Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ን 37 ዓመታት ፕረዚደንት ዚምባብወ ኮይኑ ዝገዝአ ሮበርት ሙጋበ ካብ ስልጣን ወሪዱ።

ን 37 ዓመታት ፕረዚደንት ዚምባብወ ኮይኑ ዝገዝአ ወዲ 93 ዓመት ሮበርት ሙጋበ ካብ ስልጣን ብወለንትኡ ከምዝወረደ ኣፈኛ ፓርላማ `ታ ሃገር ድሕሪ ምግላጹ፡ ህዝቢ ዚምባብወ ኣብ ጎደናታት ዋና ከተማ ሃራረ ሓጎሱ ይገልጽ ኣሎ ። ሮበርት ሙጋበ፡ ኣብ

ን 37 ዓመታት ፕረዚደንት ዚምባብወ ኮይኑ ዝገዝአ ወዲ 93 ዓመት ሮበርት ሙጋበ ካብ ስልጣን ብወለንትኡ ከምዝወረደ ኣፈኛ ፓርላማ `ታ ሃገር ድሕሪ ምግላጹ፡ ህዝቢ ዚምባብወ ኣብ ጎደናታት ዋና ከተማ ሃራረ ሓጎሱ ይገልጽ ኣሎ ።

ሮበርት ሙጋበ፡ ኣብ ዚምባብወ ሓጎጽጎጽ ዘይብሉ ምስግጋር ስልጣን ንኽህሉ ነቲ ውሳኔ ብወለንታኡ ከምዝወሰዶ ኣብቲ ሎሚ ዝጸሓፎ ሓጺር ደብዳበ ይገልጽ።

ይኹን`ምበር ቅድሚ ትማሊ ኣብ ቴለቭዥን `ታ ሃገር ብኣካል ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ህዝቢ ዚምባብወ ዝጽበዮ ዝነበረ ስልጣን ናይ ምልቃቕ ውሳኔ ብዘይምውሳዱ ህዝቢ ቁጥዐኡ ክገልጽ ከሎ፡ ፓርላማ እቲ ሃገር ከሲሱ ካብ ስልጣን ናይ ምውራዱ መስርሕ ጀሚሩ ከምዝወዓለ ይፍለጥ።

ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከናት ዜና ዚምባብወ፡ እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብሮበርት ሙጋበ ካብ ስልጣኑ ተባሪሩ ዝነበረ ምኽትል ፕረዚደንት ነበር ኢመርሰን ምናንጋግዋ ከም መራሒ `ታ ሃገር ክትክኦ ምዃንይ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ Zanu-PF ገሊጹ `ሎ።

ብቕንዱ እቲ ሮበርት ሙጋበ ንብዓልቲ ቤቱ ግሬስ ሙጋበ ስልጣኑ ንምስግጋር ኣብ ልዕሊ ኢመርሰን ምናንጋግዋ ዝወሰዶ ናይ ምብራር ስጉምቲ እዩ ነቲ ኣብ ዚምባብወ ተኸሲቱ ዝቐነየ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣበጊሱዎ።

ሮበርት ሙጋበ ኣብ ቤተመንግስቱ ከም መራሒ ክመውት እምበር ብኸምዚ ዝኣመሰለ መንገዲ ስልጣኑ ክለቅቕ ትጽቢት `ኳ እንተዘይነበረ፡ ድሕሪ `ቲ ባዕሉ ዝቐስቀሶ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሰራዊት ዚምባብወ ብስወሰዶ ስጉምትን ናይ ህዝቢ ጸቕጥን እዩ ካብ ስልጣን ክወርድ ተገዲዱ።

ብኣንጻር ናይቲ ኣብ ሊብያ ይኹን ዒራቕ ዝተራእየ ክፉእ መወዳእታ መራሕቲ፡ እቲ ኣብ ዚምባብወ ዝተኻየደ ምስርሕ ምውራድ ሮበርት ሙጋበ ፍሉይ ጠባይ ከምዝነበሮ ዝጠቐሱ ተዓዘብቲ፡ ኣብ ቅድሚ `ቲ ሮበርት ሙጋበ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ዘርኣዮ ጭካነን ኣብታ ሃገር ዘውረዶ ቁጠባዊ ዕንወትን ህዝቢ ዚንባብወ ብርጉእን ልዙብን መስርሕ ነቲ ን37 ዓመት ዚገዝኦም መራሒ ብምእላዮም ኣድናቖቶም ገሊጾም።

ኣብዚ ሰዓት`ዚ ህዝቢ ዚምባብወ፡ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ካልኣይ ናጽነት ከምዝረኸበ ሓጎሱ ብሳዕስዒትን ጭደራን ይገልጽ ኣሎ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT