Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ምስ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ቦምባ ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ምክትል ኮምሽነር ፖሊስ ዝርከቦም 9 ኣባላት ፖሊስ ተታሒዞም ኣብ መርመራ ከምዝርከቡ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጸን።

ትማሊ ቀዳም 23 ሰነ፡ ንሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ምስ ዘጋጠመ ህይወት ናይ ሓደ ሰብ ኣጥፊኡ ልዕሊ 150 ዘቑሰለ መጥቃዕቲ ቦምባ ኢድ ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት፡ ምክትል ኮምሽነር ፖሊስ ዝርከቦም

ትማሊ ቀዳም 23 ሰነ፡ ንሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ምስ ዘጋጠመ ህይወት ናይ ሓደ ሰብ ኣጥፊኡ ልዕሊ 150 ዘቑሰለ መጥቃዕቲ ቦምባ ኢድ ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት፡ ምክትል ኮምሽነር ፖሊስ ዝርከቦም 9 ኣባላት ፖሊስ ተታሒዞም ኣብ መርመራ ከምዝርከቡ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት ገሊጸን።

ሽዱሽተ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም ይምርመሩ ከምዘለዉ ው`ን ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነቲ ደገፉ ንምግላጽ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝተኣከበ ህዝቢ ዝሃቦ ቃል ፈጺሙ ንህዝቢ ሰላምታ ብምሃብ እናኣመስገነ ከሎ እዩ ኣጋጢሙ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ድሕሪ`ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቴለቭዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ናይ ቡምባ መጥቃዕቲ ሓድነት ኢትዮጵያ ብዘይደልዩ ሓይልታት ዝተኣልመ ውዲት ከምዝኾነ ኣገንዚቡ። እቲ ተግባር ናይ ስዕረት ምልከት ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጀሚሩዎ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ጽገናታት ከምዝቕጽሎ ኣረጋጊጹ።

ቴቴቪዥን ኢትዮጵያ ከምዝገለጸቶ፡ 1ይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ምክትሉ ደመቀ መኮነንን፡ 86 ካብቶም ጉዱኣት ተዓቚቦምሉ ናብ ዝነበሩ ጥቁር ኣምበሳ ሆስፒታል በጺሖም ነቶም ቁሱላት ኣጸናኒዖም።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብዚ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸገናታት እተካየደሉ ዘላ እዋን ናዕብን ውከትን ቦታ ከምዘይብሉ ምግላጹ `ውን ሮይተርስ ሓቢሩ።

For up-to-date news and current affairs SUBSCRIBE to ASSENNA NEWS channel

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT