Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን: ውልቃዊ ትዕዝብቲ: ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም ( 9ይ ክፋል)

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      9ይ ክፋል         23/11/2013   ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     9ይ ክፋል         23/11/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

“ኣብ ዝቕጽል 9ይ ክፋል ጽሑፈይ፣ ቅድሚ ናብ ካልእ ምእታወይ፣ ብዛዕባ’ቶም ኣነ ካብ ዝስለፍ ክሳብ ብምኽንያት ስንክልና ካብቲ ኣሃዱ ዝወጽእ፣ ከይተቐየሩ ኣዛዚ ብርገድን መራሕ ሓይልን ዝነበሩ ክልተ ሰባት፣ ማለት ዓሊ ኢብራሂምን የማነ በርሀን ቁሩብ ክጽሕፍ ኢየ” ክብል ኢየ ተፋንየኩም። ንእግረ መንገደይ እዚ ዝትርኸሉ ዘለኹ እውን፣ ብርጌዳትና ኣብ ቀዋሚ ግምባር፣ ኣብ ጸቢብ ቦታ ዓሪደናሉ ዝነበራሉ እዋን ምዃኑ ክገልጽ እፈቱ።

መቐጸልታን 9ይ ክፋልን ድማ ይስዕብ…..

ገለ ካብ ኣብነታውያን ሓለፍቲ፦

ኣብተን ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዝጸናሕኩለን 5 ዓመታት፣ ዘይሃስስ ተዘክሮታት ካብ ዝገደፉለይ ብዙሓት ሓለፍቲ ከም ኣብነት፣ ብዛዕባ ዓሊ ኢብራሂምን የማነ በርሀን ቁሩብ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ። ካብቲ ኣብ ብርገድ 51 ዝኣተኹሉ ግዜ (ክራማት 1978) ክሳብ’ታ ተወጊአ ካብታ ብርገድ ዝወጻእኩላ ዕለት (ሓምለ 1983) ከይተቐየረ ከም ሓላፊ ናይታ ብርጌድ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ዓሊ ኢብርሂም ኢዩ። የማነ በርሀ’ውን ከምኡ ክሳብ’ታ ናብ ጋንታ ሃንደሳ ዝተቐየርኩላ ዕለት፣ ንሱ ኢዩ ኮሚሳር ሓይሊ 32 ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ። በዚ ከኣ ኢየ ብዛዕባ ክልቲኦም ቁሩብ ክዛረብ ዝደለኹ።

ዓሊ ኢብራሂም

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ፣ ዓሊ መበቆሉ ካብ ብሀረ ሳሆ (ዓዲ-ቀይሕ) ኮይኑ፣ ካብ  ቤት-ትምህርቲ ቅዱስ ጊዮርጊስ (2ይ ደረጃ ዓዲ-ወግሪ) መንደፈራ ምንባሩ ኢዩ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝሓለፈ። ዓሊ ሓደ ካብቶም ሰውራ ኤርትራ ዘፍረዮም ውሑዳት ጀነራላት ኢዩ። ብዛዕባ ግምባር ናቅፋ ተዛሪብካ ንዓሊ ከይዘከርካ ክሕለፍ ዝከኣል ኣይኮነን። ንሱ ሓደ ካብቶም ብሉጻት መራሕቲ ውግእ ምንባሩ፣ ብዙሓት ፈለጥቱ ይሰማምዑሉ። ንኣብነት ሓደ ንዓሊ ብቐረባ ዝፈልጦ ሰብ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን እዚ ዝስዕብ ኣዘንቲዩለይ፦

“ብገለ ምኽንያት ናብ ሓለዋ ሰውራ ምስ ከድኩ፣ ሓደ ተኪኤ ዝበሃል፣ ኣብ ወታደራዊ ስርሒት ዝተማረኸ፣ ናይ ጀነራል ታሪኩ ኦፐረተር (ኣዛዚ ናደው እዝ) ዝነበረ ወታደር ረኺበ። ብዛዕባ ሓለፍቲ ህዝባዊ ግምባር ከዕልል ከሎ፣ ‘ልዕሊ ኩሎም ሓለፍትኹም ዝፍራሕ ጀነራል ዓሊ ኢዩ። ጀነራል ታሪኩ ኣዝዩ ኢዩ ዘድንቖ። ኩሉ ግዜ ‘ጀነራል ዓሊ’ እናበለ ኢዩ ዝጽውዖ። ‘መልእኽቲ ጀነራል ዓሊ እንተጠሊፍኩም ወይ ካብ ጀነራል ዓሊ ዝሓልፍ መልእኽቲ እንተረኺብኩም፣ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣተንሲእኩም ንገሩኒ’ ይብለና ነይሩ። ኣነ’ውን ዕድል እንተዝረክብ ንጀነራል ዓሊ ክርእዮ ምደለኹ…” ከም ዝበሎ ይዛረብ።

ዓሊ እምበኣር ብጸላእቱ ከይተረፈ ‘ጀነራል’ ዝተባህለ፣ ብወታደራዊ ብቕዓቱ ዘመስከረ ብቑዕ ወታደራዊ መራሒ ኢዩ ነይሩ።

ምስ ዓሊ ዝነበረኒ ሌላ ከም ኣዛዚ ብርጌድ ካብ ናይ ማዕዶ ፍልጠት ዝሓልፍ ኣይነበረንን። ኣብታ ንመወዳእታ እዋን ዝተራኣኣናላ መዓልቲ፣ ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1983፣ ብምኽንያት ስንክልና ካብቲ ብርጌድ ክወጽእ ስለ ዝነበረኒ፣ መሰነይታ ወረቐት ክወስድ ናብቲ ኣብ እማባልቆ ዝነበረ ቤት-ጽሕፈት (እዚ) ብርጌድ 51 ምስከድኩ ኢየ። ወዲ ሓወልቲ ዝበሃል ፐርሰነል ናይቲ ብርጌድ “ዓሊ ይደልየካ ኣሎ” ምስ በለኒ፣ ናብታ ዓሊ ዝነበራ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሰርሐት ክፍሊ ከይደ። እታ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተደኮነት ገዛ፣ ብላዕሊ ዝኾነ ናይ ገዛ ምልክት የብላን። እቲ ናሕሲ ‘ቅንጭቢ’ ዝበሃል ገረብ በቊሉዎን ተመሳሲሉን ኢዩ። እታ ንመእተዊ ዝተዃዕተት ካናለ’ውን ብየማነ ጸጋም ተመሳሲላ ኢያ። ንውሽጢ ምስ ኣተኻ ግን ብሕብርታት ዘገጼት ኢያ። ኩሉ ዓይነት ንብረት ማለት ኮፍ መበሊ፣ መጽሓፊ ጣውላ፣ መደቀሲ ወዘተ ኣለዋ። ብዛዕባይ ምሉእ ሓበሬታ ከም ዝነበሮ ገምጋም ኣለኒ፣ ብፍላይ ናይቲ ኣብ ጋንታ ሃንደሳ ዝነበርኩሉ እዋን። ኣነ ካብቲ ብርጌድ ጠቕሊለ ዝወጸሉ እዋን ስለ ዝነበረ፣ ርክብና ካብ ተራ ናይ ምፍናው ዕላልን ለበዋን ዝሓልፍ ኣይነበረን። ብብቕዓት ወታደራዊ ኣመራርሕኡ ግን ዕጉብ ኢየ።

እቲ ዓሊ ዝመርሖ ‘ብሓላው ማዕጾ፣ ቆፋሪ ብርጌድ’ ዝፍለጥ ኣሃዱ፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ቀንዲ ጽርግያ ኢዩ ዝዓጹ። ንኣብነት ኣብ ኩሉ’ቲ ናይ ምዝላቕ እዋን፣ ኣብ ዕላበርዕድ (ኣብ ጸሊም ጽርግያ)፣ ኣብ ገንፎሎም፣ ግዝግዛ፣ ሕዳይ ወዘተ ብማእከል ጽርግያ እናኸድና፣ ኣብ ቀንዲ ጽርግያ እናዓረድና ኢና ግምባር ናቕፋ በጺሕና። ናቕፋ ምስ ኣተና’ውን፣ ነቲ ዳሕራይ ብርጌድ 58 ዝተረከቡና፣ ኣብቲ ቀንዲ ጽርግያ ዓሪድና ኢና ንጸላኢ ተጸቢናዮ። እቲ ቀንዲ ናይ ናቕፋ ውግእ ግን፣ ታንክታት ሰሪዕካ ብማእከል ጽርግያ ዘይኮነስ ኣብ ጎቦ ደንደን ኢዩ ጽዒቑ። ከይደንጎየ እቲ ዓሊ ዝመርሖ ብርጌድ፣ ጎቦ ደንደንን የማነ ጸጋሙ ዝነበረ ድፋዓትን ክዓጹ ተኣዚዙ። እቲ እዋን ጸላኢ ንጎቦ ደንደን ክቆጻጸር፣ ኣሃዱታትና ድማ ክከላኸላ ዝነበረ ናይ መጥቃዕትን ጸረ-መጥቃዕትን ውግእ ትንፋስ ዝህብ ኣይነበረን። እቲ ብኣግራብ ዝማዕረገ፣ ስሕት ኢሉ ብግመ ዝሽፈን ኳዕናን ጎቦ ደንደን፣ ናብ ናይ ሓጺን መምከኺ ፎንደርያ ዝተቐየረ ኢዩ ዝመስል። እቲ ካብን ናብን ዝወናጨፍ ሓባሪ ጠያይቲ (ብፍላይ ብለይቲ)፣ እቲ ካብ ወገን ጸላኢ ጥራይ ዝውንጨፍ ሚሳይላትን ሞርታራትን፣ እቲ ካብ ነፈርቲ ዝድርበ ፋሽሽቲ፣ ነቲ ጎቦ ናብ መግሃር ሓዊ ኢዩ ቀይርዎ። እምባ ደንደንን ከባቢኡን ናብ እሳተ-ጎመራ ተቐይሩ። ኣብ ማእከል’ቲ ዝነድድ ዝነበረ መሬት ከኣ ስጋ ዝለበሱ፣ ካላሽንን ቡምባ ኢድን ጥራይ ዝሓዙ ተጋደልቲ።

