Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንህዝቢ ኤርትራ ተንብዕ ዘለኻ፡ ኣብ ፍርዲ ምስ ቀረብካ መልሲ ክህልወካ ኣለዎ

ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ መንግስቲ ቦታ ስለዘይብሉን ኤርትራ ብውልቀ መላኺ ስርዓት ትድሰቅ ስለዘላን፡ ሕሰምን ውድቀትን ህዝቢ ኤርትራ “ብዘይካ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ዝሕተትን ሓላፍነት ዝወስድን ጉጅለ ወይ ውልቀሰብ የለን” ዝብል እምነት ኣለዎም። ብኣንጻሩ ካልኦት ሰባት፡

ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ መንግስቲ ቦታ ስለዘይብሉን ኤርትራ ብውልቀ መላኺ ስርዓት ትድሰቅ ስለዘላን፡ ሕሰምን ውድቀትን ህዝቢ ኤርትራ “ብዘይካ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ዝሕተትን ሓላፍነት ዝወስድን ጉጅለ ወይ ውልቀሰብ የለን” ዝብል እምነት ኣለዎም። ብኣንጻሩ ካልኦት ሰባት፡ “ኣይፋል! ዝባን መንግስቲ” ብምባል፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣቦ መንበር ናይቶም ህዝቢ ኤርትራ ዘንብዑን ዘሳቅዩን ምዃኖም ዘየጠራጥር’ኳ እንተኾነ፡ ብዙሓት ብገበን ዝሕተቱ ኢደበዛን ፈተውቲ ነብሶምን ከምዘለዉ ምጉቶም የቅርቡ። ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ፈጸምቲ መዘና ዘይብሉ ዕንወትን ጥዒምዎም ዝሓድሩን ሒደት’ኳ እንተኾኑ፡ ግዳያት ህልቂት፡ ጥሜትን ስቃይን ግን ሚልዮናት ከምዝኾኑ ዘማትእ ኣይኮነን። እቶም ተግበርቲ እከይ ውጥናት መላኺ ኢሳያስ ንገዛእ ርእሶም፡ ደረጃን መንቀልን ገበኖም ሓደ ኣይኮነን። ገለ ፈጸምቲ ገበን ብፍላጥ፡ ብነብሰ ፍትወትን ብረብሓን፡ ካልኦት ድማ ተታሊሎምም፡ ርዒዶም፡ ንኽነብሩን ምርጫ ስኢኖምን ዝተባህልዎ ክፍጽሙ ስለዘለዎም’ዮም። ይዕበ ይንኣስ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝብና በደል ዝፍጸም ድማ፡ ኣብ ህይወት’ቲ ግዳይ ኣሉታዊ ስምብራት ከምዘለዎ ፍሉጥ’ዩ። ብሕጋዊ ኣሰራርሓ፡ ዝኾነ ሰብ ክሳብ ናይ እምነትን ክሕደትን ቃል ዝህብን መርትዖታት ቀሪብሉ ብቤት ፍርዲ ውሳኔ ዝወሃቦ፡ ከም ገበነኛ ክቁጸር ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ሕጊ ቀሪቡ   ጭብጥታት ገበኑ ምስተገልጸሉ ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ገበነኛ ከምዝኾነ ምስተረጋገጸ ግን፡ ተሓታቲ ናይ ኩሉ ተግባራቱ ንሱ’ዩ። ተኸሲስካ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ደው ምስበልካ፡ መሰላት ካልኦት ረጊጽካ ዘርባዕባዕን ቀምሽ ኣደይ ዓንቂፉንን ቦታ የብሉን። ኣብ ኤርትራ፡ ሰባት ካብ ምዝንጣል፡ ምእሳር፡ ሰብኣዊ ክብሮም ምሕራም፡ ንብረቶም ምዝራፍ፡ ሰባት ምንጋድ፡ ክሳብ ምቅታል፡ ንኽትሰምዖ ዘስደምም በብዓይነቱ ገበናት ይፍጸም ኣሎ። ሓደ ሓደ እዋን፡ ኣፍና ዝሃበና፡ ብስምዒትን ቤላበልውን፡ ንገለ ሰባት ብዘይ ዳኛ ብገበን ንፈርዶም ኢና። ንኻልኦት ሰባት ድማ ኣበር ከምዘይብሎም ሓራ ነውጽኦም ኢና። ንምዃኑ ኣብ ስርዓት ህግደፍ፡ መን’ዩ ገበነኛ መን’ዩ’ኸ ካብ ገበን ሓራ? መን’ዩ’ኸ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ፡ ነብስኻ ፈትሽ ዝብል መዓልቲ ኑዛዜ ምስ መጸ፡ ንነብሱ ካብ ገበን ሓራ ንምውጻእ ብቁዕ መከላኸሊ መልሲ ዘለዎ?

