Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን: ውልቃዊ ትዕዝብቲ – ታደሰ ኪዳነ – በርሚንግሃም (መበል 13 ክፋል)

  ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      መበል 13 ክፋል         08/12/2013  ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ

 

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     መበል 13 ክፋል         08/12/2013

 ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 ኣብ መበል 12 ክፋል፣  “ኩልና ክም እንሰማማዓሉ፣ ናይ ጀነራል ማዕረግ፣ ክብ ዝበለ ወታደራዊ ማዕረግ እምበር፣ ሲቪላዊ ስልጣን ኣይኮነን። እንተኾነ እቶም ካልኦት እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ፣ ንይስሙላህ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝዓደሎም ሰባት፣ ካብቲ ወታደራዊ ጽፍሕታት ተኣልዮም፣ ገሊኦም ኮሚሽነራት ስፖርት፣ ካልኦት ድማ ኣብ ተራ ሲቪላውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ክቀያየሩ ጥራይ ኢና ተዓዚብና። ንሳቶም’ውን ኣይተኣምኑን። እዚ ንባዕሉ፣ እቲ በቲ ነውራም ተግባራቱ ዝሰግአ ፕረዚደንት፣ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ኣባኢሱ፣ ካብ ዝተወሰነ ከባቢ ጀነራላት መልሚሉ፣ ‘ሓሉዉኒ ከርባሓኩም’ ዝዓይነቱ ኪዳን ክምስርት ናይ ነዊሕ መደቡ ከም ዝነበረ ኢዩ ዘረድእ” ክብል ኢየ ተፋንየኩም

መቐጸልትኡ ይስዕብ ….

ዕላማን ሳዕቤንን ናይቲ ኣሰራርሓ

ዕላማ፦ እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ከም ፖሊሲ፣ ንህዝቢ’ቲ ዝተወሰነ ከባቢ ይኹን፣ ነቶም ናብ ስልጣን ዝሕረዩ ውልቀ-ሰባት ንምርባሕ ተባሂሉ ዝተመርጸ ኣገባብ ኣይኮነን። ነቲ ውልቀ-መላኺ ብውልቁ ዝህቦ ዓቢ ረብሓ ስለዘለዎ ጥራይ ኢዩ። እቲ ወታደራዊ መሪሕነት (እቶም ጀነራላት) ብተወለድቲ ናይ ሓደ ከባቢ ዝተዓብለለ እንተድኣ ኮይኑ፣ እዚ ከም ሓደ ጉጅለ፣ ምስ ተወለድቲ ናይ ካልእ ከባቢ፣ ብሀር ወይ’ውን ካልእ ሃይማኖት፣ ኣብ ህልኽን ውድድርን ይኣቱ። ስለዚ ዋላ ምስቲ መዓልታዊ ዘጋጥሞ ኣመራርሓ፣ ጸገማትን ዘየሰማምዖ ነገራት’ውን እንተለዎ፣ ዋላ’ውን ነቲ ስርዓተ-ምምሕዳር ብዓንዳ-ርእሱ ዘይቅበሎን ዘይኣምነሉን’ውን እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ‘ወገነይ፣ ናተይ’ ዝብሎ ጉጅለ፣ ክሳብ ዕልዋ ዝበጽሕ ተጻባኢ ስጉምቲ ክወስድ ኣይክእልን ኢዩ። ከምኡ ምግባር ክሕደት ኮይኑ ኢዩ ዝስምዖ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ንኹሉ’ቲ ዝርእዮን ዘጋጥሞን ጸገማት ከም ቅቡልን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዘጋጥም ግዝያዊ ምጉንፋጥን ጥራይ ወሲዱ፣ ተጻዊሩዎ ክኸይድ ኢዩ ዝፍትን።