ቁሩብ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጅማር ውግእ ደንደን፣ ሓደ “ነቲ ኣብ መንጎ ዓልን ኣብቲ ውግእ ዝነበረ ሓላፍን ዝግበር ዝነበረ ናይ ሬድዮ ርክብ ሰሚዐዮ” ዝበለኒ ተጋዳላይ ዘዕለለኒ ወስ ከብል። ነቲ ትንፋስ ዘይህብ ተደጋጋሚ ህጁማትን፣ ኣብቲ ዘይተሃደመ ካናለታት ዝዘንብ ዝነበረ ጻዕቂ ደብዳብን ጠቒሱ፣ “እዚ ኩነታት ጽንኩር ኢዩ ዘሎ” ምስ በለ፣ ዓሊ ድማ “ጽንኩር ብጽንኩር ኢዩ ዝፍታሕ! ነቲ ትብሎ ዘለኻ ጽንኩር ኩነታት፣ ብጽንኩር እንተ-ዘይሓሊፍካዮ፣ ካልእ ካብኡ ዝጸንከረ ክመጽእ ኢዩ” ኢሉ ከም ዝመለሰሉ ኣዕሊሉኒ። እዛ ‘ካብ ኣፍ ዓሊ ወጺኣ’ ተባሂላ ዝተነግረትኒ ‘ጽንኩር ብጽንኩር ኢዩ ዝፍታሕ’ ትብል ጥቅሲ እምበኣር፣ ኣብ ኣእምሮይ ሓያል ድርኺት ኣቐሚጣ ኢያ ሓሊፋ። ከም ኩሉ ተጋዳላይ ኣብ ኣዝዩ ከበድቲ ውግኣት ተኻፊለ ኢየ። ኣብ ህይወተይ’ውን ብዙሕ ፈታኒ ብድሆታት ኣጋጢሙኒ ኢዩ። ኩነታት ጸልሚቱ፣ ጉዳያት ከቢዱ፣ ፍታሕ ዘይርከቦ ኮይኑ እንተ-ተራእዩኒ፣ እታ “ጽንኩር ብጽንኩር’ዩ ዝፍታሕ” ትብል ናይ ዓሊ ዘረባ ብቐጥታ ኣብ ኣእምሮይ ‘ከተፍ’ ትብል። ነቲ ጽንኩር ብጽንኩር ንምፍታሕ ድማ ብውሽጢ ደፋኢ ድርኺት እውስኽ።

እቲ ኣብ ዝተፈላሰየ እዋን ከም ወኪል ፖሊቲካዊ ቤት-ጽሕፈት፣ ግዝያዊ ሓላፊ ግምባር ናቕፋ፣ ኮይኑ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ዝንገረሉ ዓሊ፣ ኣብ መጋቢት 1988 ናደው እዝ ንምቁጽጻር ዝተገብረ ውግእ፣ እታ ንሱ ዝመርሓ ዝነበረ ክ/ሰራዊትን ካልኦት ተደረብቲ ኣሃዱታትን፣ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኣትየን፣ ንመስመር ኣፍዓበት ከረን በቲኸን፣ ነቲ ኣብቲ ግምባር ዝቕጥቀጥ ዝነበረ ጸላኢ፣ ካብ ከረን ሓገዝ ከይመጾ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንባዕሉ’ውን ንከረን ገጹ ንኸይሃድም፣ ብቕድሚትን ድሕሪትን እናተዋግኣ (ኣብ መንጎ ክልተ ጠያይት ተቐርቂረን) ጸላኢ መላስ ኣውያት ዘይብሉ ከም ዝጠፍእ ገይረንኦ ኢየን። ንባዕሉ’ውን ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ፣ ኣብቲ መንቀራቅሮ ኮይኑ እናተዋግአን እናኣዋግአን ኢዩ ተሰዊኡ።ዓሊን እቲ ንሱ ዝእዝዞ ሰራዊትን እምበኣር፣ ፊት ንፊት ገጢሙ ዝሰዓረ፣ ብጸቢብ ሰሊኹ ኣብ ሕምብርቲ ጸላእቱ ኣትዩ፣ ንዕኦም በቲኑ (ተደረብቲ ኣሃዱታት’ውን ዝነበሩዎ) ሩስያውያን ኣማኸርቱ ዝማረኸ፣ ትእምርቲ ኤርትራ ኢዩ። ብወገነይ እዚ ጠላም ስርዓት ተኣልዩ፣ ታሪኽ ናብ ዋናታቱ ምስ ተመልሰ፣ ዓሊን ካልኦት ዓሊታትን፣ ኣብቲ ከም ትእምርቲ ጽንዓት ተጋዳላይ ክሳብ ሕጂ ምስልታቱ ዘይጠፍአ ድፋዓት ናቕፋ፣ ኣብ ክብ ዝበለ ርኡይ ቦታ ሓወልትታቶም ክስራሕ ይግበኦ በሃላይ ኢየ።

የማነ በርሀ (ሻባይ)

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ፣ የማነ በርሀ ኮሚሳር ሓይሊ ኢዩ ነይሩ። ኣባላት ናይተን ኣብ ከባቢና ዝነበራ ኣሃዱታት፣ ‘ሓይሊ 32’ ካብ ምባል ‘ሓይሊ ወዲ በርሀ’ ምባል ይቐሎም። ኣብ እዋን ሰላም ወድ በርሀ ኩሉ ኢዩ። ኣብ ጭርቃን ተጫራቓይ፣ ኣብ ጸርፊ ተጻራፋይ፣ ኣብ ፖሊቲካ መዳራይ፣ ኣብ ጓይላ ሳዕሳዓይን ኣቦጓይላን ወዘተ። ኣብታ ሓይሊ ‘ብወዲ በርሀ ዘይተጸርፈን ዘይተጨርቀሉን ነይሩ’ ንምባል ዝከኣል ኣይመስለንን። ንኹሉ ምስ ጭርቃን ኣሰንዩን እናሰሓቐን ስለዝገብሮ ግን ቅርሕንቲ ወይ ቂም ዝሓዘ ሰብ እንተልዩ’ውን ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ።

ድሕሪ’ቲ ነዊሕ ናይ ምዝላቕ ጉዕዞ፣ ኣብ መፋርቅ ወርሒ መጋቢት 1979፣ እተን ኣብ ግምባር ናቕፋ ዝነበራ ብርጌዳት፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካብ ከባቢ ኣስመራ ኣትሒዙ ደድሕረና ዝሰዓበ ጸላኢ፣ ሰፊሕ ጸረ-መጥቃዕቲ ኣካይደን ነይረን። ነቲ ግምባር ምሉእ ብምሉእ ኣፍሪስና፣ ሕዳይ ቅልቅል ክንብል፣ ኣብ ‘ኢትሓልበብ’፣ ጸጋም ካብ ጽርግያ (ሸነኽ ምብራቕ) ዝነበረት ነዋሕ ጎቦ፣ ዓሪዱ ዝጸንሐ ኣሃዱታት ጸላኢ ‘ምንቕ‘ ክብል ኣይከኣለን። ናብታ ብዙርያኣ ብጸድፊ ዝተኸበት ነዋሕን በላሕን ጎቦ ዝተጸግዐ ተጋዳላይ፣ መደያይቦን መእተውን ስኢኑላ። ሓይልና ሽዑ ነታ ካብ ጽርግያ ንምዕራብ (የማን) ዘላ ‘እንዳ ሓሰር’ ዝበልናያ በላሕ ጎቦ ከተጥቅዕ ተኣዚዛ። እንዳ ሓሰር ንውሽጢ እትው ዝበለት ኮይና፣ ናብኣ ክትድይብ እንተፈቲንካ እቲ ብየማነ ጸጋማ ዘሎ ሓይልታት ጸላኢ፣ ብድሕሪት ብሕቖኻ ኢዩ ዝሃርመካ። ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ከባቢ ኢትሓልበብ ዝነበረ ናይ ጸላኢ ኣሃዱታት። ብጉያን እናተጠዋወናን፣ ኣብ እግሪ እታ ታባ ምስ በጻሕና፣ እቲ ኣብ ቅድሜና ዝነበረ ዘይኮነስ፣ ብኽልተ ጎድንና ዝነበረ፣ ብካላሽናት ከነርክበሉ ዘይንኽእል ረሽራሻት ጸላኢ ፍጹም ከሰጉመና ኣይከኣለን። እዚኣ -እቶም ኣዘዝቲ ናይቲ ግምባር ዝወሰድዋ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ይመስለኒ።

ነዚ ዝተዓዘበ የማነ በርሀ፣ ካብቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ተጋደልቲ ቦምባ ኢድ ኣኪቡ፣ ኣብ ነጸላ ጠሚሩ፣ ቀስ እናበለ ንበይኑ ነታ ታባ ደይቡዋ። ኩሉ’ቲ ዝሓዞ ቦምባታት ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ርእሲ’ታ ታባ ዝነበሩ ወታደራት ኣዝኒቡ፣ ኩሉ ዝወሰዶ ቦምባታት ምስ ወድአ፣ ከም ኢራብ እናነጠረ ኣብ ብጾቱ ተጸንቢሩ። እቲ ከም ማይ ዝዘንቦ ዝነበረ ጠያይት፣ ነቲ ከም ተመን ዝጠዋወ የማነ በርሀ ጨሚቱ ዝሃርም ኣይነበረን። እዛ ናይ እንዳ ሓሰር ፈተነ ከይተዓወተት ምስ ተረፈት፣ ሓለፍቲ ናይቲ ግምባር ነቲ ሰራዊት ናብቲ ዝነበሮ ቦታ ክምለስ ኢዮም ኣዚዞም። ነዚ ዘምጽኦ ዘለኹ ድማ ወዲ በርሀ ከም ኣብ እዋን ሰላም፣ ኣብ እዋን ኲናት’ውን ልዕሊ ሰቡ ተዋጋኣይ ምንባሩ ንምብራህ ኢየ።

እዚ ጥራይ ግን ኣይነበረን። ኣብ ዝሓደርናሉ ቦታ፣ ብውሑዱ ኣብ ከባቢኻ ካብ ዝዓልብ ቦምባታት በጥ ኢልካ ነብስኻ ተድሕነሉ፣ ብቕድሚት ካብ ዝትኮስ ጠያይት እናተኸላኸልካ ትትኩሰሉ ድፋዕ ተዃዒቱ ክሓድር ኣለዎ። ብዙሕ እዋን፣ ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያ እዋን፣ ኣብቲ ድፋዓት እናተዘዋወረ፣ ኣየነይቲ ድፋዕ ነየናይ ከባቢ ክትቆጻደር ኣለዋ ዝሕንጽጽ ወዲ በርሀ ኢዩ።

ኣብቲ ኣብ ከባቢ 1983 ዝነበረ ናይ ሓለፍቲ ምቅይያር (ተኽሊጥ) ናብ ክፍለ-ሰራዊት 85 ኢዩ ተቐይሩ። ኣብኡ’ውን ብደረጃ ናይ ቦጦሎኒ ሓላፊ ይሰርሕ ምንባሩ እፈልጥ።ልዕሊ’ቲ ዝነበሮ ወታደራዊ ጥበብን ቆራጽነትን፣ እቲ ዘውጽኦ ሓደ ሓደ ቃላት ዝያዳ ሚዛን ስለ ዝተዋህቦ ወይ’ውን ብኻልእ ምኽንያት ካብቲ ዝነበሮ ሓላፍነት ናይ ቦጦሎኒ ንታሕቲ ናብ መራሕ ሓይሊ ከም ዝመለስዎ ሰሚዐ። እዚ ኩነታት’ዚ ግን ኣብ ተወፋይነቱ ይኹን ወታደራዊ ክእለቱ ኣይተንከፎን። ንኣብነት፣ ኣብኡ (ኣብ ክፍለ-ሰራዊት 85፣ ‘መራሕ ጋንታ ነይረ’ ዝበለኒ ሓደ ብጻይ፣ ነቲ ኩነታት’ቲ ኣመልኪቱ፣ ብዛዕባ የማነ በርሀ ከምዚ ክብል ኣዕሊሉኒ።

“ኣብ 1985፣ ኣብ ወራር ባሕረ ነጋሽ፣ ሓይልታት ህዝባዊ ግምባር ካብ ከተማ ባረንቱ ዘዝለቓሉ እዋን ኢዩ። ነታ ቅድም ንሱ ኣብ ብርገድ 51 ኮሚሳር ሓይሊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበራ ድፋዕ (ድፋዓት ግሎፕን ፊደል ‘ተ’ን) ጸላኢ ተቖጻጺሩዋ ነይሩ። ወዲ በርሀ ዝሓዛ ኣሃዱ ናብቲ ኣብ ፊት ናይ ቀደም ድፋዕና ዓሪዱ ዝነበረ ጸላኢ ምስ መጸት፣ የማነ ፍጹም ኣይተዋሕጠሉን። ‘ጸላኢ ኣብ መቓብር ብጾትና ክሸይን!’ ክብል ይስማዕ ነይሩ። ሽዑ ነታ ንሱ ዝሓዛ ኣሃዱ ኣኪቡ፣ ኩለን ሬድዮታት ርክብ ከም ዝዕጾዋ ገይሩ። ነቲ ቦታ ከም ኣጻብዕቲ ኢዱ ኢዩ ዝፈልጦ። ብናይ ወርሒ ብርሃን ተሰንዩ፣ ኣሃድኡ መሪሑ፣ ብገለ ክፉት ቦታ ሰሊኹ ብድሕሪት ነቲ ተዛንዩ ዝነበረ ጸላኢ ሓደጋ ወዲቑዎ። ኣብ ሓጺር እዋን ድማ እታ ብኣዕጽምቲ ጀጋኑ ዝተነድቀት፣ ናይ ቀደም ድፋዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትያ። እቶም ብልሓት ናይቲ ጽዕጹዕ ተኹሲ ዘይተረድኦም ላዕለዋት ሓለፍቲ፣ ነቲ ኩነታት ክፈልጡ ደጋጊሞም ክገብርዎ ዝጸንሑ ፈተነ ሬድዮ ርክብ ኣይሰለጠን። ሬድዮታት ዕጹዋት ስለ ዝነበራ ካብ የማነ መልሲ ክረኽቡ ይኽእሉ ኣይነበሩን። ንሱ ዕላምኡ ምሉእ ብምሉእ ምስ ሃረመ (ነቲ ናይ ቀደም ድፋዓት ምስ ተቖጻጸሮ) ጥራይ ኢዩ፣ ሬድዮ ርክብ ከፊቱ እቲ ኩነታት ዝሓበሮም”… ይብል።

ካልኦት ተጋደልቲ’ውን “ንሱ ኣሃዱኡ ሒዙ ብረዳት ናብቲ ቦታ ምስመጸ፣ ብኸምቲ ኣቐዲሙ ኣብ እንዳሓሰር ዝገበሮ፣ ቡምባ ኢድ ብነጸላ ጠሚሩ፣ ኣብ ቀዳማይ ድፋዕ ጸላኢ ተጸጊዑ ኢዩ፣ ብብዝሒ ቦምባታት ብምድርባይ ጸላኢ ቦትኡ ክለቅቕ ዝገበረ” ዝብሉ’ውን ኣለዉ። በቲ ኮነ በቲ የማነ በቲ ዘጋጠሞ ግዝያዊ ጸገም (ካብ ሓላፊ ቦጦሎኒ ናብ መራሕ ሓይሊ ምምላሱ) ከይተዳህለ፣ ኣብ ድፋዓት ግሎፕ ዕዙዝ ተራ ከም ዝነበሮ ኢዩ ዝንገር።

የማነ በርሀ እምበኣር ብወታደራዊ ጥበቡን ክእለቱን ዝተኣማመን፣ ‘ክግበር ኣለዎ’ ኢሉ ንዝኣምነሉ ዕማም፣ ትእዛዝ ከይተጸበየ ብጽፈት ዝዓምም ተጋዳላይን መራሕን ኢዩ ነይሩ። እቲ ክኢላን ተባዕን የማነ በርሀ፣ ድሕሪ ምድምሳስ ናደው እዝ፣ ኣብቲ ናይ ጎላጉል ውግእ ብመስዋእቲ ሓሊፉ።

የማነ በርሀ ምስ ጠባያት ተስፋልደት ስዩም ዘመሳስል ነይሩዎ፦ ብዛዕባ ተስፋልደት ስዩም ብዙሕ ኣብ ኢንተርነት ስለ ዝተጻሕፈ፣ ኣብዚ ምድጋሙ ዘድሊ ኮይኑ ኣይተራእየንን። ኣብዚ ከይገለጽኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ነገር ግን ኣሎ። ኣብዚ ኣብ ስደት ከለኹ፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ዶብ ኲናት ተስፋልደት ስዩም (ወዲ ስዩም) ‘ኢሉዎ ወይ ገይርዎ’ ኢሎም ገለ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ዝነበሩ መንእሰያት ከዕልሉ ሰምዐ ኣለኹ። ብዙሕ ካብቲ ዝሰማዕኩዎ ምስ ጠባያት የማነ በርሀ ዝመሳሰል ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገረመኒ ግን፣ እቲ ኣዝዩ ተባዕ፣ ማዕረ ትብዓቱ ድማ ዘረብኡ ጥንቁቕ ዝነበረ ወዲ ስዩም “ከመይ ኢሉ ኢዩ ነቲ ስርዓት ኣመልኪቱ ብቕሉዕ ክዛረብ ጀሚሩ? እንታይ ስለ ዝተዓዘበ ኢዩ’ኸ ናብ ከምኡ ወዲቑ…? ወዘተ ክብል ወትሩ ንነብሰይ ምስ ሓተትኩዋ ኢየ።ኣብ 1978 ኣነ ካብ ታዕሊም ናብ ሓይሊ 32 ክምደብ ከለኹ፣ ወዲ ስዩም’ውን ኣብታ ሓይሊ፣ መራሕ መስርዕ ጸኒሑኒ። ኣነ ካብታ ሓይሊ ናብ ጋንታ ሃንደሳ ክስሓብ ከለኹ’ውን ኣብታ ሓይሊ መራሕ ጋንታ ከሎ ኢየ ገዲፈዮ። ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ኣስመራ (መዓስከር ቃኘው) ብዙሕ እዋን ተራኺብናን ኣዕሊልናን ኢና። ስምዒተይ’ውን ሓቢአሉ ኣይፈልጥን። ናብዚ ዳሕራይ ‘ተዛሪቡዎን ገይሩዎን’ ዝበሃል ነገራት ዘብጽሕ ባህርያት ግን ርእየሉ ኣይፈልጥን። ሓደ ‘ክኸውን ይኽእል’ዩ’ ዝብሎ ሓሳባት ግን ኣሎ። ክልቲኦም (ወዲ በርሀን ወዲ ስዩምን) ኣብ ነንበይኑ ግዜ፣ ኣብ ኣመራርሓን ኣተኣላልያን ናይቲ ውድብ ይኹን ዳሕራይ መንግስቲ፣ ሓደ ፍጊዕ ዝበሎም ነገር ምንባሩ ኢዩ። ከም ሓቂ‘ውን ኣይኮነንዶ ንሳቶም ቅድመይ ንሓያሎ ዓመታት ኣብቲ ገድሊ ዝጸንሑን፣ ነቲ ግናይ ኣሰራርሓ ልዕለይ ዝተዓዘቡን፣ ኣነ ድሒረ ዝመጻእኩ’ኳ ነዚ ዝገለጽኩዎን ብሕጂ ዝገልጾን ርእየን ተዓዚበን ነይረ። ልዕሊ ኩሉ ግን፣ ወዲ በርሀን ወዲ ስዩምን፣ ንሓንቲ ደቒቕ‘ውን ትኹን ህይወቶም በቒቖም ዘይፈይልጡ ኣዝዮም ደፋራትን ብሱላትን ተጋደልቲ ምንባሮም ክገልጽ ደስ ይብለኒ። የማነ በርሀ ኣብ ኲናት’ዩ ተሰዊኡ። ተስፋልደት ስዩም ግን፣ በቶም ቀደም ከም ብጾቱ ኣሚኑ ኣብ ጎድኖም ዝተቓለሰ፣ ብዝኾነ መልክዕ ግን ማዕሪኡ ውፉያት ዘይነበሩ፣ እኳ ድኣ ገሊኦምስ ተሓንጊሮም ዝመጹሞ ሎሚ ናብ ጎይቶት ዝተቐየሩ ሓለፍቲ ምስ ተኣስረ ደሃዩ ጠፊኡ ኣሎ።

የማነ በርሀን ተስፋልደት ስዩምን ከም ኣብነት ድኣ ቀሪቦም እምበር ካልኦት ከም በዓል ኢያሱ (ዓዲ-ቢደል) ወዲ ዘረፋ፣ ዑቕባይ (ዓድታቶም ኣይፈልጦን ኢየ) ብርሃነ ካሕሳይ (ዳሕራይ መራሕ ጋንታ)፣ ኪዳነ ገብረስላሴ (ቂጣው) ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣድናቖት ዝገደፉለይ መራሕቲ መሳርዕን ምክትላቶም ምጥቃስ’ውን ግቡእ ይመስለኒ። ኩሎም እዚኦም ግን፣ ገለ ኣብነታት ናይቶም ኣሽሓት ተጋደልቲ ጥራይ ኢዮም።

…. ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • marsa November 25, 2013

    Tadese
    If You write about the evil Esayas and his hgdef part we are with you, but we will not let you destroy pur history because the history of Eplf is the history of our people.

  • DKKA November 26, 2013

    azyo agdase ngnrail trko ny abo same ttthfo tbke mknyto tarke slzkona kla abktali km mthafi ttwta tboke eyo agoka kydkmka ktlo kbe wdhzbe BIRMINGHAME

  • Zaul November 26, 2013

    “the death of Kebessa Eritrea.

    Almost the entire people that are dying in their thousands in the Arab Passage, in the Sinai Peninsula and the Mediterranean Sea hail from Kebessa. So are the hundreds of thousands that have been heading to Israel, Europe, Canada, Australia, South Africa, USA, etc – all destination points of no return. What is being depopulated at an alarming rate is Kebessa Eritrea, with little prospect of turning the tide back. Yet, the confused Kebessa elite, in the hade hizbi, hade libi spirit that ghedli has instilled in their heads, are scared stiff to name what is happening to their people for what it is – that, so far, it has been primarily a Kebessa existential crisis. Even in death, they shamefully disclaim their own, and rather lament at the loss of the generic “Eritrean”, thus defusing the victims’ identity in order to meet the nationalist demand.”

    • Zaul November 26, 2013

      Tadesse and you cheerleaders,

      Can you stop this non-sense. Tell history, but there is a time and place for it. Document everything, but right now, it will only further divide the opposition.

  • yonas27g November 26, 2013

    ታደሰ ጽሑፍካ ቀጽሎ ኣይትተሓለል ኣጆኻ
    ተስፋልደት ስዩም (ወዲ ስዩም) መራሒ ብርጌ ክፍለሰራዊት 16-2 ብርጌድ 1999-2000 ኣብ ጸጋማይ ግንባር ፍሉይ ቦታ ዓሪዳትሉ ዝነበረት ፊት ግርመ ኮይኑ እንዳ’አናጹ ዝብሃል ቦተ ምስ ጸላኢ ኣዚዩ ዝተቀራረበ ርሕቀት ዘለዎ ቦታ ኢዩ፡ ንወዲ ስዩም ኣነ ክገልጾ ዝክእል ዓቅሚ የብለይን፡ሓንቲ ዓባይ ኣገዳሲትን ዝፈልጣ ብዛዕባ ወዲ ስዩም ግና እዚ ኩሉ ሰራዊት ሓላፊ ይኩን ተራ ናይ ህግደፍ እናበሉ ክልተ ናቕፋ እናቆሮጽሉ ዝ’ዛረብን ወይ ድማ ኣባል ኣይኮንኩን ዝብል ሰብ ረኤን ሰሚዔን ኣይፈልጥን’የ ፡ወዲ ስዩም ግና ኣይከፍልንዩ ኔሩ ።ወዲ ስዩም ኣብ 2000 ዓመተምሕረት ቅድሚ 3ይ ወራር ምጅማሩ ኣብ ባረንቱ ዝግበር ዝነበረ ወተሃደራዊ እስፖርቲ ኣያምነሉንዩ ኔሩ ኣብቲ ግዚየ እቲ ካብ ኣስመራ ዝመጸ ሰኣሊ ሒዘ ናብቲ ወዲ ስዩም ዝነበሮ ቦተ ኢየ ከይደ ወዲ ስዩም ድማ ካብቲ ቡዙሕ ግዚየ ዘይፍለዮ ድፋዕ ምስ ወተሃደራቱ ወጃዕ ክብልዩ ጸኒሑና ፡ተቀዳዲመ ኣነ እቲ ገርሂ ዝኮነ ጠባዩ እፈልጦ ስለ ዝነበርኩ ፡ወዲ ስዩም እዛ ኩላ ሓላፊት ኣብ ባረንቱ እስፖርቲ እንድያ ትርኢ ዘላ ንምንታይ ደኣ ዘይከድካ ?መዘናግዒ ከአ ሙኮነካ ኢለዮ ፡ንሱ ግና ተዛሪበ ኢልካ ዲካ ትብል መልሲ ኢዩ ኣቀዲሙለይ ቀጺሉ ድማ ሕጂ ኣብዚ ግዚየ እዝስ እምበኣር እስፖርት የድልዩ ? ኢሉ ዕላልና ዓጸዎ ፡ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ ወያኔ ጀሚሮም ተባሂሉ እዛ ኩላ ሰብ ኣብ እስፖርትን -ሕርሻን ኮላ ከኣ ግንባራት ሃደሽደሽ በለ።ወዲ ስዩምን ብጾቱን ድማ ብርጌዱ ጠርኒፉ ጥራይ ከያክሎ ናይ ካልእ ክፍለሰራዊታት ፋሕ ፋሕ ዝበሉ ኣሃዱታት ከይተረፈ ጠርኒፉ ኣብቲ ንባረንቱ ንምሓዝ ዝህንደድ ዝነበረ ሰራውት ኣብ ከባቢ ቢንቢና ተሳሓልዎ ወዲ ስዩም ኣብዚ ግዚየ እዚ ተወጊኡ ኮሎዩ ዝእዝዝ ኔሩ ፡ገለ ማራሕቲ ብርጌድ ግና ንእሽተይ ሓፊጣቶም ኣሃዱኦም ገዲፎምዮም ሕክምነኦም ከይዶም ስሞም ኽንዕቅበሎም ንግዚኡ ከም ካልእ ከይመስል ።ታሪክ ደቂ ኤረትራ 1961ዝጀመረ ክሳብ እዚ ዘለናዮ ግዚየ ተዘይዓቂብናዮ ቻውውውው ከምዚ ኣብኡ ዘይፈልጥ ውላድዩ።ካብቲ ኣነ ዝፈልጦ ቁንጣሮየ ዝጽሕፈልኩም ዘለኩ። ኣብዚ ግንባራት ኣዚ ብዙሓት መራሕቲ ብርጌዳት -ቦጦሎኒ ከም በዓል በርህ ቦካሳ) -18 ክፍለሰራዊት መራሒ ቦቶሎኒ ወዲ ዛግር- ወዲ ኣሽሜ-ወዘተ ደቂ ኤረትራ ዝነበርዎዩ እሞ ድማ ገሊኦም ሃንቲ ዓይኖም ኮታ ብመውጋእቲ መርአይ ዘይብሎም ሰባት ኢዮም ፡እሞ ንዚኦም ተረፍ ናጽናት ካጥፍእ ኢሉ ኢሰይያስ ዝወልዑ ኩናት ተዓዊትሉ ድማ መራሕቲ ብርጌድ ኣብ 3ይ ወራር ጥራይ ኣነ ዝፈልጦም ዝተሰውኡ፡ክፍለሰራዊት 18-ማርሒ ብርጌድ ወዲ ቀሺ-ክፍለሰራዊት 58 (21) ወዲ ቀሺ ክፍለሰራዊት 37 መራሂ ብርድ ወዲ ሃይለ መራሂ ብርጌድ ናይ ዓሰብ ኣሃዱ ኣየለ ፊዳ እዚኦም ብሰራዊቶም ፉትዋት ኢዮም ስለዚ ናትኩም ሚዛን ውሰዱ ኣሕዋት ደቂ ኤረትራ።

