Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ፎርቶ ዘሎኹም!

  ኣብ ፎርቶ ዘሎኹም! ጋዜጠኛታትና ኣብ ፎርቶ ዘለኹም እስከ ንገሩና ናይ ሰኑይ ውዕሎኹም ኣጋጣሚ ኮይኑ ዕድለኛታት ኢኹም መዓልቲውን ትኹን ሓራ ዝወጻእኹም! ብመግዛእቲ ምልኪ ኣብ ጸላም ከለና ንሓንቲ መዓልቲ ሓለፋ ኩልና ጩራ ዝረኣኹም ናይ ሓርነት ባና ንስኻትኩም ኢኹም ጋዜጠኛታትና ውዕለትኩም ምለሱ *ፈንኪ ስውኣትና!  *ንዝገበረልካ ምግባር፡ ነዚ እኩይ ስርዓት

 

ኣብ ፎርቶ ዘሎኹም!
ጋዜጠኛታትና ኣብ ፎርቶ ዘለኹም
እስከ ንገሩና ናይ ሰኑይ ውዕሎኹም
ኣጋጣሚ ኮይኑ ዕድለኛታት ኢኹም
መዓልቲውን ትኹን ሓራ ዝወጻእኹም!
ብመግዛእቲ ምልኪ ኣብ ጸላም ከለና
ንሓንቲ መዓልቲ ሓለፋ ኩልና
ጩራ ዝረኣኹም ናይ ሓርነት ባና
ንስኻትኩም ኢኹም ጋዜጠኛታትና
ውዕለትኩም ምለሱ *ፈንኪ ስውኣትና!  *ንዝገበረልካ ምግባር፡
ነዚ እኩይ ስርዓት ከተገልግልዎ
ልብኹም ጠቢርኩም ኣይተዐሽውዎ
“ወራስ” ዓራት ኢሎም እናወደሱዎ
ሚኒስተር’ኳ ዝኸደ ስልጣን ራሕሪሑዎ!
ጎይታ ሰማይ ምድሩ እንታይኮን’ዩ ኢሉዎ
ጉምብሕ ጥልዕ ዚብሉ *ረሓኖ ከለውዎ   *ጸዓንቲ ፈረስ
*መጋል ዝነፈጸ ልጓም በቲኹዎ፡        *ጸሊም ፈረስ
ኣርሒቑ ይጋልብ ይኺድ ግደፍዎ
መስጣ ውጹዓት’ዩ መንፈስ ጸሪጉዎ!
ጋዜጠኛታትና ትሰምዑዶ ኣለኹም
መስተርሆት ክረክብ’ቲ ውጹዕ ህዝብኹም
ጀጋኑ ሓሊፎም ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም፡
ብድሕሪ’ቶም ገንሸላት ዝተበጀዉ ስሌኹም
እንታይ ከም ትገብሩ ሕተቱ ሕልናኹም!
ይትረፍ ንስኻትኩም ዝወዓልኩም ኣብኡ
መልእኽቱ ዘንበብኩም ንጹር ዕላማኡ
ንሕና’ኳ ብማዕዶ ሰሚዕና ወረኡ
ኣሰር እቲ ጅግና ስዒብና ድሕሪኡ
ዓለም ዘናወጽና ኣድሚጽና ቃናኡ!
ገንሸል ሓርነትና ደሙ ዝፈሰሶ
ፎርቶ ክብሪ ኣሎዎ ማንም ከየርክሶ፡
እዚ ሕቶ ህዝቢ ጅግና ዘበገሶ
እስከ ንገሩኒ መን’ዩ ኪምልሶ?
ምልኪ ከይቀልዓኩም ወትሩ ከም ኩዑሶ
ምስ ፍትሒ ወግኑ ጾርኩም ንኽፈኹሶ!
ቅዋም ተተግቢሩ ብርሃንኩም ኪትሪኡ
ፍትሒ ንኺነግስ ንዓመጽ ተኪኡ፡
ግዳያት መላኺ ካብ ማሕዩር ንኺወጹ
ምስ ውጹዕ ህዝብኹም *ዔማሕ ዘይተድምጹ!  *ኣይንሰዓርን
ብሰንኪ ውሑዳን ጉጅለ ሸፋቱ
ገለ ተሓይሮም ገለ እንተ ሞቱ
ጅግና ኣይተርፍን’ዩ ጠፊኡ ብኾንቱ፡
ፈለግዶ የቋርጽ’ዩ ነቒጹ *ምነቱ         *ዘይነጽፍ ምንጪ ማይ
መላኺ ኪጸርግ ምስቶም ዕሱባቱ
ጋሻ ውሕጅ ኣሎ ዝጽበ ሰዓቱ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 12-02-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS

POST A COMMENT