Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኅልና

ኅልና ፍሥፍሐየ መብራህቱ ኅልና- ተጸኒሳ እትሕረስ ተወሊዳ እትዓቢ ተዀስኵሳ እትፈሪ ከም ዓይኒ-ማይ እትዛሪ ምስ ኣኸለት እትናቢ ብርግጽያ ህያብ ረቢ። ህላዌኣ - ረቃቕ እያ ዘይትርአ ዓቲርካያ ዘይትጭበጥ ስኢንካያ ዘይትቕበጽ ተቐቢራ ዘይተጽቅጥ ርሻን ኮይና ዘተቕበጥብጥ እርንብቲ’ያ ረዛን ቀጥዐ ዘይትውሓጥ ብስስዐ። ብባህረታ- ነእምሮና ዝተመኖ ከም ወርቂ’ያ እትመዝኖ ካብ ልሳንና ዚዛረየ መትረብ እያ ሰልኵ መስኖ ኣብ ልባትና ዝተኣልከ ተዓብዒቡ ዚጠጀአ ዓፍዓፍ ኢሉ ዝገንፈለ መዅባዕቲ’ያ

ኅልና

ፍሥፍሐየ መብራህቱ

ኅልና-

ተጸኒሳ እትሕረስ

ተወሊዳ እትዓቢ

ተዀስኵሳ እትፈሪ

ከም ዓይኒ-ማይ እትዛሪ

ምስ ኣኸለት እትናቢ

ብርግጽያ ህያብ ረቢ።

ህላዌኣ –

ረቃቕ እያ ዘይትርአ

ዓቲርካያ ዘይትጭበጥ

ስኢንካያ ዘይትቕበጽ

ተቐቢራ ዘይተጽቅጥ

ርሻን ኮይና ዘተቕበጥብጥ

እርንብቲ’ያ ረዛን ቀጥዐ

ዘይትውሓጥ ብስስዐ።

ብባህረታ-

ነእምሮና ዝተመኖ

ከም ወርቂ’ያ እትመዝኖ

ካብ ልሳንና ዚዛረየ

መትረብ እያ ሰልኵ መስኖ

ኣብ ልባትና ዝተኣልከ

ተዓብዒቡ ዚጠጀአ

ዓፍዓፍ ኢሉ ዝገንፈለ

መዅባዕቲ’ያ ጸባብ መንፊት

ጸጸሚቛ ትዕቅኖ

ዕሽነትና ዚበተኖ

ትእክቦ ኣብ ማዕከና’ያ ትኸድኖ።

ግንከ –

ቀናእ እያ ተኣናፊት

ረኻሲት’ያ ተኣፋፊት

ሓማሚት’ያ መዋቲት

ካብ ልባትና’ውን በራሲት፡

እንተዓጸናላ ኣባይትና

ምኻዳ’ዩ ክትርሕቕ ሃዲማ

ስግረ-ዶብ ከም ዓለማ

ክተሰፍር’ያ ዓዲ ጓና

ነዊሑዋ መንብሮ ዝኽተማ

መስትያትና መርኣይ ገጽና

ፋኑስ ጸልማት መብራህትና

ብዘይ ብኣስ ናበይ ገጽና?

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT