Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ሽጋራ ናይ ምትካኽ እገዳ ከተተግብሮ ከምዝጀመረት Newsweek ሓቢሩ።

ዋና ክተማ ኢትዮጵያ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ነቲ ፓርላማ ኣብ 2014 ዘመሓላለፎ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ሽጋራ ናይ ምትካኽ እገዳ ከተተግብሮ ከምዝጀመረት Newsweek ንከንቲባ ‘ታ ከተማ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ፣ ምስ ሽጋራ ምትክኽ ተኣሳሲሮም ብዝስዓቡ ሓማማት ሰባት ይሞቱ

ዋና ክተማ ኢትዮጵያ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ነቲ ፓርላማ ኣብ 2014 ዘመሓላለፎ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ሽጋራ ናይ ምትካኽ እገዳ ከተተግብሮ ከምዝጀመረት Newsweek ንከንቲባ ‘ታ ከተማ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ፣ ምስ ሽጋራ ምትክኽ ተኣሳሲሮም ብዝስዓቡ ሓማማት ሰባት ይሞቱ ስለዘለዉ ነዚ ሳዕቤን ዚ ንምቅላስ እቲ ትግባረ ናይቲ ስጉምቲ ከምዘድለየ ይሕብር።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ባራት፣ እንዳሻሂ፣ ከምኡ ‘ውን ብ ፈስቲቫላ ሽጋራ ምትካኽ ዘይሕጋዊ ኮይኑ፣ ነዚ መምርሒ’ዚ ዝጠሓሰ ሰብ 2 ሽሕ ብር ክቕጻዕ ከሎ፣ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዓ ሽጋራ ከምጽእ ዝልኣኸ ድማ 2500 ብር ክቕጻዕ እዩ።

ኢትዮጵያ እታ ዝተሓተ ትንባኾ ናይ ምጥቃም ልማድ ዘለዋ ሃገር ክንሳ እያ ከምዚዝ ኣመሰለ ስጉምቲ ትወስድ ዘላ፣ ኣብ ከም ብዓል መቐለ ዝኣመሰላ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከባ ከተማታት  እቲ ውሳኔ ኣቐዲሙ ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለ እቲ ዜና ይጠቅስ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • yemane May 23, 2016

    We don’t care about Ethiopia we care about country Eritrea .it is not news this for us.

POST A COMMENT