እዞም ብስም ካቢነ ሚኒስተራትዝጽውዑን ኢሳያስ ኣብ ዝባረኾ ዛዕባ ዝዛረቡን ኣብ ዝወሰኖ ግዜ ዝእከቡን ሰበስልጣን ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ምውሳንን ምትግባርን ሃገራዊ መደባት ተራ ኣይነበረናን፡ ገባርን ሓዳግን ኢሳያስዩ፡ ንፈልጦ ጉዳይ የለን ኢሎም ካብ ተሓታትነት ከምልጡን ከም ጲላጦስ ሕጹባት ኣእዳው ክኾኑ’ዮም ዝደልዩ። ብተግባር ግን፡ እዞም ኣብ ዘቀመጥካዮም ዝጸንሑ ኣውያት ህዝቦም ጸማም እዝኒ ሂቦም ዘለዉ ሚኒስተራት፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ኤርትራ ሰላም ዝሰፈናን ኣብ ጎደና ምዕባለ ትጓዝ ዘላን ሃገር፡ እዚ ተሰሪሑ፡ ዓለም ዘርያትናን መንእሰያትና ክስደዱ ኣስዲዓትልናን፡ ህዝብና ሓንቂቁዝብሉ ሓሶታትን ጸብጻባትን ብዘይ ተቃውሞ ክቅብልዎ እንከለው፡ ካብ ተሓታትነት ክምልጡ ኣይክእሉን’ዮም። መላኺኢሳያስ ሂብዎም ዘሎ መዓርግ ብግቡእ ይስርሕሉ ኣይስርሕሉ፡ መሰል ህዝቢ ክረግጹ ድዮም ወይ ክሕልዉ ዝጥቀምሉ ንጉድኒ ገዲፍካ፡ ዘለዎም ናይ ሚኒስተር ወይ ናይ ጀነራል ሓላፍነት ቀሲንኩም ሕደሩ ዝብሎም ኣይኮነን። ንኣብነት ሚኒስተር ፍትሒ ፎዝያ ሃሽም፡ ኣብ ሕብረተሰብና ፍትሕን ማዕርነትን ክነግስ፡ ክንዲ እምባ ተኺሎ ዝኸውን ሓላፍነት ተሰኪማ ክንሳ፡ ብዘይ ፍርዲ ዝቅተል፡ ዝእሰር፡ ንብረቱ ዝምንዛዕ፡ ፍትሒ ዝሕረም ኤርትራዊ፡ መዓልታዊ ጥርዓናትን መረረን ህዝቢ እናተቀበለት እንከላ፡ “እዚ ኹሉ ገበን ክፍጸም ኣበይ ኔርኪ” ዝብል ሕቶ ምስቀረበላ ኣይፈለጥኩን፡ ኣይሰማዕኩን ክትብል መን ይኣምናን ብኸመይ ካብ ገበን ተምልጥን? ብተመሳሳሊ፡ ሚኒስተር ማዕድንን ጽዓትን ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ እናተጓሕጉሐ፡ ብትካላት ወጻኢ እናተወርሰን ኣብ ጁባ ውልቀሰባትን ጉሓላሉን እናኣተወን እንከሎ፡ እቲ ብዓሰርተ ኣጻብዕቱ ዝኸተመሉ ምስጢራዊ ውዕላት በየናይ መምዘኒ’ዩ ኣሉ ቀጣን ክብሎ? ካብ ጀነራል ፍሊጶስ ክሳብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓለፍቲ ጸጥታን ፖሊስን፡ ኣዴታትና ኣናንብዑ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እናኣጋፍዑ፡ ብሰደፍ ጠበንጃን ኩርማጅን እናተቀጥቀጡ፡ ሓረስቶትን ነጋዶን ሰሪሖም ደቆም ከየዕብዩ ኣብያተ ንግዶም እናተዓጽወን ዓያዪ ጉልበት ኣብ ውትህድርጽና እናቆረኑን፡ እከይ ተግባሮም ብኸመይ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክሓብእዎ ይሓልሙ? ኣእዳዎም ብደም ጨቅዩን ዝተመራስሐ ታሪኽ ከምዘለዎምን ክስቆርም ይግባእ። ኣብ ክንዲ ብኣጸያፍን ኣረሜናውን ተግባራትካ ምስ ሕልናኻ እናተራገምካ ዕድሜኻ ምቁጻር፡ ንሕድሪ ዝሃበካ ህዝብኻ ምብዳልን ሕማቅ ስም ምትራፍን፡ ዘምሕረልካን ዘሐብነካን ታሪኽ ምፍጻምን ዝበደልካዮ ሕዝብኻ ምኽሓስን እቅረ ምባልን’ዩ እቲ እንኮ ምርጫ። እቲ ነባሪ ቅሳነት ዝህብ ቆራጽ ስጉምቲ፡ በጃ ውጹዕ ምውፋይን ታሪኽ ምስራሕን’ዩ። ገበን ምፍጻምካ ከይኣክል፡ ህዝብኻ ክጭፍጨፍ እንከሎ ኣበይ ኔርካ ወይ እንታይ ትባቁጥ ኔርካ ተባሂልካ ብቁዕ መልሲ ዘይትህብ እንተኾይንካ ናይ ታሪኽ ሓተላ ኢኻ ትቁጸር።

