Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብጉልባብ ዕርቂ ዝፍጸም ዘሎ ገበን

  መወከሲ ዝኸውን መዝግበ-ቃላት ደኣ፥ ኣብዚ ኣብ ቀረባ የብለይን እምበር፥ እቲ “-ዕርቂ-” ዝብል ቃል፥ ምስምማዕ, ምልዛብ, ምትዕራቕ, ምርድዳእ, ምቅርራብ ካብ ምባል ዝሓልፍ፥ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን።  ብዝኾነ ብዘይ ሕድገት ዝብጻሕ ዕርቂ ግና የልቦን። ስለዚ’ዮም ዓደቦና’ውን

 

መወከሲ ዝኸውን መዝግበ-ቃላት ደኣ፥ ኣብዚ ኣብ ቀረባ የብለይን እምበር፥ እቲ “-ዕርቂ-” ዝብል ቃል፥ ምስምማዕ, ምልዛብ, ምትዕራቕ, ምርድዳእ, ምቅርራብ ካብ ምባል ዝሓልፍ፥ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን።  ብዝኾነ ብዘይ ሕድገት ዝብጻሕ ዕርቂ ግና የልቦን። ስለዚ’ዮም ዓደቦና’ውን “-ዝወለደ እንተለሓሰ፥ ዝበደለ እንተኸሓሰ፥ ኣባጅጎስ ክንደይኮን ምተሓጎሰ-” ዝብሉ። ብዘይ ንስሓን ጣዕሳን ግና፥ ዕርቂ ክመጽእ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ቤተ-ክርስቲያን-ተዋሕዶ ድማ፥ ክንዲ ሓደ እምባ ዝኣክል ዝተኾመረ ጸገም ከምዘሎ፥ ንሕና እቶም ኦርቶዶክሳውያን ጥራይ ዘይኮነ፥ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ጉዳይ’ዩ። ብዙሓት’ውን እቲ ጉዳይ፥ ምስ ማእሰርቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝተጀመረ ዝመስሎም እንተለዉ ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ግና ካብኡ ርሒቑ ዝኸይድ’ዩ። ከመይሲ እቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ሥርዓት፥ ኣብ 1991 መጀመርታ እግሩ ኣሥመራ ከዕርፍ ከሎ፥ ቤተ-ክርስቲያንና ከም ሓንቲ ትካል’ቲ መንግሥቲ ተቘጺራ፥ ብዘይ ኣፍልጦን ምስምማዕን ሕዝቢ ተዋሕዶ፥ መራሒ ክሾመላ ዝተረኽበ ባዕሉ እቲ ሥርዓት’ዩ።

እዚ ማለት ድማ፥ ዓገብ ክብል ዝኽእል ኣካል ስለ-ዘይተረኽበ፥ ብዓባያ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ኢድ’ቲ ሥርዓት ከም-ዝጸንሐትን፥ ገና’ውን ሕጂ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሮም ትርከብ ከም-ዘላን፥ ክሕባእ ዘይክኣል ኩሉ ዝፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። በዚ ኩነታት’ዚ ክሓሙን ክቕንዘዉን ዝጸንሑ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ዉሑዳት ኣይኮኑን። ነቶም ሰብ ፖለቲካ ከስምዕ ዝኽእል ኃይሊ ግና ኣይተረኽበን። ስለዚ ከኣ’ያ እታ ቤተ-ክርስቲያን፥ ካብቲ ክትኮኖ ዝግብኣ መንፈሳዊ መስመር ወጻኢ፥ መጋበሪት ፖለቲካ ክትከውን ተገዲዳ ትርከብ ዘላ።

ርግጽ’ዩ ብናይ ባዕላ ሲኖዶስ እትምራሕን፥ ፓትርያርክ ዘለዋን ነፃ ቤተ-ክርስቲያን መሲላ ክትርአ ጸኒሓ’ያ። እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ ግና፥ ነፃ ኣይነበረትን ነፃ ኮይና’ውን እትፈልጥ ኣይኮነትን። ይኹን እምበር ብስማ ብዙሕ’ዩ ተገይሩ። ብዙሕ’ውን ይግበር ኣሎ። ብዛዕባ’ቲ ዝበሃልን ዝግበርን ኩሉ ግና፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ትፈልጦ ነገር ኣለዋ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ ከኣ’ያ ዝተባህለቶ ክትገብርን ዝተጻሕፈላ ከተንብብን ትርከብ ዘላ። ኩሉ ነገር ከኣ እቶም ሰብ ፖለቲካ፥ ከም-ዝመደቡዎን ዝሓንጸጹዎን ክኸይድ ከም-ዝጸንሐ’ዩ ዝፍለጥ።

እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ተታሒዛ ኣላ እናተባህለት ከላ ግና፥ ነቶም ሰብ ፖለቲካ ቅሳነት ክህቦም ዘይክእል ሓደ ክስተት ተፈጢሩ። ንሱ ድማ እቲ ኣብ መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም ዝካየድ ዝነበረ፥ ናይ መንእሰያት ኦርቶዶክሳዊ ምንቅስቓስ እዩ። ማለት እቲ ኣብኡ ዝግበር ዝነበረ ኦርቶዶክሳዊ ንጥፈታት፥ በቶም ሰብ ፖለቲካ ብጽቡቕ-ዓይኒ ዝጥመት ኮይኑ ኣይተረኽበን። እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ’ታ ቤተ-ክርስቲያን፥ ፖለቲካዊ ነድሪ ክፈጥር ዝኽእል ምኽንያት ኮይኑ ተረኺቡ። እዚ ክፍለጥ ዝኸኣለ ከኣ፥ እቲ ናይ “ሃማመተኤ” ዋና-ተጸዋዒ ዝነበረ ሙሐዲን ሸንገብ። ኣብ 2000 ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፥ “…ሠለስተ ጸላእቲ ኣለዉና። ንሳቶም ከኣ ወያነ, ኤይድስን, መንፈስን እዮም…” ዝበሎ ኣበሃህላ ክጥቀስ ካብ ዘለዎ ሓደን ዋናን ነጥቢ’ዩ።

ከመይሲ እቶም ሰብ-ፖለቲካ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺሮማ’ኳ እንተ-ነበሩ፥ እቲ ኣብ መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም ዝግበር ዝነበረ፥ ናይ መንእሰያት መንፈሳዊ-ምንቅስቓስ ግና፥ ቅሳነት ክህቦም ዝኽእል ኮይኑ ኣይተረኽበን። ስለዚ ከኣ ህልውና’ዚ ምንቅስቓስ’ዚ ከብቅዕ ወይ ክዕጾ ከይተኻእለ፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተቘጻጺርናያ ኣሎና ምባል ከም-ዘይከኣል ስለ-ዝተረድኦም፥ ህልውና’ዚ ማኅበር’ዚ ሓንሳእን ንሓዋሩን ከጠፍእ፥ እቶም ሰብ ፖለቲካ ዓጢቖም ዝለዓሉሉ ዋና ውራዮም ክኸውን ክኢሉ። ስለዚ’ውን ነቲ ኣብ መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም ዝካየድ ዝነበረ፥ ናይ መንእሰያት ኦርቶዶክሳዊ ምንቅስቓስ፥ ዘይሕብሩ ሕብርን ዘይስሙ ስምን ሂቦም፥ ካብ ሕዝቢ ክንጽሉዎ ኣበርቲዖም ከም-ዝተንቀሳቐሱ ዝፍለጥ’ዩ።

ነዚ ተኸቲሉ ድማ፥ እቲ ብበዓል ሙሐዲን-ሸንገብ ዝምራሕ ዝነበረ፥ ሃገራዊ ናይ መንእሰያት ማኅበር፥ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ ኣብ እንዳ-ማርያምን እንዳ-ሥላሴን፥ ይርከባ ኣብ ዝነበራ  ናይ መንእሰያት ማኅበራት ዘነጻጸረ ሓደጋ ብምፍጻም፥ ክሳብ መጽሓፍ-ቅዱስ ምንዳድ ዝበጽሐ ዕብዳን ከም-ዝተፈጸመ፥ ዘይፈልጦ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እዚ ኩሉ’ዚ ግና ናይቲ ሕቡእ ኣጀንዳ ዋዜማ’ዩ ደኣ’ዩ ዝነበረ እምበር፥ እቲ ቀንዲ ኵናት ክውርወር ኣነጻጺሩ ዝነበረስ፥ ናብ መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም ምዃኑ፥ ብኹሎም’ቶም ብጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ዘይድቅሱ፥ ኦርቶዶክሳውን ዝተፈልጠ’ዩ ነይሩ።

መወዳእታኡ ድማ ኣብ 2005፥ እቲ ምስ ሥነ-ምግባር ዝፋለጥ ባህርያት ነይሩዎ ዘይበሃል ናይዝጊ ክፍሉ፥ እቲ ኣብ መካነ-ሕይወት፥ ዝካየድ ዝነበረ ኦርቶዶክሳዊ ንጥፈታት ክዕጾ ምስ-ኣዘዘ፥ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስቲያን ክግበር ዝጸንሐ ፖለቲካዊ-ምትእትታው፥ ገንፊሉ ግልጺ ኮይኑ ክርአ ዝኸኣለሉ እዋን’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ፓትርያርክ-እጦንዮስ ግና ኣብ ታሪኽ እታ ሓዳስ ቤተ-ክርስቲያን፥ ንመጀመርታ ግዜ ክበሃል ይከኣል፥ ነዚ ትእዛዝ’ዚ ከተግብሩዎ ከም-ዘይክእሉ፥ ዘለዎም ኣቕዋም ግልጺ ገይሮም ብትብዓት ክቃወሙዎ ጸጋ ረኺቦም።

ነዚ እምቢታ’ዚ ግና፥ እቶም ሰብ ፖለቲካ ክጻወሩዎ ዝኽእሉ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። ከም ሳዕቤን’ዚ ኩሉ’ዚ ከኣ’ዮም፥ መጀመርታ እቶም ሠለስተ-ካህናት መካነ-ሕይወት፥ ማለት ቀሲስ ገብረ-መድኅን ገብረ-ጊዮርጊስ, ዶክተር ቀሲስ ተክለኣብ መንግሥተኣብ, ዶክቶር ቀሲስ ፍጹም ገብረ-ንጉሥ፥ ተኸባኺቦም ኣብ መቑሕ ከም-ዝኣትዉ ዝተገብረ። እንሆ ድማ ንእምነቶም ወይ ንክብሪ ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ክብሉ፥ ንልዕሊ 12-ዓመት መመላእታ ተሞቒሖም ይርከቡ ኣለዉ። እዚ መውቃዕቲ’ዚ ግና፥ ኣብቶም ብኽብሪ እንዝክሮም ብሉጻትን ምሩጻትን ካህናትና ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይነበረን።

ብምቕጻል ድማ እቶም ሰብ ፖለቲካ፥ ነቲ ሲኖዶስ ከም መጋበሪ ብምጥቃም፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዘይስሞም ስም ብምሃብ፥ ዘይናቶም ሕብሪ’ውን ብምልካይ፥ ካብ መዓርጎም ከም-ዝወርዱን ካብ ሥልጣኖም ከም-ዝሰዓሩን ገይሮሞም። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ከም መጋበሪ-ፖለቲካ ክጥቀሙላ ካብ ዝነበሮም ዕላማ ዝብገስ ደኣምበር፥ ኣብቶም ካህናት መካነ-ሕይወት ኮነ፥ ኣብቶም ፓትርያርክ ንማእሰርቲ ዝበጽሕ ገበን ስለ-ዝተረኽቦም ኣይነበረን። ብገበን ዘሕትት መርትዖ እንተ-ዝህልዎም እሞ፥ ክሳብ ሎሚ ኣብ ፍርዲ ከየቕረቡዎም ስቕ ኣይምበሉን። ኣብቲ ሕግን ሕጋዊ-ኣሠራርሓን ኣለዎ ዘይበሃል ሃገር ግና፥ ሰብኣዊ-መሰል ብእግሪ ክርገጽ እንተ-ተራእየ ዘገርም ኣይኮነን።

እምበኣር ከምቲ ዓደምሓራ “-ኃይል ካለ ሕግ ምናባቱ-” ዝብሉዎ። ሕጂ’ውን ንሕና ከም ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ መጠን፥ እቲ ብዘይ ሕግን ፍትሕን፥ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ግፍዒ፥ እቲ ስቓዩ ኣይተሰማዓናን ክንብል ኣይንኽእልን። እቲ ዓቕምና ካብ ምውሓዱ ዝተላዕለ፥ ክንድ’ቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ድምፅና ዓው ኣቢልና ከነእዊ ብዘይ ምኽኣልና ግና፥ እንሆ እቲ ፖለቲካዊ-ኃይሊ ከም ዓለቕቲ ኣብ ጎሮሮ ቤተ-ክርስቲያን ተተኺሉ፥ ደማ’ውን መጽዩ ከማስና ይርከብ ኣሎ። ሕጂ’ውን ነዛ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ርእሳ ክወርዱ ዝደልዩ ስለ-ዘይመስሉ፥ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ሓዲሽ ናይ ተንኮል ገመድ ክፍሕሱ ምርካቦም፥ ክንደይ’ኳ ዘሕዝን’ዩ።

ነዚ ከም ኣብነት ዝጥቀስ ከኣ፥ እዚ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙናት፥ ብጉልባብ ዕርቂ ከተግብሩዎ ዝደልዩ ዘለዉ፥ ብተንኮልን ቅጥፈትን ሓሶትን ዝተኣልመ ድራማ’ዩ። ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ይገብር’ውን ተመሳሳሊ ናይ ሸፈጥ-ፈተነ ተኻይዱ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ። ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ በደሎም ኣሚኖም ይቕሬታ ከም-ዝሓተቱ ዘምስል ተዋስኦ’ዩ ተማሂዙ ዝነበረ። እቶም ፓትርያርክ ኣይቃለይን ኢሎም ስለ-ዝተቓወሙዎ ግና፥ እቲ ኣባ-ሉቃስ ዋና ኣጋፋሪ ብምዃን ዝተሳተፉዎ፥ ተንኮልን ቅጥፈትን ክፈሽል ከም-ዝኸኣለ ዝፍለጥ’ዩ። ኣባ-ሉቃስን ጎይቶት ኣባ-ሉቃስን ግና፥ ብተግባሮም ዝሓፍሩን ዝጠዓሱን ኣይኮኑን።

ሎሚ’ውን ነቲ ዓሚ ዝፈሸለ ድራማ ሒዞም’ዮም፥ ኣብ መድረኽ ክቐርቡ ንርእዮም ዘሎና። ግዳስ ካብ ጌግኦም ክመሃሩ ዘይደልዩ ተረርቲ ልቢ ደኣ ኮይኖም እምበር፥ ኣብቲ ዓሚ ዝሓፈሩሉን ዝተዋረዱሉን መድረኽ ብምድያብ፥ ተመሊሶም ነቲ ቅጥፈትን ሓሶትን’ቲ ክደግሙ ምድላዮም፥ ንሳቶም ዘይሓፍሩ እንተ-ኾኑ’ውን፥ ንሕናስ ኣብ ክንድኦም ምሕፋርና ኣይተርፍን እዩ። ብዝተረፈ ዓሚ ዝኾነ ዝተገብረ ዕርቂ ከይሃለወ’ዩ፥ ዕርቂ ከም-ዝተገብረ ዘምስል ናይ ሓሶት ተዋስኦ ተዳልዩ ዝነበረ። ግዳስ “-ብሽንቲ ኣንጭዋ ዝተነድቀ መንደቕሲ፥ ድሙ ክንቁ ከሎ ይፈርስ-” ከም-ዝበሃል፥ እቲ ብኣባ-ባስልዮስ እናተሓገዙ ኣባ-ሉቃስ ዝነደቑዎ መንደቕ፥ ሽዕኡ ንሽዕኡ’ዩ ከም ሕንፃ-ኢያሪኮ፥ ሃደሽደሽ ኢሉ ክፈርስ ዝተራእየ።

ብድሕር’ዚ እውን ካልእ ናይ ሓሶት ተዋስኦ ተፈቲኑ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ። ንጽንዓት ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣሸኒፍካ ክሕለፍ ስለ-ዘይተኻእለ ግና፥ እዚ ካልኣይ ፈተነ’ውን ብዘይ ገለ ፍረ ክፈርስ ‘ዩ ዝተራእየ። እዚ ኩሉ’ዚ ምስ ፈሸለ ከኣ፥ እቶም ሰብ ፖለቲካ እቲ ሕርቃኖም ስለ-ዝገንፈለ፥ “-ሕነ ቀራናትሲ ንጓዕማማት-” ከም-ዝበሃል፥ ነቶም ኣብ ከቢድ ናይ ሽምግልና ዕድመ ዝርከቡ ፓትርያርክ፥ ምስ ሰብ ክራኸቡ ኣብ ዘይክእሉሉ ስዉር ቦታ፥ ወሲዶም ዓሺጎሞም ከም-ዝጸንሑ’ዩ ዝፍለጥ። ኩነታቶም ክፍለጥ ስለ-ዘይተኽእለ ከኣ፥ ብዙሓት ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ብኩነታት ጥዕና ቅዱስ ኣቡኦም፥ ክሻቐሉ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

ሕጂ ድማ እንሆ ኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልስልዮስን፥ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ተቐባልነት ሲኢኑ ዝፈሸለ ድራማ ሒዚም፥ ናብ መድረኽ ክቐርቡ ንርኢ ኣለና። እቲ ብመንገዲ ገዳማት ኣቢሉ ናብ ኤውሮጳ በጺሑ ዝርከብ ዘሎ ዜና ከም-ዝሕብሮ። እቲ ዕርቂ ተባሂሉ ብመራኸቢ ብዙኃን ዝዝርጋሕ ዘሎ ዜና፥ ዋላ ሓንቲ ዝጭበጥ ፍረ ዘይብሉ ባዶ ምዃኑ’ዮም ዘጠንቅቑ ዘለዉ። እቲ ላዕሊ ላዕሊኡ ሲኖዶስን ገዳማትን ከም-ዝተሓወሱዎ ዘምስል ዘሎ መግለጺ። ንሓሶትን ምትላልን ዝበሃል ዘሎ ደኣምበር፥ እቲ መድረኽ ብሙሉኡ ፖለቲካ ዝተቘጻጸሮ ወይ ዝዓብለሎ ምንባሩ’ዮም፥ እቶም ገዳማውያን-ኣቦታት ዝዛረቡ ዘለዉ።

ኣብቲ ዕለት 9-ሓምለ 2009 ዓ/ም ( 16/07/2017 ) ዝተገብረ ጉባኤ መጺእካ ክዝረብ ከሎ። እዚ ብመንገዲ-ገዳማት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም-ዝብሎ። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ከም ተራ ፈላሲ ኮይኖም’ዮም ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ወተሃደራት ኮይኖም ዝመጹ። እንተኾነ እቲ ዕርቂ ከምዚ ኣይኮነን ነይሩ ብምባል፥ እቶም ጳጳሳትን ገዳማውያን ኣቦታትን ድምፂ-ተቓውሞ ስለ-ዘስምዑ፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ሓንቲ ናይ ጳጳስ ቆቡዕ ጥራይ ክወሃቦም ክኢሉ። እቶም ጳጳሳትን ናይ ገዳማት ኣቦታትን ግና፥ በቲ ዝኾነ ኩሉ ሕጉሳት ኣይነበሩን። ብመሠረቱ እቲ ጉዳይ ግልጺ ኮይኑ ክርአ ዝኸኣለ፥ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ምስ በጽሑ፥ ኩሎም ጳጳሳትን ገዳማውያን-ኣቦታትን ብዓቢይ ክብርን ናፍቖትን ተቐቢሎም ክሳለሙዎም ከለዉ፥ እቶም ክልተ ዴማሳውያን ኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን ግና፥ ነዛ ንዓይኖም’ውን ግልጽ ኢሎም ክርእዩዎም፥ ዝደልዩ ኮይኖም ኣይተረኽቡን።

ስለዚ’ውን ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ እናሃለዉ፥ ቅዳሴ ክቕድስ ኢሎም ሰጢጦም ዝኣተዉ፥ እቶም ካድረ ተለዊጦም ዘለዉ በዓል-ግዜ ኣባ-ባስልዮስ’ዮም። ቡራኬ ክገብሩ’ውን ዕድል ክህቡዎም ኣይደለዩን። ስለዚ ድማ’ዮም እቲ ዕርቂ ከምዚ ኣይነበረን ብምባል፥ ጳጳሳት ኮኑ ገዳማውያን-ኣቦታት ዓው ኢሎም ክቃወሙ ድምፆም ዘስምዑ። ኣብቲ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን’ውን፥ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ከም ዘይተሳተፉ’ዩ ዝፍለጥ። ብድሕሪ ቅዳሴ እቶም ናይ ዕርቂ ሽማግለ ዝነበሩ ኣባ መልከ-ጼዴቅ ሓጺር ዘረባ ክዛረቡ ከለዉ። ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ ድማ፥ ኣብ ክንዳይ ኮንካ ሰላምታ ኣብጽሓለይ ስለ-ዝበሉኒ፥ መልእኽተይ የብጽሕ ኣለኹ ክብሉ ድማ ተሰሚዖም። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ግና ከምኡ ክብሉ ኣይወከሉዎምን።

ብድሕር’ዚ ኣብቲ መድረኽ ዝወጸ ሓደ ቀሺ በረኸት ዝተባህለ እዩ። እዚ ቀሺ’ዚ እቲ ዝንበብ ጽሑፍ ኣብ ናይ ኢድ ተሌፎን ሒዙዎ’ዩ ቀሪቡ። ምስ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝተበጽሐ፥ ናይ ዕርቂ ሰነድ ብምባል ድማ’ዩ ከቕርቦ ዝተራእየ። ንሱ እዚ ቀሺ’ዚ ሓደ ካብቶም በዓል ኣባ-ሉቃስ ዝመልመሎም ዴማሳውያን ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብቲ ንሱ ዘቕረቦ ጽሑፍ ድማ፥ ከምዚ ዝስዕብ ቃላት ነይሩዎ።

  1. መናፍቕ ኮይነ ምጽንሐይ ብኽታመይ ኣረጋግጽ።
  2. ኣብ ሥልጣን ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፥ ብዘይ ኣፍልጦ ሲኖዶስ፥ ማኅተመይ ተጠቒመ ዝዘርጋሕኩዎ ጽሑፋት ይቕሬታ እሓትት።
  3. ካብ ሕጂ ንደሓር ሥልጣን ዝበሃል ኣየድልየንን እዩ። ዝበልኩሙኒ ኮይነ ክኸይድ’የ ዝደሊ።
  4. በቲ ንስኻትኩም እትህቡኒ መምርሒ ተማእዚዘ ከም-ዝኸይድ ድማ ኣረጋግጽ።

ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ ጽሑፍ ፥ በቲ ምልምል በዓል ኣባ-ሉቃስ ዝኾነ ቀሺ ኣቢሉ ምስ ተነበ፥ ኩሎም ጳጳሳትን ገዳማውያን-ኣቦታትን፥ ነቲ ጽሑፍ ዓው ኢሎም ከም-ዝተቓወሙዎ’ዩ፥ እቲ ብመንገዲ ገዳማት ኣቢሉ ኤውሮጳ ዝበጽሐ ዜና ዝዛረብ ዘሎ። እዚ ርኡይ ዝኾነ ተንኮል’ዩ ብምባል’ውን፥ እቶም ገዳማት ኮኑ ጳጳሳት ነቲ ዝተባህለ ኩሉ ክቕበሉዎ ኮነ ክሰምዑዎ ኣይደለዩን። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብወገኖም እንተኾኑ’ውን፥ መልሲ ክህቡ ሚክሮፎን ክወሃቦም ሓቲቶም ምንባሮም እቲ ዜና ሓቢሩ’ዩ። እንተኾነ ኣብቲ ኃይሊ-ፖለቲካ ተቘጻጺሩዎ ዝነበረ መድረኽ፥ ንክዛረቡ’ውን ዕድል ክህቡዎም ኣይደለዩን። ኣዛርቡዎም ዝብል ድማፂ ምስ-በዝሐ ከኣ፥ በዓል ኣባ-ሉቃስ እቲ ኩነታት ካብ ምቁጽጻር ከይወጽእ ስለ-ዘፍርሆም፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ናብ ቤተ-መቕደስ ከእትዮሞም ከም-ዝተገደዱ’ዩ እቲ ዜና ዝሕብር።

እቲ ሕዝቢ ግና መስቀሎም ከይተሳለምና ኣይንኸይድን ኢና ብምባል፥ ካብ ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዘይከይድ ኣትሪሩ ስለ-ዝሓዞም፥ ከይፈተዉ ካብ መቕደስ ከውጽኡዎም ግድነት ኮይኑዎም። እቲ ሕዝቢ ድማ ሓዘኑን ጓሂኡን ምጻር ስኢኑዎ፥ ኣዒንቱ ብንብዓት እናተሓጽበ መስቀሎም ክስዕም ከም-ዝኸኣለ’ዩ፥ እቲ ብመገዲ ገዳማት ኣቢሉ ዝበጽሓና ዜና ዝሕብር። እምበኣር እቲ በዓል ኣባ-ሉቃስ ዕርቂ ተፈጺሙ ብምባል፥ ዝዝርግሑዎ ዘለዉ ብተንኮልን ሓሶትን ዝተላዕጠጠ ተዋስኦ ነዚ’ዩ ዝመስል። ነዚ ዕርቃኑ ዝወጸ ተዋስኦ’ዚ ሕዝቢ ተዋሕዶ ኣሚኑ ይቕበለና’ዩ፥ ዝብል ተስፋ እንተደኣ ኣልዩዎም ከኣ፥ ፈጺሙ ዘየወጻጽኦም ምዃኑ ጥራይ ኢና ክንነግሮም ንኽእል።

ብዝተረፈ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ነቲ ን12-ዓመት መመላእታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉሉ ክቡር ታሪኽ ገዲፎም፥ ይቕሬታ ሓታቲ ኮይኖም ከም-ዝቐረቡ ንምምሳል ዝቐርብ ዘሎ ተዋስኦ፥ ንበዓል ኣባ-ሉቃስ ደኣ ይመስሎም ይኸውን እምበር፥ ንሕና ሕዝቢ ተዋሕዶ ኮነ፥ ከምኡ’ውን ማኅበረ-ሰብ ዓለም ይቕበሎ’ዩ ኢሎም ተስፋ እንተ-ዘይገበሩ’ዩ ዝሕሾም። ብዝተረፈ እቲ ቀጻሊ ጉዕዞ በዓል ኣባ-ሉቃስ፥ ኣብ ምንታይ ንምብጻሕ ምዃኑ፥ ካብቲ ቀሺ በረኸት ዝተባህለ ዝበሎ ቃል ምርድኡ ይከኣል’ዩ። “-እቶም ፓትርያርክ ሥልጣን ኣየድልየንን’ዩ ኢሎም-” ዝብል ኣበሃህላ፥ ሓዲሽ ፓትርያርክ ንምምራጽ ዘኽይድ መንገዲ ይመስሎም ስለ-ዘሎ’ዩ።

እዚ ግና ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ብዝኸፍአ መልክዑ፥ ካልእ ውግዘትን ኩነኔን ተነጽሎን ከስዕብ እንተ-ዘይኮይኑ፥ስጉምቲ’ውን ይኹን ከኽይድ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። እቲ ሕጊ ጥሒስካ ምኻድ ከኽይድ ዝከኣል ነይሩ እንተ-ዝኸውን ድማ፥ እዚ ዝሓለፈ 13-ዓመት ክኽየድ ምተኻእለ ነይሩ’ዩ። ስለ ምባል እንተደኣ ኮይኑ ደኣ፥ ፓትርያርክ መሪጽናስ ተባሂሉ እንድዩ። እዚ ፓትርያርክነት’ዚ ግና፥ ኣብ ብሎኮ-ጎዳይፍ ተሓጺሩ ዝተረፈ ደኣምበር፥ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም ኣፍልጦ ረኺቡ’ዩ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። ሕጂ’ውን “-ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ-” ዝብል ትዕዝብቲ ከትርፍ እንተ-ዘይኮይኑ፥ እቶም ካብ መዓርገ-ጵጵስና ወሪዶም፥ ካድረ-ፖለቲካ ክኾኑ መሪጾም ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ፥ ክበጽሑዎን ከስልጥዎን ዝኽእሉ ነገር የብሎምን።

በቲ ሓደ ሸነኹ ግና፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዝሕበነሎም ኣቦታት ምህላዎም ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን። ንሳቶም ድማ ናይቲ ክቡርን ዓቢይን ታሪኽ ዘለዎ፥ ናይ ገዳም ደብረ-ቢዘን ኣቦታት እዮም። ኣብዚ ንጥፍኣት ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ብመሪሕነት ኣባ-ሉቃስ ዝግበር ዘሎ፥ ሕግን ቀኖናን ዝጠሓሰ ተግባር’ዚ ኢዶም ሓዊሶም ክርከቡ ኣይደለዩን። ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ንከይሕወሱ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ድማ፥ ክንደይ’ኳ ብታሪኽ ከመስግኖም ዝነብር ዝነኣድ ውሳኔ’ዮም ወሲዶም። ክብሪ’ቲ ቅዱስ-ገዳሞም ክሕልዉ ምኽኣሎም ድማ፥ ሕዝቢ ተዋሕዶ እናተሓበነሎም ክነብር እዩ።

ብዝተረፈ ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ብኣዚዩ ከቢድ ዝኾነ ፈተና እና-ተፈተነት ትሓልፍ ምህላዋ፥ ንሕና እቶም ብጸጋ-ጥምቀት ዝወለደትና ደቃ ጥራይ ዘይኮነ፥ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ከይተረፈ’ውን ዝፈልጦ ጉዳይ’ዩ። ናይ ፖለቲካ-ኣርዑት ከቢዱዋ ካብ እተእዊ’ውን፥ ዉሑድ ዓመታት ኣይኮነን። ሕጂ’ውን እቲ ስቓይ ብዝኸፍአ መልክዑ፥ እናወሰኸን እናገንፈለን ክመጽእ’ዩ ዝርአ ዘሎ። እቲ ዝሓለፈ ከይኣክል ገና ሕጂ’ውን፥ እቲ ዝሓለፈ ጌጋ ክድግሙዎ ብምድላይ፥ ካብ ቀኖና ወጻኢ ባዕላቶም ፓትርያርክ ክሸሙ፥ ዘኽእሎም ሜዳ ከጣጥሑ’ዮም ኣብ ጸደፍደፍ ዝርከቡ ዘለዉ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና ዝፍጸም ዘሎ፥ ንዕቀትን ውርደትን ከኣ ተጻዊርናዮ ክንከይድ ዘጸብቐልና ኣይኮነን። ስለዚ’ውን ነዚ ሕግን ቀኖናን ዝጠሓሰ ተግባር’ዚ፥ ድምፅና ዓው ኣቢልና ክንቃወሞ ክንክእል ኣሎና። እንተደኣ ክንጥቀመሉ ክኢልና፥ ብዙሕ ከነድምዓሉ እንኽእል ናይ መራኸቢ ብዝኃን መድረኽ ኣሎ። ብዝተረፈ ሕቶና ካልኣይቲ ዘይብላ ሓንቲ’ያ። ንሳ ድማ እቶም ሰብ ፖለቲካ ካብ ቤተ-ክርስቲያን ኢዶም ከውጽኡ እነቕርቦ ሕቶ’ዩ። እቲ ን26-ዓመት መመላእታ ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ተጻዒኑ ዝርከብ ዘሎ ኣርዑት-ፖለቲካ፥ ኣውርዱዎ ኢልካ ምሕታት ንዓና ዝምልከት፥ ዕዮ ገዛ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።

ብዝተረፈ “-ዘዛቘነ ሰይጣን ከየቐሸሸ ኣይገድፍን-” ከም-ዝበሃል እንተ-ዘይኮይኑ፥ እቲ ኣብ  ውሽጢ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኢድ ብምምላስ ክፍጸም ዝጸንሐ ዕንወት፥ ውግዘትን ተነጽሎን እንተ-ዘይኮይኑ፥ ዝዓበሰሎም ነገር’ውን የልቦን። ስለ-ምንታይ ነዚ ናይ ጥፍኣት መንገዲ’ዚ ይመርጹዎ ከም-ዘለዉ’ውን ክትርድኦ ዘጸግም ነገር’ዩ። ብዝኾነ ሕቶና ሕቶ ሕዝቢ ተዋሕዶ፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ፍትሑዎም ኣብ ምባል ጥራይ ዝውዳእ ኣይኮነን። ንሕና ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት፥ ካብ ቤተ-ክርስቲያንና ኢዶም ኣልዒሎም ክወጹ ኢና ንሓትት ዘሎና።

“ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል-!

ወለወላዲቱ ድንግል-!

ወለ-መስቀሉ ክብር-!”

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • amanuel July 30, 2017

    Very compelling evidence and information. Every eritrean regardless of religion or region needs to know the truth. The orthodox church followers eapecially need to know and totally stand against hgdf interferences in our faith and church. We need to reject any instruction that comes in the name of synod from asmara untill our father is reinstated and the hgdf priests publicly apologise to the church and the people. No to 15% orthodox church tax. No to abolition of faithfull ellected sebeka gubae.

  • k.tewolde July 31, 2017

    BESMEAB WEWELD WEMENFES KIDUS, God’s patience is running out,what he will do next to teach us a lesson is beyond……but one thing is certain we need His divine intervention.

POST A COMMENT