ብኸምዚ ከኣ እቶም ብዘለዎም ከባቢያውን ስጋውን ቅርበት ናብ ሓላፍነት ዝተመርጹ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ነቲ ውልቀ-መላኺ ሓልዮሙሉ ዘይኮኑስ፣ ነንሕድሕዶም ኣሕሊፎም ንኸይወሃሃቡ ጥራይ፣ ካብቲ ካልእ ከም መቐናቕንቲ ዝርእዩዎ ወገን እናሰግኡ፣ ንዝኾነ ምልዕዓል እናጨፍለቑ፣ ከምቲ ዘለዉዎ ክነብሩ ጥራይ ኢዮም ዝደልዩ። እቲ ምኽንያት ቀሊል ኢዩ። ዕልዋ ምግባር ወይ መንግስቲ ምእላይ ማለት፣ ምቕታልን ምእሳርን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን መኮነናትን ናይቲ ስርዓት ማለት ኢዩ። እቶም ትዓልዎም (ትቐትሎምን ትኣስሮምን) ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ደቂ ዓድኻን ኣዝማድካን እንተ-ኾይኖም ድማ፣ ካብ ክትዓልዎም – ክትቀርቦምን ክትሕልዎምን ይምረጽ። ብኸምኡ ከኣ ኢዩ፣ እቲ ውልቀ-መላኺ ንኣዝዮም ውሑዳት ግን ከኣ ኣዝዮም ዝቀራረቡን ነንሕድሕዶም ዝተሓላለዉን መኮነናት ሒዙ፣ ቀሲኑን ተዛንዩን ዝነብር። ብኸምኡ ከኣ ኢዩ ህግደፍ፣ ልክዕ ከም ንጉሳዊ ስድራ-ቤት ክሳብ ንሓወቦን ወዲ-ሓዉን ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝዕድል ስርዓት ዝኾነ። ድሕሪ’ቲ ጥንቁቕ ሕርያ መኮነናትን ሰበ-ስልጣንን ዘሎ ሚስጥር እምበኣር እዚ ኢዩ። ብዙሓት ካብቶም ኣብ ደገ ኮይኖም ብዛዕባ ጸይቅታት ናይቲ ስርዓት ብዙሕ ዝዛረቡ፣ ‘ብኸመይ ይተኣለ?’ ኣብ ዝብል ሕቶ ግን ማንታ ሓሳብ ዝህቡ ምሁራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር ደቂ‘ቲ ከባቢ’ውን ጸገሞም እዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ኢዩ።

እቲ ብስርሒት ፎርቶ ዝፍለጥ፣ ኣብ ልዕሊ ወዲ ዓሊን ጉጅልኡን ዝተራእየ መዘና ኣልቦ ጥልመትን፣ ድሕሪኡ በቲ ጠላም ጉጅለ ዝተዋህቦ ስምን (ናይ ኣስላም ምልዕዓል ኢዩ ዝብል) ‘ካብዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ኣተሓሳስባ ወጻኢ ኢዩ’ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ኢዩ። ብሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራ ‘ብጀነራላት ዝተወደበ ወታደራዊ ዕልዋ ክግበር’ ዘለዎ ተኽእሎ ‘ፍጹም ዘይከኣል’ዩ (impossible)’ እኳ እንተዘይበልኩ፣ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ግን ከብርህ እፈቱ። ነዚ ኩነታት’ዚ ድማ ብጥንቓቐ ኢዩ ክሰርሓሉ ጸኒሑ። ንኣብነት ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት፣ ዋላ’ውን ቅድሚኡ፣ ነቶም ኣብቲ ሰራዊት ኣብ ሓልፍነት ዝነበሩ ተወለድቲ ናይቲ ካልእ ከባቢ፣ ብደርዘናት ጠርኒፉ ካብቲ ወታደራዊ መሪሕነት ከባርሮምን፣ ኣብ ተራ ሲቪላዊ ምምሕዳራት ክሰኹዖምን ጸኒሑ። ብዛዕባ’ዚ ነቶም ኣብ ስደት፣ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ናይ ኮሎኔል ማዕረግ ወይ ተመሳሳሊ ስልጣን ዝነበሮም ተጋደልቲ ሓቲትካ ምርግጋጽ ይከኣል ኢዩ።

ሕጂ’ውን ደጊመ ከነጽሮ ዝደሊ፣ እዞም ውሑዳት ሰብ ድሩራ፣ ንህዝቢ ናይቲ ዝተወልድሉ ከባቢ፣ ብጭቡጥ ዝረአ፣ ሓለፋ ካልእ ከባቢ ዝገበሩሉ ጉንዖ የለን። ህዝቢ ናይቲ ከባቢ’ውን ‘ዓድና ዝበዝሑ ጀነራላት ወይ ኮሎኔላት ኣለዉዋ’ ካብ ምባል ሓሊፉ፣ ብውሽጡ ዝያዳ ካልኦት ኣሕዋቱ ሓለፋ ዝጽበ ህዝቢ ኣይኮነን። ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ፣ እቲ ህግደፍ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝወልዖ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ኲናት ብኸምዚ ንርእዮ ዘለና መኺኑ ኣይምተረፈን። ኣነ’ውን ነዚ ክጽሕፍ ከለኹ፣ ንስዉር ፖሊሲ ናይቲ ስርዓት ንምቅላዕን፣ ህዝቢ ነቲ ሽርሕታት ከም ዝካታዓሉን ዝዘራረበሉን ንምግባር ድኣ’ምበር፣ ነቶም ኣብ ጎነይ ዝተጋደሉን ዝተሰውኡን፣ ገና’ውን ዝቃለሱ ዘለዉ ብጾት (ደቂ‘ቲ ከባቢ) ናብዚ ደረጃ’ዚ ንምውራድ ኣይኮነን።

ሳዕቤን፦ እቶም ናብ ሓላፍነት ዝሕረዩ ውልቀ-ሰባት፣ ካብ ሓደ ከባቢ ዝተመርጹን ብዓዲ ዝቀራረቡን እንተድኣ ኮይኖም፣ በቲ ካልእ ወገን’ውን ተመሳሳሊ ብቕዓት ዘለዎም ተወለድቲ ካልእ ከባቢ/ ብሀር ወይ ሃይማኖት፣ ካብቲ ፖሊቲካዊ ስልጣን ዝውገኑ ስለ ዝህልዉ፣ ፖሊቲካዊ ውደባ ናይታ ሃገር ኣብ ክንዲ ኣብ ስነ-ሓሳብ (ideology) ዝምርኮስ፣ ሃይማኖታውን ብሀራውን መልክዕ ዝተሓወሶ፣ ናብ ናይ ከባቢታት ህልኽ ይልወጥ። ምኽንያቱ ገለ ወገን ብሳላ’ቲ ዝሓዝዎ ስልጣን፣ ንጸጋታት ናይታ ሃገር ሕልፊ ካልኦት ክጥቀምሉ ከለዉ፣ እቶም ካብቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተወገኑ ከባቢታት ድማ ማዕረ ተጠቀምቲ ሃብቲ ሃገር ንምዃን ክቃለሱ ባህርያዊ ኢዩ። እዚ ኩነታት’ዚ ነቶም ሰብ ሓለፋ (political elite) ብዝያዳ ዝምልከት’ኳ እንተኾነ፣ ነቲ ኣብ ክልቲኡ ወገን ዝርከብ ሓሪሱን ሸቂሉን ዝነብር ተራ ህዝቢ ኣብቲ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ስለዘእትዉዎ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ውልቀ-ሰብ ንብምሉኡ ሃብቲ ሃገር ናቱ፣ ንብምሉኡ እቲ ህዝቢ ድማ ኣገልጋሊኡ ገይሩ ዝገዝእ ወታደራዊ ስርዓት’ሞ ከኣ ቁጠባውን ፖለቲካዊን ሳዕቤኑ ኣዝዩ ዓሚቚ ኢዩ።

ምኽንያቱ እቲ ስርዓት ወታደራዊ ኢዩ። ነቲ ወታደራዊ ስርዓት ዝመርሕ ከኣ፣ እቲ ባዕሉ ናይ ፕረዚደንት ማዕረግ ዝሰቐለ ውልቀ-ሰብ ኢዩ። ንሱ ‘የገልግሉኒ ኢዮም’ ንዝበሎም ውልቀ-ሰባት፣ ጀነራል ወይ ሚኒስተር ገይሩ ክሸሞም ከሎ፣ ነቶም ዘየርብሕዎ (ወይ ዘስግእዎ) ድማ የባርሮም፣ ይኣስሮም፣ ይቐትሎም። ስለዚ ናብቲ ንብምሉኡ ጸጋታት ናይታ ሃገር ከም ድላዩ ዘመቓርሕን ዝውግንን ፕረዚደንት እናቀረብካ ክትከይድ ከለኻ (እዚ ከኣ፣ ንዕኡ ብእትህቦ ኣገልግሎት ወይ ብመሳልል ናይ ስልጣን፣ ወይ’ውን ብኽልቲኡ መንገዲ ክኸውን ይኽእል)፣ ኣጻብዕትኻ ኣብ ምምንዛዕ ሃብቲ ሃገር ክዋስኣ ዝቐለለ ኢዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ጀነራል ምዃን ማለት ተራ ወታደራዊ ስልጣን ኣይኮነን። ከከምቲ ናብቲ ሃብቲ ሃገር ዝውንን ፕረዚደንት ዘለካ ቅርበት፣ ተኻፋሊ ጸጋታት ናይታ ሃገር ምዃን ማለት ኢዩ። ንጉልበት ናይቲ ኣብ ትሕቴኻ ትእዝዞ ሰራዊት፣ ነዳቓይን ሚነዋለን ኮይኑ ናይ ውልቅኻ ገዛውቲ ከተስርሖ ምኽኣል ማለት ኢዩ። ዝተፈላለየ ኣስማት እናሃብካ ኣብ ዓበይቲ ሕርሻታት ከተስርሖን፣ ብዛዕባ እቶት ናይቲ ዘፍረዮ ግን ከም ዘይሓትትን ኣፉ ከም ዝዓብስ ክትገብሮን ምኽኣል ማለት ኢዩ። ናይ ዓድታትን ውልቀ-ሰባትን መሬት መንጢልካ፣ ኣብ ደስ ዝበለካ መዓላ ከተውዕሎ ምኽኣል ማለት ኢዩ። መካይንን ንብረት መንግስትን፣ ብዘይ ገደብ ብግልኻ ክትጥቀመኩ ምኽኣል ማለት ኢዩ። ካብ ሕግታት ግምሩኽ ወጻኢ፣ ብዓበይቲ ወታደራዊ መካይን ንሸቐጥ ዝኽውን ንብረት ከተመላልስ ምኽኣል ማለት ኢዩ። ንዘይተደልዩ ሰባት ብትሕጃ ንዓመታት ክትሕይሮም ምኽኣል ማለት ኢዩ። ሎሚ ጀነራላት ኤርትራ፣ ሲቪላዊ ምምሕዳራት ከፍርሱ፣ ክእዝዙ፣ ክእግዱ፣ ከባርሩ ስልጣን ኣለዎም። እቶም ከምኡ ዝገብሩ ጀነራላት ካብ ሓደ ከባቢ ምስ ዝኾኑ ድማ፣ እቲ ኩነታት ካብ ተራ ፖሊቲካዊ ሕቶ፣ ቀስ እናበለ፣ ናብ ‘ተበዲልና’ ዝብል ስምዒትን፣ ከባቢያዊ ጽልእን ቅርሕንትን ክምዕብል ዝቐለለ ኢዩ።

ብኸምዚ ድማ እቶም ውሑዳት ሰብ- ሓለፋ፣ እሞ ከኣ ደቂ ሓደ ከብቢ ብዓብላሊ ደረጃ ሰበ-ስልጣናትን መኮነናትን ብምዃን ዝቆጻጸርዎ መንግስቲ፣ ንጸጋታት ናይታ ሃገር ደስ ብዝበሎም መንገዲ ኣብ ውልቃዊ ረብሕኦምን ጥቕሚ ናይ ቀረባ ኣዝማዶምን ከውዕልዎን ከባኽንዎን ከለዉ፣ እቲ ኣብ ብምልእቲ እታ ሃገር ፋሕ ኢሉ ዝነብር ተወላዲ ዝተፈላለያ ብሀራትን ኣውራጃታትን ድማ፣ ካብ ጸጋታት ናይታ ሃገር ርሒቑ፣ ጓናን ተዓዛብን ኮይኑ ክነብር ይግደድ። እቲ ውልቀ-መላኽን ተኸተልቱን ድማ፣ እዛ ረብሓ’ዚኣ ንኸይትኸዶም፣ ነቲ ኣብ መንጎ’ቲ ካልእ ህዝቢ ዘሎ ካልኣውን ዘይመሰረታውን ግርጭታት እናኣባልሑን (ነዚ ድማ ብዙሕ ገንዘብ የፍስስሉ ኢዮም) ኣብ ነንሕድሕዱ እናተሃላለኸ ከም ዝነብር ይገብሩ። ገለ ካብዚ ዝተጠቕሰ ሎሚ ዘይክረአ ይኽእል ይኸውን። ስርዓት ህግደፍ ብኸምዚ ሒዙዎ ዘሎ መንገዲ ክኸይድ ግዜ እንተ-ተዋሂቡዎ ግን ግድን ክህሉ ኢዩ። ነዚ ድማ ኢዩ ህዝብና ኣቐዲሙ ክፈልጦን ክጥንቀቐሉን ዘለዎ።

እቲ ኣሰራርሓ ንምዕባለ ሃገር ዝሃሲ ጥራይ ዘይኮነ ፍጹም ዝቐትል’ውን ኢዩ። ዝሓሸ ክእለትን ትምህርትን ዘለዎም ሰባት ኣብ ነናቶም ሞያ ተሰዂዖም ኣብ ክንዲ ዝሰርሑ፣ በቲ ዘቕርብዎ ርእይቶን ዝዛረብዎ ዘረባታትን ጥራይ ከም ቀንዲ ተጠርጠርትን ጸላእትን ተወሲዶም ይህደኑ። ቀንዲ መምዘኒ ሰባት ዝተወልድሉ ከባቢ ይኸውን። ሃገር ድማ ምሁራትን ምኩራትን ደቃ ትስእን። ዘፍርዩን ዝሃንጹን ደቃ ጠፊኦም፣ ብዘህልኹን ዘዕንዉን ሰባት ትዕብለል። ነቐፈታን ቅዱስ ውድድርን ጠፊኡ፣ ‘ወይለኻ’ ዝብል ንህይወቱ ዝሰግእን ሰብን ይበዝሕ። ሰብ ኣብ ክንዲ ብስርሑ ብዘረብኡ ይምዘን። ተጻዋርነት ስለ ዝጠፍእ ድማ ፍርያምነት የንቆልቁል። ሰበ-ስልጣን ሃገር ኣብ ክንዲ ብስርሖም ዝነቓቐፉን ዝተኣራረሙን፣ ድኽመቶም ኣብ ህዝቢ ከይስማዕ ዝሓብኡን ዝሰታተሩን ይኾኑ። ኣብ ክንዲ ኣብ ምዕባለ ሃገር፣ ኣብ ሓለዋ ነብሶምን ‘የስጉኡና ኢዮም’ ንዝብልዎም ሰባት ኣብ ምህዳን ይዋፈሩ። ንኣብነት ኣብቲ ናይ ዶብ ኲናት (1998/2000) ዘጋጠመ ፍሽለትን ህልቂትን፣ ሓላፍነት ዝተሸከመ ወገን ወይ ውልቀ-ሰብ የለን። ክሳብ ሎሚ ከም ዕትሮ ተሓቲሙ፣ ውሽጡ ሕሩር ኮይኑ ይኸይድ ኣሎ። እቶም ዝነቕፉ ተኣሲሮም ወይ ተባሪሮም ኢዮም፣ ብዝተወልድሉ ከባቢ ጥራይ ዝቀራረቡን ዝሰታተሩን መኮነናት ጥራይ ተኣኻኺቦም ኣለዉ። ክሳብ መኣስ?

ክሳብ ሕጂ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ነቲ ኣውራጃዊ ፖለቲካን ዕላምኡን ሳዕቤኑን ኢዩ። ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ድማ ንገለ ካብ በሰላታቱ ከም ኣብነት ከቕርብ ኢየ።

… ይቕጽል

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • jack December 8, 2013

    you must remember that these guys worked hard. if they were given this title with out doing nothing, of course you can claim but all these generals have been working since 1972. if they worked hard even from one family we can have three or two generals not only in region . you are doing your business in Europe or elsewhere while some one working in frontiers for long years . so how can you claim they have given generals?. i advice you to go into the frontier then do your best like them , at last as result of your tolerance you will get general. Do not look on title only and their region ,but also try to look what they did!

  • HALAL December 8, 2013

    JACK BEALMEN IYOM TARIK SERIHOM BEAL WUCHU AFFAN TEKLAY WEYGUD AYTEZARBENADEA LE’ELI BEALMEN ANTA LE’ELI BARKETAY SENHIT DENKEL AKELE DENKEL SERAYE SAHEL WEZETE NO NO NO KAN JIGNA TESAINUS KAB KARNRSHM TERAHE EMOKEA MEHAYEMATKENDEY MHUR ARHIQU ZEHASEBN KEDIHESAB EGROM ZEYBEXHUN IYO EKO TEHETI MERIYET AETIYOMOM ZELEWU LSAN ETI SERAT WUCHU AB FEKEDO BARAT Z’ZAREBO ENBEAR KETESHIFNO DELIKA.
    BEJAKA ILEKA AYTEZARBENA KAB HAWEKA HALAL.

