Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዋዕለ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ለስተርን ከባቢኣን ዝቐረበ መደረ – ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኤል – 06 ግንቦት 2019

ኣብ ዋዕለ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ለስተርን ከባቢኣን ዝቐረበ መደረ ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኤል - 06 ግንቦት 2019   ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዝተፈቶኹም ደቂ ሃገረይ ኣብዚ ተረኺብና ዘሎና ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ንምዝታይ ኢዩ። ሃገርና ኤርትራ ካብ ኩሉ ጊዜ ንላዕሊ ኣብ ሕማቕ

ኣብ ዋዕለ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ለስተርን ከባቢኣን ዝቐረበ መደረ

ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኤል – 06 ግንቦት 2019

 

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዝተፈቶኹም ደቂ ሃገረይ

ኣብዚ ተረኺብና ዘሎና ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ንምዝታይ ኢዩ። ሃገርና ኤርትራ ካብ ኩሉ ጊዜ ንላዕሊ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢያ ትርከብ ዘላ። እዚ ኩልና ንግንዘቦ ሓቂ እኳ እንተዀነ መበገሲ ክኾነና ገለ ንጥብታት ኣልዒለ ክዛረብ ኢየ።

ኣብ ሃገርና ክፉእ ኩነታት ስለዘሎ እንዲና ኣብ ስደት ንነብር ዘሎና – ሓቀይዶ?

እስኪ ብዛዕባ ሓቀኛ ኩነታት ናብ ስደት ዘምርሓና ምኽንያታት ንዛረበሎም።  ብናተይ ኣወጻጽኣ ክጅምረልኩም።   ኣነ ብጊዜ ቃልሲ ኤርትራ ከም መብዛሕትኡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ኣባል ሓፋሽ ወድባት ኰይነ ቁሩብ ኣገልጊለ። ካብ 1987 ክሳብ ጊዜ ነጻነት ከኣ ምሉእ ጊዜይ ወፍዬ ኣብ ኤውሮጳ ሓላፊ ክፍሊ ምርምርን ሓበሬታን (RICE) ኰይነ ሰሪሐ። ምስቶም ካልኦት ኤርትራውያን ትካላት ከም ብዓል ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ መንግስቲ ኤርትራ ዝጥቀመሉ  ዘሎ ኤምባሲ ኢዩ ኔሩ ቤት ጽሕፈትና።  እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ብቐንዱ ንብረት ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ (ብ’ERA ዝፍለጥ ዝነበረ) ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ነጻነት ግና እዚ ዘሎ መንግስቲ ነቲ ዝነበረ ቤት ጽሕፈታትና ዓጽዩ ብዘይ ኣገባብ ነቲ ገዛ ወሪሱዎ። በቲ ዝነበረ ስምዒት ናይ ናጽነት ዝከታተሎ ኣይተረኽበን እምበር ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ኣብዚ ዓዲ ዝተመዝገበት ግላዊት ግብረ ሰናይ ማሕበር ስለዝነበረት ነቲ ቤት ጽሕፈታ  ብሕጊ ከተትርፎ ምኽኣለት ነይራ።

ዝኾነ ዀይኑ ናብ ናተይ ጉዳይ ክምለስ። ኣነ ድሕሪ ናጽነት ከም ኩሉ ናይቲ ጊዜ ኣገልጋላይ ዝነበረ ሰብ ኣብዚ ዝነበረኒ ሓዳር ራሕሪሐ ንሃገረይ ከገልግለ ኢለ ጠቕሊለ ኢየ ንዓደይ ከይደ። ኣብ ክፍሊ ቁጠባ ዝብሃል ዝነበረ ድርጅት ተመዲበ ክሰርሕ ምስ ጀመርኩ ግና ከይወዓልኩ ከይሓደርኩ ኢየ እቲ ስርዓት  ኣይሰርሕ ኣየስርሕ ምዃኑ ዝተረዳእኩ። ቀዳማይ ትዕዝብተይ፡ ኣዝዩ ከኣ ዘጕሃየኒ ነገር፡ ኣብቲ ሽዑ ቤት ጽሕፈታት ናይቲ ጊዜኣዊ መንግስቲ ዝብሃል ዝነበረ ገለን ገባራት ተባሂሎም ፈሪሞም ይኣትዉ ተጋደልቲ ግና ከይፈረሙ ይኣትዉ ነይሮም። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይተቓለሰ ተቖጺሩ ገባርን ተጋዳላይን ተባሂሉ ኢዩ ተፈላልዩ። እዚ ንዓይ ኣዝዩ ከቢድ ስሚዒት ኢዩ ኣሕዲሩለይ።  ክዛረበሉ እንተፈተንኩ ኸኣ ብጊዚኡ ክፍታሕ ኢዩ ዝብል ጣቋ ዘይብሉ መልሲ ኢዩ ዝውሃበኒ ነይሩ።  እዚ ፍልልይ እዚ እንዳርኣኹ እሞኽኣ ናይ ስራሕ ዕግበትን ኣበርክቶን ዘይብሉ ቦታ ተቐሚጠ ክቕጽል ስለዘይደለኹ ክሳብ ረፈረንደም ተጸሚመ ጸኒሐ ድሕሪኡ ግና ኣፋንዉኒ ኢለ ብኽንደይ መከራ ኢየ  ተፋንዬ። ብድሕርዚ ናብዚ ሃገር (ዓዲ እንግሊዝ) ተመሊሰ ናይ ግለይ “ኮንሳልታንሲ” ትካል ከፊተ ምስ ሕቡራት መንግስታትን ዓለምለኻውያን ናይ ረዲኤት ማሕበራትን ንኤርትራን ንኢትዮጵያን እንዳተመላለስኩ ክሰርሕ ጀሚረ። ስራሕ ጽቡቕ ማዕቢሉለይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግና እቲ ደማዊ ዝነበረ ኵናት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብወራር ወያነ ዝፍለጥ፡ ብ1998 ይጅመር።  እነ ሕጂውን ጻውዒት ሃገር ተሰሚዑኒ መጀመርታ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቆንስላ ኤርትራ ለንደን ኮይነ ኣብ ኤውሮጳ ናይ ኤርትራውያን ክኢላዊ  ዓቕሚ ብምውዳብ ሰፊሕ ናይ ፕሮፖጋንዳ ስራሕ ከነካናውን ክኢልና።

ኣብቲ ጊዜ ካልኣይ ወራር ግና ዘሰንብድ ወረ ፡ ርብዒ ህዝቢ ኤርትራ ብወራር ወያነ ተመዛቢሉ ስለዝተባህለ፡ ሕልናይ ኣገዲዱኒ ንዓዲ ምስ ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ተመዲበ ክሰርሕ ሓሲበ ከይደ። ግና ካብ ናይ ቅድም ተሞክሮይ ኣይተማሃርኩን፡ ኣብ ማሕበር ረዲኤት ኤርትራውን ከምቲ ዝተጸበኹዎ ምትሕብባር ኣየጋጠመንን። ብቐንዱ፡ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ሰብ ብዓይኒ ጥርጣረ ኢዩ ዝርአ። ከምኡ ስለዝዀነኒ ኸኣ ኣብ መወዳእታ 2000 ዓ.ም ሓደ ግላዊ ግብረሰናይ ማሕበር ኣቋቝመ ንህዝበይ ክሕግዝ ወሲነ። ነታ ግብረሰናይ ማሕበር “ሓበን” ዝብል ሽም ኢየ ሂበያ።  ሓበን ጽቡቕ ማዕቢላ ክሳብ 250,000 ዝቝጸር  ህዝቢ መነባብርኡ ንኽምሓየሽ ሓገዝ ትህብ ነይራ። እዚ ዘሎ መንግስቲ ግና ከምኡ ዓይነት ናብ ህዝቢ ዘተኰረ ስራሕ ዘገድሶ ስለዘይኮነ ኣብ 2006 ብኣዋጅ ብዙሓት ግብረሰናይ ማሕበራት ክዕጸዋ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።  ናይ ሓበን ምሉእ ንብረት መንግስቲ መስ ተረከቦ ኸኣ ዝነበረኒ ምርጫ ወይ ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ዓዶም ግደፈሎም ከምዝብሃል ሃገር ገዲፈ ናብ ካልኣይ ስደት ምምራሕ ኢዩ ነይሩ።  ዘረባ ከይበዝሓኒ ብሓጺሩ ኢየ ናተይ ተሞክሮ ዝገልጾ ዘሎኹ እምበር ኣብዝኾነ ዓለም መንግስቲ ንብረት ናይ ግብረሰናይ ማሕበራት ክወርስ ብዝኾነ መንገዲ መሰል የብሉን፣ እቲ ንብረት ናይቲ ዝሕገዝ ዝነበረ ህዝቢ ስለዝዀነ።

ናተይ ተሞክሮ ከምዚ ዝተባህለ ኮይኑ እስኪ ገለ ናታትኩም ተሞክሮ ኸኣ ብግልጺ ኣካፉሉና። ብምንታይ ምኽንያት ኢኹም ንስደት ኣምሪሕኩም?

  1. ራእይ ዘይብሉ ህይወት ኰይኑኒ ከም ሰበይ ክስደድ ወሲነ።
  2. በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተስፋ ቆሪጨ፡ ክንደይ ጸገም ተሳጊረ እንሆ ኣብዚ በጺሐ።
  3. ንዘዕበዩ ኣረጋውያን ስድራኻ ዘይትረድኣሉ ጊዜ ኰይኑ በቃ ከም ሰበይ ክወጽእ ኣሎኒ ኢለ ወጺአ.
  4. እንታይ እሞ ክንዛረበሉ ኢና – እዚ ዘሎ መንግስቲኮ ቅሳነት ወይ ህላወ ህዝቢ ዘገድሶኮ ኣይኮነን። ኣንቱም ሰባት ክንደይ ሽግር እኮ ኢዩ ዘሎ ኣብ ሃገርና። ኣነ ብኢትዮጵያ ኣቢለ ኢየ ወጺአ፡ መቐለ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ምስ ርኣኹ ግና ረእሰይ ኢየ ሒዘ ብምግራም። ንሕናኮ የለናን – ገዛ ሰሪሕኩም ኣይትንበሩ ዝብል ስርዓት እኮ ኢዩ ዘሎና። ናብ ማይ ዘሎዎ ኪዱ ዝብል መራሒ እኮ ኢዩ ዘሎና። ስለዚ ምርጫ ስኢኑ ኢዩ ሰብ ዝስደድ ዘሎ።
  5. ብዙሓት ኣዕሩኽተይ ምስ ወጹ፡ ኣነኸ ካብ መን ሓሚቐ ኢለ ወጺአ። ብሓጺሩ ስእነት ኢዩ ኣውጺኡኒ።

ህዝብና ሓንቲ ተገርም ንፈጣሪኡ ዘቕርባ ምህለላ ኣላቶ፣ ንሳ ኸኣ “ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል መንግስቲ ኣምጽኣልና” ትብል ኢያ።  ከምዚ ኣብ ላዕሊ እዞም ሓደስቲ ስደተኛታት ዝበልዎ፡ እዚ ዘሎ መንግስቲ ህዝቢ  መናባብርኡ ኣጣጢሑ ንቡር ናብራ ክመርሕ ስለዘይደሊ ኢዩ እቲ ቐንዲ መበገሲ ናብ ስደት ኰይኑ ዘሎ። ሰብ-ጸጋ ደቂ ሃገር ኣብ ክንዲ ገንዘቦም ኣብ ጥቕሚ ህዝብን ሃገርን ዘውዕሉ ናብ ካልእ ሃገራት ክስደዱ ኢዮም ተገዲዶም። ንደቡብ ሱዳን፣ ዩጋንዳ፣ ኬንያ፡ ኣንጎላን ካልኦት ሃገራትን ከይዶም ከኣ መስተንክር ስራሓት የተግብሩ ኣሎዉ።  እቲ ዘሕፍር ኣብዚ ቀራባ እዋን ንሰምዖ ዘሎና ኸኣ መንግስቲ ሽፍትነት ኤርትራ ን’ናይ ኢትዮጵያውያ ኣውፈርቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቁጠባዊ መዳያት ክዋፈሩ ዝዕድም ኢዩ። ኣዝዩ ዘስደምም ተግባር ኢዩ – ንደቂ ሃገር ከይሓርሱ ከይነግዱ ከልኪልካስ ንኢትዮጵያውን ትዕድም!!!

