Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣደታት ኤርትራ!

ኣደታት ኤርትራ! ኣደታት ኤርትራ ኣብ ስቓይ ዘለኽን መላኺ ኪጻወት ብህይወት ደቅኽን መንዚዑ ኪወስዶ ካብ ማሙቕ ሕቑፎኽን ሓድጊ ከይገደፈ ከይጠፍእ ፍሬኽን ንኸተምስልኦ ጓል ሰብ ኣናዲኽን ምስ ኣጽናቲ ስርዓት ትጓየያ ኣለኽን! ኣትን ግዳይ ምልኪ ኣደታት ሰውኣት ብዘይ መርዓዊዶ ትሕጸን’ያ መርዓት ክንደይሳዕ ክትሓዝላ ሕሰም ከም መንደዓት ኣምላኽ ኪሰጎልና

ኣደታት ኤርትራ!
ኣደታት ኤርትራ ኣብ ስቓይ ዘለኽን
መላኺ ኪጻወት ብህይወት ደቅኽን
መንዚዑ ኪወስዶ ካብ ማሙቕ ሕቑፎኽን
ሓድጊ ከይገደፈ ከይጠፍእ ፍሬኽን
ንኸተምስልኦ ጓል ሰብ ኣናዲኽን
ምስ ኣጽናቲ ስርዓት ትጓየያ ኣለኽን!
ኣትን ግዳይ ምልኪ ኣደታት ሰውኣት
ብዘይ መርዓዊዶ ትሕጸን’ያ መርዓት
ክንደይሳዕ ክትሓዝላ ሕሰም ከም መንደዓት
ኣምላኽ ኪሰጎልና ነዚ ፈጣር መዓት
ጸሎት ዘይትገብራ ክንድሕን ካብ ጥፍኣት!
መላኺ ኣብ ልዕሌኽን ከሽካዕልል ኪነብር
ዕሸላት ደቅኽን ካብ ቤቶም ኪስውር
ሓደ ሓዊ ደጒሉ ነቲ ሓደ ከሳውር
ብስም እዛ ሃገር ኣባጽሕ ኪቐብር
መቕዘፍቲ ደቅኽን ጌርክንኦ ንቡር!?
ወላድ እንክትጉሂ መኻን ትስሕቐሉ
መኻን እንክትዕልል ወላድ ትሓዝነሉ
እዚ እከይ መላኺ *ሕንዳ ዘይብሉ           *ጨካን፡ ዘየናሕሲ
ኣደታት ከንብዕ ኮይኑ መዋእሉ!
ዘራእቲ ሃጒጉ ዘይመልእ *ዕብንቶ        *ለቘታ
ቁንጣሮ ምህርቲ ዘይዓብስ *መሸንቶ      *ዓይኒ ቖፎ፡ ኣብ እግሪ ቖፎ ዘላ ነዃል
ደንቤና ባዲሙ ዒባ ከይሽትቶ
ኣስማቶም ሃሲሱ ጓጉድ ምስ *ተፈይቶ    *መሕቘን ጸባ፡ ሳርታ
*ፍዝ መጎጎኽን ወዲ ዓከር ካብ በሓቶ   *ብዘይቲ ዘሎዎ ጨርቂ ዝተወልወለ
ጣይታ ጻዕዳ ጣፍዶ ደጊም ከይስንከቶ!
ኣትን ወይዘራዝር ፈረይቲ ጀጋኑ
መንእሰይ ክስደድ ሃገሩ ጠንጢኑ
እቲ ሓላል ማህጸንክን ወላድ መኻን ኮይኑ
ሃገርክን ምስ ህዝባ ብምልኪ ክትዓኑ
እቲ ለዋህ ልብኽን ብሕሰም ጨኪኑ
*ደማሒ ዘይምክት ከብቅዕ ገበኑ!              *መላኺ
ኣትን ብዓል ዋዕሮ ጸወርቲ መከራ
ካንድዩ ኣኺሉዋ ሃገርና ኤርትራ
ከም መጎጎ *በሰሮ ምልኪ ኪሕንክራ           *ዘይወሓለ ሰበይቲ
ብርኪ ዘይሰበሩ *ኣፍለታት ክትቀብራ         *ኣጉባዝ፡ ኣባጽሕ
ክሳዕ መዓስ ስቓይ ብሽግር መከራ
ጸላምና *ክወግሕ ይኣክል ዘይትብላ!
መኻን እንክትስሕቕ ወላድ ትነብዓሉ
ወላድ ክትሻቀል መኻን ትቐስነሉ
መቐረት ናጽነት ላዛ ስኢንናሉ
መግዛእቲ መላኺ ደረት ክንገብረሉ
ኣቱም ደቂ ዓደይ ሻቦያ’ንዶ በሉ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 28/09/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Daniel fessahazion September 29, 2013

    am really really sorry about adept Eritrea

  • ERITRAWIT September 29, 2013

    Mesinas hawei weriduna entai kngeber devil born in Eritrea we must kill him before he finish us all.

POST A COMMENT