Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንላዘብ

ንላዘብ     ንላዘብ ንህላወና ኣሕዋት፡ ልብና ከፊትና ብቅንዕና ብሓባር ክንጓዓዝ ከነጽብቦ ፍልልያትና መኣዲ ዘተዩ እንኮ መሰረት ሓድነትና ጽልኢ ወጊዱ ዘዕንብቦ ንልቦና ንፍቅርና። ንላዘብ ደቂ መሬት ኢና ሓቢርና መስዋእቲ ዝኸፊልና፡ ኣብ ቤትና ኣባይ ከይኣትወና ሰላምና ከይዘርገልና ሎሚ ንሕሰብ ንከባበር ናይ መጻኢ ወለዶና ነበር ከይንኸውን

ንላዘብ  

 

ንላዘብ ንህላወና ኣሕዋት፡ ልብና ከፊትና ብቅንዕና

ብሓባር ክንጓዓዝ ከነጽብቦ ፍልልያትና

መኣዲ ዘተዩ እንኮ መሰረት ሓድነትና

ጽልኢ ወጊዱ ዘዕንብቦ ንልቦና ንፍቅርና።

ንላዘብ ደቂ መሬት ኢና ሓቢርና መስዋእቲ ዝኸፊልና፡

ኣብ ቤትና ኣባይ ከይኣትወና ሰላምና ከይዘርገልና

ሎሚ ንሕሰብ ንከባበር ናይ መጻኢ ወለዶና

ነበር ከይንኸውን ብዘይ ሃገር መንነትና ኣጥፊእና።

 

ንላዘብ ከም ደቂ ሓንቲ’ደ ራህዋ ክሰፍን

ፍርሒ ተወጊዱ ህዝብና ክቀስን

ደቂ መሬት ተኣኪብና ንኽብርና ንወስን

ድሕሪ ሰብ ከይንተርፍ ብዘይ ሕማም ከይንማስን።

 

ንላዘብ ንስለ ፍትሒ መስዋእቲ ንኽፈል

ክርዳድ ይተኣረ ዘራጊቶ ገፈል

ንሃገር ዝጣበቅ ይኽበር ሞሳ ይከፈል

ኩሉ ዜጋ ይወሃቦ ማዕረ መሰል።

 

ንላዘብ ክሳብ መኣስ ኢና ክብሪ ሰብ ክንሕረም

ኣብ ዘይወግሕ ለይቲ ኣብ ጸልማት ክንጽመም

ልብና ብሕሙሙ ነውሪ’ዩ ጋማ ሓጎስ ክንዕመም

ዘይንምሃር ካብ ሕሉፍ ዘይንሓስብ ክልተ ግዜ ስቃይ ህዝብና ከኸትም።

 

ንላዘብ መንግስቲ ስኢንና ሃገርና ካብ ኢድና ከይትሞልቆና

ኣብ ዓዘቅቲ ከይንኣቱ ኣንፈትና ስሒትና

ብሕማቅ ተግባርና ደቅና ከይከሱና ከይክዕቡና

ብፍርሒ ተዋሒጥና ኣይንጣላዕ ብመንነትና ንጽናዕ ኣብ መትከልና።

ንላዘብ ኣሕዋት ሓንቲ’ያ ህይወትና ዘይትግዛእ ብገንዘብ

ብዛዕባ ጽባሕ ሎሚ ሃዲእና ንሕሰብ

ፈታዊ እንከለና ምስ ቀታሊና ከይንዓርኽ ከይንዋሰብ

ምስ ሃብትና ገላዩ ከይንኸውን ምስ ጓና ከይንዕሰብ።

 

ንላዘብ ኣሕዋት ንማጎት ብህላወ ኤርትራ

ንቀበል ንተግብር ናይ ስውኣት ሓደራ

መጻወቲ ከይትኸውን ሃገር ከይበዝሕ ዝደፍራ

ሕጊ ኣልቦ ከይትኸውን ናይ ጎሓላሉ ስፍራ።

 

ንላዘብ ንሓድሕድና ብጉዳይና ጓና ከይሓወስና

ብስምረት ንሕና ጥራይ ኢና ፈታሕቲ ሽግርና የለን ዝዓግተና

ኣየድልየናን መንጎኛ፡ እንከለና ሰብ ስረ ልቦና ዝዓጠቅና

ብቁዓት ኢና ነብስና ዝኸኣልና ብመንፍዓትና ወነንቲ ዓወትና።

 

ንላዘብ ብእዋኑ ዘርእና ከይጠፍአ ክየርከበ ጸልማት

ሕሰምና ከብቅዕ ከይንብል ከልበትበት ኣብ ደልሃመት

መንነትና ከይዝኽትም ከይሃድም ናይ ቤትና በረኸት

መርሓባ ንበሎ ነዚ ሓድሽ ዓመት ብጻዕርና ክንጭብጥ ዓወት።

 

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 2 ጥሪ 2019

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT