Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብልሙድ ንፋስን ማዕበልን ቁርን ዝረኣየሉ ሓደገኛ ወቕቲ ሓጋይ ዘይንቡር ዋሕዚ ስደተኛታት ይርአ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ዓለም ደጋጊሞም ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንፋስን ማዕበልን ቁርን ዝረኣየሉ ሓደገኛ ወቕቲ ሓጋይ ዘይንቡር ዋሕዚ ስደተኛታት ይርአ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ዓለም ደጋጊሞም ይገልጹ ኣለዉ። ኣብዚ ሓድሽ ዓመት 2018 ዳርጋ መዓልታዊ ካብ ሊብያ ዝብገሳ

ኣብዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንፋስን ማዕበልን ቁርን ዝረኣየሉ ሓደገኛ ወቕቲ ሓጋይ ዘይንቡር ዋሕዚ ስደተኛታት ይርአ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ዓለም ደጋጊሞም ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብዚ ሓድሽ ዓመት 2018 ዳርጋ መዓልታዊ ካብ ሊብያ ዝብገሳ ዘለዋ ዘይውሑሳት ጀላቡ ገሊአን ጥሒለን ኣብ ልዕሊ ሓያለ ስደተኛታት ናይ ሞት ሓደጋ ከብጽሓ ከለዋ፡ ገሊአን ናብ ሊብያ ተመሊሰን ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ተሳፈርተን ሃለዋቶም ኣበይ ከምዘለዉ ሃለዋቶም ብምጥፍኡ ብዙሓት ኤርትራውያን ይሻቐሉ ኣለዉ።

ብፍላይ ብ 16 ጥሪ ብ 11 ስርሒታት ድሕነት 1400 ስድተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምዝደሓኑ ሮይተርስ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብዚ ወቕቲ `ዚ ካብ ዝተራእየ ዋሕዚ ስደተኛታት እቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉይ ተርእዮ ምንባሩ ድማ ኣገንዚቡ።

ኣብዛ ሓዳስ ዓመት፡ ክሳብ ዕለት 16 ጥሪ ጥራይ ማለት ኢዩ 974 ስደተኛታት ብባሕሪ ናብ ዓዲ ጥልያን ከምዝኣተዉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓዲ ጥልያን ምሕባሩ ሮይተርስስ ብተወሳኺ ኣረዲኡ። ክሳብ ዕለት 17 ወርሒ ጥሪ ጥራይ 179 ሞት መዝጊቡ ከምዘሎ `ውን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ጠቒሱ።

ኣብቲ 4 መጋቢት 2018 ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ዓዲ ጥልያን ንምዕዋት ሰልፍታት እታ ሃገር ኣብ ዝወዳደሩሉ ዘለዉ እዋን፡ ጉዳይ ኢሚግሬሽን ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣካታዒ ኣርእስታት ክኸውን ከሎ፡ The Northern League፡ ዝብሃል፡ ኣብቲ ኣፈናዊ ድምጺ ህዝቢ ዝመርሕ ዘሎ ኣባል ኣባል ናይቲ የማናዊ ምሕዝነት ዝኾነ ሰልፊ፡ `እንተተዓዊትና፡ ነዚ ናይ ስደተኛታት ወራር ደው ከነብሎ ኢና` ብምባል ይጉስጒስ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ልዕሊ 20 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሞቱ ዝገለጸ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ፡ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ መሰጋገሪታት እቲ ዝኸፍአ ቀዛፊ ዶብ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣካል ናይዚ ጭውያን ውርደትን ሞትን ዝበዝሖ ዋሕዚ ስደተኛታት ከም ምዃኖም መጠን፡ ሓደገኛነት ናይዚ ብመንገዲ ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ዝካየድ ጉዕዞ ስደት ክግንዘቡዎ ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT