Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክልተ ጃላቡ ድሕሪ ምጥሓለን ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ዘለዉ 100 ስደተኛታት ሞይቶም ከይኮኑ ይፍራሕ / ኣብ 2016 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ናይ ዝሞቱ ስደተኛታት ቁጽሪ ልዕሊ 5 በጺሑ ።

ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከባቢ ዓዲ ጥልያን ክልተ ጃላቡ ድሕሪ ምጥሓለን ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ዘለዉ 100 ስደተኛታት ሞይቶም ከይኮኑ ከምዝፍራሕ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ። ዘ ጋርድያን ንኣፈኛ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ጠቒሱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ካብ ሓንቲ ካብተን

ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከባቢ ዓዲ ጥልያን ክልተ ጃላቡ ድሕሪ ምጥሓለን ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ዘለዉ 100 ስደተኛታት ሞይቶም ከይኮኑ ከምዝፍራሕ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

ዘ ጋርድያን ንኣፈኛ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ጠቒሱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ካብ ሓንቲ ካብተን ዝተገልበጣ ጀላቡ ዝደሓኑ ስደተኛታት፣ ምስኣቶም ብዙሓት ኣዴታትን ቆልዑን ተሳፊሮም ከምዝነበሩ ብምምልካት 57 ሞይቶም ዝብል ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም ምግላጾም ኣገንዚቡ።

ንዜግነቶም ዝምልከት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይተረኽበን።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ኣብዛ ኣብ ምውድኣ እትርከብ 2016 ዓመተ ምህረት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ናይ ዝሞቱ ስደተኛታት ቁጽሪ ልዕሊ 5 ሽሕ ከምዝበጽሐ ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ። እዚ ድማ ን 2016 ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝሃለቑላ ዓመት ይገብራ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሞቱ ስደተኛታት 3771 እዩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ቁጽሪ ግዳያት ሎሚ ዘበን ዝዓበየሉ ምኽንያት፣ ዘብቕዓት ናይተን ዘሰጋግራ ጀላቡ፣ ከምኡ ‘ውን እቶም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ከይተሓዙ መታን ዘዘውትሩዎ ዘለዉ፣ ኣብ ሓደ እዋን ብዙሓት ጀላቡ ምፍናው ዝኣመሰለ ሜላን ንሱ ንናይ ድሕነት ሰራሕተኛታት ዝፈጥሮ ጸገምን እዩ።

ኣብ መንጎ እዞም ኣብ ማእከልይ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሞቱ ዘለዉ ስደተኛታት ብብዝሒ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኣብዚ ዓመት ‘ዚ ጥራይ ኣስታት 360 ሽሕ ስደተኛታት፣ መብዛሕትኦም ብሊብያ ኣቢሎም ማእከላይ ባሕሪ ቆሪጾም ናብ ኤውሮጳ ከምዝኣተዉ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT