Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ቴልኣቪቭ ኣብ ልዕሊ ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ትሕቲ ዕድመ ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ፖሊስ እስራኤል ቀታሊኣ ኣብ ምንዳይ ከምዝርከቡ Jerusalem Post ሓቢሩ።

ኣብ ቴልኣቪቭ፡ ሲልቫና ጸጋይ ኣብ ልዕሊ ዝተባህለት ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ትሕቲ ዕድመ ደላይት ዑቕባ ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ ንዝተሰወረ ቀታሊኣ ፖሊስ እስራኤል ኣብ ምንዳዩ ከምዝርከቡ Jerusalem Post ሓቢሩ። እቲ ተሰዊሩ ዘሎ ቀንዲ ጥርጡር መሓዝኣ ዝነበረ ተስፋብርሃን

ኣብ ቴልኣቪቭ፡ ሲልቫና ጸጋይ ኣብ ልዕሊ ዝተባህለት ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ትሕቲ ዕድመ ደላይት ዑቕባ ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ ንዝተሰወረ ቀታሊኣ ፖሊስ እስራኤል ኣብ ምንዳዩ ከምዝርከቡ Jerusalem Post ሓቢሩ።

እቲ ተሰዊሩ ዘሎ ቀንዲ ጥርጡር መሓዝኣ ዝነበረ ተስፋብርሃን ተስፋጽየን ዝተባህለ ኤርትራዊ ምዃኑ እቲ ጋዜጣ ብተወሳኺ የረድእ።

እታ ቆልዓን ኣዲኣን ካብ እስራኤል ክወጻ ኣብ ዝነቐላሉ እዋን እቲ ንስጉምተን ዝተቓወሞ ጥርጡር ነቲ ናይ ቅትለት ስጉምቲ ከምዝወሰዶ `ውን እቲ ሓበሬታ ይእምት።

እታ ግዳይን ኣዲኣን ኣቐዲመን ናብ ፖሊስ እስራኤል ንስግኣተን ዝምልከት ጥርዓን ኣቕሪበን ከምዝነበራ `ውን Jerusalem Post ጠቒሱ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT