Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ – ታደሰ ኪዳነ – በርሚንግሃም (8ይ ክፋል)

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      8ይ ክፋል         20/11/2013   ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     8ይ ክፋል         20/11/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 

ኣብ 7ይ ክፋል በዛ እትስዕብ ሕጥበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም።

“ስለዚ ካብቶም ኣብ 1979/81 ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ 6 ሓለፍቲ ቦጦሎኒታት፣ ንጃበራ ገዲፍካ (ኣማኒ ምስልምና)፣ እቶም 5 ደቂ ሓደ ከባቢ (ካርነሽም) ነይሮም። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ናይ ተጋደልቲ ተወፋይነት፣ ደረጃ-ትምህርቲ፣ ግድምናን ካልእን ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ‘ምኽኑይ ይገብሮ ኢዩ’ ዝብል እምነት ሓዲሩኒ ኣይፈልጥን።”

8ይ ክፋል ድማ ይስዕብ …

እዚ ጽሑፍ’ዚ ናብ መርበብ ሓበሬታ (ኢንተርነት)ቅድሚ ምዝርግሑ፣ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ’ዚ ኩነታት’ዚ ምስ ኣዕለልኩዎ፣ ንሱ’ውን ብወገኑ፣ “ኣነ’ውን ኣብዚ ትብሎ ዘለኻ እዋን ኣብ ብርጌድ 58 ነይረ። ናይ ብርጌድና ኣተዓዳድላ ሓላፍነት’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን” ብምባል ኣብቲ ብርጌድ (ብርጌድ 58) ኣብ 1979/81 ዝነበሩ ዝርዝር ኣስማት ሓለፍቲ ናይቲ ብርጌድ ሂቡኒ። ኣስማቶምን መበቆል ዓዶምን ድማ ይስዕብ፣-

ኣዛዚ ብ/ድ ስዉእ ኢሰያስ ተወልደብርሃን (ወዲ ፍላንሳ) ►ኣኹሩር   (ኣከለጉዛይ)

ኮሚሳር ብርጌድ = ሃይለ ሳሙኤል  (ሕጂ መ/ጀነራል)  ►ዓዲ መንጎልቲ (ሰራየ)

1. ቦጦሎኒ 1 – ኣዛዚ ቦጦሎኒ =    ወዲ ፍሩጅ        ►ማርያ  (ሰንሒት)

ኮሚሳር ቦጦሎኒ = ስዉእ ተስፋኣለም በርሀ  ►በለዛ (ሓማሴን)

2. ቦጦሎኒ 2 – ኣዛዚ ቦጦሎኒ  = ገብረገርግስ (ቋንቁ)  ►ኩትሞ’ውሊዕ (ሓማሴን)

ኮሚሳር ቦጦሎኒ = እዝራ (ወዲ ቀሺ)   ►በለዛ   (ሓማሴን)

3. ቦጦሎኒ 3 – ኣዛዚ ቦጦሎኒ = ሓጎስ ተኸስተ  ►ንኡስ ዞባ በሪኽ (ሓማሴን                                                              ኮሚሳር = ጸጋይ ሃንስ (ወዲ ሃንስ)   ►ዓዲ ንፋስ (ሓማሴን)

ኣብዚ ብርጌድ’ዚ እውን፣ ንወዲ ፍሩጅ (ኣማኒ ምስልምና) ገዲፍካ፣ 5 ካብቶም ዝነበሩ 6 መራሕቲ ቦጦሎኒታ፣ ከምቶም ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ ደቂ‘ቲ ከባቢ ነይሮም ማለት ኢዩ።

