Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቡነ ሲኖዳ፡ ብሰንኪ ዝዘርእዎ እከይ ተግባራት ዉርደት ከምዝሓፍሱ ኮይኖም

ኣቡነ ሲኖዳ፡ ብሰንኪ ዝዘርእዎ እከይ ተግባራት ዉርደት ከምዝሓፍሱ ኮይኖም እቲ ቀንዲ ምኽንያት ነዛ ጽሕፍቲ ክንጽሕፍ ዝገደደና አቲ ብዕለት ሰነ (June) 28,2016 ኣብ ኣሰና ዶት ኮም “ ጳጳስ ኣሜሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተከርስቲያን ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ

ኣቡነ ሲኖዳ፡ ብሰንኪ ዝዘርእዎ እከይ ተግባራት ዉርደት ከምዝሓፍሱ ኮይኖም

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ነዛ ጽሕፍቲ ክንጽሕፍ ዝገደደና አቲ ብዕለት ሰነ (June) 28,2016 ኣብ ኣሰና ዶት ኮም “ ጳጳስ ኣሜሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተከርስቲያን ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጸሓፈ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ሓበሬታ ተሓዊስዎ ስለዘሎ መልሲ ንምሃብን ከምእውን አቲ ሓቂ  ንኣምበብቲ ንምሕባር እዩ። እዛ ዝሕፍቲ አቲ ናይ ኤርትራ ቅዱስ ሲኖዶስ ልኡኻት ዝተጸወዔ ናይ ሃገረ ሰብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ኣብ ፊላደልፍያ (Philadelphia)  ብዕለት ሰነ (June) 26-27, 2016 ዝተኻየደ ጉባኤ ጽባሕ በምዃኑ ከም’ውን ናብቲ ኣኼባ ዝኸዱ ወኪላት ቤተ ክርስቲያንት ገና ነናብ ቦቶኦም ከይ ተመልሱ ከለዉ በውጻኣ ብጣዕሚ አዩ ገሪሙና። በታ ጽሕፍቲ መሰረት አቶም ንዓሰረት ዓመት ንፈልጦም ኣቡነ ሲኖዳ ከምቲ ኣብቲ ዝሑፍ ብፍላይ ብዛዕባ ሃገዝ ንደቂ ስወኣት ተበሃሉ ዝተዋጸኤ ገንዘብ ጠጠው ከምዘበለዎ ዝብል ጽሑፍ ምስ ኣንበብና ከንኣምን ኣይከኣልናን ። ድሕሪ አቶም ካህናትን ምእመንን ካብቲ ጉባኤ ምስ ተመልሱ ብዝሃቡና ሓበሬታ መስረት ኣቡነ ሲኖዳ ብዛዕባ ናይ ደቂ ስወኣት ገንዘብ ዝምልከት ሓንቲ ቃል ካብ ኣፎም ኣየወጽኡን ዝብል  አዩ። ምእንተን እቲ ሓቅን ሓሶትን ኣብዛ ዝሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ኣንበብቲ ከፈልጡ፣ ከልተ ነጥብታት ካብታ ጽሕፍቲ ኣልዒልና ብዘለና ርጡብ ሓበሬታ መሰረት ከነብርሕ ከንፍተን ኢና። ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ ገዜ ቃለ-ጉባኤ ናይቲ ኣኼባ ንኹለን ቤተ ክርስቲያናት ስለ ዝዝርጋሕ ከምእውን ኣብቲ ኣኼባ ብውልቀ ሰባት ዝተቐድሔ ቪድዮ ክሊፕስ ስለዘሎ ከም ተወሳኺ መርትዖ ከም ኣድላይነቱ ኣብ መጻኢ ገዜ ክንዝርግሖ ንኽእል ኢና።

ኣብቲ ጽሑፎም ደገፍቲ ኣቡነ ሲኖዳ ከምዝሓበርዎ “ ኣባ ሲኖዳ ካብቲ ቀንዲ ዝቐረበሎም ክሲ ብፍላይ ድማ ንኣባላትን ደገፍቲ ህግደፍ ዝቖጠዔ፣ካብ ቤተክርስቲያናት ንደቂ ስውኣት ዝተዋጸ ገንዘብ ስለመንታይ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ዘይገብርኩሞ ተባሂሎም ምስተ ሓተቱ ዝሃብዎ መልሲ ኣነ ብዙሓት ቤተ ክርስቲያናት ኢሳያስ ናብ ወተሓደራዊ መዓላ ከውዕሎ ስለዝኾነ ግዜ ክሳብ ዝወግሕ፣አቲ ገንዘብ ኣብ ዘለዎ ይጽናሕ ኢሎም ስለ ዝተቛወሙ፣ ናብ ኤርትራ ክሰዶ ኣይከኣልኩን” ዝብል ጽሒፎም ኣለዉ። እዚ ዝበሃል ዘሎ ኣብቲ ናይ ፊለደልፍያ(Philadelphia) ኣብ ሰነ (June) 26/27, 2015 ዝተገብረ ልዕሊ ሳላሳን ሓሙሽተን(35) ዝኾና ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያናት ዝተሰታፈኦ ኣኼብ ብፍጹም ካብ ኣፎም ኣይወጸን። በቲ ናይ ሃገረ ሰብከት ቦርድ ኣሰራራሓ ሕግን መሰረት ኣቡነ ሲኖዳ ክመኽሩ’በር  ከምዚ ግበሩ ወይከኣ ከምዚ ኣይትግበሩ ኢሎም ንቦርድ ክእዝዙ ፍጹም ስልጣን የብለሙን ። ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓምታት ሃገረ ሰብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን እኮ ብሽውዓተ ኣባላት ዘለዋ ቦርድ እያ ክትምራሕ ጸኒሓ። ኣቡነ ሲኖዳ ከኣ ከም ሻዉናይ ኣባል አታ ቦርድ ከም’ውን ኣቦ ወንበር ናይቲ ሃገረ ሰብከት ብምዃን  ብማዕረ ምስ ኩሎም ኣባላት ተሓባቢሮም ይሰርሑ ነይሮም። ከምቲ ናይቲ ቦርድ ኣሰራርሓ አንተኾነ’ውን ጉዳይ ገንዘብ ምስዳድ ዝምልከቶ ንገንዘብ ተሓዛይ ናይቲ ናይ ሃገረ ስብከት አዩ አምበር ንኣቡነ ሲኖዳ ብፍጹም ኣይምልከቶምን አዩ። ብተወስኺ እቲ ሃገረ ሰብከት ከም 501(C) 3 ተረፍ-ኣልቦ ትካል መጠን ብናቱ ውሽጣዊ ሕግታትን ከምኡውን ብናይ ሜሪላንድ ኮርፖረሽን ኮድ (State of Maryland Corporation Codes) ዝምእዘዝ ትካል ከምዃኑ መጠን ንሓደ ኣባል ቦርድ ገደብ ዘይብሉ ስልጣን ከህብ ሕጊ ኣይፈቅደሉን አዩ።  ኣብቲ ጉባኤ ሃገረ ሰብከት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ናይ 2014  ናይ ደቂ ሰወኣት ተብሂሉ ዝተዋጸኤ ገንዘብ ብሰንኪ ኣብ ውሽጦም ዝተልዓለ ምምቕቓል ከምዘይተሰደድ ምስ ሓበሩ ሓደ ሓደ ካህናት አቲ ገንዘብ ናይ ግድን ክትሰድዎ ነይሩኩም ዝብል ዘረባታት ኣስሚዖም አዮም። ከም ናትና ግምት ነታ ጽሕፍቲ ዘዳለዉዋ ደገፍት ኣቡነ ሲኖዳ ኣብቲ ጉባኤ ብትእዛዝ ቅዱስ ሲኖድስ ትእዛዝ መሰረት ኣቡነ ሲኖዳ ንዓዲ ከኣትዉ አይፋልን አንተበሉ ግና ካብ ቦቶኦም ክእለዩ ዝተወሰደ ስጉምቲ ደስ ስለ ዘይብሎም ኮን ዶ ኮን ጉዳይ ኣቡነ ሲኖዳ ናይ ፖለቲካ  ኣንፈት አንተ ኣትሒዝናዮ ኣብቲ ሃገረ ሰብከት ቁልውላው ኣልዒልካ እንተ ኾይንሎም ኣቡነ ሲኖዳ ናብ ቦተኦም ከምለሱ አንተ ዘይኮይነ ኸኣ ቤተ ክርስትያናት ናብ ምፍንጫል ከምዝኣትዋ ንምግባር ዝትሓንጸጸ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ዝተመሓዘ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ሓሶት እዩ።  ቤተ ክርስቲያን አንዳ ተመላለስካ ከንድዚ ሓሶት ኣሎ ድዩ? ኣቡነ ሲኖዳ ሓሶት እግዚኣብሄር ዘይፈትዎ ተግብር’ዩሞ ኣትተሓስዉ ኢሎም ኣስተምህሮ ዶ ኣይሃበዎምን ድዮም? እግዚኣብሄር ይመስገን ህዝብና ብሰንኪ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ዝተለዓለ ብኣውራጃን ፖለቲካን ምፍልላይ ከይኣኽሎ ብስሱዓት መራሕቲ ሃይማኖት(ብፍላይ ብኣቡነ ሲኖዳ) ዝተለዓል ኣብተን ሰላም ዝነብረና  ቤተ ክርስቲያናት ከይንፋላለ ዝነበረና ናይ ፍርሂ ደመና ንግዚኡ ዝተቐንጠጠ ይመስል ኣሎ።

ብተወስኺ ንዝሓልፈ ብዙሕ ዓመታት ንደቂ ስወኣት ተባሂሉ ዝዋጻእ ዝነበረ ገንዘብ ብግቡኡ ንዝምልከቶ ኣካል ይስደድ ከምዝነብረ በቲ ሃገረ ሰብከት ንቤተ ክርስቲያናት ሓብሬታ ይወሃብ ከምዝነብረ ባዕልና ንምስክሮ ጉዳይ እዩ። በዛ ጽሕፍቲ መሰረት ንመንታይ ግና ቤተ  ክርስቲያናት “ ኣብ ከንዲ ዝሰደደኦ ገንዘብ ንኣቡነ ሲኖዳ ግዜ ክሳብ ዝወግሕ ሓዝዎ ካብ ዝብለኦም  ኣቲ ገንዘብ ባዕላተን ንመንታይ ዘይሕዝኦ ወይከኣ ምውጻእ ገንዘብ ጠጠው ዘየበላ?” ዝብል ሕቶም መልሲ ዘድልዮ ኮይኑ ይስመዓና። ብናትና ግመት አቲ ኣብቲ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ሓሶት ምእንተን ንኣምበብቲ ንሓበሪታ ክኸውን አዚ ኣብ ዓመት ዓመታ ናይ ሓንቲ ሰንበት ሞባእ ንደቂ ሰወኣት ክስደድ ዝተወሰነ ኣቡነ ሲኖዳ ምስመጹ ዘይኮነ ኣብ 1995/1996 ዘሎ ግዜታት ብቀሺ ገብረሚካኤል የውሃንስ ዝምራሕ ዝነብረ ንኡስ ሃገረ ሰብከት ስሜን ኣሜሪካን ካናዳን ብዘመሓላለፎ ትእዛዝ መስረት አዩ።  ክሳብ ሕጂ’ውን ከምኡ ኢሉ ይኸይድ ኣሎ። ንኣብነት ናይ 2015 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ቤተክርስቲያናት ኣዋጺኤን ናብ ሃገረ ሰብከት ክሰዳ ይዳለዋ ኣለዋ።

አቶም ደገፍቲ ኣቡነ ሲኖዳ ብምቕጻል ኣብቲ ዝሑፎዎ ከምዚ  “ኣባ ሲኖዳ አቲ ብደገ ደገ ትሕም ክበሃል ዝጸንሔ ናይ ምፍልላይን ኣዋራጃዊ መንፈስን ኣብቲ ኣኼባ ዓው ኢሎም ዳሕዲሖም አዮም” ዝብል ኣስፊሮም ኣለዉ።  እዚ ሓበሬታ 100% ሓቂ አዩ። ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቖሉ በልት ኣድጊ ከምዝበሃል ኣቡነ ሲኖዳ ኣብ ልዕሊ ኣቦና ኣቡነ ሉቃስ ዝቕነዔ” ናይ ጉጅለን ወገነን  ብፍላይ  ምስ ደቂ ሺመጃና ኮይንኩም ኣነ ካብ ቦታይ ከምዝእለ ዝገበርኩም’ዩ”  ዝብል ዘረባ ካብ ኣፎም ከውጽኡ ምስ ጀመሩ” ኣብቲ ኣኼባ ዝነብሩ ደቂ አቲ ከባቢ ካህናትን ምእመንን ዓው ኢሎም ተቛውመኦም ብዓውታ ንኣቡነ ሺኖዳ መልሲ ከህቡ ምስ ጀመሩ ኣብቲ ኣኼባ ዓው ዓውታ ንሓጺር ግዜ ነይሩ አዩ። አቲ ዘረባታት ጠጠም ምስ በለ ሕጅ’ውን ኣቡነ ሲኖዳ ናብ ሕሶት ዝመልኦ ካልእ ጸለመ ጀመሩ። እቲ ብሰንኪ ናቶም ምምሕዳራዊ ጸገምን ኣዋራጃዊ ስሚዕት ዘሳወረዉ ህውከት ኣብ ሂዩስተን ቴክሳስ፡ስያትል ዋሺንግቶን፡ ፊኒክስ ኣሪዞና ክሳብ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ ጉዳይ  ልኡኻት  ቅዱስ ሲኖዶስ ብፍላይ ኣቡነ ሉቃስ ከምዘበገስዎ ጌርካ ናይ ሽም ምድዋን ዘመተ ኣብቲ ኣኼብ ተዛሪቦም አዮም። እቲ ዘሕዘን ካብ ሓደ ጳጳስ አየ ዝብሉ ኣቦ ከምዚ ከትሰምእ ከለኻ ማዕረ ከንደይ ብሸይጣናዊ መገዲ አዞም ኣቦ ይኸዱ ከምዘለዉ ኢኻ ትርዳእ። እቲ ካልእ ነውራም ስራሕ ናይ ኣቡነ ሲኖዳ ዝነብረ ብውልቃዊን ሕውነታዊ ርክባት ዝተለዓለ ቅድሚ 2-3 ዓመታት ካብ ኣቦና ኣቡነ ጴጥሮስ ዝተለኣኸሎም ደብዳቤታት ከም ካብ ቅዱስ ሲነዶስ  ኣብ ቀረባ ግዜ ከምተለኣኸ ኣሚሲሎም ነተን ዝተሰደዳ ክለተ ደብዳቤታት ዓው ኢሎም ኣብቲ ጉባኤ ኣንቢበሞ። ብናይ ኣቡነ ሲኖዳ ድኹም  ኣታሓሳስባ አቲ ኣብ ልዕሊኦም ብቕዱስ ሲነዶስ ካብ ቦታኹም ተኣሊኹም ኣለኹም ዝብለ ውሳኔ ኣቦና ኣቡነ ሉቃስ ምስ ገለ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኮይኖም ከምዝገብርዎ ጌሮም ብምቕራብ ኮን ድ ኾን ገለ ሰዓብቲ ይረክብ ብዝብለ ዝሓንጸጽዮ ሽርሒ አዩ ነይሩ። አቲ ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፈ ኩሉ ግና ንኣቡነ ሲኖዳ ከም ዝካዓቡ ኮይኖም አዩም። አምበርከ ኣቡነ ሲኖዳ ናይ በሓቂ መራሂ ሃይማኖትና ደዮም ዝብለ ሕቶዉን መልሲ ክትረኽበሉ ይድንጽወካ እዩ?

ብኻልእ ሸነኽ ግና ኣቡነ ሲኖዳ ዝወጻሎም ዕሉል ብኣዋራጃዊ ስምዒት ዝተላዕጠጡ ምዃኖም ኣብ ብዙሓት ቤተ ክርስቲያናት ዘሎዉ ምእመናን ዝምስክርዎ ሓቂ አዩ። እቶም ናቶም ሰዓብት’ውን ብኣውራጃን ፖለቲካን ስምዒት ዝተኣኻኸቡ ከምዝኾኑ ዝሕብር መርትዖ’ዉን ኣሎ። ሰዓብቲ ኣቡነ ሲኖዳ (ካብ ካህናት፡ትምህርቲ ሰንበት፡ምእመን ዝተዋጸኡ) ዝተዳለው ጽሑፍ ቀድሚ ናይ ፊላደልፊያ ኣኼብ ብዕለት ሚያዝያ (April) 28, 2016 ንኹለን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያናት  ጽሑፋት ሰዲዶም አዮም።  አዛ ጽሕፍቲ ከም መርትዖ ኣብ ታሕቲ ከም ጥባቖ ኣላትኩም። አቲ ልዕሊ  ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ ልዕሊ  ኣቦና ኣቡነ ሉቃስ ዝተፈነወ ህቦቡላ ኣባ ጥብቖ-1 ኣብ ገጽ 4 ኣብ ክፍሊ ሰ-4 ኣንብብዎ። ኣቡነ ሲኖዳ ይኹን አቶም ሰዓብቶም ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ደገፍቲ ከምእውን ብጸቢብ ኣውራጃዊ ሰሚዒት ዝሓመሙ ከምዝኾኑ ኣቲ ጽሑፋቶም ይምስክር አዩ። ቅድም ኣቢሎ’ውን አዞም ሰዓብቲ’ውን ኣቡነ ናብ ኩለን ቤተ ስርቲያናት ጽሑፍ ኣዳሊዮም ኣብ ሚያዝያ (April) 28, 2016 ሰዲዶም ነይሮም አዮም (ጥብቕ-2 ተመልከት)። እዛ ጽሕፍቲ ብተወሳኺ ደብዳቤ ካብ ግዱሳት ምእመናን ኤርትራዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሰሜን ኣመሪካ፡ ብዛዕባ ዘይቅኑዕን ኣዕናውን ጽሑፋት ኣሰና.ኮም” ብዝብል ንሓደ ክለተ መዓልቲ ዝኸውን ኣብቲ ናይ መንግስቲ ህግደፍ ደጋፊት ዝኾነት ደሃይ ዳት ኦርጅ (www.dehai.org) ተጠቒዓ ነይራ አያ። ይኹን አምበር ደሓር ግና ብዘይተፈልጠ መኽንያት ተላዒላ አያ። ትሕዝቶ እተን ክልተ ጽሑፋት አንተ መርሚርና “ ንኣቡነ ሲኖዳ ዝገብረዎ ጌጋታት ሽፋፊንካ፡ ዘይናቶም ባህሪ ስእሊ ለኺኻ፣ ሃዋርያዊ ንጥፈታት የካይዱ ከምዘለዉ ጌርካ ንምእመናትን ካህናትን ንምድንጋር ዝዓለመ ነይሩ። ብተውሳኽም  ቤተ ክርስቲያናት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰነ 26-27 ጉባኤ ፊላደልፍያ  ናብ ምፍንጫል ገጸን ከምዝኸዳ ባይታ ንምንጻፍ ተበሂሉ ዝተሓንጸጸ አኩይ መደብ አዩ ነይሩ እንተበልና ካብ ሓቂ ኣይረሓቕናን። እግዚኣብሄር ይመስገ ኣቡነ ሲኖዳን ሰዓብተሙን ማይ ዓሚኾም አዮም ተሪፎም።

ልዕል ኢልና ከምዝሓበራዮ ቀንዲ ክሲ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ሲኖዳ ብዛዕባ ገንዘብ ደቂ ስወኣት ከይከይድ ምኽልካል ካብ ዘይኮነስ “ አንታይ ዓይነት ከሲ ስለዝመጾም አዩ ማዕረ ካብ ምዝነት ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ተኣሊዮም ዝብለ ነጥቢ ክለዓል ባህሪያዊ አዩ። ንሕና ብዘለና ሓብሬታ ክስታት ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ሲኖዳ ኣብ ክለተ አዩ ዝምቀል። ኣቲ ሓደ ክሲ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቅዱስ ሲንዶስ ክኸውን ከሎ አቲ ካልኣይ ክሲ ከኣ ብሃገረ ሰብከት ሰሜን ኣሜርካን ካናዳን ቦርድ ዝተመስረተ አዩ ነይሩ። እተን ክስታት ከምዚ ዝስዕባ አየን፣

  1. ካብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝቐረብ ክሲ

ናይ ኤርትራ ቅዱስ ሲነዶስ ብተደጋጋሚ ንኣቡነ ሲኖዳ ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣኼባ ክመጹ ብደብዳቤ ሓብርዎም አዩ።  አቲ ኩሉ ናብ ኣቡነ ሲኖዳ ዝተሰደደ ደብዳቤታት ንነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ብቕዳሕ ተሓቢሩ ከምዝነብረ ዝዝከር አዩ። አታ ናይ መወዳእታ ደብዳቤ ዝሓለፈ ሕዳር(November) ብዕለት 26/11/2014 ቑጽሪ ፋይል ቅ/ሰ/1/437/79/2014 ዝተሰደደት አያ። እታ ደብዳቤ ኸኣ ከምዚ ትብል፣

መንፈሳዊ ሰላምታና ብምቕዳም፣

          ብምቕጻል ቅድሚ ሎሚ ክልተ ሰለስተ መጸዋዕታ ተጌርልኩም ከትመጹ ኣይከኣልኩምን ሕጂ ግን ናይ መወዳእታ ንዕለት 07 ታሕሳስ 2007 ዓ.ም.ግ ብዘይዝኾነ ምኽንያት ኣብ ጉባኤክትርከቡ ቅዱስ ሲኖዶስ ወሲኑ ስለዘሎ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትሪያርክ ሰዓት 9፡00 ቀድሚ ቀትሪ ክትርከቡልና ብጥብቂ ነተሓሳስብ።

                                      እግዚኣብሔር ሰላሙ የሃበና

ይኹን’በር ኣቡነ ሲኖዳ ዝተፈላለየ ዕቡር ምኽንያት እንዳሃቡ ብንዕቀት ንትእዛዛት ቅዱስ ሲኖዶስ ዕጭ ኢሎም ክሳብ ሎሚ ኣለዉ። ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ፊላደልፍያ(Philadelphia) ብዕለት ሰነ (June) 26/27, 2015 ዝተገበረ ኣኼብ ሃገረ ሰብከት ሕ/መ/ኣን ካናዳን ንዓዲ ከኸዱ ብኣቦና ኣቡነ ሉቃስ ምስ ተሓተቱ ከም ኣመሎም ዕቡር ምኽንያት ብምሃብ ሕጂ ኣይምለስን እየ ኣብ ዝጠዓመኒ ግዜ ከምጽእ እየ ዝብል መልሲ ከምዝሃቡ አዮም ተሓቢሩ ዘሎ። ስለዚ አቲ ቀንዲ ክሲ ናይ ኣቡነ ሲኖዳ እምበኣር ንደቂ ሰወኣት ተባሂሉ ዝተውጸ ገንዘብ ከይስደድ ስልዝበሉ ዘይኮነስ ብተደጋግሚ ትእዛዛት ቅዱስ ሲኖዶስ ስለ ዝጠሓሱ አዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ካብ ስልጣኖም ተእልዮም ኣለዉ።

  1. ካብ 62- 68 ሺሕ ዝግመት ገንዘብ ናብ ሃገረ ሰብከት ሕ/መ/ኣን ካናዳን ክኣቱ ዝግብኦ ንብሕታዊ ረብሖኦም ስለዘውዓሉዎ

ኣዚ ዝበሃል ዘሎ ገንዝብ ኣቡነ ሲኖዳ በዚ ዝስዕብ መሸጣታት ገይሮም’ዮም ኣኺቦሞ

ሀ. ታቦት ብምሻጥ፡ ንሓደ ካበይ ከምዝመጸ ዘይፍለጥ ታቦት ካብ 800-1000 ዶላር ዝግመት ዋጋ ንብዙሓት ቤተክርስቲያናት ሸይጦም አዮም። አቲ ገንዘብ ብጥረ ወከኣ ብሽሞም ቼክ አንዳተጻሕፈ አዩ ተኸፊልዎም

ለ. ናይ መርዓን ጥምቀትን ሰርቲፍኬታት ብውልቆም የሕቲሞም ብምሻጥ

ሐ. ብሽም ሃገረ ሰብከት ዝተሓተመ  ዓውደ ኣዋርሕን/ካላንደር ብምሽጥ

. ናይ ኣባል ቤተክርስቲያን መታወቂያ ብምሻጥ ዝብለ አዩ ነይሩ።

ሰ. ንኽህንነት ምቕባእን ከም’ውን ውልደ-ክህነት ማዕረግ ምሃብ ዝኽፈል ኣገልግሎት እሎም ገንዘብ ካብ ቤተ ክርስቲያናት ወሲዶም ንውልቖም ስለ ዘውዓልዎ

ረ.  ብተወሳኺ ኣብ 2007/2008 ኣቢሉ ቀሺ ዮውሃንስ ዝተበሃሉ ናይ ችካጎ ቤተክርስቲያን ካህን “ውዳሴ ማሪያም” ካብ ግእዝን/ኣምሓርኝን ዝነብረ  ናብ ትግሪኛ ተርጉሞም ክህትምዎ ስለዝደለዩ፡ ብሰንሰለታዊ መገዲ ንሳንሱር ኣሎም ናብ ኣቡነ ሲኖዳ  ምስ ሰደድሎም ፡ ኣቡነ ሲኖዳ ነታ መጽሓፍ ብምስራቕ (plagiarism) ብሽሞም ጌሮም ንቤተ ክርስቲያናት ሽይጦም እዮም።  አቲ ሽያጥ ናይታ መጽሓፍ (ክሳብ $20,000 ዝግመት) ከም ልማዶም ኣብ ጅቦኦም ገይረሞ አዮም። ቅዱስ ሲኖዶስ አታ መጽሓፍ ናይ ቀሺ ዮውሃነስ ምዃና ምስ ኣረጋገጸ፡ አታ ብሽም ኣቡነ ሲኖዳ ዝተሓተመት “ ውዳሴ ማሪያም “ ከይትሽይጥ ንኹለን ቤተ ክርስቲያንት ትእዛዝ ኣምሓላሊፎም እዮም። እንታይ ዘመን ኢና በጺሕና  ጳጳስ ተባህልካ ዶ ከንድዚ ቀጠፍጠፍ ኣሎ።

  1. ኣቡነ ሲኖድስ ዝነብርሉ ኣብ ሜሪላንድ (Maryland) ዝርከብ ንብረት ናይ ሃገረ ሰብከት ብሽመይ ክቕየር ኣለዎ ኢሎም ንኣባላት ቦርድ ብርቱዕ ጸቕጢ ምግባሮም

አዚ ጉዳይ ንሃገረ ሰብከት ንዝሓለፍ ዓመታት ቁልውላው ዘእተው ቀንዲ መበገሲ ምኽንያት ከምዝኾነ ዝብል ክስውን ተመስሪቱሎም አዩ፡ ይኹን’በር ኣቡነ ሲኖዳ ከም ኣመሎም ኣሉ ቀጣን ኢሎም አዮም።

ኣብ መወዳእታ ከንብሎ ንደሊ ኣቡነ ሲኖዳ ከምቲ ዝኣምንዎ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ሰርዓት ብሕጊ ዘይ ይቀየዱ፡ህልኸኛ፡ ደረቱ ዝሰሓተ ስስዔ ዘለዎም፡ ወገነኛ፡ ወረኛ፡ ሓማዪ ከምእዋን ምኽሪ መሳርሕቶም ይኹን ካህናት ዘይሰምዑ ጳጳስ ናይ ሃገረ ሰብከት ሕ/መ/ኣን ካናዳን አዮም ነይሮም። አታ ሓንቲ ዓባይ ናይዞም ኣቦ ከእለት ዝነብረቶም ብወገንን፡ ፖለቲካን፡ ከምእውን ሓሶት እንዳፈጠርካ፣ ሰብኻ ጉብኤ ምስ ክህን፣ ካህን ምስ ካህን፣ ምእመን ምስ ካህን፣ ከም’ውን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ ነንሒድሒዶም ከምዝበኣሱ ምግባር አዩ። አዚ ንብሎ ዘለና ሽም ናይ ኣቡነ ሲኖዳ ንምጥፋእ ዘይኮነስ ባዕልና ኣብ ቤተ ከርስቲያናትና  ብተግባር ስለ ዝተሞከርናዮ አዩ።

እግዚኣብሄር ሰላሙ ይሃበና። ከም’ውን ፈላላያይ፡ ስሱዕ ዘይኩነ፣ ሕሊና ዘለዎ፣ንኹሉ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ብዘይ ፖለቲካን ወገንን ብማዕረ ዝሓቑፍ ካልእ ጳጳስ ክመጻኣና ናይ ኩላትና ጸሎት ይኹን። ኣሜን!!!!

ካብ ግዱሳት ምእመናን።

ክቡራት ኣንበብቲ ኣሰና፣

ነዚ ክብ ኢሉ ወጺኡ ዘሎ ግብረምልስን እቲ ብ 28 ሰነ ኣብ ኣሰና ዝወጽአ ጽሑፍን ኣገናዚብኩም ሚዛናዊ መረዳእታ መታን ክትረኽቡ፣ ሊንክ ናይቲ ብ 28 ሰነ ዝወጽአ ጽሑፍ ኣብ ታሕቲ ቀሪብናልኩም ኣለና።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንሃይማኖት ከም መሳርሒ ፖለቲካ ከምዝጥቀመሉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። እንተኾነ፣ መራሕቲ ሃይማኖትና፣ ዛጊት ልዕሊ እቲ ፖለቲካዊ ጸወታ ጸብለል ኢሎም መንፈሳዊ መሪሕነቶም ከዕዝዙ ኣይተራእዩን። ብሰንኪ ‘ዚ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ካብ ሃገሩ ምፍላዩ ከይኣኽሎ፣ ልክዕ ከም ኣብ ፖለቲካ ኣብ ሃይማኖት ‘ውን ነንሕድሕዱ ተኸፋፊሉ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ።

demo.archive.assenna.com ካብ ናይ ቀረባ ተዓዘብትን ተዋሳእትን ንዝበጽሑዋ ንሃይማኖት፣ ብፍላይ ድማ ነቲ ብፍልልይ ተጠቒዑ ዘሎ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ዝምልከት ጽሑፋት ከተእንግደድ ዝጸንሓትሉ ምኽንያት ኣማኒ ነቲ ኩነታት ብንቕሓት ክምልከቶን ብኡ መጠን ነቲ ፍልልይ ንምጽባብ ሓገዝ እንተኾነን ብማለት እዩ።

እዚ ኣውንታዊ ድሌት ‘ዚ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፣ ካብ ሎሚ ንደሓር፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣርእስታት፣ ብፍላይ ስም ሰባት ረቝሑ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝቐርብ ጽሑፍ፣ ሓቀኛ ስም ጽሓፊኡ ምስ ዝህልዎ ጥራይ ከም እነአንግዶ ነዘኻኽረኩም።

ኣሰና ፋውንዴሽን

 

ብ 28 ሰነ ኣብ ኣሰና ዝወጽአ ጽሑፍ ንምንባብ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ጠውቑ።

ጳጳስ ኣመሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
41 COMMENTS
  • theland July 7, 2015

    “እቲ ስርሒት ሃይሞኖታዊ ድፍኢት ነይርዎ ከይከውን እዩ.” quoted from meskerem.net
    The man behind the notorious website has kept agitating tirelessly to plunge Eritrea into a religious war. All opposition sites, activists, Paltalk etc should aware of this man and do something.

    • Eritreawit July 8, 2015

      Good observations theland, Meskerem.netmust be some agent working to destroy Eritreans.

  • Tseyon July 7, 2015

    This is sad to read, the Orthodox church was the mail culprit of all the harassments’ to other religions in this country, This is the work of god on behave of those how suffer at the hand of this church.

    • Eritreawit July 8, 2015

      Tseyom.

      Please watch you words, The Orthodox Church; the foundation of our all christean should be respected, blame the Kadres of HGDF “kahnats”, all you want. DO NOT dare to blame the entire Orthodox , were your great grand fathers any religion but Orthodox, un less you are a Muslim I am sure an Eritrean muslim will not dare to say that. Please people watch what you are saying the Orthodox Church has been the target of any one who want to distroy the Nation Eritrea, i know the is a history of puting some rules and laws no where you find in other Orthodox churches but in Eritrea specally in the farm areas not allowing the farmers to go to do thier farm works by imposing ‘Many SENTS DAYS” bogus ones so, Eritreans lag behined and to cause economic damages, this stories are true because our grand fathers were weittned it. So please stop generalizing.

      • efem July 8, 2015

        Hello Eritrawit

        When we say the orthodox church it means the church Leaders the “Khanat” or “Akshshti”. But the orthodox church people has nothing to do with all the problems of the church.
        * You know with collaboration of Devil Khanat and Kadres the disposed the legal patriarch Abune Antonios. If there was objection from the church HGDF could do nothing. But the devil Khanat are the main calprtis of the trick.
        * Priests like Keshi Habtom Russom and others embezzled the money contributed by the mass.

        * Many priests used their authority to make business in the Church by making making forged marriage certificates. In this case I myself I am witness today and tomorrow.
        *Priests living in diaspora like the one Swiss belting slogans ” nhna nsu nsu nhna” means “we are Iseyas and he is US”. These are priests. Imagine! If you say “we are devil and devil is me”, definitely you are “Devil”.
        Therefore, Eritrawit, these are not priests, kahnat or spiritual leaders but “Stupid Calprits” but our orthodox people are brave, diligent and respected people.
        Thank you

  • Ane July 7, 2015

    Wey Seb Deqey!!!!
    yitref nmerahi haymanot, nb’edme ziabyeka seb keman kemzi elka sm ayznteln eyu.. what is so sad is the writer, or writers, vilifying the religious leader hid their name/s. They did not mention their real name/s!!!
    Whether his Holiness did such egregious acts or not is irrelevant here. Whatever it is, the Church should deal with it in accordance with its rules and regulations. What is relevant here however is the fact that how evil and disrespectfull such people who call themselves believers towards their religious fathers.
    It is offensive and evil in message and tone.

    Assenna put a disclaimer as well as a notice at the bottom of the writing. IF publisher or administrator has issue with the writing he needs to put his disclaimer at the top before people start reading, or remove it altogether!
    Assenna please do not allow such evil stuff. It reflects on your credibility.

    • Selamawi July 7, 2015

      I second this entry.

    • Haqqi Nezareb July 7, 2015

      Hi Ane,

      Did you read the article written by supporters of Abune Shinda? If not, read the article written on June 28, 2015 (you have it by Assenna as attachement at the bottom of the article posted above) following the Philadelphia conference of June 26-27, 2015 that announced the removal Abune Shinoda from his position as spiritual leader of the Dioceses of North America and Canada. The article on June 28, 2015 has information that is fabricated. Hence, main reason for the current article written as rebuttal to article posted on Assenna by the supporters of Abune Shinoda. Get the facts before you put your blame on the writers of the article.

    • efem July 8, 2015

      Hello Ane on

      Your language indicates you are blind supporter of HGDF and ignorant and political tools of HGDF Orthodox church Leaders!!!
      Wake up please!!!

  • Simon G. July 7, 2015

    ተራ ይኹን ጳጳስ: ሰራቒ ተዄኑ ሰራቒ: መደናገሪ ተዄኑ መደናገሪ: ወገናዊ ተዄኑ ድማ ወገናዊ ‘ዩ ምባል ቅኑዕ’ዩ። ተዘይኴኑ: ናብ ሃጸይ ኢሳያስ (ካብ ጽላል ሓንቲ ቃል ምንጥል ተበልኩ ዝብል የብሉን) ተቐይሩ ማለት’ዩ። እዚ መዓስ ሕዛእቲ ኴኑ።
    እዚ ሕጂ ቅዱስ ዶ ብሩኽ ዶ ትብልዎ ዘለኹም: ኣገልጋሊ ኢሳያስ ዶይኮነን ዩ ኔሩ? ሓንጎልና ንሕጸብ: ይረስሕ ኣሎ መስለኒ።

    • Selamawi July 8, 2015

      ዝኸበርካ ስምዖን ሓውና
      ምናልባ ንእሽቶ ኢኻ እተመስል እሞ፥ ቁሩብ ካብ ዓበይትን ካብ ዝተመከሩን ክሳብ እተመሃር፥ ህድእ እንተበልካ፥ ኣብ ዝደለኻዮ ክትብቅ ኣምላኽ ይሓግዝካ።

      ኣልዕል ኣቢልካ ንሰብ ኣይጽረፍን ኢዩ። ሓደ ሰብ ከይሰረቐ ሰራቒ፥ ዘይከድዔ ከዳዕ፡ ዘይሃደመ ሃዳሚ ተባሂሉ ዝእሰረላን ዝቕተለላን ሃገር ስልዘላትና፡ ምናልባ ኣብኡ ድንጉር ዝኾነ ርድኢት ምሂሮምኻ ከይኮኑ። እቲ ግቡእ ኣነባባር ግን፥ ዘርባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይፍረድን ኢዩ።

      ንስኻ ክብሪ ናይ ሓደ ጳጳስ ዘይግድስካ ሰብ እንተ ኾንካ፡ ክብረቶም ግን በቶም ዜኽብሩዎም ምሉእ ኢዩ። ስለዚ እቲ ናይ ጵጵስናን ናይ ክህነትን ናይ ኣገልግሎትን መጓሰ ነፍሳትን መዝነት፡ ብኹላቶም ደቂ ቤተክርስትያን ክቡር ኢዩ። ካህናትን ጳጳሳትን ዝህቡዎ ኣገልግሎት፥ ንደገፍቲ ሥርዓት ኣቶ ኢሳያስን ነቶም ደለይቲ ፍትሒ ኮይኖም ዝብድህዎ ምእመናንን፡ ሓደ ኢዩ ዝብጽሖም። መንፈሳዊ ኣገልግሎት፡ ከምቲ ጸሓይ ንብሩኽን ንርጉምን ንኹላትና ትበርቀና፡ ተብርሃልናን ተሙቐናን፡ ከምኡ ኣፈላላይ ክህልዎ ኣይግባእን ኢዩ።

      ሓደ ጳጳስ ብጹዕ፡ ቅዱስ፡ ዚብል ቅጽላት ክወሃቦ እንከሎ፥ ቤትክርስትያን ኣካል ክርስቶስ ከም ምዃና መጠን ቅድስቲ እያሞ፥ እቶም ናይ ኣገግሎት መዓርግ ለቢሶም ዝመርሑዋ ድማ ቅዱሳን ኢዮም ካብ ዝብል ኣምር ዝወጸ ኢዩ ዝመስለኒ።

      ይቕጽል

      • Selamawi July 8, 2015

        ነፍሲ ወከፍና፡ እንኮላይ ንስኻ፡ ብሓሶት ክንክሰስን ሽምና ክጠፍእን ኣይንደልን ኢና። እንታይ ደኣ፡ ክስና ሰሚዕና፥ ክንምልሽሞ ዝምልከቶ ክፈርደና ኢዩ ዝግባእ። ጉዳይ ቤተክርስትያን ብሕጊ ቤተክርስትያን ኢዩ ዝፍታሕ። ሽዑ ነቲ ኩነታት ናብ ሕዝቢ ኪቐርብ እንተ ተደልዩ፥ ጋዜጠኛታት መርትዖ ምስኣከቡ ክዝርግሑዎ ይኽእሉ እዮም። እዚ ጽሑፍዚ ግን ብኹሉ መዳዩ፥ ዘይልዙብ፥ ዘላፊ፥ ቋንቋን ኣገባብን ቤተክርስትያን ዘይተኸተለ፡ መንፈሳዊ ዕላማ ዘይብሉ፡ ከሳሲ ድላዩ ስምዒታት ዝደርበየሉ ኮይኑ ረኺበዮ። ብኡ መሠርት፡ ጎደሎ ኮይኑ ኢዩ ተሰሚዑኒ ዘሎ።

        ምሉእ ሕብረተስብ ኤርትራ ዜኽብሮም ሰባት ንስኻ፥ ክትዘናጥሎም ከለኻ፥ ጽቡቕ ኣይኮነን። ብትሕትና መልሶ፥ ንዓ ተጠዓስ እብለካ። ንኽቡር ኣክብሮ፥ ንሕሱር እውን ኣኽብሮ፥ መሰል ደቂ-ሰብ ዘይምግሃስ። ክብረት ይሃብካ።

        እግረ መገደይ ክሓትት፦ ኣሰና ነዚ ጽሑፍ እዚ ክትዝርግሕ ከላስ፥ እንታይ ዕላማ ክትወቅዕ ኢላ ኾን ትኸውን? ዜድል ምጽራያትከ ጌራ ድያ?

        ኣምላኽ፥ ንቤተክርስትያን ብሒጊ ቤተክርስትያን፥ ንጉዳይ ሃገር ድማ ብሕጊ ቅዋም እንምርሓሉ ዘመን የምጽኣልና እምበር፡ እዚስ ኣይዘረባን ኣነ ሓውካ!

      • Efrem July 8, 2015

        ዝኸበርካ ሰለማዊ
        ኣልዕል ኣቢልካ ን ሰብ ኣይጽረፍን ዩ ኢልካ፡ እንተኾነ ግን እዞም ትጣበቐሎም ዘለኻ መራሕቲ ሃይማኖት ተዋህዶ ብ ዘይካ ናይ ዓልም ስራሕ ሰይጣን እምበር መንፈሳዊ ተልእኾ ወይ ስራሕ ቤተክርስትያን ከምዘይብሎም ምስጢር ኣደባባይ ምኽኑ ክሕብረካ እደሊ። ካብ መንፈሳውነት እዚኣቶም ናይ ሻዕቢያ መንፈሳውነት ይሓይሽ።
        ምስ ኢሰያስ ኮይኖም ፓትሪያርክ ካብ መዓርጎም ዝቕንጥጡ በዓል መን ድዮም?
        ምስ ህግደፍ ኮይኖም ሞባእ ዝሰርቁኸ በዓል መንዮም?
        በቴክርስትያን በተ ጸሎት በተ ሰቐጥ ገረሞ ዘለዉ ከ በዓል መን ይመስለካ?
        “ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና” ተዓጢቖም ኣብ ስዊዝ ዝቐነዩ ኸ ናይ ሰይጣን ዶ ሰሪሖም ወላ ናይ ኣምላኽ ኣቶ ሰለማዊ?
        እዚኦም ክጠፍኡ ወይ ንሕልፈት ክእሰሩ ከማን ኣለዎም።

        • Selamawi July 9, 2015

          ክቡር ኤፍረም ሓወይ
          እዚ ጽሒፍካዮ ዘለኻ ሓሳብ፥ ግጉይ ኢዩ እመስለኒ። መራሕቲ ሃይማኖት ተዋህዶ ሥራሕ ሰይጣን እዮም ዝፍጽሙ ትብለና ኣለኻ። እዚ ግን ዓይንና ከፊትና እንተ ተመልከትና፥ ሓቂ ከም ዘይኮነ ንርኢ። እዞም ዓለም መኒኖም፥ ሥጋኦም ቀጺዖም ዝነብሩ ፍለስቲን ካህናትን ጳጳሳትን ዝምህሩዎ ነገር በስተፍሶ መንስፈስ ቅዱስ ኢዩ። እዚ ንስኻ እትጽሕፎ ዘለኻ ግን በስተንፍሶ የማነ ገብረኣብ ኢዩ ዝመስል።
          ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ክቕንጥጡዎም ኣይግባእን ኢዩ ዝብል እምነት እንተልዩካ፥ እሞ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ከኣ ትጉህ መንፈሳዊ መራሒ ምዃኖም ትኣምን ድሕሪ ኴንካ፥ መራሕቲ ሃይማኖት ተዋህዶ ሥራሕ ሰይጣን ዘይኮነስ ሥራሕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዮም ዝፍጽሙ ክትብል ክትግደድ ኢኻ። ስለዚ እቲ ጽሑፍካ ተጋራጫዊ ምዃኑ ኢዩ።
          ንብጹእ ወቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣሲሩዎም ዘሎ፥ ሥርዓት ህግደፍ ደኣምበር መራሕቲ ቤተክርስትያን እዮም ዝብል እምነት የብለይን። ጉጅለ 15 ክእሰሩ ከለኡ፥ ማእለያ ዘይብሉ ክስታት ሰሚዕና ኢና። እቲ ክስታት ሓቂ እንተ ዝነብር በቲ ንቡር ኣገባብ ባይቶ ተራእዩ፥ ባይቶ ይከሰሱ እንተይሉ ድማ፥ ቤትፍርዲ ክሶምን መከላኸሊ ዜቕርቡዎ ሓሳብን መርሚሩ ምፈረደ።
          ኣብ ቤተርክስርትያን ድማ ከምኡ ዝመሳሰል፥ ሕገ ቆኖና ኣሎ። ቤተክርስትያን በቲ ሕገ ቆኖናኣ ከይትኸይድ ዝሕንኩላ ዘሎ እቲ ገደቡ ዘይፈልጥ ኣዕናዊ ዝኾነ መንግሥቲ ኤርትራ ኢዩ። ስለዚ መንግዝቲ ካብ ጉዳይ ቤተክርስት ይውጻእ ንበል። በብቑርብ ሃገር ትጠፍ ኣላ! ሓደ ሰብ ክብደል ከሎ ትም ምባል፥ ንኹላትና ዝጎድእ ግድፈትን ሕምቀትን ኢዩ። ስለዚ ነዞም እንዛረበሎም ዘለና ጳጳስ፡ ኣቡነ ሽኖዳ፥ ኣብ ኣሰና ዘይኮነ ብሕገ ቆኖና ቤተክርስትያን ተራእዩ፥ ዝወሃብ ፍርዲ ክንሰምዕ ምደለና። ጸርፊ ግን ዋጋ የብሉን፡ ኣዕናዊ ኢዩ። ኣብ ሃገር ብዘይ ቅዋም፥ ኣብ ቤተርክስትያን ድማ ብዘይ ሕገ ቆኖና ዝኽዕነት ሃገር፡ ብእገዳን ብውገዛን ተኾኒና ኣላ! እዚ ድማ ንኹላትና ዝጎድ እዩ፡ ኢለ የእዊ ኣለኹ!
          `ክጠፍኡ` ወይ `ንሕልፈት ክፍረዱ ኣለዎም` ትብለና ኣለኻ። ጉዳም ኢዩ! መን ፈራዳይ ገበረካ ሓወይ? እቲ ዝገበሩዎ ኣይንፈትዎን፥ ግን ገበን ከይፈጸሙ፡ ይጥፍኡ ዝብል ሓሳብ እንተልዩካ፡ ንኹላትና ለኪምካና ከይትጠፍእ ቁሩብ ህድእ በል። ሰላም እግዚኣብሔር ምሳኻ ይኹን። ኣሜን!

    • Efrem July 8, 2015

      ዝኸበርካ ስምኦን
      ሰለማዊ ን ርእሱ ዝትንክፍ ጉዳይ ስለዝኾነ የማርር ኣሎ እምበር ጊጋ ስለተዛረብካ ኣይኮነን።
      ሕረሕራይ ጌርጋ ገሊጽካሉ ኣለካ ግን። ነዚኣቶም ከማኡ ጌርጋ ከይፈራህካ ከይሓባእካ ምቅልዖም ዩ።

      • Selamawi July 9, 2015

        ዝኸበርካ ኤፍረም
        ኣብዚኣ ክሕብረካ፥ ንዓይ ብውልቂ ዝተንከፈኒ ነገር የልቦን። ነዞም ጳጳስ እውን ኣይፈልጦምን ኢየ። ዘረባኻ ግን ቁሩብ ልጓም እንተ ትገብረሉ ምሓሸ። ልክዕ ከምቲ ናይቶም ልኡኻት ህግደፍ ኢዩ ዝጥዕም ዘሎ። ልኡኽ ህግደፍ እንተኴንካ ድማ፥ በጃኻትኩም ካብ ጉዳይ ቤተክርስትያን ኢድኩም ኣውጽኡሞ፡ እታ ቤተክርስትያን ባዕላ ክትመሓደር ግደፉዋ። ኣምላኽ ብመንፈሱን ብጥበቡን ልቢ ኩላትና የረስርስ።
        ሰላምታ

  • BIRHANE-MESKEL July 7, 2015

    That what happen
    when politician get involved
    in manipulating church matters
    Refusing to present himself
    to the jailhouse is not ground
    for dismissal. Look where is the Patriarch!

  • senay July 7, 2015

    oh it is sad case, religious leader should only work to enhance the spiritual being of church goers, and leave politics for the politicians.

  • Alem July 7, 2015

    This is copletely false and AbaSinoda is clean in these aspects. We heard the same accusation from some individuals who had animosity with Aba Sinoda..

    • Haqqi Nezareb July 8, 2015

      Hi Alem,

      If you think the accusations are false, then proof to us that Abune Shinoda is innocent. Let us hear your arguments. For example on of the accusation of plagiarizing “Wodase Mariam” has been proved beyond doubt. In my opinion, Abune Shinda shoul return the money ($22,200) garnered from the sell of the book to Keshi Yohanes. That case by itself enough to remove him from his position.

  • Hzbi ynqah July 8, 2015

    ሰብ ወዲ ሰብ ናቱ ክብሪን መሰለን ኣለዎ። ሓደ ጳጳስ ብዘይረብሑ ሰባት ክውንጀልን ክጸረፍን ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘጒህን አዩ። መጀመርያ እዚ ጽሑፍ’ዚ ብመሰረቱ ክዝርጋሕ ዘይነበሮን ንሓልዮት በተክርስትያን ዘይውክልን ኢዩ።
    ጽሓፊ፡ ኣብ በተክርስትያን ንሓንቲ መዓልቲ ተሰሊሙ ዘይፈጥን መንፈሳዊ ፍርሓት ዘይብሉን ኮይኑ ረኺበዮ። ሓደ ሰብ ብዛዕባ ቤት ኣምላኽ ክዘራብ ከሎ ፍርሃት እግዚኣብሄር ክህልዎ ይግባእ። ንነብሲካ ከም መልኣኽ ኣቕርብካ ንሰባት ከም ሰይጣውንቲ ምግልጽ ግን እቲ ከማኻ ሰይጣን ጥራይ’ዩ ዝኣምነካ። ንቤተክርስያን ሕንፍሽፍሽን ህውከትን ዘእትዉላ ዘለዉ ንስኻን ሰዓብትኻን ምኻንኩም ኩሉ ሰብ ተረዲኢዎ ኢዩ። ካብ ዝገረመኒ ግን ካብቲ ጠንቂ መወገዚ ኢልካ ኣቕሪብካዮ ዘለካ ነጥብታት ቆሎ ጥጥቆ ምኻኑ ኢዩ። ናብ መንበሪ ፓትሪያሪክ ኣኼባ ተጸዊዑ ስለ ዘይከደ ኢዩ ትብል ሓንቲ ካብቲ መን ሙኻንካ ዘግሃዳ ነጥብታት ኢያ። ቁሩብ ከ ኣይትሓፊሪን እንዲኻ። ኣይተረዲኣካን እንበር መልሱ ኣብ “ዓሻ ድየ በራኪ” ኣሎ።
    ንበተክርስትያና ሰላምን ቅሳነትን የውሪደላ ፈጣሪ ኣሜን።

  • Abel July 8, 2015

    ዝኸበርኩም ግዱሳት፣እቲ ዘቕረበኩሞ ጸባጻብ ኮነ እቲ ቅድሚኡ ዝሰማዕናዮ ወረ ብወገነይ ጓል መንገዲ ጥራይ እዩ፡፡ እቶም ሓዋርያዊ ሰንሰለትን ቀኖናን ናይ’ታ ጥንታዊት ኦርቶዶክሳዊት ተውህዶ ቤተክርስትያን ጥሒሶም ንቅዱስ ኣቡነ ኣንቶንዮስ ናይ ገዛ ማሕዩር ወይ ቅዩድ ጌሮም ናይ’ቲ ዓለማዊ መንግስቲ ኣገልገልቲ ኮይኖም ዝቋራቕሱ ዘለው ጳጳሳት ነቶም ኣብ እምነትና ክንጸንዕ ዝግብኣና ምእመናን ኣብ መንጎና ሕንፍሽፍሽን ዘይምስምማዕን ፈጢሮም ክንደይ ኣብያተ ክርስትያና ኣብ ክንዲ ዝስስና ከም ዝበታተና እናገብሩ ከለው ኣብ ነናሓድሕዶም ክራዳዱኡ ይኽእሉ’ዮም ዝብል እምነት’ው. የብለይን፡፡ እታ እንኮ መፍትሒ ናይ’ታ ሽግር ነቶም ብሰብ ዘይኮነ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሸሙ ፓትሪያርክ ኣብ ቦታኦም ምምላስን ናይ ቤተ ክርስትያንና ሓፈሻዊ ዕርቅን ምስ ዝግበር ጥራይ’ዩ፡፡ ኣምላኽ ንሃገርና ይባርኽ ሰላሙ ከኣ ይሃበና፡፡

  • Ethiopiawit Maritu July 8, 2015

    To all Eritreans who think Ethiopians are stupid enough to die for you,
    think again and again. Ethiopian life is as precious as Eritrean life. The business
    of getting rid your dictator Isayas is your business not Ethiopians business. Ethiopia lives
    in peace and cooperation with all her neighbours like Sudan, South Sudan, Djibouti, Kenya and Yemen.
    Even with the old enemy Egypt, Ethiopia enjoys a respectable working relationship that is beneficial for both nations and people. As with Eritrea and Eritreans you have to do your house cleaning first by yourselves.

POST A COMMENT