Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣርኣያ ፍትሒ 4ይ ክፋል 4/6

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ “ ጌጋይ ዘቅርበለይ ከም ገጽ በረከት ዘቅረበለይ ክቆጽሮ`የ “  Omer Bin Khetab (634 – 644 ዓ.ም) ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ንቡዙሓት መራሕቲ ዓለም ዓበይቶም ናኣሽቶም ጸላዕላዕ ዘብሎም፤ ምስማዕ ተጻይ ሓሳብ ወይ

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

“ ጌጋይ ዘቅርበለይ ከም ገጽ በረከት ዘቅረበለይ ክቆጽሮ`የ “  Omer Bin Khetab (634 – 644 ዓ.ም)

ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ንቡዙሓት መራሕቲ ዓለም ዓበይቶም ናኣሽቶም ጸላዕላዕ ዘብሎም፤ ምስማዕ ተጻይ ሓሳብ ወይ ተቃውሞ ፤ ሰይድና ዑመር  ኣብ 7ይ ክፍለ ዘመን ምስማዕ ከይኣክል ከም ገጸ በረከት ይቅበልዎ ነይሮም።

ነዚ ካብ ዘረጋግጹ፡ ንኣብነት ብሓንቲ ሰበይቲ ዝቀረበሎም ተቃውሞን ብኸመይ ከምዝተቀበልዎን ንመልከትأعلى النموذج

  • ሓደ እዋን ናይ ማህሪ/ገዝሚ  ጉዳይ ናይ ውድድርን ናይ መን ካብ መን ኒእሱን መልክዕ ክሕዝ ምስ ጀመረ፤ ሰይድና ዑመር ገደብ ክገብሩሉ ደለዩ፤ ምእንትኡ  ሰብ ኣኪቦም ገደብ ክገብርሉ ምዃኖም ገለጹ`ሞ ሓንቲ ሰበይቲ “ ገደብ ክትገብረሉ ኣይትኽእልን ኢኻ ፈጣሪ ማህሪ ሃብወን`ዩ ዝበለ እምበር ኣይወሰነን “ (ኣብ ዓቅሚ`ቲ ሰብ`ዩ ዝውሰን ዝዓይነቱ ተቃውሞ)  ምስ ኣስመዔኦም። ከምታ ኣብታ ሓላፍነት ዝተቀበሉላ ማዓልቲ “ ጌጋይ ዘቅርበለይ ከም ገጽ በረከት ዘቅረበለይ ክቆጽሮ`የ “ ዝበልዋ ቃል መጠን  ብዘይ ቀልዓለም ንተቃውሞኤን ሓቅነቱ ተረዲኦም  “ኣነ`የ ተጋግየ ንሰን ጽቡቅ ኣለዋ” በሉ

መብሪሂ፡ ገዝሚ ዝቀረበ እምበር ልክዕ ናይ ማህሪ ትርጉም ኣይኮነን።

 

  • ኣብ ዓለምና ካብ ቤተ-ሰብካ ኣብ ጥርዚ ቦታ መርሕነት በጽሑ ማለት ኩሉ ማዓጹ ሽሻይ ዝኽፈተልካ፤ በዲልካ ዘይትቅጻዕ፤ ሰሪቅካ ዘይትውንጀል ምዃንካ `ዩ እቲ ርዱእ፤ ነዚ ንምርዳእ ጻዕሪ ኣየድልን`ዩ ፤ንኣብነት ናይ መባእታ ተማሃሮ  ኣብ ዝነበርናሉ እዋን እቶም ንፓርላማ ዝወዳደሩ ዝነበሩ እቲ ኩሉ ውድድሮም ንምእንቲ ደሞዝ ኣባል ፓርላማ ንምርካብ ጥራሕ  ምዃኑ፤ ዘውርድዎን ዝሰቅልዎን ነገር ከምዘይብሎም ብግልጺ ንርዳእ ነርና። እዚጥራሕ`ውን ኣይኮነን ንሓለፋ ሰበ ስልጣን ክሳብ ከም  ጉቡእ/ውሁብ ነገር ገይሮም ዝርድእዎ ኣለዉ። እቲ መዝነት ይዕበ ይንኣስ ብዘየግድ።

 

ኣንጻር ናይ`ዚ ተረድኦ ኸኣ ሰይድና ዑመር ምምራሕ ህዝቢ ማለት ጾር ምዃኑን ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ዘሕትትን ምዃኑ`ዮም ዝርድኡዎ ዝነበሩ፤ ስለዚ ኸኣ ንነፍሰሙን ስድረኦምን ናይ ስልጣን ተጠቀምቲ ንዘይሙኻን ዝጸዓርዎ ብዙሕ`ዩ ፤ ንኣብነት ክሳብ ጥምየት ንውሽጢ ገዝኦም ዝኣቱ ናይ መንግስቲ ደሞዝ ተሓሲሞም፤ ዝጸነሖም ማል እንዳ ተጠቀሙ`ዮም ጸኒሖም።

ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ከም ዝረኣናዮ ነቶም ኣብ ገለ ክፋል ናይ ግዝኣቶም ከም ኣማሓደርቲ ዝተመደቡ ወከልቶም “ ድሕሪ ምዝዛም ስራሕኩም በጀካ`ቲ ቅድሚ ስልጣን ምሓዝኩም ዝነበረኩም ሃብቲ ዝተረፈ ናብ ንብረት ህዝቢ ክምለስ ምዃኑ ክትፈልጡን ክትስማምዑን ኣለኩም” ምባሎም ክሳብ ክንደይ ጸሬ ብልሽውና  ምንባሮም ዘረጋግጽ`ዩ።

ሓደ ማዓልቲ ኣብ ሞንጎ ዑቡራት ኣግማል ህጡራት/ ጽቡቃት ኣግማል ርእዮም፡- “ መሽኣላህ እዚኤን ኣግማል ደኣ ናይመን`የን ኢሎም ሓቲቶም “ ናይ ወዲኻ ዓብዲላህ” ዝብል መልሲ ምስ ሰምዑ፤ ……… ጸዉዑለይ !

  • ወዶም ምስ መጸ “ እዝኤን ኣግማልካ`የን ?!”
  • እወ  ዕባራ ነይረን ብሓላለይ ገዚኤ ዘህጠርኩወን ኣግማል እየን።
  • ስማዕ`ዚ ወደይ እዚኤን ናይ ወዲ ዑመር መጽኤን ኣስትዩወን ኣብልዕወን እናተባህላ ብሓለፋ ዝሃጠራ ኣግማል`የን ። ስለዚ ትሸጠን ርእሰ-ማልካ ወሲድካ ዝተረፈ ናብ ቤተል-ማል ህዝቢ ተረክቦ። ብዘይዘረባ !

ሰይድና ዑመር ዝኾነ ውሳነ  ንህዝቢ ከማሓላልፉ እንኮለዉ፤ ኣቀድሞም ንስድራ ቤቶም የፍልጥዎምን የጠንቅቅዎምን ነይሮም “ ሕጊ ብመቃርብ መራሒ ክርገጽ እንተተራእዩ፤ ኻልእ ካብ ምርጋጹ ድሕር ኣይክብልን`ዩ ” እናበሉ።

ሰይድና ዑመር (መራሕ መንግስቲ)  ምስ ሓደ ተራ ዜጋ ብዝነበሮም ፍልልይ  ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ቀሪቦም  ፈራዳይ ንረብሓ`ቲ ተራ ዜጋ ምስ ፈረዱ ፤ ከም ባዓል ነገር ስዕረቶም  ተቀቢሎም  ከም መራሒ ኸኣ ነቲ ፈራዲ ንዝላዓለ ናይ ፈራዳይ ማዓርግ ኣስገርዎም!

ካብ`ዚ ንማሃሮ እንታይ`ዩ

  • ብጌጋኻ ምእማን፤ ናይ ካለኦት ሓሳብ ምቅባል ካብ ተደለይቲ ባህሪ ኣማሓዳሪ ምዃኖም
  • ፍትሓዊ ባህሪ ዘለዎ መራሒ ተማሓደርቲ ብዘይ ገለ ጸገም ንጌጋ ክነቅፉ ከም ዘኽእሎም
  • መቃርብ ኣማሓዳሪ ኣብ ናይ ሕጊ ምኽባር ቀዳሞትን ኣብነትን ክኾኑ  ከምዝግባእ
  • ሕጊ ንኹሉ ብማዕረ ዝርእይን ሓይሊ ዘለዎ ክኸውን ከምዘለዎ

 

ኣብ 5ይ  ክፋል  የራኽበና

ምስ ሰናይ ትምኒት

AAHafiz ()

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT