Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ሓድነት ዑደት ኣብ ስካንድነቭያ ብ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) 14 ታሕሳስ 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • fkri November 27, 2013

    Ahwat,
    Don’t concentrate on Wedi Vacaro but on the points he is raising! not on the “person” but the idea he is bringing!
    I like his “Unity” mission he is preaching…whether it achieves its goal of changing the regime or not is another issue!!
    Tebraek wedi Vacaro sleti senay tebegiso!

  • Mesinas November 27, 2013

    ወዲ ቫካሮ!

    ኣንታ ዘይትሕለል ተወልደ ቫካሮ
    ሽግር ናይዚ ህዝቢ ዕምሩ ከተሕጽሮ
    ንውልቀ መላኺ ፈቲንካ ክትመኽሮ
    ኣይመስለንን ግና እዚ ዕቡይ ዚስቆሮ
    ነዚ ህዝብኻ’ሞ ኣብ ሓደ ጥመሮ
    ንድሕነት ሃገሩ ክልዓል ምኸሮ!

    እቲ ኣብ ኩሉ ዘሎ ስውር ዘይርአ
    ህዝቢ ከይጸንት ብኸንቱ እናጠፍአ
    ካብ ማእከል’ዚ *ማይቤት ሕሩይ ካብ ቀብአ *ደቂ ሓደ ዘርኢ
    ሃዋርያ ሓርነት ቅንዕናኻ ይርአ!

    ሽግር መከራና ኣዕሚቚካ ንምቕባር
    ሓድነት ዓጢቕካ ነቕ ዘይብል ኣጽዋር
    ፋሕ ዝበለ ህዝቢ ኣብ ሓደ ንምጥማር
    ጉዕዞኻ ጀሚርካ ኣንታ ውፉይ *በሃር! *ኣርሓ ሓርማዝ

    ‘ልበይ ዝምነዮ ኩሉ እናወነንኩ
    ምስቶም ሚኒስተራት ዊስኪ እናጨለጥኩ
    ምስቶም ጀነራላት’ወ እምባሕ እናበልኩ
    እንታይ ክምልእ’የ ኣነ እተቓወምኩ!?’

    ኣይበልካን ዶክተረይ ውፉይ ወዲ ህዝቢ
    ‘ካብ ውልቃዊ ሃብቲ ድሕነት ሃገር ይዓቢ
    ምስ’ዞም ሰተይቲ ደም ኣይጽይቕን እምቢ
    ንስድራ ስውኣት ክኸፍል’የ ዓስቢ’
    ኢልካ ተበጊስካ ኣንታ ጻዕራም ንህቢ!

    ትማሊውን እኮ ምስ ህግደፍ ከለኻ
    ሃገርካ ክትሃንጽ ንዕብየት ህዝብኻ
    ብዘይተጉላባነት ዘውፈርካ ሃብትኻ
    *ኣርካን ወዲ ህዝቢ ቀደምካ ኣቦ ድኻ! *ክቡርን ሕፉርን ሰብ

    ወነንቲ ሆቴላት ንብረትና ከይበልኩም
    ንጉጅለ ህግደፍ ዓገብ እናበልኩም፡
    ገለ ግን ኣለና መረባዕ ክንሕሉ
    ነዚ ኣጽናቲ ስርዓት ጌና ንሰግደሉ!

    ኣንታ ንብረት ደኣ ናበይ ከይከደና
    ዘይንሰምር ግዳ ንድሕነት ሃገርና
    *ዘላሚ ኣሊና ፍትሒ ምስ ኣንገስና *ረጋጺ፡ ጨቋኒ
    ጸሓይ ምስ በረቐት ክንውንኖ እንዲና!

    ሃየ ደኣ ንስመር ሃብቲ ሓላፋይ እዩ
    ብግፍዒ *ደማሒ ህዝቢ ተሳቕዩ *መላኺ
    ርድኡኒ እናበለ መቓልሕ ደሃዩ
    ጸማም እዝኒ ሂብካ ትም ኢልካ ምርኣዩ
    ነቲ ስውእ ጅግና ኣየቅስንን’ዩ!

    ክብርን መጐስን ነቶም ቃንዛ ህዝቦም ሰሚዖም፡ ውልቃዊ ረብሓኦም ይኹን ብጻዕሮም ዝመጸ ጸጋታቶም ወፊዮም፡ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቦም ብምስላፍ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ክቃለሱ ዝወሰኑ ተባዓትን ሰብ ሕልናን ዜጋታት’ዛ ሃገር ይኹን!

    ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

POST A COMMENT