕ ቃዚኑ
ብምሕደራ ህግደፍ ቅሳነት ስኢኑ!
ንገድ ነጋዳይ ኢልካ ሓረስታይውን ሕረስ
ብራህዋን ሃሴትን *እልበትና ከይድምሰስ                    *ሓሳር መከራና
ስድራ ሓርበኛታት ሓዘኖም ከይድበስ
ወትሩ ዕስራ ሰነ ቃንዛኦም ኪሕደስ
ግፍዕታት ገዛእቲ ከም ተኽሊ ይኹስኮስ!
መግዛእትን ምረቱን መን ኣሎ ዘይፈልጥ
ወራሪ ብሓይሊ ሃገርና ክጐብጥ
ብሓውን ዓረርን መሬትና ከንቀጥቅጥ
ጅግና ብመስዋእቱ ዓመጽቲ ኪቕጥቅጥ
ኣይተበጀወንድዩ ሕሰምና ክቕንጥጥ!?
ብመስዋእቲ ጅግና ዝተረኸበት ራህዋ
ቀልጢፋ ጠፊኣ ምልኪ ጨዊዩዋ
ወላዲት ማድያ ሕሰም መሪሩዋ
ዓፈናን መርገጽትን ተደራሪቡዋ
ስውኣት ተንሲኦም እንቋዕ ኣይሪእዩዋ!
ዝሓዘነት ኣደ ጸጒራ ተደርሚማ
ደቃ ተሰዲዶም መሬታ ባዲማ
ክንዲ ምድባሳ ፈቲሕካ ጸገማ
‘ኣይረሳዕናዮን’ እናበልካ ኩሉሳዕ ቁዝማ
እንታይ ይዓብሰላ እንትርፎ ከሕማ!?
ካብቲ ዝሓለፈ ናይ መግዛእቲ *እልበት            *ሓሳረ መከራ
ሎሚ ከፊኡና ብምልኪ ከልበትበት
ጉንዱ ምስ ተቖርጸ *ጫሊዱ ድኽነት
ከም ኣፍ ዕንቊ ኮይና ጸቢባ’ዛ መሬት
ኣመና ሓሲራ ኤርትራዊት ህይወት
ዕዳጋ ኣውሪዶማ ከም እኽሊ ክትሽመት!
ሓዘንን ቁዝማን ብዕልል ኪትካእ
ነዚ እንድዩ እቲ ጅግና ተኸፊሉ ሞባእ
መኸተ እናበልካ መንእሰይ ካብ ምጥፋእ
ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ሃገር ንምምጻእ
ካብ መግዛእቲ ምልኪ ብቓልስና ንውጻእ!?
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 28-06-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT