Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣሳፊሕካ ሞት፡ ተኾርሚኻ ሞት።

ኣሳፊሕካ ሞት፡ ተኾርሚኻ ሞት።                               25.04.2015፡   ኣቐዲመ ፈጣሪ ንኩሎም ግዳያት ኢዱ ዘርጊሑ ክቕበሎም እምነ። ክቡራት ደቂ ኤርትራ ደቂ’ዛ ሕያወይቲ ኣደ! ቅንያቱ ኣስደሚምኩም ከምዘሎ እመስለኒ። ልዕሊ ኩሉ መን ከምዘርድእ ጨኒቕና’ዃ እንተ ሎ እቶም ተረከብቲ ግና በቢልብና ተራኺብና ኣለና። ግደ

ኣሳፊሕካ ሞት፡ ተኾርሚኻ ሞት።                               25.04.2015፡

 

ኣቐዲመ ፈጣሪ ንኩሎም ግዳያት ኢዱ ዘርጊሑ ክቕበሎም እምነ።

ክቡራት ደቂ ኤርትራ ደቂ’ዛ ሕያወይቲ ኣደ! ቅንያቱ ኣስደሚምኩም ከምዘሎ እመስለኒ። ልዕሊ ኩሉ መን ከምዘርድእ ጨኒቕና’ዃ እንተ ሎ እቶም ተረከብቲ ግና በቢልብና ተራኺብና ኣለና። ግደ ሞራል መን ኢዩ ምስ’ዞም መርድእ ዘእውዩልና ወይ መራኸቢ ብዙሃን ክተሓ ጋገዝ ዝኽእል? ካንዶ ኣኺልና ነዛ ኣሰና’ኳ ምዃን ስኢንና? ካንድዩ ኣፍና ተሉጒሙስ ብዛዕባና’ውን እዞም ጎረቤትና ክነብዑልና ክነብሩ? ህግደፍ እንተኾይኑ ንሱ ኢዩ ዝለዓለ ቃልሱ። ኩሎም ካድረታቱ ንመስዋእትና ብኢቲዮጲያውያን ወይ ኣፍሪቃውያን ክሸፋፍኑ ናይ ወት ሩ ቃልሶም ኢዩ። ንከረሳስዑ ክብሉ’ውን ጣቕዒት ክዕድሙ ክራአዩ ኢዮም። ሓራይ የጣቕዑ፡ ዘይትወግሕ እንተኾይና ድማ ጽባሕ ንሪኣ!

ስለምንታይ ኢዮም እቶም ገበርቲ እከይ ነተቶም ትሕቲ ዕድመ ደቅና መቑረጽቲ ክሳድ ኣሕዋቶም ብኣዒንቶም ከምዝርእዩ ዝገበሩ ተረዲ  እናዶ? ስለምንታይከ እቲ ብደም ዝተጀለሐ ገጻት ቁሩጻት ማይ ሓሓጺቦም ኣቐሚጦሙልና? ምኽንያቱ ርዱእ ኢዩ። እዞም ኣብ ሊቢያ ዝ ተገደዩ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ምዃኖም ምእንቲ ክንፈልጥ። እንተ’ቶም ናይ ውሽጥን ግዳምን ተጎርበትቲ ናይቲ ዘሎ ስርዓት፡ ነዞ ም ዝሃልቁ ዘለዉ ዜጋታትና ከምቀደሞም ቃላት ናይዚ ቀታሊና መራሒ ሰሰኒቖም “ብጽጋቦም’ምበር መንዶ ካብ ሃገሮም ኣውጺእዎም ኢዩ” እናበሉ ነዚዝኸውንዘሎ ነገራት ከምፖለቲካዊ ምርጫኦም ከመሳምስሉ ስለዝቐሎም ካብኦም ፍታሕ ከምዘይትጽበዩ እመስለኒ። እ ስከ ሕሰቡ፡ መንን በየናይ ሕልናን ኢዩ ንሓደ ብበሊሕ ካራ ክሳዱ ንዝተቖረጸ “ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ ዓጋመ” ኢሉ ዘከሻምሽ?

ጠንቁን መልእኽቱን ድኣ ይፈላለ’ምበር ሞትን ዕግርግርንሲ ዝጸንሐ ኢዩ። ብምዃኑ እዚ ናይ ሎሚ’ውን ዝተፈልየ ዘይብሉ ምዃኑ ምግን ዛብ ከድልየና ኢዩ። እኳድኣ ምስቲ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዝሃበና ቆጸራ ከነነጻጽሮ እንከለና ገና ዝስዕበና ነገር ከምዘሎ ክንፈልጥን ክንዳ ሎን ይግባእ። ከምዝፍለጥ ንሱ ኣብቲ ዕውንዋኖ መድረኽ ዝተመዘዘሉ ዕዮ ስለዝነበሮ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናበይ ገጽና ከምነብል ክ ነግረና ከምዝኽእል ሓቢርና ከምዝነበረ ኣይረሳዕክሞን ትኾኑ። እንሆ እምበኣር ናይ ሽዑ ብህሎኡ ሎሚ ብርግጽ ክንሪኦ በቒዕና!

ዓለም ናበይ ገጻ ትኸይድ ከምዘላ እንተተረዳእናያ’ውን ኣብ ጽገናኣ ዝኾነ ኣስተዋጽኦ ከምዘይህልወና ስለንፈልጥ ምስቃጥ ኮይኑሎ ዕድሎ ትና። እንተኾነ ኣብዚ ኣሳፊሕካን ተኾርሚኻን ዝምወቶ ወቕቲ ከይንቕደም ምእንቲ ቀዳምነት ድሕነት ኢዩ’ሞ ነቲ “ትም ንበል” ዝብል ማዕዳ በዲህና ቀዳምነት ድሕነትና ከነቐድም ዝምረጸሉ እዋን ልዕሊ ካልእ ግዜ ሎሚ ብምዃኑ፡ ዓለምና ክንፈጥር ይግባእ።

ኣብ ዓለም ሞትን ዕንወትን መጓዕዝቲ ወዲሰብ ምዃኑ ሓድሽ መግለጺ የብሉን። ‘ኳድኣ ልዕሊ ሰብና ስለንፈልጦ ንሕናውን ናህና ክንገብ ር ስለዘለና ብዛዕባ ነብስና እንተተዛረብና ኣየጥፋእናን። ኣብ ከምዚ ውጡር ኩነት’ዩ ድማ ኤርትራዊ ባህሊ ሓደ መዋጽኦ ዝፈጥር። ቀዳ ሞት ተቓለስቲ’ሞ ንዘክር፡ እኒ ንኣብነት ሓርበኛታት ኢብራሂም፡ ከቢረ፡ ወልደኣብ፤ እኒ ራእሲ ተሰማ፡ ራእሲ ወልደሚካኤል፡ እኒ ደጌያ ት ባህታ ኮታ ክንደይ’ሞ ክንብሎም። ክሳብ ካብቲ ክቱር ጀግንነቶም ዘንቀሎ እኪት ቅንኢ ኣበራ ዝበሃል ኤርትራዊ ከምዘየለ ክሳብ ዝም ሰል ወለድና ትንግርቲ ሰሪሖም ክንሶም ግርህናና ብዝፈጠሮ እናተወረስና ዘንጊዕና ብምንባርና ሎሚ ከይድገም ክንበራበር ይግባእ። ብም ዃኑ ሎሚ ቅነ ብዘጋጠመና ነገር ንመሃሮ ብዙሕ ነገር ከምዘሎ ጸሓፍትና ከዘኻኽሩና ቀንዮም። ገለ ንምጥቃስ፡-

ኣማኑኤል ሳህለ፡- ለውጢ ኣብ ኣተሓሳስባ” ኣብ ዝብል ጽሑፉ ብዛዕባ በታ ብመጉልሒ ማዕዶ ተራእየቶ ‘ሓንቲ ዓለም’ ክትረኣየኒ’ዃ እ ንተዘይበቃዕኩ፡ ንርእሱ መምህር ብዘይካ ዘይተጨበጠ ጠፈራዊ ጭርሖ ለውጢ፡ ናይታ ትጽበየና ዓለም’ውን ጭብጢ ብምስኣኑ እቲ እ ትኣምኖ ግን ዘልምዓካን ኣብዛ ዓለም ንኣኻን ንሰብካን ሰላምን ቅሳነትን ብልጽግናን ዘምጽእ ኪኸውን ይምረጽ” ምባሉ ብወገነይ እድግፎ። እንተኾነስ “እዛ ዊንታ’ዚኣኸ ብኸመይ ኢና ንረኽባ” ናብ ትብል ሕቶ ኢያ ትድቕድቐና። ብተወሳኺ “እቲ ቀንዲ ዘገድሰና ህይወት ግን እቲ ኣብዛ ዓለም ምስ ከማና ዝኾነ ወድሰብ እነሕልፎ ህይወት እዩ” ምባሉ ሓቂ ኢዩ። “መንኮን ይህሉ ከማና”? ክትብሉ ትኽ እሉ። እንተኾነ ኣማኑኤል ሳህለ ንሕቶኡ “ኣርባዕተ ሽሕ ዓመት ንድሕሪት ተመሊስና ምስ እንርእይ ውግእን ቅትለትን ጭካነን ናይ ወድሰብ ባህርያዊ ሓላገት እዩ ነይሩ። ወድሰብ ብባህርያቱ ገባትን ዓማጽን እዩ” ክብል ከም ዓለምና ምዃንና ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እሞ ክቡር መምህር ጸገምናስ ገሊጽዎ ኣሎ፡ ግናኸ ክምለስ ዘለዎ መሰረታዊ ነገር ኣሎ። “እንታይ’ሞ ንግበር”?

እንታይ ንግበርዶ? “ኣብ ኣተሓሳስባ ወድሰብ ለውጢ እንተ ዚካየድ ነይሩ”፡….. ኢሉ ሓያለይ ተባሃግቲ ነገራት ጸብጺቡ ኣማኑ ኤል። መቸም ብዛዕባ ባህሪ ሰብ እናተዛረብካ ዝመስለካ ፍታሕ እንተዘይቀሪብካ ሓደ ጐድናዊ ካብምዃን ኣየናግፍን። እሞ ደ ጊመ ዝብሎ እቶም ተደለይቲ ጠለባት ካብዘይረኸብናኸ ንክንረኽቦም እንታይ ንግበር?

ኣማኑኤል ንባዕሉ ከምዚ ክብል ይሓትት። “እስከ ኮፍ ኢልና ንሕሰብ። እንታይ እዩ መፍትሒኡ”? ሓቲቱ ጥራይ ኣይኮነን፡ እን ኮላይ ከምዚ ክብል ዝመለሶ ይመስለኒ።

ብናተይ ኣረኣእያ፡ ናይዚ ኩሉ መከራ ተሓታቲ መንግስትና እዩ። ግን ትም ኢሉ ዚሓልፍ ጉዳይ ኣይኮነን። ሓደ መዓልቲ ኪሕ

ተተሉ እዩ። እቶም ምስኡ ኮይኖም ነቲ መከራ ዘጎሃህሩ ዘለዉ ድማ ካብ ሓላፍነት ኣይከምልጡን እዮም። ግን ንሱ ተጋግዩ ኢ ልና ክንጋገ የብልናን”።……

ክቡር መምህር ኣማኑኤል ጸገምና መንግስትና ምዃኑ ብዘየማትእ ምግላጹ ኣዝየ ከመስግኖ እፈቱ። ከመይሲ ዝኣመንካዮ ክኽ ሕደካ እንከሎ ካብኡ ዝኸፍእ ወንጀል የለን። እንተ ንኣፈታትሓኡ ግና ማለቱ ኣይተሰማምዓንን። ምኽንያቱ ኣብዛ ምድራዊት ዓለም ዋላ ብሃይማኖታዊ ኣዒንቲ እንተጠመትናዮ ብዙሓት ካባ ሃይማኖት ተተኸዲኖም ኪኖ ምድራዊ ስራሕ ካልእ ክሰርሑ ኣይተራእዩን። ንኣብነት ፍልስፍና ቀሺ ማልቱስ ልዕለይ መምህር ይፈልጦ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ እንተዘይተጋግየ “ትም ን በል፡ ዓለም ባዕላ ክትቅየር ኢያ” ክብል ንዝመዓደና ጀነራል ቀሺ ሰሚዐ ተዓጂበሉ ክመውት ደለኹ። ብተስፋ ምግዳልና ጌጋ እንተዘይነይሩ ትም እንተንብልከ መፍትሒ ጸገምናዶኾን ምነበረ? ብወገነይ ኣይፋሉ። ከመይሲ ወዲሰብ ጸገማቱ ክፈትሕ ም ግደሉ ባህርያውን ሃይማኖታውን ጽሕፍቶኡ ኮይና ስለትስማዓኒ።

መምህር፡ እምነትና ክፈላለ ይኽእል ይኸውን ግና በታ ናተይ ክርእያ እንተ ኣፍቂድለይ፡ ዛንታ ዳዊት ክደግም ምመዓረኒ። ዳ ዊት ድኣ’ሞ “ድኹም ኢየ” ኢሉኮ ስቕ ኣይበለን። ንሱ ነታ ወንጭፍ እንተዘይውርውራ እቲ ዓርመሾሽ ዝኾነ ጎልያድ ኣይምወደቐን። ጎልያ ድ ብወንጭፍ ዳዊት ከምዝወድቕ መን ሓሰቦ? መንከ ኣዘዞ? ዳዊት ክቐትል ክሓስብ እንከሎ እንተዘይቀቲልዎ ክወርድ ዝነበሮ ሳዕቤን እፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ስለዝቐተሎ ግና ኩሎም (እንኮላይ መዋቲ) ተጠቀምቲ ክኾኑ ብምኽኣሎም ከበሮ ሓምሓም ዝድስቕ’ምበ ር ዳዊት ነቲ “ኣይትቕተል” ዝብል ትእዛዝ ኣምላኽ ከምዝጠሓሰ ጸብጺቡ ዝተቓወመ ኣይነበረን። አእምነትናስ ይሃልወና እቲ ሓ ቂ ግን ንሱ ምዃኑ እመስለኒ። ብምዃኑ ንሕቶና ግድን መልሲ ክንረኽበላ ስለዘለና ሃየድኣ መምህር እንታይ ንግበር?

ነቲ “ሕልምን ዘይጭቡጥ ነገራትን” ዝብሎ ከምቅቡል ወሲድና ምስከምኡ ዝሓስቡ ክንጋጠም ጥራይ እንተኾይኑ ዘዋጽኣና “እ ንታይ ንግበር” ምስዝብል ብድሆ ክንጋጨብ ክንደፍር ኣለና። ርግጽ እዛዓለም ሓንቲ ኢያ። እንተኾነስ ከምቲ ኩሉ ሰብ ብዘፍ ጥረት ሰብነቱ ሓደ ዘይኮነ፡ ከምቲ እምነት ስላሰ፡ ድማ ዓለምና ሓደን ሰለስተን ክትከውን ትርአ ኣላ። ማለተይ ቀዳማይ፡ ካል ኣይን ሳልሳይን ዓለም ተባሂላ ትከፋፈል። “ገዲፍናያ ንንኸይድ ዓለም ስለምንታይ ንከፋፈል”? ኢልካ ምሕሳብን ጸጽቡቑ ምት ምናይን መፋጥርቲ ሰብ’ዃ እንተኾነ፡ ኣእምሮ ሰብ ስለዘይተለወጠ ውግእን ቅትለትን ጭካነን ናይ ወድሰብ ባህርያዊ ሕላገት ከምዝኾነ ኣማኑኤል ንርእሱ ኣርባዕተ ሽሕ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ ከምዘይተቐየረ ይነግረና ኣሎ። ‘ሞ ክንድኡ ዓመታት ንዝገበረ እኪት ወዲ-ሰብ ክንፍውስ ኣኻእሎ ኣለና ዲዩ? “እወ ኣለና” ብሃልቲ እንተዄንና ብኸመይን እንታይ ንግበርን?

ብወገነይ እንታይ ከምንገብር ክንመርጽሲ ኣይምኸበደትናን፡ ከነተግብራ ኢዩ ዘሎ እቲ ጠላዕ እምባ። እንተኾነ ቀላል ትመስል መፍትሒት ኣብ ኢድና ኣላ። መሳርሒ ናይዚ ስርዓት ከይንኸውን እድናን እግርናን ምእካብ። የቐንየለይ መምህር!

ረድኢ መሓሪ፡- “ኣዋድቓ ፈረስ” ብዝብል ኣርእስቲ በጺሕናዮ ዘለና መድረኽ ጃላነት ኣዘኪሩ ድሕሪ ኣዋድቓ ፈረስ ዝስዕብ ትንሳኤ ኤር ትራ ኣዘኻኺርና ኣሎ። ንሱ ንክኸውን ግና ጸላኢና ኣብታ ኣስመራ ከምዘሎ ኣስሚሩ ነታ “እንታይ ንግበር” ትብል ሕቶና ክምልስ እንከሎ ከምቲ መምህር “ግን ንሱ ተጋግዩ ኢልና ክንጋገ የብልናን” ዝበሎ ዘይኮነ፡“…….ሎሚ ዝመጽእ ሙሴ ግን ብሓያል ሴፉ ንገበነኛታት ፍ ጹም ካብ ገጽ ምድሪ ኤርትራ ዝጸራርግ ክኸውን ኢዩ” ክብል ኣነጺርዎ ኣሎ። የቐንየለይ ረድኢ!

ኣወልኼር ዓብደልሓፊዝ፡- “ምዕጣቕዶ ዘይምዕጣቕ” ኣብ ዝብል ጽሑፉ “… ወዲ ግደፍ ብረት ሰንጢ ዘይተፍቅድ ዝነበረት ከተማ ዃነይ ዝነበረኒ ብርጣጤ”….. ክብል ንዝጀመሮ ጸጉረይ ዘኸየፈኒ ተረካብ ዘረባኡ ብምቕጻል ዘይምዕጣቕ ብመንጽር ምዕጣቕ ዝህልዎ መዘ ዝ ዘርዚሩ ናብ ምዕጣቕ ገጹ ዝዘንበለ ጠመተ ከምዝሓዘ መሲልኒ ኣሎ። ርኢቶ ክህብ ዕዱም እንተኾይነ’ውን ህዝብና ድኣ’ሞ ዘይብዓንተ ቦኡስ ደላይ ሰላም ዝነበረ። ቀዳሞት ሓርበኛታትና’ኮ ብዘይዕጥቂ’ዮም ዝቃለሱ ነይሮም። ስለ’ቲ ንሱ ብወገነይ “ብረት ምሕንጋጥ ግድነት ’ምበር ባህጊ ኣይነበረን” ክብል እደፍር። ዕጥቂ ነብሰ ምክልኻል ዝፈጠሮ ምርጫ ቃልሲ ምዃኑ ኢዩ። እንተ’ቲ ምብርጣጥ’ሞ ኣይጸንሓ ናን ማለት እንተዘይ ኮይኑ ሓደነትናን ቅንዕናናን ዝጠመሮ ነብሰ-እምነት ዝፈጠሮ ብምዃኑ ወደስመራ ዘይተበርጠጠ መን ይብርጠጥ? ግ ናስ ኩሉ ነገር ክኸውን ጸላእትና ኣብታ ክንብርጠጠላ ዝነበረና ከተማ ከምዘለዉ ተረዲእና ብዕጥቂ ብረት ዓለምና ክንፈጥር ፍጹም ሓቂ ኢዩ። ስለ’ቲ ”እንታይ ንግበር” ንዝትብል ሓሳብ ኣብ መድረኽ ኣውሪዱ ከዛትየና ምዕዳሙ ድማ የቐንየለይ ዓብደልዓዚዝ።

“እንታይ ንግበር” ኣዝዩ ወሳኒ መድረኻዊ ዛዕባ ኢዩ። እቲ ኣብ ከምኡ ኩነት ዝነበረ መንእሰይ ከምዚ ሎሚ መንነት እትፍብርኽ ‘ሳዋ’ ትበ ሃል ኢንዱስትሪ ብዘይምንባራ “ኣሳፊሕካ ሞቴ፡ ተኾርሚኻ ሞቴ፡ ንዓናይ ንባሕሪ ንሓደ ዓመቴ” እናበለ ባሕሩ ወሪዱ። እንተኾነ ድሕሪ ናጽነት ’ቲ ኩሉ ቀልጻምን ግሩህን ወዲ’ታ ሰንጢ’ውን ዘይተፍቅድ ሰላማዊት ከተማ ተጠሊሙ። ሕጂ’ውን ተኾርሚኻ ሞት፡ ኣሳፊሕካ ሞት ብምዃኑ ተተኣኪብካ ትኸዶ መድሕን ዓለም ስለዘየለ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣማራጺ ዘይብሉ መፍትሕ ሽግር ምዃኑ ንሓደ ኣወልኼር ጥ

ራይ ዘይኮነ ከምቀደመይ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብዓውታ ክገልጽ እፈቱ። ነብስና ክንከላኸልሲ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ዕጥቂ ንዕጠቕ!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ጎደፋ፡

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Hidat April 26, 2015

    GODEFA ATO REDEI MEHRI””AWADIKA FERES DO AWADIKA BEGIEE””ILU KIDMI MIXIHAFU BIZEBUU MALET MENEYU REDEE MEHRI “”MEXHIET POLIS ERITRA HADE METAFAFIE KEMM ZINEBERE MENESEYAT DEKENSTYO YIEMIX KEM ZINEBEREN KABUU HALIFU WIN NEWEXAEE KISEDEKIN ENDABEL YETALL KIM ZINEBEREN TILIAN KEBIROMO KEIDOM NIZIBHAL WERKI KIREKIB IWIN SUDANAWIAN TENKUALO……ZIBL ANBIBE NEYRE HAKI DEYU HASOT WEY NISKA WEY ATO REDIEE MEHARI NIGERUNA HAKI TELEKUM.POLIS ERITRA XIXEWAY DEYOM NEGIROM WALLA HAKI KINFELIT.

POST A COMMENT