እዞም ሎሚ ኣብ ጎድኒ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኮይኖም ስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ዘብእሱ ዘለዉ ሚኒስተራት፡ ጀነራላት፡ ሓለፍቲ ስለያን ጸጥታን ካልኦት ሕቡኣንን፡ መዘናታቶምን መጋድልቶምን ዝጠለሙ፡ ክርሸኑን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክበልዩን ብፍትወተ ነብስን ምጅጃውን ስቅታ ዝመረጹ’ዮም። ስድራቤት ናይቶም ሕግን ፍትሕን ይንገስ ኢሎም ንሓቂ ደው ዝበሉን ኣፎም ዝኸፈቱን ዜጋታት፡ መጽለሊ፡ እኽለማይን ወለዶምን ስኢኖምን ዘኽቲሞምን ይነብሩ ኣለው። ኣብ ኤርትራ፡ ስድራ ስውኣትን መሰል ዜጋታት ዝተጣበቁን፡ ብኽቱር ድኽነት ናብ ለማኖ ተቀይሮም ኣብ ጎደናታት፡ ቆሎ፡ ሽጋራን እንጌራን ብሕቡእ ኣናሸጡ ዝነብሩ ምርኣይ ልሙድ’ዩ። ብኣንጻሩ፡ እሙናትን መዳኸርትን ስርዓት ህግደፍ ብምዃኖም፡ ናጻ መዛወሪት ማኪና፡ ዝተመርጸ መንበሪ ገዛ፡ ንግዳዊ ንጥፈታትን ብዘይ ሓታቲ ካብን ናብን ኤርትራ ክንቀሳቀሱ፡ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናጻ ኮይኖም፡ ንመምሃርን መሐከምን መገሽን ብኣሽሓት ዶላራት ይዘርዉ። እዞም ዝበልዕዎ ጻሕሊ ዝሰብሩ ረሳዕቲ፡ ደቂ ስውኣትን ግዳይ ማእሰርትን ቅንጸላን ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝተቀዝፉን ብጓሂ ዝሞቱን ስነስርዓት ቀብሪ ክካፈሉን ጽንዓት ይሃብኩም ክብሉን’ውን ሕልናን ዒብን ኣይገበሩን። እቲ ብውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ መቅሽሽ ክድዓቶምን ጥልመቶምን ዝወሃቦም ዘሎ ጉንዖታት ግን ግዝያዊ’ዩ። ንሶም’ውን ንውሱን ዓመታት ደም ንጹሃት እናሰተዩ ብዘይቅሱን ሕልና ክጸንሑ ይኽእሉ’ዮም፡ ነበርቲ ግን ኣይኮኑን። ናይ ግዜ ጉዳይ እምበር፡ ንኹሉ መወዳእታ ኣለዎ። ብፍላይ ብህዝቢ ዝተፈንፈነ ስርዓት ህግደፍ፡ ከም ከልቢ ዝብላዕ ስጋ እናኣኾለሰ ከደናግር ኣይነብርን’ዩ። እዞም ብዛዕባ ሎሚ’ምበር ብዛዕባ ጽባሕ ክሓስቡ ኣእምሮ ዘይተዓደሎም የማናይ ኢድ ስርዓት ህግደፍ፡ ጸበባ ኣኸቲሙ መሬት ምስ ርሃወ፡ እቲ ክሳብ መላኺ ኢሳያስ ነበር ዝኸውን ዝረኽብዎ ዘለዉ ሓለፋታት ኣይክህሉን’ዩ። ሓተላን ነውራም ታሪኾምን ግን ንውሉድ ወለዶ ክዝከር’ዩ፡፡ ኣብ ጸሊም መዝገብ ታሪኽ ህዝብና ክሰፍር’ዩ። ንስድራቤቶምን ደቆምን ድማ፡ እቲ ብስቃይን ንብዓትን ህዝቢ ኤርትራ ዘሕለፍዎ ምቾት፡ ዘኻዕበትዎን ዕልዒሊቶም ዘርጎዱሉን ንብረት፡ ደም ክተኽለሎምን ንመዋእል ከሳቅዮምን እምበር፡ ካብ ክሲ ክጣበቀሎምን ካብ ውርደት ከድሕኖምን ኣይክእልን’ዩ። መዓልቲ ፍርዲ ምስ መጸት ጣዕሳን ቀልባዕባዕን ድማ ትርጉም የብሉን፡፡ እቲ ዝበለጸ ግዜ ሕጂ’ዩ፡ ተባዕ ስጉምቲ ምውሳድን ዘምሕረልካ ታሪኽ ምፍጻ

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 19 ለካቲት 2018

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde February 20, 2018

    Temptation is the devils lethal tool,it was used in the garden of Eden early against Adam,the tyrant is utilizing it today against weak hearts by handing out villas,SUV’S,women,alcohol,and mesaref to individuals who have never seen this staff in their life and they are willing to do anything including kill their brothers and sisters for sustenance of the invaluable benefits.It is a backward,rotten,cannibalistic system with the carnivore at helm steering it to destination unknown.Thanks Tsilal.

POST A COMMENT