Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን መበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክጽምብሉዎ ቀንዮም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንመበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ልክዕ ከምቲ ንዝሓለፉ ሓያለ ዓመታት ክገብሩዎ ዝጸንሑ ኣብ ክልተ ደምበታት ማለት ደለይቲ ፍትሕን፣ ደገፍቲ ምልካዊ ስርዓትን ተኸፋፊሎም ብዝተፈላለየ መልክዕን ኣገባብን ክጽምብሉዎ ቀንዮም። እቲ ካብ ዝሓለፈ

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንመበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ልክዕ ከምቲ ንዝሓለፉ ሓያለ ዓመታት ክገብሩዎ ዝጸንሑ ኣብ ክልተ ደምበታት ማለት ደለይቲ ፍትሕን፣ ደገፍቲ ምልካዊ ስርዓትን ተኸፋፊሎም ብዝተፈላለየ መልክዕን ኣገባብን ክጽምብሉዎ ቀንዮም።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝቕጽል ዘሎ ጽምብል ደለይቲ ፍትሒ፣ ብሓፈሻ፣ ነቲ ብብረታዊ ተጋድሎን መስዋእቲ ኣሽሓት ጀጋኑ ኤርትራን ዝተረጋገጸ ናጽነት ክብሪ ዝግብኦ ታሪኻዊ ፍጻመ ምዃኑ ብዘተን ባህላዊ መደባትን ግጥምታትን ብምንጽብራቕ ነቲ ሃገራዊ ኣጋጣሚ ክዝክሩዎ ከለዉ፣ ነቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጉጅሊኡን ሃገራዊ መብጽዓ ጠሊሞም ዘንገሱዎ፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ሕሰም፣ ንመንእሰያት ኤርትራ ግዳይ ጊላነትን ስደትን ዝገበረ ውልቀምልኪ ኮኒኖም።

በንጻሩ እቶም ብ ወከልቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወጻእን መጫፈርቶምን ዝተወደቡ ኣጋጣሚታት፣ ነቲ ብጠላም ስርዓት ወልቀመላኺ ኢሳይያስን ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ውድቀትን ውርደት ህዝቢ ኤርትራ ዘስዓበ ብኽነት ናጽነት ኣሉ ብምባል፣ ኣብ ስኽራንን ዳንኬራን ተጸሚዶም ቀንዮም።

እንተኾነ፣ እቲ ክዉንነቱ ካብ ማንም ወገን ዝፍልጥ ህዝቢ ኤርትራ፣ እቶም ሞሳ ናይቲ ደቁ ዝኸፈለሉ ናጽነት ኪሊኦም ኣብ ባርነት ከቲቶሞ ዘለዉ ጠላማት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን መጋበርያኡ ኮኖም ኣብ ገበንን ዓመጽ ዝለኣኹዎ ዘለዉ ጭፍራን ምዃኖም ኣጸቢቑ ስለዝግንዘብ፣ ብዳንከራን ፕሮፖጋንዳን ናይቶም ሕልና ኣልቦ በለጸኛታት ክዳናገር ከቶ ኣይክእልን እዩ።

ኣብ መንጎ እቲ ብመስዋእቲ ደቁ ዝተረኽበ ክቡር ናጽነትን፣ ንናጽነት ናብ ባርነት ቀይሩ ሞሳ ዝነፈጎ ዓማጺ ስርዓትን ዘሎ ፍልልይ ብትዅረት መዚኑ፣ ንጸላኢኡ ነጺሉ ብምውቃዕ ንቡር ናጽነት ከስተማቕር ከምዘለዎ ደሊቡዎ ንዘሎ ንቕሓት፣ ተባዕ ተበግሶ ወሲዱ ክልውጦ ምዃኑ ድማ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT