Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣኼባ ጽላል ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኖርወይ

እቲ ንማሕበራት መንእሰያት፡ ንሲቪካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ዝጥርንፍ ጽላል ደለይቲ ፍትሒ ኖርወይ ካብ ዕለት 13/06/14 ክሳብ 14/06/2014 ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣካዪዱ። ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ስራሓት ጸብጻብ ተነቢቡ ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ብምዝታይ ድማ ኣገዳሲ ውሳኔታት

እቲ ንማሕበራት መንእሰያት፡ ንሲቪካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ዝጥርንፍ ጽላል ደለይቲ ፍትሒ ኖርወይ ካብ ዕለት 13/06/14 ክሳብ 14/06/2014 ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣካዪዱ። ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ስራሓት ጸብጻብ ተነቢቡ ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ብምዝታይ ድማ ኣገዳሲ ውሳኔታት ኣሕሊፉ። ጽላል ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኖርወይ፡ ጸረ ህግደፍ ንዝኾኑ ማሕበራት፡ ሰልፍታትን ውልቀሰባትን ፍልልያቶም ብዘየገድስ ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፎም ኣንጻር’ቲ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ መሰረታዊ መሰል ዜጋታት ዘየፍቅድ ስርዓት ዝቃለሱሉ ባይታ እዩ። ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ድማ ተስፋ ዝህቡ ለውጥታት ኣመዝጊቡ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ትማሊ ኣኼባ ዝተዘርበሎም ቀንዲ ዛዕባታት እዞም ዝስዕቡ ነይሮም።

–       ኤርትራውያን መንእሰያት ኖርወይ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ንጥፈታቶም ዘበርትዑሉ ኣገባብ ምፍጣርን፡ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣስንትዮ ኖርወይ ቃልሰን ዘበርትዓሉ ኣገባባት ተዛትዩሉ።

–       ካብ ጨፍላቒ ስርዓት ኣምሊጦም ኣብ ውሑስ ሃገር ድሕሪ ምእታው፡ ኣብ ክንዲ ኣንጻር’ቲ ጠንቂ ስደቶም ዝኾነ ስርዓት ነጢፎም ዝቃለሱ፡ ሕጊ ስደተኛታት ብምጥሓስ ናብቲ ፎእ! ዝበሉዎ ስርዓት ብምምላስ ንነፍሶም ከም ገበነኛታት ኣብ ዘቝጽር ናይ ጣዕሳ ፎርም ክመልኡ ጸኒሖምን ኣለዉን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ንጥፈታት ጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ክሳተፉ’ውን ይፍትኑ። ከምዚ ዓይነት ሕጊ ምጥሓስ ዝፍጽሙ ዜጋታት ንካልኦት ዜጋታት ይልክሙ ስለ ዘለዉ፡ ሕጋዊ ስጕምቲ መታን ክውሰዶም ጭብጥታት ብምሓዝ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኖርወይ ምይይጥ ክግበር ተወሲኑ።

–       መንእሰያትና ኣብ ፈቐዶ ምድረበዳን ባሕርን ኣብ ዝሃልቁሉ ዘለዉ ግዜ፡ ህግደፍ ኣትዩዎ ካብ ዘሎ መንቀራቕሮ ንምውጻእ ኣብ ቦሎኛ ዘዳልዎ ዘሎ ናይ ዳንኬራን ጓይላን ውራይ ኣብ ምፍሻል ኣሎ ዝብሃል ዓቕምና ክነበርክት ስለ ዝግባእ ሓንቲ ኮሚቴ ብምውጻእ ክሰርሃሉ ወሲኑ።

–       ንስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ንምእላይ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣሎ ዝብሃል ዓቕሙ ብምጥርናፍ፡ ናይ ጐስጓስን ሓበሬታን ሓይሉ ከበርትዕን ቃልሱ ከደንፍዕን ተረዳዲኡ።

 

ዓወት ንህዝቢ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • gebrihiwetkahsay June 16, 2014

    Kkkk demecrasy endikum tiblu seb dilatu kigebr Natu mebti alewo aka hasena hasiwu kab mihsaw halfikum tigebruwo neger yelen.

    • Tesfu Kibrom June 18, 2014

      ksab lomi mebti enbelka tyareb dea wedey abal isepa dokon nierka?? Beal nska wedi nska ntqmkum kitblu tesekumkumo zelekum sirat kerbqi’e eyu. Ezi qalsi mkwanu flet, etom xere demokrasi ykonu sebat kiqali’u alewom.

  • goitom June 16, 2014

    we will support you that you need to take pictures of the hgdf supporters that might attend Bologna, you need to have tough committee and no mercy to expose this illegal asylum seekers, who claim asylum and serving their master. you need to be tough enough, there is no another chance at all.

  • Merhawi June 16, 2014

    wow great job ,Deleyti -Fithi norway,I hope we will see you in Bologna demo

  • TaESA June 17, 2014

    I will come too.

  • Medber June 17, 2014

    Viva Nerway good job,

  • Delaii fithi June 18, 2014

    Zihizin eyu

POST A COMMENT