    • ኣይበልናን'ዶ December 8, 2013

      ስምዖን ገበረድንግል ብጥይት ኣብዝተውቖኣሉ ግዜ ሃደ ኣገዳሲ ጽሑፍ ወጺኡ ኔሩ።ንሱ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ዝገልጽ’ዩ።ኣብቲ ጽሑፍ፡ውጩ ምስ ፊልጶስ ዘይምስምማዕ’ዩ።ካብቲ ውጩ ዝብሎ፡…..” ፊልፖስ ስለምንታይ’ዩ ነዚ መንካዕ ኣከለጉዘታይ ዘጸጋግዖ ዘሎ ” …..ዚብል ካብ ሃደ ኣፍልጦ ዘለዎ ጽሑፍ ወጺኡ ኔሩ።…..።……..ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኦኣወት ክበጽሕ ቀዳማይ ረቛሒ፡ኣመራርሃ፡ፖለቲካዊ ይኹን ወተሃደራዊ ኣመራርሃ ዘይኮነ፡ብዝያዳ እቲ ግንባሩ ንጥይት ሂቡ ዝተሰወአ ኣብ ቅድሚት ዚነበረ ተራ ተጋዳላይ ብዝገበሮ መንፈኦኣትን ተኦኣጻጻፍነትን’ዩ።ብክንደይ መጽናዕቲ ዝተሃንጸጸ ስትራትየጂ ብሰንኪ ፈጸምቲ ዘይምርካቡ ዓወት ኣይርከቦን’ዩ።ባንጻሩ፡ጽፉፍ መጽናዕቲ ዘይተገብሮ በላሕትን ኪኢላታት ተዋጋእቲ እንተልዮም ግን ኣብ ኦኣወት ይብጻሕ’ዩ።ናይ ሓደ መራሒ ጀግንነት’ምበር ግንባር ብምፍርራስ ወይ መኦኣስከር ብምድምሳስ ኣይኮነን።ምኽንያቱ ንሱ ኣይኮነን ሰራሒ፡ናይ ሃደ ኣዛዚ መግለጺ መንፈዓቱ፡ንወተሃደራቱ ዘዕግብ ፍቕርን፡ሕውነትን፡ምርድዳእን ምቕሉልነትን ብሓፈሻ ምስ ተራ ይኹን ካልእ ካብ ዘለዎ ምውህሃድ’ዩ።እዚ ግን ኣብዞም ሎሚ ጀጋኑ ተባሂሎም ዝጽውዑ መራሕቲ ኣይተረአን።ከምቲ ሃደ ጸሃፋይ ዝበሎ፡ድሕሪ ሳዱሻይ ወራር ሰነምግባር ዝብሉዎ ኣብቲ ውድብ ኣንቆሊቂሉ ኔሩ ዝበሎ፡ንሳቶም’ውን ሃይላታት ኣብ ቅሩን ክድቅሳ መራሒ ኣዛዚ ዝተባህለ ማለት ካብ መራሒ ሃይሊ ንላዕሊ ዘሎ ኣብ ማሙቕ፡ተራ ተጋዳላይ ኮረሾ ካብናይ ካሻ ቁራጽ ነጊፉ ክበልዕ ንሳቶም ሕሩድን፡ተጋዳላይ ብርስሓት ክቆማጣዕ መራሒ ብጽሬት ምሉቕሉቕ…..ካልእን ተራእዩ ኢዩ።ካብዚ ሂዞሞ ዚመጹ’ዩ ከኣ ሎሚ ምስጣዕሚ ዝሃለፉዎ ኩነታት ምዝካር ስ ኢኖም ንረብሓኦም ክሳብ ደቂ ሰባት ናብ ምሻጥ ዚ ኣተው።

      • hanti Ertra December 9, 2013

        aybelnan do

        eza nay wuchu zerebas men kon yikewin biqetita semi’uwa? ba’elika? ezin wedi kemzin ni hzbi ertra hiji aytekmon yu habibi. just work for a united national front which can kick out the Tembien group from our country, then you accuse and bring the persons whom u r blaming in the court of law. haki enteda haluyuka gin eske neza tibla zeleka zereba nay wuchu bichibti yemineni.

  • ሓይሊ-ኣብ December 8, 2013

    ” ንኣከለ ጉዛይ ደርዒምናየን ኢና ” ቃል ውጩ፡

    • Haqi December 8, 2013

      ….. however, the retard Wuchu can not speak for all non-Akelekuzayans. He is only his own reflection.

  • tesfay tekle December 8, 2013

    TAdesse , u r one of the best Eritreans to speak the truth. If three or four Eritreans like u were exposing the Dictator, Eritrea would be free long time ago. U just keep it up. ,,beEray nab zebele yebl, Irfi axniE.

    • Mahta December 8, 2013

      Tesfay Tekle, do you really believe on that?? wey gud!! Eritrea would be never be free with such mentality. It is not the time of exposing the dictator, he has already exposed himself long time ago. Nothing is new with what the writer is saying, in fact he is doing a favour to him by creating division, while we have to maintain our unity in this crucial time. It is open secret that some people from Akeleguzay trying hard to make us believe that all the way they are the only one who are targeted by the Isayas. In my opinion, their main problem is not because all the generals are from hammasien and but not because they are not from Akele. If they were from Akele, I am sure they would fight tooth and nails to defend them. Like you and your likes are try to defend Taddese. Most Eritrean people don`t like the generals not because they are hamassien but because they are bad, but you don`t like them not because they are bad but because they are hamassien end of the point!

      • MightyEmbasoyra December 8, 2013

        Ato Mahta,
        Is that why you are defending them now? I am kind of curious. As long as Ato Tadesse states that the people from Hamassien are the problem, I don’t see anything wrong. He can’t say that because this is not any Awraja’s problem but the criminal isayas. However, those individuals (colonels/generals/ministers, etc) in power are as guilty as him. Why? Because they are implementing his evil plans.

      • ተ.መድኅን December 8, 2013

        ማሕታ ከመይ ኣሎካ።……..ቃል ታደሰ ነዚ ትብሎ ዘሎኻ ዝመልክት ኣይኮነን።እንታይ ደኣ….. ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን….ንማለትዩ።ጀነራላት ኤርትራ ዘጽል ኦም ዘሎ ከምቲ ዝበልካዮ በቲ ዝሰርህዎ ዘለው’ዩ።ብሽም ሓማሴን ምኳኖም ኣይኮነን።እቲ ካልእ ዝጽላእ ዘሎ ሃማሴን ይኹን ካርነሽም ስለዝተተንከፈ እቲ ጉድን ሃቅን፡ኣቲ ኣብ ህግ ዝጸንሐ ዕረ ዘይፈልጡ ቆፉኡ ከምዝተተንከፈ ንህቢ ዕሙም ክብሉ’ዩ ዘሰክፍ።ኣብ ዩጎስላቪያ ብደቂ ሰርቢያ ዝተፈጸመ ግፍዒ ሓድነት ዩጎስላቪያ ንምሕላው ተባሂሉ’ዩ፡ንሳቶም ደቂ ሰርቢያ’ዮም እቶም ጀነራላት።ካብቶም ግዳይ ዝኾኑ ደቂ ኮሶቮን፡ኣኤርዝጎቪንያ ኣይኮነን።ሰለዚ ክሳብ ሎሚ ብስራህዞም ጀነራላት ሃድነት ሃገር ናብ ዝተሓተ ደረጃ ደቒሶሞ፡ሕጂ’ውን ናብ ምጥርጣር ዘእትው እቶም ዝወቕሱ ዘለው ወይ ታሪኽ ዝገልጹ ዘለው ዘይኮነ ነቲ ታሪኽ ክዓብጡ ካብዝጽዕሩ’ዩ ዘሰክፍ።

        • Mahta December 9, 2013

          Might, I`m not defending them! Why would I defend an evil deeds anyway?? for your information I`m not even from adi nefas..if that what you are thinking. I believe regionalism was/is not the main problem in Eritrea. the writer by categorizing certain people from a specific place, do his best to try to tell us otherwise. For me it is like…habal belya keykedemeteki zeaynetu zereba…I don`t believe he is messenger of woyane or hgdf, nor did I believe he is honest man as well.
          Teweldemedhen selam! you see, that is the problem hawey!how do you know that he is talking the truth and the whole truth?? He needs to talk about people from his surroundings who are playing a key role in keeping the dictator in his position. Isayas didn`t give all the tsururas certain people only.I read a one comment that he come to UK for higher education. How did he got that opportunity from the hamassien dominated gvt?? was he the smartest person around?? Or did he got it be wegenay wegeneka? Does he thinks he deserve to get that opportunity? pls don’t tell me he deserve it because he is gedim tegadalay…..One more weleqqwi tezebeti can have more credit if he had talked to people from karneshem too, or better go to adi nefas and check if they getting more electricity…

      • ኣባ-ዳህሪ December 8, 2013

        Mahta፡

        “In my opinion, their main problem is not because all the generals are from hammasien and but not because they are not from Akele. If they were from Akele, I am sure they would fight tooth and nails to defend them.”

        ነቲ መንሽሮ ኾይኑ ዘሎ ቀንዲ “ሕማም” ኣቶ ታደሰ ኪዳነን ወደስቱን ብትኽኽል ዝገልጽ፣ ንደቂ-7ቲአን ዝተረፋ ብሄራት ብዘነውር ኣገባብ የቆናጽቡ ከምዘለዉ፣ ንኽግንዘቡ ዝሕግዝ ሓያል ዘርባ !

      • hanti Ertra December 9, 2013

        mahta

        i cant agree more. you put it exactly and to the point. had it been written by some one who doesnt belong to Hama or akele i would have been felt some thing. i know Isaias is/was playing the game of divide and rule , as he doesn’t belong to the big awrajas, and we can see certain legacies of it. but what tadese is writing is not timely, it is divisive , it manifests that he is brought up in a very traditional society which teachs awrajanet and he seems delayi silatan….had he been given siltan he would have said nothing,,,,,,,please tadese write inspirational articles which could awaken the silent majority and then we can oust the leader from Tembien….then acuse the crimals

        • MightyEmbasoyra December 9, 2013

          I believe you guys are missing the point. isayas never cares about any region. He can’t, because it is simply for one and only one reason. He doesn’t belong to any of them. However, he uses it to divide us and kill its people and ruin the country.
          Mahata and others,
          I am not sure why give forgetting the main point. Didn’t you know that isayas has killed, tortured, imprisoned, disappeared many people from Hamasien? Why are we forgetting that easy? He doesn’t like them just because they are too smart and that wouldn’t be good for his big plan.
          For those individuals from Akele who are serving the dictator, they are equally responsible for crimes they have made (and they have plenty of them).
          SO, the question is why did he like and promote those idiot generals/colonels from Karneshim? Simple: Because they are just idiots and they can serve him well. The same formula applies to those idiot individuals from Akele with high positions. They are all “first rank criminals”.

  • jack December 8, 2013

    i am not comparing some one with some one , but i am thinking if someone did something, he should have reward. if i were in place of someone who has been working since 1972 . i would claim that general is not enough for me! but you don’t know the history also , who are the elite ones deceased . they are from all regions of eritrea …. i can give a lot of examples , who judged them to be killed . away from emotion , you have to investigate then you can draw into conclusion. in my suggestion halewa sewra was responsible for these who died in struggle and hagerewi dehnet after independence who are these people? they are from the same region, that attacking another region?

  • jack December 8, 2013

    it is narrowness to think about region or places . you have to think in broad sense , nationalism. stop thinking about some one from where is he? think about what should be happen, what we can do to our nation . if you fulfill your commitments, then you can claim general zey habkumi! serihka eyu zemtsea serihka amtsea !

    • ኣይበልናን'ዶ December 8, 2013

      ዝኸበርካ jack ……እቲ ዝኾነ እዚ’ዩ ፡” ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ….” እዚ ከኣ ገሊኡ ወላካ ገዚኡ ዝ ኣትዎ ዘይብሉ እንተኾነ ብዘሎ ኩነታት ዕጉብ ኮይኑ ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ክብል ይውዕል ኣሎ።እዚ ማለት ሓለፋ ረኺቡ ዘርይኮነ ነቶም ዝጠኦኣሞም ከሐጉስ ንማለትዩ።ካብዚ ከኣ እቲ ጸገም ናይ ካልእ ወይ እቲ ሽግር ካልእ ክይጥምቱ ኦኣጊቱዎም ብሰንኪ’ዚ ምትእምማን ጠፊኡ ተነፋፊሕካ ምዃድ መጺኡ።…..እዝ’ዩ ኣፍርዩ እቲ ንገለ ካሮት ንገለ ዱላ ዝብል ፖሊሲ ህግደፍን ኢሳያስን።

  • jack December 8, 2013

    he is not matured politician. this phenomena was happening since 1951, Eritrean struggle did a lot to eradicate scar of this ideology. Eritrean people also tired of such kind of issue . so if you have a point ,, we can listen you unless we are tired of these things dear. at last what we can get from this?

  • Salih December 8, 2013

    Tadese you are one of far most ugliest person in the world. How on earth you give such a hectic writing trhough out this page? By the way do you know what you are doing? I don’t think you are because Eritrea is not only for Hamasien and like yours ‘AKELEGUZAI’. What about we Muslims form high lands and low lands??? By the way I think you lost your leg and mandible for Us (Eritrea people) to set us free. How come now you choose to divide Eritrea using your poisonous ideology. Rather cold you tell us how you lost you leg, when, after how many in fighting? do you think you are honest after you disappear after the ministry of of education sent you for education to England? You are an expert of nothing.

  • delay lewuti December 8, 2013

    wake up mr awurajawi. ur topic is 1940th or 1950th not in 22 centry. i am sick and tired of ur article i don’t in which planet u live. if u don’t know the truth pls donot write. there is no awurajawi problem the only problem in eritrea is HGDEF.

  • ahmed saleh December 8, 2013

    Tadesse’s writings bring consciousness to understand the destructive policy of leadership.
    Before we intend to construct the damage we need to identify our weakness . So to discuss
    the obstacles wich fail us as a nation gives an opportunity to learn and challenge negative
    influences. Unfortunately it took great tragedies to woke us up to address long overdue
    National reform issues.

POST A COMMENT