Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኤርትራ፡ ሓዊ ዝስሕን እምበር ሓዊ ዝኣጉድ ኣይተሳእነን

ኣብ ኤርትራ፡ ሓዊ ዝስሕን እምበር ሓዊ ዝኣጉድ ኣይተሳእነን   ኤርትራውያን፡ ንመሰልና፡ ንኽብርና፡ ንመንነትናን መሬትናን ከቢድ መስዋእቲ ካብ ዝኸፈልናን ብጽንዓት ካብ ዝተቃለስናን ኣህዛብ ዓለም፡ ብኣብነት ንጥቀስ ህዝቢ ኢና። ኣብ 1991፡ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ምስተጸርገ ድማ ጻማ መስዋእትናን

ኣብ ኤርትራ፡ ሓዊ ዝስሕን እምበር ሓዊ ዝኣጉድ ኣይተሳእነን

 

ኤርትራውያን፡ ንመሰልና፡ ንኽብርና፡ ንመንነትናን መሬትናን ከቢድ መስዋእቲ ካብ ዝኸፈልናን ብጽንዓት ካብ ዝተቃለስናን ኣህዛብ ዓለም፡ ብኣብነት ንጥቀስ ህዝቢ ኢና። ኣብ 1991፡ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ምስተጸርገ ድማ ጻማ መስዋእትናን ድኻምናን ሰላም ከነስተማቅር ልዑል ሃረርታ ስለዝነበርና፡ ሓጎስና ኣብ ጎደናታት ወጺና ብሳዕስዒት ጨዲርና፡ ዓሊልና ሳዕሲዕናን፡ ምዕራፍ ስቃይ፡ ስደት፡ መግዛእቲ ውርደትን ምምሽኻንን ንሓዋሩ ተዓጽዩ ኢልና ሩፍታ ተሰሚዑና። ድሕሪ ናጽነት፡ እቲ ዝያዳ ካልእ ህዝቢ ንመሬቱ፡ ንመንነቱ፡ ንናጽነቱን ንመሰሉን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለን ዝተሳቀየን ኤርትራዊ “ክሳብ ሕጂ ትቅበለኩም ፍቃደኛ ሃገር ስለዘይተረኽበት ክትጽበዩ ኣለኩም” ክብሃል እንከሎ ድማ፡ መዓንጣ ከብድኻ ዝኹምትርን ዘሕፍርን ኢዩ። ነቲ ኣብ ከም በዓል ሊብያ ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ ተቀርቂሩ ዝልብለብ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ትቅበለካ ሃገር ስለዘየላ ኣብ ዘለኻዮ ጽናሕ ክብሃል እንከሎ ድማ፡ ህይወት ሰብ ብሓዊ ይተሃሞኽን ምስ ሞተ ይሕዘነሉን፡ ካብ ምባል ካልእ ትርጉም የብሉን። ሓደ ሰብ ንመላእ ኤርትራ ክጻወተላን ሰብ ክረግጽን ያዕ ዝብል ሰብ ዘይምህላውን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሰብኣዊ ክብሮም ተጋሂሱን ዘእውየሎምን ኣያ ዝኾኖምን ክስእኑን እንከለዉ፡ “ሰብ ሕልናን ትብዓትን ኤርትራውያን የለናን ዲና፡ ክሳብ መኣስ ኢና’ኸ ክንስደድን ብጓሂ ተኾምቲርና መዋእልና ክንቆጽር” ኢልካ መልሲ ክትረክብ ንነብስኻ ትሓትት። ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ኣታ ደምን ኣዕጽምትን ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ዓቂባ ዘላ መሬትና፡ ፍትሒ ሓርቢትዋ፡ ዝጣበቀላ ትስእን፡ ትጠልመናን ካብ ዋናታታ ትሃድመናን ከምዘላ፡ ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ ብሩህ’ዩ።

 

ኤርትራውያን ህሉው ጸገማትና መዕለቢ ዝርከበሉ ቦታ፡ ኣብቲ መበቆል ስቃይና ኮይኑ ዘሎን ስዉኣትና ዝተቀብሩሉ መሬትናን ብኣናን ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ኣብ ስደት ብምብትታንን ብምቁዛምን ኢና መሰልና ክረጋገጽ ንሓልም ዘሎና። እቲ ክውንነት ግን ንኽብርኻ ዋጋ ከይከፈልካን ኢድካ ከይሓወስካን፡ ብትኳቦ ዝርከብ ጸጋን ጥዑምን የለን። ኤርትራውያን ን30 ዓመታት ምግዳልናን ልዕሊ 65 ሽሕ ዜጋታትና ምኽፋልናን ድማ፡ ጉዳይና ብሰላም ክንረኽቦ ስለዘይከኣልናን ዓለም ጸማም እዝኒ ስለዝሃበትናን እምበር፡ ባህጊ ደምን ኩናትን ስለዝነበርና ኣይኮነን። ሕጂ’ውን፡ እቲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ጸላም ተርቢዕና ህላወና ክነረጋግጽን መጻኢ ወለዶ ከይከሰናን፡ ኤርትራውያን ንስመር፡ ምጽውዋር ይሃልወና፡ ፍልልያትና ብዘተ ነጽብብ፡ ፍትሒ ክነግስ ካብ ቀዳምነታትና ይኹን። ፈቲና ጸሊእና ነቲ መንሽሮ ሕብረተሰብናን ኣብ ዓዲ ጓና ከርፋሕ ናብራ ከነሕልፍ፡ ካብ ስድራቤትና ክንፈላለ ገዲዱና ዘሎ ህግደፍ ምስእነወግድን ኣብ ቦታኡ ድማ ትርግታ ልብና ዝሰምዕ ናትና ንብሎ መንግስቲ ምስእንተክልን’ዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ተካላቱን ብውሑዳት ጎባልል ሃገራት ስለዝዝወርን ረብሓታት ናተን ስለዘቀድምን፡ ፍትሒ ክረጋገጽ ኣውያት ውጽዓት ብዝግባእ ከዳምጽን ኣይክእልን’ዩ። እተን ዓለም ናብ ዝደለይኦ መእዝን ዝጥምዝዝኦ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ረብሓታተን ኣብ ዝትንከፈሉ ግዜ ጥራይ ከምዝነብሓን በትረን ከምዘልዕላን ከንግንዘብ ኣለና። ንኣብነት ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ንዓመታት እናኣሳቀየ፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን እምነትን ሓሪሙ፡ ገደብ ግዜ ዘይብሉ መንእሰያት ኣብ ግዱድ ዕስክርና ጸሚዱን ብዘይ ክፍሊት ጉልበቶም እናመዝመዘን፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ተበታቲኑ እናተሳቀየን እንከሎ፡ ነቲ ልዕልና ሕጊ ረጊጹ መንዳዓት ህዝብና ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ትርጉም ዘለዎን መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽእን ስጉምቲ ኣይወሰደን።

 

ስርዓት ህግደፍ፡ ኤርትራውያን ንሓድሕድና ኣናተመናጨትናን እናተኻሰስናን ወርቃዊ ግዜና ከነሕልፍን ካብ መሰረታውያን ጉዳያት ተኣሊና፡ ህግደፍ ኣብ ዘዳለዎ ጓይላ ከነድህብ’ዩ ወትሩ ዝጽዕር ዘሎ። ንኣብነት ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ሒደት ኮራኩሩን፡ እተን ንህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ዘገድሳ ጉዳያት ማለት ብዛዕባ ትግባረ ቅዋም፡ ልዕልና ሕጊ፡ ሕቶ ሃገራዊ ምርጫ፡ ምፍታሕን ኣብ ፍርዲ ምቅራብን ብዘይ ፍርዲ ንነዊሕ ዓመታት ዝተኣስሩን ዜጋታት፡ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ መሰል ምዝራብን እምነትን፡ ብልሽውናን ምግባት ሃብቲ ሃገርን፡ ግሉጽነት ዘይምህላውን ዝብላ ሕቶታት፡ ካብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ክጠፍኣን ክሃሳን’ዮም ዝደልይወን። ኣብ ሓደ ሓደ ኣጋጣሚታት ብገለ ተባዓት ብመልክዕ ሕቶ ክቀርባሎም እንከለዋ’ውን፡ ብእንቃዓ ሓሶትን ምድንጋርን ክምልሱ ይህቅኑን ንሓቀኛታት ይድህሉ፡ ኣንጻሮም ጎስጓሳት የካይዱን ይኣስሩን። ካብኡ ዝኸፍአ፡ ደለይቲ ፍትሒ ዘልዕልዎ ጉዳይ፡ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቅ ክንሱ፡ ግዳማዊ ምትእትታዉ ከምዘለዎ፡ ከም ውልቃዊ ጸገም ንኽርአን ኣቃልቦ ክስእንን ይእለም። ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ይፈትወኒ’ዩ ዝበል እንተኾይኑን ትብዓት እንተልይዎን፡ እዘን ክብ ኢለን ዝተጠቅሳ መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዘይ ምዕጥይጣይ ክትግብረን’ዩ ዝግብኦ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክውንነት እዚ እንከሎ፡ ንስርዓት ህግደፍ ንድግፈሉ፡ ብስቅታ ንሓልፈሉን ስቃይና ንምውጋድ ዘይንሰምረሉን ምኽንያት የለን። “ከብቲ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ” ከምዝብሃል፡ “ካብን ናብን ኤርትራ ምጋሽ ከይንኽልከልን ንብረትና ከይውረስን”፡ እናበልና ኣብ መንጎ ጻዕዳን ጸሊምን ዘሎ ፍልልይ ምስትውዓል ኣጊሙናን ክንዕዘም’ውን ክቱር ስስዐ ወይ ነብሰ ፍትወት’ዩ። ብፍላይ እቶም ብደረጃ ሓላፍነት ኣብ ከባቢ መላኺ ኢሳያስ ዘለው ሰባት፡ ከም ተራ ኤርትራዊ ተጠሚቶም ብሓላፍነት ካብ ምሕታት ናጻ ከምዘይኮኑ ክግንዘቡ ይግባእ። ኣብ ውዑይን ዝሑልን ብሓባር ዝጓዓዙ ዝነበሩ ጉጅለ 15 ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናተሳቀዩ፡ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ንሓቀኛ ምስሊ ስርዓት ህግደፍ ሽንግላጡ ዘውጽአን መፍትሒታት ህሉው ጸገምና ዝኣንፈተን ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ ብጸሓይ ቀትሪ ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ምስተመቁሐ፡ ንስለ ሓቂ ብሒም ዘይምባሎም ዒብ’ዩ። ቢተወደድ ኣብርሃ፡ ወዲ ዓሊ፡ ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ዝሞቱ ኣቦይ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ንፍትሒ ዘርኣይዎ ትብዓትን’ውን ካልእ ተወሳኺ ኣብነት’ዩ።

 

በብእዋኑ፡ “ዶብ ክትሰግሩ ፈቲንኩም፡ ካብ ኣገልግሎት፡ ኮብሊልኩም፡ ምስተቃወምቲ ርክብ ኣለኩም” ተባሂሎም፡ ብዕድሙ ዝደፍኡ፡ ብሕማም ዝተደነሱን ኣደ ቆልዑን ዝእሰሩን ኣሽሓት ገንዘብ ክኸፍሉ ዝግደዱን ኤርትራውያን ኣዲኦም ትቁጸሮም። ዕድሞ ኢሳያስ ተናውሑን ስቃይ ህዝብና ተጋድዱን ዘለኹም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ሚኒስተራትን ሓለፍቲ ጸጥታን፡ ደምን ንብዓትን ህዝብኹም ስምዑ። ካልእ ይትረፍ፡ ዓዉ ኢልኩም ኣብ ጎደናታትን ኣኼባታትን ኣንጻር ጨካን ስርዓት ህግደፍ ተቃውሞ ከተስምዑ መዓንጣ እንተስኢንኩም፡ ብፍቃድኩም ካብ መዝነትኩም ውረዱ ይኣኽለኩም፡ ሓሚምና ኢልኩም ኣብ ገዛኹም ኮፍ በሉ። ንውጹዕ ህዝብኹም ክሓስዎ፡ ኣጆኻ በልዎ፡ ታሪኽ ስርሑ፡ ሕድሪ ስውኣትኩም ኣኽብሩ፡ ክሳብ መላኺ ኢሳያስ ዝተፍኣኩምን ዝኣስረኩምን ኣይትጸበዩ። ፈቲኹም ጸሊእኩም ስቅታኹምን ፍርሕኹምን፡ ስርዓት ህግደፍ ክረግጸናን ዕድመ ስልጣኑ ክነውሕን ኣኽኢልዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝብና ተስፋ ከምዝቆርጽ፡ ምስ ጸላእቱ ክምሳሰል፡ ምስ ስርዓት ህግደፍ ከምዝደናገጽን ከምዝስደድን ኮይኑ’ሎ። እታ ብውፉያት ሓርበኛታት ትእጎድ ዘላ መጋርያ ሓዊ፡ ብርሃና ኣብ መላእ ሃገርና ክትውላዕን ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ክረጋገጽን፡ ክልና ክንስሕናን ዝነድድ ዕንጸይቲ ክንውስኸላን ኣለና፡፡ ነቶም ሰላምን ሃገርን ስለዝበሉ፡ ሰላም፡ ሃገርን ብርሃንን ተሓሪሞም ዘለዉ ወገናትና፡ ንስዓቦም ንጣበቀሎም ኣይነግዳዓዮም። ኤርትራውያን ክሳብ መኣስ ኢና ደቅናን ኣሕዋትናን ኣብ ቅድሜና ኣናተሓርዱ፡ እናተኣስሩን ኣብ ስደት እናተኸላበቱን ከነስቅጥ? ብዘይ ኣፍልጦና፡ መንነትና ሃብትናን መሬትናን ንረብሓ ውልቀ ሰባት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ እናኣተወ ፈለኽ ዘይምባልና፡ ንሓደ ብሂል ቀዳሞት’ዩ ዘዘኻኽረና። ሓደ ኣቦ፡ ሰብኣይ ብህይወቱ እንከሎ ጉድጓድ ኩዒቶም ክቀብርዎ ምስተዓዘበ፡ “ዝባን መንግስቲ እንዳባ፡ እዚ ሰብ ስለምንታይ ብህይወቱ እንከሎ ትቀብርዎ ኣለኹም” ኢሉ ተግባሮም ጠጠው ክበልዎ ተማሕጸነ። እቶም ንዘይሞተ ሰብ ክቀብሩ ጉድጓድ ዝኹዕቱ ዝነበሩ ሰባት ትቅብል ኣቢሎም፡ “ንሱ’ኳ ምስ ህይወቱ እንከሎ እናተቀብረ ኣይመትኩን ኣይትቅበሩኒ ዘይበለና፡ ንስኻ እንታይ ሓቢጡካ ክንቀብሮ ኢና”’ ኢሎም መለሱ ይብሃል። ስለዚ እቶም ንቅጥቀጥ ዘለና ኤርትራውያን፡ ንመሰልና ዘይተቃለስና፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ኢትዮጵያን ብተስፋን ሕማምና ክፍወስን ሰብኣዊ ክብረትና ክረጋገጽን ዘበት’ዩ።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 20 መስከረም 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT