Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ህዝቢ ኣኼባ ንፖለቲካዊ ሰሚናር NRW ኣብ ከተማ ኮለን (Köln)።

  ዝኸበርኩምን/ክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ደለይቲ ለውጢ ንደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ …! እቲ ኣብ 2014 ዓ.ም.ፈ. ዝተመረጸ ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንደሞክራሲያዊ ልውጢ ኣብ ኤርትራ ካብ NRW ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2014ዓ.ም.ፈ. ግዜኡ ኣብቒዑ ነይሩ እዩ፡ ብመገዲ

 

ዝኸበርኩምን/ክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ደለይቲ ለውጢ ንደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ …! እቲ ኣብ 2014 ዓ.ም.ፈ. ዝተመረጸ ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንደሞክራሲያዊ ልውጢ ኣብ ኤርትራ ካብ NRW ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2014ዓ.ም.ፈ. ግዜኡ ኣብቒዑ ነይሩ እዩ፡ ብመገዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምንቅስቃስ፡ ብሓድሽ ሽማግለ ክትካእ ነይርዎ። ኮይኑ ግን ብሰንኪ ዝተፈላለየ ተክኒካዊ ምኽንያተት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ጉባኤ ክግበር ስለዘይተኻኣለ፡ እነሆ ሕጂ፡ ድሕሪ ሳልሳይ ዓመት ሽማግለ ምንቅስቃስ፡ ንቀዳም ዕለት 04. 02. 2017. ዓ.ም.ፈ.፡ ሰፊሕ ሳፊሕ ጉባኤ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ክግበር፡ ተዳልዩ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ዛዕባታት ናይዚ ጉባኤ እዚ፡ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቂሱ ዘሎ ይመስል።

  1. ብቐዳምነት ኩሉ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ንጥፈታት ከም ጸብጻብ ክቀርብ እዩ።
  2. ካብዚ ቐጺሉ፡ እዛ ን-3. ዓመት ዘገልገለት ሽማግለ ወሪዳ፡ ብሓዳሽ ሽማግለ ክትትካእ፡ ምርጫ ክካየድ እዩ።
  3. ክሳብ ሕጂ ዝተገበረ ምዕባለ ተገምጊሙ፡ ድሕሪ ሕጂ ክታኣታቶ ዘለዎ ሓድሽ ምዕባሌታት እንተልዩ፡ ንዘተ ክቀርብ እዩ።

ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ፡ ነዚ ጉባኤ ከዳሉ፣ ህዝቢ ክዕድም፣ ዘገደዶ ምኽንያት፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ዘቅረቦም ትሕዝቶ ኮይኖም፡ ንኽሉ ወዲ ሃገር ርሑስ ባዓል ሓድሽ ዓመት እንዳበለ፡ እዛ ዓመት እዚኣ፡ ን-ኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝብና፡ ካብ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ዝጋላገለላ፣ ኣብ ሰላምን ቅሳነት ዝኣትወላ፣ ሕሱም ናብራ ህዝብና ዘብቃዓላ፣ ዓመት ክትከውን ንምነ። ብተወሳኺ ካኣ፡ ተኻፈልቲ ናይዚ ኣኼባ‘ዚ ክትኮኑ/ኮና ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ NRW ብኽብሪ ትዕድም።

 

□ እዚ ፖለቲካዊ ሰሚናር ዝግበረሉ ማዓልት፣ ዝጅምረሉ ሳዓት፡ ዝግበረሉ ቦታ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

► ማዓልቲ፤ ቀዳም ዕለት 04. 02. 2017.ዓ.ም.ፈ.፤

► ግዜ፤ ሳዓት 15፡00 ድሕሪ ቀትሪ ይጅምር፤

► ኣድራሻ፤ Fliehkraft – Kölner Flüchtlingszentrum

► Turmstrasse. 3 – 5

► 50733 Köln – Nippes

► 2. Etage

 

ብዳሓን ምጽኡ/ኣ።

ካብ ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ NRW

መደበር Köln: 20. 01. 2017.

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT