Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንህዝቢ ኤርትራ ቅሳነት ዝኸልእ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ምዕባለታት

ንህዝቢ ኤርትራ ቅሳነት ዝኸልእ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ምዕባለታት   ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣቶ ኢሳያስ ሓሚሙ፡ ተውጺዑ፡ አረ ሞይቱ እዩ ዝብሉ ወረታት ክነፍሱ ወሪሖም እዮም። ከምዚ ዝኣምሰሉ መሰረተ-ኣልቦ ናይ ሓሶት ወረታት ክዝርግሑ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾኖም እቲ ኣብ ሃገርና ስልጣን

ንህዝቢ ኤርትራ ቅሳነት ዝኸልእ

ሓዲሽ ፖለቲካዊ ምዕባለታት

 

ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣቶ ኢሳያስ ሓሚሙ፡ ተውጺዑ፡ አረ ሞይቱ እዩ ዝብሉ ወረታት ክነፍሱ ወሪሖም እዮም። ከምዚ ዝኣምሰሉ መሰረተ-ኣልቦ ናይ ሓሶት ወረታት ክዝርግሑ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾኖም እቲ ኣብ ሃገርና ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወልቀ-መላኺ ስርዓትን ምስጢራዊ ኣሰራርሕኡን እዮም። ኣብ ውሽጢ ሃገርና ናይ ኣሰራርሓ ግሉጽነት ስለዘየለን፡ ናጻ ናይ ዜና ማዕከናት ስለዘየለዋን፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ርጉጽነት ናይቲ ወረ ምጽራይ (verify) ስለ ዘይክኣል፡ ህዝቢ ኣብ በላበለው ሓሸውየ ዓዘቕቲ እዩ ዝጥሕል። ብተወሳኺ፡ ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ስርዓት ኮራኹሩ ኣዋፊሩ ኮነ እሉ ናይ ሓሶት ወረ ፈንዩ፡ ብኣእምሮን ግዜን እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ክጻወት ድሕር ከምዘይብል ክዝንጋዕ የብሉን። ነተን ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ ልሳን ህዝቢ ኮይነን ዘገልግላ ዘልዋ ማዕከናት ዜና፡ መፈንጥራ ኣጻዊዱ ሓቂ መሲልወን ኣሚነን ከቃልሕኦ’ሞ፡ ብድሕሪኡ ኩሉ ሰብ ሓሶት’ዩ ኣመለን፡ ሓሰውቲ’የን ኢሉ መታን ከይስዕበን እዩ።  እቲ ስርዓት ንገዛእ ርእሱ ግን፡ ይውሓድ ይብዛሕ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ብሻቕሎት ክሕመስ ይኹን ብኣጉል ተስፋ ክሰራሰር ከሎ ኣጽቂጡ ምቕናዩ ቅንጣብ ሕልዮት ህዝቢ ከምዘይብሉ ተወሳኺ መርትዖ እዩ። ስለዚ ኩለን ማሕበራዊ መድያታትን ማዕከናት ዜናን ሓፋሽ ህዝብን ካብ ዝሓለፈ ተሞኩሮ ተማሂርና፡ ፋይዳ ወይ ረብሓ ዘይብሉ ዘይተረጋገጸ ወረ ካብ ምርባሕ ንቆጠብ። እዚ ኩሉ ኣጠቓሊልካን ጸሚቕካን ክርአ ከሎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ቅሳነት ዝኸልኡ ፍጻሜታት እዮም።

 

እቲ ዘይቅዱስ ምስጢሩ ዘይተቀልዐ ምሕዝነት ኢሳያስን ኣቢይን ንጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ወጥርን ግጭትን የማእዝነን ኣሎ። ኢሳያስ ብምስሉን ምስሊ ስርዓቱን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዶር ኣቢይ ዝምራሕ ጨፍላቒ ስርዓት ክተከል ኣበርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ። ኢሳያስ ኣብ መጀመርያ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ከም ዝተዓዘብናዮ፡ “ኣብ ኢትይጵያ ዝርአ ምዕባለታት ስዓት ብስዓት ክንከታተሎ ኣለናኢድና ኣጣሚርና ንርእዮ ጉዳይ ኣይኮነን” ከምዝበለ ንዝክሮ ሓቂ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስቱ ብሄራውን ሕብረ-ብሄራውን ምትፍናንን ምንቛትን ሳዕቤን ናይቲ “ብጸቢብ ጃንዳ ወያነ ንህዝቢ ምብትታን ተባሂሉ ረቂቑ ዝጸደቖ ቅዋም እዩ” ከም ዝበለ ንዘክር። “ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ሕርያ ብስለት የለን“፡ ኣቢይ ጥራይ ኢዩ ብቆራጽነት ዝሰርሕ ዘሎ ዝበሎን፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሕጂ ምርጫ ንምንታይ ኣድለየ ዝበሎን ደሚርካ ንብርክትዝበሉ ኢትዮጵያውያን ኣቖጢዑ ከምዝነበረ መርትዖ ዘየድልዮ ሓቂ እዩ። “ኢድካ ኣክብ፡ ኣእዳውካ ከይቅርሰማ” ዝብል ግብረ-መልሲ ዝሃቡ ኢትዮጵያውያን ነይሮም እዮም። እዚ ኩሉ ጠብሎቕሎቕ ኢሳያስ ናብ ምርጻምን ግጭትን ዘምርሕ ንህዝቢ ኤርትራ ቅሳነት ዝኸልእ ፍጻሜታት እዩ።