  • yonas27g November 26, 2013

    kfleserawit 38 wedi qeshi

  • dekibat November 26, 2013

    Zaul,
    You are absolutely right but Tadesse has the courage to tell the truth which most Christians kebessa tried to avoid the issue in the past. Contrary to your thinking the issue is encouraging us, the Kebessa christians to unite and defend our honour.
    every christian kebessa girl is forcibly removed and raped by ELF(rounded up in seraye, hamsein and akeleguzay) ,EPLF and by HEGDEF While the moslim lowland girls enjoyed her virginity until she gets married with honour with out serving in the battlefield or with out being raped or with out acquiring any sexual deases. Then they proudly say “HADE HISBI HADE LIBI” while they rape and torture KEBSSA girls and more worse it annoy me when assenna put image of rashaida girl as eritrean ethnic group. Rashaida are the invention of EPLF kebesa habesha Blunder by removing ELIT from eritrean ethinic group replacing it with the Term esayas gave them “rashaida” .During the DERG and Haileselassie era they were known as ZIBEIDI and LAHAWIN(well known for kidnapping children and sell them as slaves to other arabs) only it was the kebsasa tegadelti renamed them as “rashaida”. The kebssa girls are running away from rape and slave in eritrea only to face the same predicament in the arab world.we did not even challenged eseyas and his kebessa puppets to treat and respect our kebessa girls equally like the moslim girls but by contrary kebessa mothers clapped and ululated for their daughters to be raped and slaved and discarded after acquiring sexually transmitted disease and fell pregnant. so we need to hunt down the kebessa lunatics and shoot them at point blank for what they did to our girls. But inorder to do that we have to eliminate the bad apples among kebessa (hamaein,seraye and akeleguzay) and expose them and their family to the shame of their heritage ADI,AWRAJA.the entire habesha christian girls are evacuating Eritrea because even their brothers and mothers betrayed them and did not defend them leaving the muslim lowland girls to enjoy their full rights as a woman and untouched and respected.so the issue is identify those those secretive regionalists eliminate them as bad apples of kebesa and we unite to defend our girls rights.

    • Zaul November 27, 2013

      Dekibat,

      For me, what Tadesse is writing might be a 100% true, that’s not my objection. It is a well-known fact that our political leaders since the start of the revolution have commited numerous attrocities towards both christians and muslims.

      The biggest problem I see now is that, non-christian Eritreans see this government as a “Kebessa” government and other regions see it as a representative of a certian region. What the exact identity(religious & ethnic) of the PFDJ is or was is not clear yet. But from my understanding it is, that they have no legitimacy to govern. When we have removed the power that is killing our people, we can go to court and investigate all past attrocities. Accusations and counter-accusations will only drain our energy now and diminish our will to fight for a common cause.

      If a certain category of Eritreans are accused of this or that at this stage, then we are indirectly telling them that, they should stay away from the opposition, because they belong to the oppressors group, and that is wrong.

  • tesfalem gebremeskel January 3, 2014

    TADESE KIDANE zeqerebe xhufat tekatatileyo megemrya ms reakwo aytegedesklul mknyatu wlqawi hmamu slezkone siobu bzsemaokwo gn ati abti gedli zeynebere sle zedenagere bhqr zbele amanuel eyasu tegediska netom abti gedli zneberu halefti hgi ab dege zelew kem bal adhanom gbremaryam B/G/TEKESTE HAYLE kalaotn kemu teneyru bzyada mbereh kem ri etoy gen kemzi wlqawi hmam zelewom tetref mhashey ybl mknyatu sle znebrnayo gerimnan atahasasibnan amo keyebzahalka yekeneyeley

POST A COMMENT