ንዓይ ዕላማ ናይዚ ዘሎ ስርዓት ንጹር ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ንሱ ኸኣ ህላዌኡ ዘውሕሰሉ ንህዝቢ ኣብ ሃዋህው ሕስረትን መከራን ደቝስካ  ንምሓዝ ዝዓለመ  ኣገባብ ከምዝኸተል ኰይኑ ኢዩ ዝርኣየኒ።  እዚ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ኮሸምሸም ዝበዝሖ ምሕዝነት ከኣ ነዚ ዝተባህለ ኣገባብ ዘራጕድ ኣብነት ኢዩ። ንሱ ኸኣ ዶብ ተኸፊቱ ኢልካ መንእሰይ ኤርትራዊ ተጓሕጕሑ ምእንቲ  ክወጸእ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ምህዞ ኢዩ። ነስተውዕል – ቀባሪ ኣብ ዝስኣነሉ ጊዜ እኮ ኢና ኣቲና ዘሎና!

እቲ ከተሓሳስበናን ብእዋኑ ክንገጥሞ ዘሎና ቀንዲ ጉዳይ ግና ህላወ ህገርና ኣብ ዝፈታተን መድረኽ ኣቲና ብምህላውና ኢዩ።  መራሒ ህግደፍ ዶብ ኣየድለን ኢዩ፣ ዝኸሰርናዮ ነገር የብልናን፣ ድሕሪ ሕጂ አትዮጵያን ኤርትራን ክልተ ሃገራት ኢየን ኢሉ ድዛረብ እቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ሰብ ኢዩ፣ ዶ/ር  ኣቢይ ድሕሪ ሕጂ እስኻ ምርሓና፣ ዝኣመሰሉ ዘረባታት ካብ ኣፉ ሰሚዕናዮም ኢና።

እስከ ገለ ካብ ኣፍ መራሒ ህግደፍ ዝወጻ ዘረባታት ሓደ ብሓደ ንርኣየን። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተባህለ፡ ዶብ ኣየድልየናን ኢዩ ማለቱ ክልእ ዋላሓንቲ ምኽንያት የብሉን ብጀካ  ህዝቢ ተጓሕጕሑ ክወጸሉ። ኣይከሰርናን! ንመራሒ ህግደፍ ይመስሎ ይኸውን እንተ ንህዝቢ ኤርትራ ግና  ካብቲ ልዕሊ 50,000 ክቡራት ደቁ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ናይ ዶብ ኵናት ዝኸፍኣ ክሳራ ኣጋጢምዎ ኣይፈልጥን ኢዩ።  እህ! ኢትዮጵያን ኤርትራን ክልተ ሃገራት ኣይኮናን ድዩ ዝበለ? ሰማእታትና ኣብ መቓብሮም ኮይኖም እንታይ ኮን ይብሉ ይህልዉ? ኣጓብዝ፡ እቶም ንናጽነት ኤርትራ ብሂዎቶም ዝኽፈሉኮ ኣሕዋትና፡ ኣሓትና፡ ኣቦታትና፡ ኣዴታትናን ኢዮም – ስቕ ኢልና ዲና ክንርኢ! የለናን ዲና!

ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ከምዝሞተ ንበል!

ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ከምዝሞተ!

ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ከምዝሞተ!

ኣብ መወዳእታ ክልተ ከልዕለን ዝደሊ ነጥብታት ኣሎዋሞ ክጠቕሰን ፍቐዱለይ፤

  1. ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ኣገዳሲ ኣኼባ ኣብ ለንደን ተኻይዱ ነይሩ። እሱ ኸኣ ብዛዕባ እዚ ዘሎ ስርዓት ድሕሪ ምውዳቑ ክትግበር ዘሎዎ ዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝድህስስ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ካብቲ ዝቐረበ ጽሑፍ እሞ ተሳተፍቲ ዝተኻትዕሉ ጉዳይ፡ ድሕሪ ምእላይ እዚ ዘሎ ስርዓት ኣብ ሃገርና ሓደ ስፊሕ ዋዕላ ተገይሩ መራሕቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ክምረጹ ዝብል ኢዩ ነይሩ። ብጽቡቕ ትምኒት ዝነቐለ ሓሳብ ምዃኑ እኳ አንተተረድእኒ ‘እንተዘይ መትክን ጥዕና’ሎክን’ ኰይኑ ረኺበዮ። ድሕሪ ምውዳቕ እዚ ስርዓት ኩነታት ሃገር ነዚ ዝተባህለ ስፊሕ ዋዕለ ዝዕድም ሃዋህው ክህሉ ኢዩ ኢልካ ምግማት ዘይክኣል ኢዩ። እዞም ሕጂ መሽሚሾም ዘሎዉ መራሕቲ ሰራዊት ሽዑስኮ ኣናብስ ክዀኑልና ኢዮም! ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ እዚ ዘሎ ስርዓት ዘሳውሮ ብዘሎ ምኽንያታት ህዝብና ኣዝዩ ተፋላልዩ ኢዩ ዘሎ ስለዚ ጥርናፈ ህዝብና ሕጂ ዘይኮነስ ዓሚ ወይ ቅድሚ ዓሚ ቅድሚኡውን ኢዩ ክብጻሕ ነይርዎ። ይኹን እምበር፡ ናይ ዝሓለፈስ ሓለፈ ናይ ዘሎ ንዛተ ኢዩሞ ህዝብና በዚ ዝተባህለ ኣገባብ ዋዕላ ወይክኣ ብኻልእ ኣገባብ ተጠቒሙ መራሕቲ ዝኾኑ መሪጹ ኣብ ትግባረ ክኣቱ ዝግብኦ ሕጂ ኢዩ። ንዓይ፡ ንጸበ ዝብሃል ኣዛርባ ቅቡል ኣይኮነን። እብ ነፍስ ወከፍ ከተማ እንዳተኣከብና ጫው-ጫው እንተበልና ኣድማዕነት ኣይክህልወናን ኢዩ። ናይ ጊዜ ምጉታት ከይገበርና ሓደ “መሰጋገሪ መንግስቲ” ዘይቈመሉ ምኽንያት ኣይርኣየንን። እዚ ዘሎ ስርዓት ሕጋዊ ስለዘይኮነ “መሰጋገሪ መንግስቲ” ምቛም ብዓይኒ ዓለምለኻዊ ሕጊ ተጻራሪነት ዝህልዎ ኰይኑ’ውን ኣይስምዓንን።

 

ካልእ ሓደ ብተደጋጊሚ ዝልዓል ጉዳይ፣ ኣብቲ ናይ ለንደን ኣኼባውን ዝተተንከፈ፣ ተራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ኣብዚ ምንቅስቓስ ንለውጢ እንታይ ክኸውን ኣሎዎ ዝብል ኢዩ። ገለ ሰባት እቲ ዝዓበየ ተስፍኦም ብኻብ ውሽጢ ሃገር ዝብገስ ምልዕዓል ኢዩ። ግርምባ! ኣነ ከምዚ ክገብርየ ኣብክንዲ ዝኸውንሲ ህዝቢ ከምዚ ክገብር ኣሎዎ ኢልካ ምውርዛይ። ህዝብና ሓየት ኢዩ ነይሩ ምገበረ ግናኸስ ኣብ ምንታይ ደረጃ ግዲ ኢዩ ዝርከብ ዘሎ ኣብዚ እዋን? ብድኽነት ተበሊዑ ደቀይ እንታይ ተደሪሮም ይሓድሩ፣ ደቀይ ብድሓን ዶኾን ምድረበዳ ሰሃራ ይሰግርዎ፣ ባሕሪ ይሓልፍዎ፣ ኣብዝብሉ ሓሳባት ኢዩ ተሸሚሙ ዘሎ። ስለዚ ክእመነሉ ዘሎዎ ነገር ለውጢ ብዝዓበየ ድጋፍ ናይቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ኢዩ ክመጽእ ዝኽእል። ብኸምኡ ኣገባብ ከኣ ኢዩ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ድኹም ዕቕሚ ፍናን ረኺቡ ኣብ ተግባራዊ ስራሓት ክኣቱ ዝኽእል።

 

ብዝተረፈ እዚ ዝተባህለ ናይ ለንደን ዋዕላ ኩነታት ኤኮኖሚ ሃገርና ከምኡውን ተሳትፎ ደቀንስትዮ ንምዕዛዝ ኣብ ዝብል ኣርእስታትውን ጽቡቕ ዘተ ኢዩ ገይሩ።

 

  1. ኣነ ዝጸልኣ ትግራዎት ብምንሻው ትግበር ኣዘራርባ ደቂ ሹቕ ኣላ። ቀደም ዓጋመ ዝብሃል ዝነበረ ሕጂ ኸኣ ወያነ ወያነ ኢዩ ዘሎ ዘረባ። ኣብ ልዕሊ ኣላታስ ተወሰኸታ ኰይኑ ለንቅነ ሓደ ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ ዝተባህላ ዓደምሓራ ዝዓበየ ኤርትራዊ፡ ዘይውርዙይ ሰብኣይ፡ ብዙሕ ንህዝቢ ትግራይ ዘነኣእስ ዘረባ ገይሩ። እሱ ኸኣ፡ በቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ኵናት ወተሃደራት ወያነ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ሳሆ ብዙሕ ግፍዒ ስለዝፈጸሙ ብወግዒ ይቕሬታ ከይሓተቱ ዝኾነ ይኹን ርክብ ክግበር የብሉን ይብል። ቀጺሉውን ህዝቢ ትግራይ ርእሰ ተኣማምነት ዘይብሉ ህዝቢ ኢዩ ብማለት ከኣ ኣነኣኢሱ። ካልእ ማልእ ዓጀውጀው’ውን ተዛሪቡ። ብወገነይ፡ ኣብቲ ጊዜ ኵናት ዝተገብረ ግፍዒ ተሓላቒ ኰይኑ ፍትሒ ንምርካብ ክጽዕር ዝግብኦ ዝነበረ፡ መንግስቲ ድኣ የብልናን እምበር፡ ኢት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኢዩ። ተሓታቲ ኸኣ እቲ ሽዑ ኣብ ስልጣን ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ እምበር ህዝቢ ትግራይውን ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ እኮ ብደምን ብታሪኽን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ምትእስሳር ዘሎዎ ህዝቢ ኢዩ። ሓንቲ ሓቀኛ ዛንታ ከዕልለኩም። ኣብቲ ጊዜ ኵናት ሓደ ወዲ ሓብተይ ዝኾነኒ ተወጊኡ ስለዝነበረ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ተታሒዙ። ውጉእ ስለዝነበረ ግና ሓደ ሓላፊ ዝነበረ ትግራዋይ ተሸኪምና ናብ ሕክምና ነብጽሕዮ ኢሉ ይእዝዝ። እቶም ካልኦት ሕጂ ነቃብጾ ክብሉ ከሎዎ ንሱ ግና ያላ ተሽከሙ ኢለኩም ኣሎኹ ኢሉ ኣብ ሕክምና ኣብጺሑ ካብ ሞት ኣድሒንዎ። ተሸኪሞሞ ክኸዱ ከሎዉ ነቲ ወዲ ሓብተይ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ መጸናንዒ ቃላት’ውን ተዛሪቡ “ ኣታ ወዲ ኣጆኻ ክትሓዊ ኢኻ – መንግስታት ኢዮም ኣዚዞሞ እምበር ንሕና ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት’ዶ ኣብ ከምዚ ደማዊ ኵናት ምእታው ምተገብኣና” ኢሉዎ። ክሳብ ዝሓዊ ተመላሊሱ ኸኣ በጺሕዎ።  ውርዙይ ዘረባን ተግባርን ማለት ከምዚ ኢዩ። ጀማሪት ኵናት ኤርትር ከምዝነበረት፣ መቕጻዕቲ  ከምዝተበየነላ፡ ከኣ ክርሳዕ ዘየብሉ ሓቂ ኤዩ። ስለዚ እዚ ዘየድሊ ናብ ትግራዎት ዝቐንዐ ዘለፋታት ክጠፍእ ኣሎዎ። እኳድኣ ኣሕዋትና ትግራዎት በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከመዝግብዎ ዝጸንሑ ምዕባለታት ክንሕበነሎም ኢዩ ዝግብኣና። እሕዋትና ስለዝኾኑ’ዶ ኣይኰኑን ንብዙሓት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣዕቍቦምልና ዘሎዉ? ከምኡውን ንደቅና/ኣሕዋትና/ኣሓትና ክሳብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደረጃ ዘምህሩልና ዘሎዉ? ሓቂ ምዝራብ ናይ ሕልና ቅሳነት ኢዩ ዝህበካ።