 

እቲ ኢሳያስ ሽዑ ዝኣጎዶ ሓዊ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ርሱን ኣካታዒ ኣርእስታት ኮይኑ፡ ንምንታይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘይሕጋዊ ሰልፊ ብልጽግና ብዘይኣገባብን ሕጋዊ ሰረትን ናይ ምርጫ ግዜ ኣናዊሑ? ቅድሚ ምርጫ ምግባሩ ስለምንታይ ምምሕያሽን ቅዋም ኣድለየ? ዝብሉ ኣካታዕቲ ሕቶታት ይልዓሉ ኣለዉ። እቲ ናይ ትማሊ ፍቕርን ሰላምን ምድማርን ኣንዳሰበኸ፡ ሃዋርያ ሰላም መሲሉ ንዓለም ዘታለለ ዶር ኣቢይ፡ ሎሚ ኣነ ዝበልኩዎ ዘይቅበሉ ወይለኦም ኣብ ልዕሊኦም ተረር ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ኣይንብልን ኢና እንዳበለ ክፍክር ይስማዕ ኣሎ። “ዝብእስ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ” ከም ዝብሃል፡ ከም መምህሩን መኻሪ ኣይኡን ኢሳያስ ንፖለቲካዊ ተቓወምቱ ብወግዒ ከፈራርህ ይስማዕ ኣሎ። ብተምሳል ኤርትራ ክትጥፍጠፍ ጀሚራ ኣብ ዘላ ኢትዮጵያ፡ እቲ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ቅዋማ ፈደራልዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ጻዕረ-ሞት ይርከብ። ጽዋእ ናይቲ ዝበርዓነ ቅዋም ኤርትራ የንጸላልዎ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ ገለ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኦሮምን ኣምሓራን ትግራይን ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ወገን ክኣ ብኣቢይ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግናን ደገፍቱን ምትፍናንን ምፍጣጥን ተኸሲቱ ኣሎ። ካብዚ ንላዕሊ’ውን ብወያነ ሓርነት ትግራይ ዝምራሕ ክልል ትግራይ፡ ነቲ ናይ ምርጫ ሽማግለ ዘሕለፎ ምንዋሕ ግዜ ምርጫ ዝምልከት ውሳኔ ነጺጉ ናይ ክልሉ ምርጫ ከካይድ ወሲኑ’ሎ። ኣቶ ኢሳያስ ኢዱ ዝሓወሰሉ ዘበለ ጉዳይ ኩኩ ቅሳነት ከይረክብ ዝተኾነነ እዩ።

 

ኲንታት ኢትዮጵያ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራኸ እንታይ እዩ ነጸብራቑን ሳዕቤናቱን ዝብል ሕቶ ከልዕል ብህርያዊ እዩ። እቲ ጉዳይ ካብ ዙርያ ሸርሕን ተንኮላትን ኢሳያስን ኣቢይን ዝነቐለ ስለዝኾነ፡ ኣብ ድልዮቶምን ዕላምኦን ዘተኮረ ምርመራን ፍተሻን ክካይድ ይግባእ። ብናተይ ርዲኢት፡ ዶር ኣቢይ ኣብ ኢትዮጵያ ብተምሳል ኤርትራ ጨፍላቒ ኣሃዳዊ ስርዓት ማእከላይ መንግስቲ ምትካል ዕላምኡ ምዃኑ ዕግበት ኣሎኒ። እቲ ስዒቡ ዝልዓል ሕቶ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስከ እንታይ እዩ ረብሑኡን ዕላምኡን? ዝብል እዩ ዝኸውን። ብናታይ መረዳእታ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጽሑፋተይ ዘስፈርክዎ ኣብ ክልተ ጉዳያት እዩ ዝጠቓለል፥

 

  1. ዕላምኡ ንኤርትራ ኣድኪኻን ኣንበርኪኽካን ብዓመጽ ከም ገጸ-በረከት ንኢትዮጵያ ምርካብ እዩ
  2. ውልቃዊ ረብሑ ድማ፡ ዕድመ-ስልጣኑ ኣናዊሑ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣልሒቑ ካብ ቁጥዓን ተሓታትነትን ህዝቢ ንምህዳምን ክሳዱ ንምድሓንን እዩ

 

ኣብዚ ላዕሊ ተጥቒሱ ዘሎ መስርሕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጭቆኑኡን ድኽነቱን ከይኣኽሎ፡ በጃ ሓድነት ዓባይ ኢትዮጵያ ክገብሮ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጲያ ነቚቱ ” ካብ ሞቕሎ ናብ ጓህሪ” ከምዝብሃል፡ ደም ደቁ ከም ደም ከልቢ ክፍስስ እዩ “ኢድና ኣጣሚርና ኣይንርእን ኢና” ዝበሎ። “ኣይበልዐ ኣይሰተ ጎንደር ከይዱ ሞተ” ከምዝተባህለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ሰራዊት ኤርትራ፡ ትካላት ድሕንነት ኤርትራ፡ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ መራሕቲ ሃይማኖታት ኤርትራ፡ ንህዝብና ኣብዘይ ጉዳዩ ረጽምን ወግእን ዘእቱ ትእዛዛትን ምምርሒታትን ከዳዕን ጠላምን ኢስያስ ብሓባር ክትነጽጉዎ ይግባእ። ሰበ-ስልጣናት ኤርትራ፡ ምልኪ ኢሳያስ ንምንዋሐን ሓድነት ኢትዮጵያ ንርግጋጽን ዝተሃንደሰ ሸርሒ ብቖራጽነት ብንቕሓት ከፍሽልዎ ይግባእ። ዓቕሚ እንተድኣ ሃልዩና፡ ነቲ ከቢዱና ዘሎ ኣርዑት ጭቆና ውልቀመላኺ ኢሳያስ ነውርዶ ንሓምሽሾ

 

ንድሕሪት ተመሊስና ብመራሕቲ ኢትዮጵያ ንብዙሕ ወሎዶታት ዝፈሰስ ደም ህዝብናን ዝዓነወ ሃገርናን ዝቦኸረ ዕድላትናን ንዘክር። ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ብመደብን መትከልን ዕላማን፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ደም ህዝቢ ዘፍሰሰ፡ ብዘይ ፍርዲ ዝሞቐሐ፡ ህዝቢ ንድኽነትን ስእነትን ዘቃልዐ ፡ መንእሰያት ተጓሕጒሖም ህዝቦምን ሃገሮምን ራሕሪሖም ክነፍጹ ዝገብረ፡ ንነፍሱ ልዕሊ ሕጊ ዝቖጸራ ደመኛ መራሒ ምዃኑ ይሰቆረና።  ስለዚ ህዝብና ምእንቲ ሓድነት ጨፍላቒት ኢትዮጵያን፡ ምንዋሕ ዕድመስልጣን ደመኛ ኢሳያስን ክስዋእ፡ በጃ ክሓልፍ ስቕ ኢልካ ምዕዛብ፡ ምድግጋፍ ወይ ነጢፍካ ምስታፍ ታሪኻዊ ገበን እዩ

 

ካልእ ልዑል ኣቓልቦ ክግበረሉ ዝግባእ ክኣ፡ ተራን ሓልፍነትን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝነብሩ ምሁራት ኤርትራውያን ዜጋታት እዩ። ሓደ ካብቶም ኣብ ዘመና ብሂወት ዘለዉ ብሉጻት ዝብሃሉ ምሁራት/ሊቃውንቲ፡ ብዛዕባ ሓላፍነት ምሁራት ኣብ ሕብረተ-ሰብ፡ ኖኣም ቾምስኪ (Noam Chomsky) ዝተባህለ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ተቓላሳይ ኣመሪካዊ ሊቕ፡ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡” It is the responsibility of intellectuals to speak the truth and expose lies”. ብዝቐረበ ትርጉሙ፡ “ሓቂ ምዝራብን ሓሶት ምቅላዕን ሓላፍነት ምሁራት እዩ“። ስለዚ ኤርትራውያን ምሁራት ብሓደ ሸነኽ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ኣብ መሬት ዘሎ ክውንነትን

ጭብጥታትን ሓቂታትን ከምኡ ድማ ንምረትን ድኽነትን ጭቆናን ዝምልከት ክዛረቡ’ዩ ህዝቢ ትጽቢት ዝገብረሎም ዘሎ። በቲ ካልእ ሸንኽ ክኣ  ሓሶትን ምትላልን ግልቡብ ሽርሕታት ኢሳያስን ኣቢይን ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውክል ከቃልዑ ትጽቢት ይግበረሎም። ኣካይዳ ኢሳያስን ኣቢይን ውዒሉ ሓዲሩ ንልዕላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ተኽእሎ ከምዘሎ ከጋልጹን ከቃልዑን ሓላፍነቶም እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቅን ሓሶትን ኣነጺርካን ፈላሊኻን ንህዝቢ ኤርትራ ምንጋርን ምቅላዕን ታሪኻዊ ተራን ሓልፍነትን ምሁራት እዩ። ውዓል ሕደር ዘየፍቅድ፡ ከም ምሁራት ተጠርኒፍካን ተወዲብካን ሓደ ኣፍ ኮይንካ፡ ብሓደ ድምጺ ዝዕመም ስራሕ እዩ። ህልኽን ምጉጅጃልን ስሰዐ ስልጣን፡ ዝና ምድላይ ወጊድ ንበሎም።  ሓድነትና ውሕስና ልዑላዊት ሃገርናን መንነትናን እዩ። ወገነይ ወገንካ ድማ በንጻሩ ጥፍኣት ሃገርን ምሕካኽ መንነትን እዩ።

ኣብዚ ጽንኩር እዋን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ስለዘለና ክኣ፡ ካብዚ ወሪዱ ዘሎ ምዓት’ዚ ንምድሓን ካብ ንነብረሉ ኣህጉራት መራሕትን ናይ ሕክምና ክኢላታትን ዝዋሃበና መምርሒታትን ምዕዶታትን እንዳተኸተልና ዝክኣለና ምክልኻል ክንገበር እላቦ። ልዑል ኣምላኽ ንህዝብናን ሃገርናን ይባርኽን የድሕንን። ኣምላኽ ንዓለም ይታዓረቃ ምሕረቱ ድማ ይኣዝዝ።

 

ዝኽሪ ንስውኣትና

ልዑላውነት ኤርትራ ንዘልኣላም

 

ገብረየሱስ ወልደሚካኤል

ካብ  ሕ.መ. ኣ

yakobe@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • ወዲ ሃገር May 11, 2020

    “ህልኽን ምጉጅጃልን ስሰዐ ስልጣን፡ ዝና ምድላይ ወጊድ ንበሎም። ሓድነትና ውሕስና ልዑላዊት ሃገርናን መንነትናን እዩ። ወገነይ ወገንካ ድማ በንጻሩ ጥፍኣት ሃገርን ምሕካኽ መንነትን እዩ።”

    ገብረየሱስ ወልደሚካኤል
    ካብ ሕ.መ. ኣ
    –———-

    እዘን ብወርቃዊ ቀለም ክጻሓፋ ዝግበአን ቃላት ፥ ኣቀዲም ኣቢልና ሰሚዕናየን ወይ እልናየን እንተ ንኽውን ሎሚ ኣብ ኣብዚ ዘለናዮ ጸገም ኣይምሃለናን ።
    እቲ ብድሕሪ ናጽነት ዝሳዓበ ፥ ብዘይካና (ህ.ግ.) ኣብዛ ሃገር ቦታ የብሎምን ኣብ ዝብል ኣቀያሚ ፖሊቲካ ዝተመስረተ በደላት ፥ ኣማስዩኡ ንኹልና እኳ እንተ ኣራኻኸበልና ፥ ዝገደፎ ስምብራት ግን ክሳብ ሎሚ ኣሎ።

  • ወዲ ሃገር May 11, 2020

    ኣብ እትዮጵያ እንታይ እዩ ዝኾውን ዘሎ ?
    ስርዓት እሰያስን ዶ. ኣብይን እንታይ እዮም ዝገብሩ ዘለዉ ?

    ስርዓት ህግደፍ ፥ ኣብ እትዮጵያ ምስቲ ንዶ. ኣብይ ዝድግፍ ሓይልታት ዝገብሮ ዘሎ ምሕዝነት ቀጻልነት ዘሎዎ ኣይኮነን ። ብወያነ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ድሕሪ ምፍራሱ ፥ ገለ ካብቶም ካብ ደገ ዝተመልሱ ሓይልታት ፥ ፈደራላዊ ስርዓት ኣብ ዝታሓተ ደረጃ ንሙውራዱ ዝተሰማመዑ ይመስሉ። ፈደራላዊ ስርዓት ፥ ብኣሃዳዊ ማእከላይ መንግስቲ ምትኩኡ ከምዘይካኣል ግን ንሶምውን ዝሳማሙዑሉ ጉዳይ እዩ።
    ስለዚ እቲ ናይ ወያነ ክሲ ወይ ስግኣት ፥ ክምቲ ንሶም ዝብሉዎ ዲዩ ወይስ ካልእ ሸነኻት ኣሎዎ ምስቱውዓል ኣድላይ እዩ።
    ስለዚ “ክልላት” ክፈርሳ እየን ዝብል ስግኣት የለን።
    ማዕረ ክንደይ ስልጣን ክህሉወን እዩ ፥ እዩ እቲ ሕቶ ።
    ወያኔ ምስ ካልኦት ሓይልታት ዘለዋ ፍልልይ ፥ ናይ ኣይድዮሎጂ ጉዳይ ውን ኣሎ ። ኣብ ናይ ኮሙኒስት ስነ-ሓሳብ ዝቆመ ፖሊቲካዊ ስርዓት ኣሎዎም ። ኣብ ትግራይ ፖሊቲካዊ ቡዙሕነት ፥ ህዝቢ ንምዕሻዉ ዝጥቀሙለን ጉጂለታት ሓዲግካ ፥ ኣብ ተግባር ፉቁድ ኣይኮነን።
    ምስ ወያነ ክወዳደሩ ዝደልዩ ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ታዓቂቦም ኣሎዉ ። ጸረ “ሊበራልስም” ዝገብሩዎ ዘመተ ዉሑድ ኣይኮነን።
    ስለዚ ፥ ኣብ ሞንጎ ብልጽግና ፓርቲን ወያነን ዘሎ ፍልልያት ፥ ግድን ንሓደ ሸነኽ ፍትሓዊ ፥ ነቲ ሓደ ድማ ምልካዊ ዝገብሮ ኣይኮነን።
    ግን ብቀጻሊ ፥ ናበይ የብል ኣሎ ፥ ምክትታልን ምርዳእን ኣገዳሲ እዩ።

  • Woldegabriel May 11, 2020

    Selam Gebreyesus Weldemichael,
    I read your article on ” the new political developments that disturbs the tranquility (K’ sanet) of the Eritrean people”. I am amazed – N’ mkuanu H’ zbi Eritrea K’ sanet rekibu Y’ felt’ dyu? Aykesernan! H’ zbi Eritrean Ethiopian Hadi’ you! Dr. Abiy M’ rhana E’ ka! Ezi kulu H’ zbi Eritrea M’ tsnatn minbirkakn Z’ tegebre wudit N’ mtay Alama Y’ mesleka?. The punch line of your article is more on the looming civil war in Ethiopia rather than concern on the Eritrean people. Apparently, you tend to write off Eritrea and concerned on saving Ethiopia. You blatantly said “A’ kmi entedea halyuna….. N’ isayas newrdo n’ hamshisho” . That sentence alone tells a lot about you. You doubt or undermine the Eritrean people determination, resilience, national pride and identity.
    Of course I do not underestimate the implications of the current political deadlock to Eritrea, especially with the imposter’ s erratic meddling in the internal affairs of other sovereign nations. For us Eritreans, the hard fact remains that we should clean our house first. In geometry, the straight line is the shortest distance between two points.

  • ዳግማይ ትንሳኤ ኤሬ May 14, 2020

    እቲ ዝግበር ዘሎ ይግበር አሎ!!ነቲ ዝግበር ዘሎ መልሱ እንታይ ይኹን ወይ ድማ ነቲ
    ዝግበር ዘሎንኸይግበር እንታይ ንግበር
    ዝብል አብ ነፍስወከፍ አእምሮ ወዲሀገር
    ከቃጭል ይግባእ::: ንሳቶም እቲ ክገብርዎ
    ዝደለይዎ ንኸሳልጡ ይጏየዩ አለው::
    ንሕና’ኸ ንኸይገብሩ ክንዓግቶምን ቅድሚ
    ምግባሮምን ከንፍሽሎምን ከነበርዕኖም
    ድልዋት ዲና::

POST A COMMENT