እቲ ብሰላሕታ ዝፍለጥ 7ይ ወራር ምስ ጀመረ፣ ማእከላይ ግምባር ዝብል ስም ዝተዋህቦ፣ ብኸባቢ ሓልሓል፣ መለብሶ፣ ሃበሮ፣ ከባቢታት ሸገን ሮራ-ባቕላን ሓድሽ ግምባር ተኽፊቱ። ገለ ቦጦሎኒታት ናይቲ ብርጌድ (ብርጌድ 51) ናብኡ ስለዝተሳሕባን፣ ጋንታና (ጋንታ ሃንደሳ’ውን) ንገለ ካብቲ ክፉት ቦታታት ክትዓጹ “ታባ ሰላም” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ክትሕዝ ተኣዚዛ። ሓደ ግዜ ኣብዚ ዝተባህለ ድፋዓት (ታባ ሰላም) ከለና፣ ሓደ ሓላፍነት ዘለዎ ዝመስል፣ ብኻልኦት ሰባት ተሰንዩ ኣብቲ ዝነበርናዮ ድፋዓት ይዘውር ነይሩ። “መን ድኣ’ሉ?” ዝብል ሕቶ ምስ ተላዕለ ድማ፣ ኣፎርቂ የማነ ከም ዝበሃልን፣ ቅድሚ 6ይ ወራር፣ ኣብ ግምባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ሓኪም ብርጌድ ኮይኑ ይሰርሕ ከም ዝነበረ፣ እቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ድማ፣ ኣብቲ ዝነበሮ ኣሃዱ ኮሚሳር ቦጦሎኒ ከም ዝኾነን፣ ሕጂ ድማ ንገብርሂወት ዘሞ (ወዲ-ሊቀ) ቀይሩ ኮሚሳር ቦጦሎኒ 3 ክኸውን ተመዲቡ ከም ዝመጸን ሰሚዕና።

ብኡ ንብኡ ድማ ትሒምሒም ስዓበ። ንሱ ድማ “ኣብዚ ቦጦሎኒ ዋላ’ውን ኣብዚ ብርጌድ ሓዊ ሓዊ ዝጨንዉ፣ ኣዝዮም ሓያላት ተዋጋእቲ መራሕቲ ሓይልታት ከለዉ ድኣ፣ ብኸመይ ኢሉ ኣላይ ሕሙማትን ውጉኣትን ዝነበረ፣ ብቐጥታ ናብ ኣላይ ኲናት ተቐይሩ?” ዝብል ኢዩ። ብሓቂ’ውን ኣብቲ ብርጌድ ዋላ’ውን ኣብቲ ቦጦሎኒ ኣዝዮም ንፉዓት መራሕቲ ሓይልታት ነይሮም ኢዮም። ብርጌድና’ውን ብሕክምናዊ ሞያኦም ኣዝዮም ዝምስገኑ ናይ ቦጦሎኒን ናይ ብርጌድን ሓካይም ነይሮማ ኢዮም።

እንተኾነ ነዚኣቶም ካብቲ ንነዊሕ እዋን ክሰርሕሉ ዝጸንሑ ናይ ሕክምና ሞያ ኣልዒልካ ናብ ‘መራሕቲ ውግእ’ ክትቅይሮም፣ ንዕኦም ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ክመርሕዎ ዝመጹ ኣሃዱ’ውን ኣዝዩ ሃሳዪ ኢዩ። ናይ ኣፎርቂ የማነ ‘ካብ ኣላይ ሕሙማት ናብ ኣላይ ኲናት’ ምቕያር ድማ ምስኡ ብምንጽጻር ኢዩ ተዘሪቡሉ። ኣፎርቂ የማነ ናብቲ ቦጦሎኒ ተቐይሩ ምስ መጸ፣ ምስ ካልኦት ከምኡ ተቐይሮም ዝመጹ፣ ግን ከኣ “ልዕለኻ ንሕና ኢና ውግእ ንፈልጥ” ዝብል ስምዒት ዝነበሮም መራሕቲ ሓይልታት፣ ኣብ ህልኽ ኣትዩ ምንባሩ፣ ድሕረይ ኣብቲ ኣሃዱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ክዛረቡ’ውን ሰሚዐ ኣለኹ።

ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ኣብተን ሓይልታት ናይ ብዙሓት ሓለፍቲ ምቅይያራይ ይግበር ነይሩ ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገረመኒ ግን ኣፎርቂ የማነ’ውን ከም ሓድሽ ኢፍረም፣ ዓዱ ዓዲ-ንፋስ ምንባሩ ኢዩ። ብወገነይ ሓደ ተኸዊሉኒ ዝነበረ ሚስጢር ዝተጋህደለይ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እቲ ብድሕሪ ምቅይያር ናይ ሓለፍቲ (ተኽሊጥ) ስዒቡ ወይ’ውን ንዕኡ ጉልባብ ገይሩ ዝግበር ዝነበረ ምትእኽኻብ ደቂ ሓደ ከባቢ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ኢዩ። ሽዑ “እቶም ኣብ ሕዳይ ከለና (1979ን – 1981ን) ኣብ ብርገድ 51 ዝነበሩ ሓለፍቲ ቦጦሎኒታት’ውን ብኸምዚ ዝተኣኻኸቡ እንተዘይኮይኖም፣ ካልእ ዝኾነ ሚስጢር ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን” ዝብል መደምደምታ ኢየ በጺሐ።

ካልእ ምስዚ ተኣሳሲሩ ክረአ ዘለዎ ነገር ኣሎ። ኣብቲ ኣብ 1979 ኣብ ግምባር ናቕፋ ዝነበረ ወታደራዊ ምርብራብ፣ ነቲ ግምባር ብቆዋሚ ዝዓጽዋ ኣርባዕተ ብርጌዳት (51, 58, 70, 77) ነይረን። ካብቶም ሰለስት ሕጂ ዝዘከርኩዎም ኣዘዝቲ ብርጌዳት ድማ፣ ዓሊ ኢብራሂም፣ ኢሰያስ ፍላንሳን ሳልሕ ሕሩይን ነይሮም። ሰለስቲኦም ኣዝዮም ሓያላት ወታደራዊ ኣዘዝቲ ምንባሮም ዘካትዕ ኣይኮነን። እቲ ሜላ እምበኣር ብላዕሊ ብርቱዓት ኣዘዝቲ ገርካ፣ ብትሕቲኦም ንግዜኡ ንዕኦም ዝከታተሉ፣ ውዒሎም ሓዲሮም ድማ ነቲ ስራሕ መሊኾምን ተላልዮምን፣ ናይ ሓዋሩ ኣዘዝትን ወረስትን ንምግባሮም ዝነበረ ውጥን ይመስል። ብሓቂ እውን፣ ዓሊን ኢሰያስ ፍላንሳን፣ ቅድሚ ናጽነት ክስውኡ ከለዉ፣ ሳልሕ ሕሩይ ኣብ ግንቦት 1991 ሰራዊቱ መሪሑ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወላ ዕለት ተኣሲሩን ቦትኡ በቶም ወረስቲ ክኾኑ ዝምልመሉ ዝነበሩ ተተኪኡ። ምኽንያት መእሰሪኡ ክሳብ ሕጂ (ብዘይካ ብ03 ዝዝርጋሕ ወረ) ብወግዒ ኣይተገልጸን።

ኣብዚ ብንጹር ከብርሆ ዝደሊ፣ እዞም ክብ ኢለ ዝጠቐስኩዎም ሓለፍቲ ‘ትሕቲ ሰቦም ተዋጋእቲ ነይሮም’ ወይ’ውን ‘ውግእ ኣብ ምእላይ ድኹማት ነይሮም’ ይብል የለኹን። እኳ ድኣ ካብቶም ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ ሓለፍቲ፣ ሚኪኤል ጊለ (ወዲ ጊለ) ኣብቲ ብጥሪ 1984 ግምባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል (ውቃው እዝ) ንምድምሳስ፣ መሓሪ ጸገዳይ (ወዲ ጸገዳይ) ድማ፣ ኣብ ግንቦት 1988 ከረን ንምሓዝ፣ ኣብ ዝተገብረ ውግኣት፣ ሰራዊቶም መሪሖም ናብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ሰሊኾም ድሕሪ ምእታዎም፣ ብጅግንነት እናተዋግኡ ክቡር ህይወቶም ንሃገር ሂቦምን ተሰዊኦምን ኢዮም።

እቶም ዝተረፉ’ውን ከም ኩሎም መራሕቲ ኲናት ኤርትራ ነናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ጅግንነት ታሪኽ ክህልዎም ከም ዝኽእል ርግጸኛ ኢየ። ኩሎም (እንተላይ እቶም ኣብ ብርጌድ 58 ዝነበሩ) ሓለፋ ብጾቶም ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ከም ዝደየቡ ግን ዘካትዕ ኣይኮነን። ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ፣ እዞም ካብቲ ከባቢ ጥራይ ዝተሓርዩ ሰባት፣ ልዕሊ ኩሎም ተጋደልቲ ኣመንቲ ምስልምና፣ ልዕሊ’ቶም ካብተን ካልኦት ኣውራጃታትን ካልእ ከባቢታትን (እንተላይ ካብቲ ካልእ ከባቢታት ሓማሴን) ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ኣመንቲ ክርስትና፣ ንበይኖም ብኽንድዚ ቂጽሪ ሓለፍቲ ንምዃን ዘብቅዖም ምኽንያት የለን።

እዋኑ እዋን ሰላሕታ ወራር ኢዩ። ኣሃዱታት ካብን ናብን ዝወናጨፋሉ ዝነበራ እዋን። ጋንታና’ውን (ጋንታ ሃንደሳ) ካብ ታባ ሰላም (ከባቢ መንድዓት) ናብ ማእከላይ ግምባር ናቕፋ ተቐይራ። ኣነ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1983 ኣብ ስንክልና ዘብጽሕ መውጋእቲ ስለ ዘጋጠመኒ ናብ ሕክምና ኢየ ኣምሪሐ። ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠመኒ ስንክልና ናብተን ሓይልታት ክምለስ ስለ ዘይከኣልኩ፣ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ መርሓ ዝነበረ ጨንፈር ትምህርቲ ተመዲበ። እቲ ብበራኺ ገብረ-ስላሴ ዝምራሕ ዝነበረ ጨ/ትምህርቲ ድማ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ከም መምህርን ኣላይ ተማሃሮን ኮይነ ክሰርሕ መዲቡኒ። በዚ ድማ እቲ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዝነበረኒ ቀዳማይ ትዕዝብቲ (ምጥርናፍ ደቂ ሓደ ከባቢ ናብ ሓላፍነት) ኣብቂዑ።

ኣብ ዝቕጽል 9ይ ክፋል ጽሑፈይ፣ ቅድሚ ናብ ካልእ ምእታወይ፣ ብዛዕባ’ቶም ኣነ ካብ ዝስለፍ ክሳብ ብምኽንያት ስንክልና ካብቲ ኣሃዱ ዝወጽእ፣ ከይተቐየሩ ኣዛዚ ብርገድን መራሕ ሓይልን ዝነበሩ ክልተ ሰባት፣ ማለት ዓሊ ኢብራሂምን የማነ በርሀን ቁሩብ ክጽሕፍ ኢየ።

… ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
60 COMMENTS
  • muler November 20, 2013

    ታደሰ በዚ ተቕርቦ ዘሎኻ ጽሑፋት ከመስግነካ ይደሊ፡ ቀጽሎ። ኣብዘን ዝሓለፋ 2ተ ጽሑፋትካ
    ብዛዕባ ሓለፍትን መቦቆል ኣዶምን ዘርዚርካ፡ ኩሉ ከኣ ሓቂ’ዩ። መታን ሰፊሕ መረዳእታ ኪህልወና፡
    መን መዓስ ተሰሊፉ፡ አቶም ካብ ካልአ ከባቢ ዝተሰለፉ መወዳድርቶም ኢልካ ትግምቶምከ መን አዮም?
    መዓስከ ተሰሊፎም? ኮታ ኣንባባይ ከነጻጽረሉ ዚኽ እል ኣቀራርባ ገርካ እንተተቕርቦ ዚሓሸ ስእሊ ምረከብና።

  • dani November 20, 2013

    Zaytegbre yalon zaytesmea ember kamzbhal hegdef mistrom kilu yewtsea alo.shnfela nasenet metsea zayserat gana huzbna faha ateywo bazi dekala eseyase.zedgfwo yegadu.hifret kaba kitlabsu ekum abesehtsere.
    tadese kilu kamaka tezkawen .ade welda temken gegna keselo.bertea yeblaka.thx

  • Be honest November 20, 2013

    Tadesse, I did not know what your aim is? I think you are affected with regionalism disease. what history are you transferring to youngsters to us and if you know that EPLF was regionalism party why you were serving them and paying your priceless part of your life?

  • Bahri Bara November 20, 2013

    Be honest, so what it is then, if the appointment was not regionalist or parochial.

  • Feasil Debesay November 20, 2013

    Interesting! proud of you Tegadalay Tadese. I hope you will continue telling what really happened. If it is not told, the wicked will use it again and again.

  • Negga Yosif November 20, 2013

    I heard similar history from my old tegadelti friends still the stupid Isyas is working on it if u check all the positions on the entire country and also
    Memhedrat( kebelie) u can observe the truth, it is very bad to hear such dirty story however let’s come together and built new Eritrea.

  • Martha November 20, 2013

    Tadese, what a shame are you writing. currently the Eritrean people is not looking for this. Please stop your nonsense writing this good for nothing. How about now do you know the background of the following:Tesfalidet,wedi kase, Simon Gebredingil, Yemane charli, Teame Mkele, Patrriak Dieskeros…..

  • keih November 20, 2013

    ቕጽል በል ሀራይ

  • dekibat November 20, 2013

    Let the secretes come out so we do not be ignorant again to our detriment.It would be good if everyone come out to tell the truth as it happened so we do not fall on the trap Eseyas and his country men put for us.hamsien, seraye and akeleguzay lived peacefully, in harmony for centuries only when the Tigraway eseyas and his country men showed up our peaceful existence was shuttered.It is time to hunt the cunning fox eseyas and his country men and hand them over the border to their next in kin.Our biggest enemy is to deny ever happened or happening.So stop denying and listen to the experienced people.Talking about awarja and ADI eliminates suspicion and build confidence among our people.PEOPLE WHO DO NOT WANT TO TALK ABOUT AWARAJA OR ADI ARE THOSE WHO ARE DOING IT IN SECRET TO THEIR ADVANTAGE JUST LIKE ESEYAS AND DESTRYOING OUR PEOPLE. IT IS A MATTER OF TIME BEFORE THEY ARE UNCOVERED JUST LIKE ESEYAS AND THEY WILL DENY IT EVER HAPPENED.BE PROUD OF YOUR AWRAJA AND ADI SO THE SUSPICION AND MISTRUST CAN BE ELIMINATED. IT IS LIKE SOME ONE WHO DECLARE CONFLICT OF INTEREST THEN HE OR SHE IS FREE FROM ANY BLAME.

  • Abel November 20, 2013

    ሓው ታደሰ፣ ብጣዕሚ ዝምስገን ሓበሬታ። እቲ ዝገርም ተወላዶ ድቂ ሓማሴን፣ ብፍላይ ድማ እዞም ኣብ ደገ ዘለዉ ፣ሃገር ብ ደቂ ኣውራጀኦም ጥራሕ ከምዝመጸት እዮም ዝፈልጡ። ሰነድ ናይ ስውኣት ተዝኽፈት ግን አቲ ሓቂ ምነጸረ ኔሩ። ተስፋ ይገብር ድማ ሓደ መዓልቲ እዚ ሚስጢር እዚ ክወጽእ። ታሪኽ ቀቢርካ ክሕለፍ ኣይከኣልን አዩ። ቀጽሎ ኣጆካ። ኣማኒኤል እያሱ ድማ ነመስግነካ።

    • ኣይበልናን'ዶ November 21, 2013

      ሰባት ክደግሙዎ ዝሰማዕኩዎ።ስብሃት ኤፍሪም ዘለዎም ስትይ ድሕሪ ምምሳይ ገለ ይሰኽሩ’ሞ፡………..ካብቶም ዝሰከሩ ሳላ ሃማሴን ሃገር መጽያ ዝብል ዘረባ ደጋጊሞም…….እንተ ብቅንዕና ይኹን ኣንተ ከምስል ስብሃት ኤፍረም ከኣ……..ኣብ ቅጽርን ጸብጻብን እንተኣቲኹም ክትሓፍሩ ኢኹም ኢሉዎም ክብሉ ሰሚዔ።……..ዳርጋ ኩሉ ዝበሃል ክጋነን ይኽእል’ምበር ዘይተዘርበ ኣይኮነን።እነሆ ኣዚ ታደሰ ዘህቦ ዘሎ ተመኩሮ’ኳ ይስማዕን ይሕመን ኔሩ’ዩ።…….ገለ ገለ ሰባት ነቲ ኩነታት ክሓብ ኡ ህግ ኣብ ከባቢ ካርነሽም ትንቀሳቀስ ስለዝነበረት ሽዑ ብብዝሒ ይስለፉ ኔሮም ይብሉ።እዚ እቲ ኣብ ፈለማ ኮነ ተባሂሉ ብሰለሙን ወልደማርያም ዝስራህ ዚነበር ፍሉይ ክታበት’ዩ።ሰሎሙን ብብዝሒ ደቂ ኦኣዱ ስለዝተማእከለ ሕፉር መን ደፊሩ ክዛረቦ።ሽዑ ከኣ ወገናዊ ክታበት ደው ይበል ዝተባህለ።ብዘይካ ኡ ኣብቲ ሾኡ ግዜ ማዕረቶም ካብ ካርነሽም ዚመጹ ዚነበራ ካብ ካልእ ቦታ ይመጹ ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን።ይመጹ ኔሮም’ዮም።እቲ ጉዳይ ሱሳ ኣላታ’ዩ ታሪኽ ህግ።ስለዚ ነቶም እቲባ ኣቲ ትብሉ ዘለኹም፡ዝተሰርሃ ታሪኽን ግብሪ ሰባትን ክትቅይሩ ኣይትፈትኑ፡ገሌኹም ከኣ ክተፈራርሑ ኣይትፈትኑ ታሪኽ ምስክር’ዩ።እዚ ኩሉ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ንሕና ንሱ፡ንሱ ንሕና ዚብክ ኣካልምበኣር ኣብቲ ውሽጢ ሃገር ሃለፍነት ዘለዎ ኮነሬል፡ጀነራል፡ሚንስተር፡ማናጀር ስለዘለውዎ’ዩ።ኢሳያስ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራን ባህሪን መንነቱን ጽቡቕ ገይሩ ፈሊጡዎ።ዩ።ንስላማይ ከም ኣስላማይ ኣላህ ዚብል መሲሉ ቀሪቡ የታልል።ንሓማሴናይ ብስልጣን እናገበረ’ዩ ኣብዚ በጺሑ፡ንብዙሕ ሰብ ነነዊህ ግዜ ከተታልል ሰለዘይከኣል ግን እቲ ቀደም ተሓቢኡ ኣብ በረካታት ሳሕል ተሪፉ’ዩ ዝበሎ ሚስጢር ተቐሊዑ ኣነሆ ነቕኒቑዎ።ስለዚ ክቡራት ኣሕዋት፡ኣብቲ ጉዳይ ዘይነበርኩም ኣይትሕመሙ፡ነቶም ነቲ ጉዳይቲ ዝሰርሑ ኣሕዋትኩም ይኹኑ ሰብኩም ክሰሱ ፍረዱ።ዘይነበርኩም ናይቲ ኩነታት ሰራሕቲ ዘይኮንኩም ግን ነቲ ታሪኽ ፍለጡ እካ ደኣ ህግ ካብ ወገንነት ካብ ሃይማኖት ነጻ ዝኾነ ውድብ’ዩ ኣናበሊ ሚሂሮም እዚ ብምግባሮም ከኑኑዎም።

1 2 3 4

POST A COMMENT