Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣይተንብዕዋ

ኣይተንብዕዋ ኣደ ክንዲ ኩሉ’ያ ርኢኻ ዘይትምኖ ግርማ ገዛ መኣዲ ስድራቤት ዘይትውዳእ ሓለዋት መኣዛ ቤት ዝመልእ ፍሽኽታ ለውሃታ ኣለዎ ሓለፋ ዕንጋለ ላዛ ትሕለብ ፍቅሪ ልግሲ ምቁር ዕላል ዋዛ። ሓደራ ኣይተንብዕዋ።   ‘ነደ ሓሳብ ልባ ኣስምሩላ ሕልማ ኣይትኹለፍዋ ጭንቀታ ቀንጥጡላ ንብዓታ ሓቢስኩም ኣጸናንዕዋ ድርዒ ኮይንኩም

ኣይተንብዕዋ

ኣደ ክንዲ ኩሉ’ያ ርኢኻ ዘይትምኖ ግርማ ገዛ

መኣዲ ስድራቤት ዘይትውዳእ ሓለዋት መኣዛ

ቤት ዝመልእ ፍሽኽታ ለውሃታ ኣለዎ ሓለፋ ዕንጋለ ላዛ

ትሕለብ ፍቅሪ ልግሲ ምቁር ዕላል ዋዛ። ሓደራ ኣይተንብዕዋ።

 

‘ነደ ሓሳብ ልባ ኣስምሩላ ሕልማ ኣይትኹለፍዋ

ጭንቀታ ቀንጥጡላ ንብዓታ ሓቢስኩም ኣጸናንዕዋ

ድርዒ ኮይንኩም ተኸላኸሉላ ካብ ጥፍኣት ኣድሕንዋ

ደቃ ብህይወትኩም ከይትድፈር ንሓዋሩ ከይትስእንዋ። ኣይተንብዕዋ።

 

ኣደ ከይትቆርር ጋቢ ጎምጉምኩም ኣማሙቁዋ

ጓል ወሰን ከይትኸውን ጽምዋ ከይወርሳ ኣማእክልዋ

ምስ ያሒት እኽላ ምስ መጋርያ ጥሪታ ከይትጠሚ ዓንግልዋ

ገጽ ሰብ ከይትርኢ ጓኖት ከይንዕቅዋ ብኽብሪ ሓዝዋ። ኣይተንብዕዋ።

ኣኺልዋ የማነ ጸጋም ጠሚታ ብዘይካኹም መን ኣለዋ

ሕሉባ ንጹፋ ንስኹም ኢኹም ሕመረታ ኣኺልዋ

ኣብ ዝባንኩም ሓንግርዋ ኣብ ውሑስ ቦታ ዓቅብዋ

ሴፍን ዋልታን ኮይንኩም ሑሕ በሉላ ስሱዓት ከይምንጥልዋ። ኣይተንብዕዋ።

ንወለላ፡ “ኣደ” ምባል መኣስ ውሒድዋ

ንዓንጋሊት፡ “ማማ” ምባል መኣስ ዓብይዋ

ንጽንዕቲ፡ “ኣብሻይ” ምባል መኣስ ከቢርዋ

ኣደ ሉል ባሕሪ’ያ ሓብሓቢት ስድራ ክትኮርዕ ኣለዋ። ኣይተንብዕዋ።

ኣደ፡ ኣብ ቀራና መንገዲ ረጊጽኩማ ኣይትኺዱ ኣልዕልዋ

እንተደኺማ ከም ህጻን ሕቆፍዋ ኣብ ማእገርኩም ጽርዋ

ኣብቲ ቀውጢ ጸልማት ጎደና ሰላም ሓብርዋ ምርሕዋ

ኣይትጥለምዋ ኣይትርሓቅዋ ጎር ኩኑዋ። ኣይተንብዕዋ።

ኣደ፡ ዘርኣ ከይጸንት ማህጸና ከየምክንዋ

ዕሸላ ቀቲሎም ብዘይ ውላድ ከየትርፍዋ

ቀስትኹም መዚዝኩም ካብ መንጣሊ ሽላ ሓልውዋ

ኣሰራ ከይስወር ትሕቲ መሬት ከየስፍርዋ። ኣይተንብዕዋ።

ነደ፡ ሰተ- ሰምሃል ኣንጺፍኩም ተቀበልዋ

ሃዲእኩም ከርሳ ዝዓቆሮ ምስጢራ ሕተትዋ

ዛራ ፍልጠት ክትቀስሙ ልባ ኣንብብዋ

ብጽእቲ’ያ ኣይተራኽስዋ ስማ ብሻላማላ ኣይትጸውዕዋ። ኣይተንብዕዋ።

ነደ ገፈላ እለዩላ ሓበላ ዓይኒ ኮይኖም ከየንቁሩዋ

ብቅንኢ ዝሓሰዱ ንብርቂ ቁንጅናኣ ከይዕይንዋ

ዘይናቶም ዝምነዩ ከይብህግዋ ንሓላሎም ከይሰርቅዋ

ሓንሳብ እንተኸይዳ ኣይትርከብን’ያ ብማዕዶ ከይተቋምትዋ። ኣይተንብዕዋ።

ኣደ፡ ክብረታ ከይቅንጠጥ ግምጃ ሰልምዋ

ናትኩም’ያ ንብረት ኩልኹም ኣብ ልብኹም ኣቀምጥዋ

ኣብ ኢድኩም ከይትጠልመኩም ዕሽሽ ኣይትበልዋ

ብዘይ ንሳ ህይወት የለን ክብረት የለን ሕማማ ፈውስዋ። ኣይተንብዕዋ።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 5 መጋቢት 2020            

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde March 11, 2020

    Moving poem Tsilal, but mother is done shedding her tears and dry and taking the steps to take the fight to her tormentor on her own even if the stakes are too high.That is how bad the state of our nation is unfortunately.The Lucifer had a deadly choke-hold on the motherland and nobody is intervening to kick him between the legs to free her from the lethal grip.

  • Yohannes March 12, 2020

    ብመጀመረያ ሰላምታ የቀድም
    ማዓልታዊ ዜና ብከሜይ ንረክቦ

POST A COMMENT