ምስ እዚ ዝተባህለ ምትሕሓዝ ዘሎዋ ሓንቲ ጉዳይ’ውን ኣላ። ብዘርኦም ትግራዎት ኮይኖም ኣብ ዝልዓለ መሪሕነት ኤርትራ ዝበጽሑ ሰባት ከምዘሎዉ ኩልና ንፈልጥ ኢና። እዚኣቶም መበቆሎም ትግራዎት ይኹኑምበር ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ዝዓበዩ ብምዃኖም ዝኾነ ይኹን ሕቶ ክልዓል ኣይምተገብአን። ክሕተቱ ዘሎዎም ብተግባራቶም እምበር ብመበቆሎም ኣይኮነን። ኣብ ምዕራብ ሃገራት ምሉእ ዜግነት ብሓጺር ጊዜ ረኺብና እንዳተቐመጥናስ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ንዝዓበየ ‘ትግራዋይ’ ብዛዕባ መንነቱ ኣልዒልና ክንዛረብ ዘሕፍር ኢዩ። ዘለፋ ኣስመሮም ለገሰ ነዞም መበቆሎም ትግራይ ዝኾኑ ኣብ መሪሕነት ኤርትራ ዘሎዉ ዘጠቓለለ ዶኾን ይኸውን? ዓለም ግርምቢጥ ኰይኑ ግና፡ ኣስመሮም ለገሰ ነቲ ብመበቆሉ ትግራዋይ ዝኾነ መራሒ ህግደፍ ከሐጕስ ኢሉ ዝተዛረቦ ኢዩ ዝብሉውን ኣሎዉ። ንሓደ መበቆሉ ትግራዋይ ዝኾነስ ትግራዎት ብምንሻው ከተሐጕሶ? ኣብ ምንታይ ሕሱር ጊዚ በጺሕና ከምዘለና ኢዩ ዘርእየካ።

ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩምኒ ብዙሕ አመስግን።

እኼባና ዕዉት ክኾነልና እንዳተመነኹ ከኣ ዘረባይ ኣብዚ እዓጹ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT