Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሲናይ ብበደዊን ጅሆ ተታሒዞም ክሳቐዩ ዝጸንሑ 4 ኤርትራውያን ድሒኖም።

ኣብ ሲናይ፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት ንክኸፍሉ ብበደዊን ከም ጅሆ ተታሒዞም፣ ክሳቐዩ ዝጸንሑ 4 ኤርትራውያን ካብቲ ተኣሲሮምሉ ዝጸንሑ ምስጢራዊ ምሕዩር ብምምላጥ ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ሸኽ መሓመድ ይርከቡ ኣለዉ። እቶም ካብ ዓመጽ ነጋዶ ሰብ በደዊን ዘምለጡ ግዳያት፣- ሓበን ብርሃነ 

ኣብ ሲናይ፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት ንክኸፍሉ ብበደዊን ከም ጅሆ ተታሒዞም፣ ክሳቐዩ ዝጸንሑ 4 ኤርትራውያን ካብቲ ተኣሲሮምሉ ዝጸንሑ ምስጢራዊ ምሕዩር ብምምላጥ ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ሸኽ መሓመድ ይርከቡ ኣለዉ።

እቶም ካብ ዓመጽ ነጋዶ ሰብ በደዊን ዘምለጡ ግዳያት፣-

  1. ሓበን ብርሃነ  – 14 ዓመት
  2. ባና መሓሪ – 18 ዓመት
  3. ምስግና ብርሃነ – 25 ዓመት
  4. ዓብደላ መሓመድ ሺፋ – 25  እዮም።

እቶም ግዳያት ፈለማ ብ ለይቲ ኣብ ዘምለጡሉ ግዜ 6 ኳ እንተነበሩ፣ ሸኽ መሓመድ ነዞም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ 4 ኤርትራውያን ረኺቡ ናብ ውሑስ ቦታ ክወስዶም ከሎ፣ ሓንቲ ወጋሕታ ምሕረታኣብ ዝተባህለት ጓል 15 ዓመት ትሕቲ ዕድመ በቶም ሓለውታ ከምዝተታሕዘት፣ ኣድሓኖም ዓንደብርሃን ዝተባህለ ካልእ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ‘ውን ናብ እስራኤል ገጹ ምስ ሃደመ ሃለዋቱ ዛጊት ከምዘይተፈልጠ ዶር ኣልጋይነሽ ፍስሃ ንኣሰና ሓቢራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • ida June 27, 2013

    First, congratulations to all involved. I think, this is a better way than paying ransom. Hunt the evil rashida one by one. I can’t thank the sheik enough. The good Muslims are finally doing something. Dr. Alganesh, thank you. Aman, and Assena staff, you are the best. God be with you all.

  • TwoWayStreet June 27, 2013

    Well done. I am very moved by the good news. Wegahta and Adhnom and those who are still at the hands of the kidnapers I wish you all the best. Sheik Mohamed and Dr. Alganesh, what you are doing is noble. Keep it up.

  • samuel tesfay June 28, 2013

    ዝከበርኩም ኣሰናዳእቲ ኣሰና ብሊክዕ ቡዙሕ ግዜ ይካታተለኩም ኢየ እንተኮነ ግን ኣብ ገለ ጽሕፈኩም ዝተዓዘብኩዎ ሓደ ነገር ኣሎ ውልቀ ሰባት ዝሃቡኹም ታሪኽ ይኹን ዘጋጠመ ጸገማት ከዘንቲዎ ይሰምዕ ኢየ ዝንቡዕ ታሪኽ እንዳ ማቶም ዘይ ፈልጡዎ ግዜ ረኺብና ኢሎም ይሊፈሉፊ ይሰምዕ እሞ ኣብቲ ዘለኩሞ መጽኤ ኣዋሪዶም ይመጻኣኒ

  • samuel tesfay June 28, 2013

    ብዚኮነ ቀንዲ ዋና ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ስለዚ ኣነ ታሪኽ ሰሪሓ ዝብል ኤርትራዊ እንተ ኣሎ ኮይኑ ድማ ሓደ ደረቕ ስምዕት ትፉእ ታሪኽ እዩ ኢለ ጥራይ እየ ዝሓልፎ መኽኒያቱ ንሕና ኤርትራዊያን ብዚገበርናዮ ተነይትና ቡኡ ከም ዓቢ ነገር ቆጽርና ክንምካሕ ወይ ፈከርቲ ኣይኮንናን ስለዚ ኣብ ደገ ሃገር መዋእሎም ዝጸንቀቁ ተጋድሎ ሓሪነት ነይረ እልካ ንመዋእል ዝሕለፊ ጀጋኑ ናጽነት ዘይ ንፈሊጥ ከለና ናጻነት ዘፊለጡና ጸኒዖም ዘጽኑዑና ስለ ዛ ሓላል መሬት መስዋእቲ ሂወትን ዕድመኦም ሙሉእ ዝወፈዩልና ምስገና ይኹኖም ሞሳ ጽንዓት ገድሊ ናጻነት እዩ!! ስለዚ ሊዕሊ ናጽነት ንጽበዮ ህጹ ጸረድኤት እንታይ እዩ ምስቶም ልቢ ወሎዶታት ዘኒብዕ ታሪኽ ዘለዎም ኢትዮጱያዊያን ኮንና ጸገም ኤርትራ ክፊዌስ ዝሓሲብ እንተሎ ታሪኽ ሃገሩ ዘይ ፈሊጥ የዋህ ስለ ዝኮነ ደብሪ ከይዱ ምስ እግዛእቤሄር ምዚራብ ይሕሾ መልክዑ ንሱ ስለ ዝኮነ!!!

    samuel tesfay

POST A COMMENT