Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቤቱታ ናብ ባይቶ ኖርወይ

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኖርወይ ይኹን ካብ ኖርወይ ወጻኢ ክገብሮ ብዝጸንሐ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ካብ ስራሑ ክእገድን ፍርዱ ክረክብን ይግባእ።   ባይቶ ኖርዋይ፡ ኣብ ጐድኒ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ጠጠው ብምባል፡ መላኺ ስርዓት ኤሪትራ ንኽፍረድ ጠለቡ ከቕርብ ንጽውዕ። ቀጺሉ

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኖርወይ ይኹን ካብ ኖርወይ ወጻኢ ክገብሮ ብዝጸንሐ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ካብ ስራሑ ክእገድን ፍርዱ ክረክብን ይግባእ።  

ባይቶ ኖርዋይ፡ ኣብ ጐድኒ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ጠጠው ብምባል፡ መላኺ ስርዓት ኤሪትራ ንኽፍረድ ጠለቡ ከቕርብ ንጽውዕ። ቀጺሉ ባይቶ ኖርወይ፡ ኣብ ኖርወይ ኮይነን ንመላኺ ስርዓት ኤርትራ ዘገልግላ ዘለዋ ማሕበራትን፡ እቲ ስርዓት ንኽቕጽል ካብ ኖርወይ ዝእከብ ግብሪን ጠጠው ከብሎ ኣለዎ ንብል።

መላኺ ስርዓት ኤርትራ ኣንጻር ሰብኣውነት ገበን ይፍጽም ስለ ዘሎ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ዘሄግ ፍርዲ ክወሃቦ ግቡእ ኢዩ። ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዝምልከት፡ መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነጢፉ ክዋሳእ ባይቶ ኖርወይ ድፍኢት ክገብር ሓላፍነት ኣለዎ።

መርማሪት ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ኤርትራ ኣመልኪታ ዘሕለፈቶ ውሳኔ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ብባይቶ ሕቡራት ሃገራት ክርአ ኢዩ። እቲ ውሳኔ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ደረጃኡ ምስ ግህሰት ሰብኣውነት ምዃኑ የመልክት።

ስርዓት ህግደፍ፡ ንዓመታት ብዘይምቁራጽ ከም ባርነት፡ ማእሰርቲ፡ ምስዋር ሰባት፡ መግረፍቲ፡ ዓመጽ  ድቂ’ንስዮን ቅትለትን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ገበናት ብዝተራቐቐን ዝተወደበን ኣገባብ ብስፍሓት ክፍጽም ጸኒሑን ይፍጽም ኣሎን። ናይዚ መርኣያ ከኣ ሃገሮም ራሕሪሖም ናይ ዝስደዱ ቁጽሪ ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ ፪ይ ዝለዓለ ኮይኑ ጸኒሑ። እዞም ዝተጠቕሱ ግህሰታት ከም ግህሰት ሰብኣውነት ኮይኖም ናብ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ዘሄግ ክተሓላለፉ ንሕዝቢ ዝጣበቕ ሕጊ ምሕጽንታኡ የቕርብ ኣሎ።

ባይቶ ኖርዋይ፡ ማሕበራት ህግደፍ ከም ዝቃልዓ ክገብር ንጽውዕ።

ኣብ ኖርወይ፡ ንመላኺ ስርዓት ኤርትራን ንዓመጻዊ ኣካይዱኡን ብንጥፈት ዝድግፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራትን ቤተ ክሪስቲያናትን ኤሪትራውያን ኣሎዋ። እዚ ጉዳይ’ዚ ከኣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ብተመሳሳሊ ዝረአ ኢዩ። ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ እምበኣር እዘን መትከላት ዲሞክራሲ ዘዕንዋ ዘለዋ ማሕበራት ጨሪሸን ክኽልከላ ምሕጽንታኡ የቕርብ ኣሎ። እዘን ማሕበራት እዚኣተን ንመላኺ ስርዓት ኤርትራ ዝሕለቓ ናይ ኤውሮጳ ክንፊ ኮይነን፡ ህግደፍ ነቐፌታ ከየጋጥሞ ዝከላኸላን ነቲ ስርዓት ናይ 2% ግብሪ ክእክባሉ ዝጓየያን እየን።

ብህግደፍ ዝዝወራ ማሕበራትን ቤተክርስቲያናትን ነዚ ዝስዕብ ምስ ዝገብራ መትከላት ዲሞክራሲ ይጥሕሳ፡-

  • ብስዉር ንህግደፍ ምስ ዝድግፋን ዝተሓባበራን፡
  • ብሓሳብን ርእይቶን ንዝቃወሙ ሰባት ካብ ኣኼባታተንን ፌስታተንን ምስ ዝሰጓ፡
  • ዘይግባእ መንግስታዊ ሓገዛት ምስ ዝቕበላ፡
  • ዑቕባ ክሓቱ ናብ ኖርወይ ንዝመጹ ቅኑዓት ስደተኛታት ምስ ዘፈራርሃ።

መንእሰያት ኤርትራ ህግደፍ ብሰንኪ ዝፈጠሮ መዘና ኣልቦ ጭቆና ናብ ስደት ክውሕዙ ከለዉ፡ ኣብ ኖርወይ ኮይነን ንህግደፍ ዝድግፋ ማሕበራት ናይቲ ስርዓት ዕድመ ብምንዋሕ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ንኽልዕል እጃመን የበርክታ ኣለዋ። እምበኣር እዚ ዋሕዚ’ዚ ክንኪ ምስ ጊዜ’ውን ከብቅዕ፡ ስርዓት ህግደፍ ከኣ ብሕጊ ክፍረድ፡ ባይቶ ኖርወይ ነቲ ጉዳይ ክስዕቦ ምሕጽንታ ይግበረሉ።

ጸብጻብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ንኽቐርብ ይጠልብ።  https://martinplaut.wordpress.com/2016/06/30/draft-resolution-eritrea-human-rights/

17.” ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ’ውን ግህሰት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፈጸሙ ብሓላፍነት ምእንቲ ክሕተቱን ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰደሎምን ተባሂሉ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ጸብጻብ ናብ ባይቶ ጸጥታ ዝስደደሉን ኣብኡ ዝርኣየሉን ጠለብ የቕርብ ኣሎ።”

ባይቶ ኣውሮጳ ብወገኑ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ሃሃገረን ብመንግስቲ ኤርትራ ዝእከብ ናይ 2% ግብሪ ጠጠው ከብላ፡ ንዲሞክራሲ ብዘይ ኣግባብ ዝጥቀማሉ ዘለዋ ማሕበራት ከኣ ክእገዳ ይጽውዕ።   http://www.europarl.europa.eu/sides/getDoc.do?pubRef=-//EP//TEXT+MOTION+P8-RC-2016-0318+0+DOC+XML+V0//DA

FN resolusjon fra Sikkerhetsrådet: Medlemsland bør fordømme skatt på eritreisk

diaspora brukes til opprørsgrupper og at eritreere presses til å betale 2% skatt:

http://www.securitycouncilreport.org/atf/cf/%7B65BFCF9B-6D27-4E9C-8CD3-

CF6E4FF96FF9%7D/Somalia%20S%20RES%202023.pdf

”10. (Sikkerhetsrådet i FN) fordømmer at “Diaspora skatt” fra eritreiske diaspora til

den eritreiske regjeringen brukes til å destabilisere Afrikas Horn ..blant annet ved å

bruke skatten til å skaffe våpen og materiell til væpnede opposisjonsgruppተበጉሶ ዝወሰዳ ማሕበራት:-ባይቶ ኣውሮፓ ን ሃገራት ኣውሮፓ ምአካብ 2% ግብሪ ደው ክብልን አተን ን ዲሞክራሲና ዝብሕጉጋ ማሕበራት ክአ ክአገዳ ይጽውዕ ወይ የተባብዕ::

ውድብ ሕቡራት ከኣ 2% ግብሪ ምእካብን፡ እቲ ዝተኣከበ ናብ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ምስዳዱን ይኹንን።

 

ብይን ባይቶ ጸጥታ፡ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስደት ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብኣስገዳድ ናይ 2% ግብሪ ምእካቡን፡ እቲ ገንዘብ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ምውዓሉን ክኹንነኦ ይግበአን ይብል።

 

http://www.securitycouncilreport.org/atf/cf/%7B65BFCF9B-6D27-4E9C-8CD3-CF6E4FF96FF9%7D/Somalia%20S%20RES%202023.pdf

 

”10. ኣብ ስደት ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተኣከበ ግብሪ ንርግኣትን ሰላምን ቅርኒ ኣፍሪቃ ንምዝራግ ብምውዓሉ ባይቶ ጸጥታ ውዱብሕቡራት ሃገራት ይኹንን፡ ከመይ እዚ ገንዘብ’ዚ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣጽዋርን ካልእ ኣቕሑን ንኽዕድጉ ይወሃቦም ስለ ዘሎ።

 

  1. ኤርትራ ኣብ ደገ ካብ ዝነብሩ ዜጋታታ፡ ብጸቕጢ፡ ኣስገዳድ፡ ዓመጽ፡ ምትላል፡ ምጥፍፋእን ካልእ ዘይሕጋዊ ኣገባባትን ተጠቒማ እትእክቦ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ጠጠው ንኽብል ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ውሳኔ ኣሕሊፉ።”

 

FN resolusjon fra Sikkerhetsrådet: Medlemsland bør fordømme skatt på eritreisk

diaspora brukes til opprørsgrupper og at eritreere presses til å betale 2% skatt:

http://www.securitycouncilreport.org/atf/cf/%7B65BFCF9B-6D27-4E9C-8CD3-

CF6E4FF96FF9%7D/Somalia%20S%20RES%202023.pdf

”10. (Sikkerhetsrådet i FN) fordømmer at “Diaspora skatt” fra eritreiske diaspora til

den eritreiske regjeringen brukes til å destabilisere Afrikas Horn ..blant annet ved å

bruke skatten til å skaffe våpen og materiell til væpnede opposisjonsgrup

  1. (Sikkerhetsrådet i FN) beslutter at Eritrea skal slutte å bruke utpressing, trusler

om vold, bedrageri og andre illegale midler for å samle skatter utenfor Eritrea fra sine

borgere ”…

ባይቶ ነዘርላንድ ከኣ ኣብ ኣብቲ ሃገር ብመንግስቲ ኤርትራ ዝእከብ ናይ 2% ግብሪ ደው ከብሎ ወሲኑ። http://www.eepa.be/wcm/320-eepa-news-and-activities/4001-dutch-parliament-adopts-motions-on-eritrea.html

 

 

ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ኣቤቱታ፡ 

ናብዛ ትስዕብ ገጽ እቶ’ሞ ነታ ገጽ ሸረር ኣቢልካ ናብ ታሕቲ ውረድ።

 

https://www.change.org/p/mother-for-peace-norwegian-parliament-must-support-the-un-and-demand-that-the-dictator-in-eritrea-judged?recruiter=40391926&utm_source=share_petition&utm_medium=copylink

 

Start a peition ኣብ ዝብል ጠውቕ’ሞ እቲ ዝምላእ ሓበሬታ ድሕሪ ምጽሓፍካ ኣቤቱታኻ ኣቕርብ።

ኩላቶም መሓዙትካ ኣቤቱታ ከቕርቡ ከኣ ተወከስ። ህግደፍ ስለ ዝሓመቕናሉ ውሑድ ኣየዕነወን። ካብ ሕጂ ንደሓር ግን ቦታ ክህልዎ የብሉን። ነፍስ ወከፍ ብሃገሩ ዝግደስ ኣብዚ ኣቤቱታ’ዚ ክሳተፍ ንጽውዕ።

 

ኣካያዲት ሽማግለ ኣቤቱታ

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT