Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር: ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ” – መርገም’ዶ ምርቓ ?

"ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር: ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ"  - መርገም’ዶ ምርቓ ?   ሎም ቅነ "ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ" ዝብል መሰደመም ካባና ካብ ወገን ደለይቲ ፍትሒ ሰሚዕና:: ብላዕሊ ላዕሊ ንዝርእይ እዚ ብህሎ:  መርገም ድዩ ምርቓ ግር ከብሎ

“ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር: ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ”  – መርገም’ዶ ምርቓ ?

 

ሎም ቅነ “ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ” ዝብል መሰደመም ካባና ካብ ወገን ደለይቲ ፍትሒ ሰሚዕና:: ብላዕሊ ላዕሊ ንዝርእይ እዚ ብህሎ:  መርገም ድዩ ምርቓ ግር ከብሎ ይኽእል ይኸውን:: ህግ ማለት እቲ ኤርትራ ኣብ 1991 ካብ መግዛእቲ ክትወጽእ እንከላ: ከም ኣብ ቅድድም ጉያ ሪለይ ነታ በትሪ ሒዙ መስመር ዓወት ዝረገጸ ትካል’ዩ:: ከም ቅድድም ጉያ ሪለይ ማለት ግን ቅድሚኡ ካልኦት ነይሮም ማለት’ዩ:: ህግ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ከም ትካል ካብ ዝተቐልቀለሉ: ካብ ፈለማ 70ታት ክሳብ ሕጂ: ብመንነትን በተሓሳስባን እናተለዋወጠ ክመጽእ ጸኒሑ:: ብርግጽ ኣብዚ ነዊሕ እዋንን: ተለዋዋጢ ባህርያትን: ገለ ኣወንታ ዝጥቀስ ታሪኽ ክህልዎ ይኽእል ይኸውን:: ማዕረኡ ብኣሉታ ዝዝከረሉ ታሪኽ’ውን ኣለዎ:: ስለዚ ንሓደ ኣብ ህግ ኢድ ዘይነበሮ ኤርትራዊ ውልቀሰብ ታሪኽካ ንሱ’ዩ ክትብሎ እንከለኻ: ነቲ ኣወንታ ርእዩ ክሕጎስ: ወይ ነቲ ገበናቱ ርእዩ ክሳቐቕ ስለዝኽእል: እቲ ብህሎ ‘ኣይመርገም ኣይምርቓ’ ክመስል ይኽእል ይኸውን::

 

ክንዮ ዚ ጥርጥርን ግን: ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ እዚ ትካል ምስ ንምልከት:: ፈለማ ካብ ውጹእ ዴሳዊን ማሕበርነታዊ ትካል ናብ “ሓውሲ ብዕዳጋ ዝምራሕ ኣተሓሳስባ” ትካል: ክልወጥ ፈተነ:: እዚ ኣይተዓወተን ጥራሕ ዘይኮነ: እቲ ፈተነ ብቕኑዕ ልቢ ድዩ ነይሩ ኣይነበረን ዘጠራጥር ብዙሕ ትዕዝብትታት አሎ:: እዚ ትካል: መንበረ መንግስትነት ምስ ሓዘ ግን: ሚዛን ክብረት-ሰብን ኣጉዲሉ: ጻማ ስርሖም: ወተሃደራውያን ሓለቓታቶም ዝበልዑዎ: ካብ ባሮት 18 ክፍለዘመን ዘይሓይሽ ናብራ ዘሕልፉ ‘ኣገልግሎት’ ቀንዲ ምርኩሱ ገይሩ ክኽይድ ስለዝጀመረ: ካብ ስርዓት ዕዳጋን ጎደና ሓርነትን  መገዲ-ዘመናት ከምዝተፈልየ መረጋገጺ ኣይትደልየሉን::

መገዲ ዴስነት ከይትብሎ’ውን: ውጹእ ዘይተሸፋፈነ ‘ደው በለለይ ክብለጸልካ’ ኣካይዳ ስለዝመረጸ: ዴስነት’ውን ኣይኮነን::  ኣብዚ ዳሕረዋይ እዋኑ’ሞ: ሹመኛታቱ ኣብ ቀጸላታት መንግስቲ ደይቦም ምውራድ ስለዝኣበዩ: ኣብ ዘመን ገድሊ ዝተጠርየ ግና’ኸ ተዶጒሉ ዝጸንሐ ስምዒታት በለጽን: ሰበይ ሰብካ: ብላዕን ጉቦን ጸምበለል ኢሉ: እቲ ትካልን እቲ መንግስነትን ብኸምኡ እናተማእዘነ ክኸይድ ስለ ዝጀመረ: ናብ ዘመናዊ ልብሲ ዘለዎ መስፍናዊ ኣተሓሳስባ ዝመርሖ ድሑርን ግዝይኡ ዝሓለፎን (expired) ትካል ተቐዪሩ እዩ::

 

ስለምንታይ ሃገር ብውድብ ትዕየር

በዚ ድማ: ነቲ ጥምዓዊ ኣቀራርባ ገዲፉ: ኣዕሚቑ ክርእይ ዝደሊ: እዚ ኣበሃህላ ሕቶታት ክፈጥረሉ ግድን ይኸውን:: ስለምንታይ ሃገር ብውድብ ትዕየር ኢሉ ይሓትት:: “ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር: ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ” ማለትሲ እንታይ ቁንቁኛ ዩ ዘለዎ? ህግ ታሪኽ ክገብር እንከሎ: ዓለም ብዓባያ: ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ኣብ ደውታ (pause) ኢዩ ነይሩ ማለት’ዶ ይኸውን? ወይሲ: ህግ ከም ጸሓይ: እቶም ዝተረፉ ኣካላት ህዝቢ ኤርትራ ድማ: ከም ፕላነት ኣብ ዓንኬሉ ንዘውር ስለዝነበርና ‘ኸውን? ብመሰረቱ እዚ ኣዘራርባ: ነቲ “ጽቡቕ” ዝበሃል እናዘከርካ ንተጋደልቲ ህግ-ነበር ንምኽሳብ ከም ዝበሃል ዝጠፍኦ የለን: ግናሲ: ኣብቲ “ጽቡቕ” ዝበሃል እዋን: ብመሓውራት ህግ ህይወቱ ዝሓለፈ ስለዘሎስ: ነዚ ብጥርኑፍ ክነመጉሶ ዝድለ ዘሎ ትካል: ብዛዕባ ዝጠፍአ ትንፋስን ስቓይን ብጥርኑፍ ሓላፍነት ክነስከሞ’ኸ ንኽእል’ዶ ንኸውን:? ንገበን – ንፈጸምቱ ምስ ካልኦት ሓዊስካ – ብጥርኑፍ ንጉጅለ ሓላፍነት ከተሰክም ጌጋ እንተኾይኑ (ከምኡ’ዩ ድማ) ብጥርኑፍ ወደሳ’ኸ እንታይ መለሳ ኣለዎ? ወይሲ እቶም ዝተሳቐዩን ትንፋሶም ዝሓለፈትን ብህዝቢ ኤርትራ እዮም ተፈሪዶም እዩ ዝበሃለና ዘሎ?

 

ሕጊ ውርሻ

ከም ኣብ ሕጊ ውርሻ ዘሎ ቀዳማይ ኣምር እምበኣር: ወራሲ ክወርስን ዘይክወርስን እምበር እንታይ ከም ዝወርስ ክመርጽ ኣይክእልን’ዩ:: እቲ ንብረትን ገንዘብን ወለዱ ክወርስ ዝደሊ: ዕዳን ለቕሓን እንተለዎም’ውን ምስኡ’ዩ ዝወርሶ:: ውርሻ ታሪኽ ድማ ከምኡ’ዩ:: እቲ ንነብሱ ምስ ታሪኽ ህዝባዊ ህግ ከተኣሳስራ ዝደሊ ምርጭኡ’ዩ:: ኣወራርሳ ክመርጽ ምስ ዝፍትን ግን: ወይ ድማ ንታሪኻት ምቅንጻላት: ቅትለታትን: ፈተነ ቅትለታትን: ሓለዋ ሰውራታትን: ሕቡኣት ሰልፍታትን: ሽበራን ራዕዲ መሳኺን ህዝብን ተጋደልቲን: ተሓሲሙ: ኣንጸባረቕቲ ዝብሃሉ ጥራሕ ክወርስ ዝፍትን: ታሪኽ ዘይኮነ ባዶ ፕሮፓጋንዳ’ዩ ክወርስ ዝፍትን ዘሎ – እዚ’ውን ምርጭኡ’ዩ:: እጀታና ግን: ህዝቢ ጌጋ ሓበሬታ ከይረክብ: ምክልኻል ክሳብ ዝኾነ ዓገብ ክንብሎ ግቡእ እዩ::

 

ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ግን ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ጥራሕ’ዩ

ታሪኽ ዝኾነ ህዝቢ: ብታሪኽ ዝኾነ ውድብ/ማሕበር ኣይትርጎምን ዩ:: ታሪኽ ኣመሪካ ብታሪኽ ሪፓብሊካን ወይ ደሞክራት ዘይኮነ ብታሪኽ ኣመሪካውያን ይፍለጥ – ኩሉ እቲ ክፉእን እቲ ጽቡቕን:: ታሪኽ እስራኤል: ታሪኽ ሊኩድ ወይ ካዲማ ወይ ታሪኽ ጉጅለታት ኢርጉን ወይ ለሒ አይኮነን:: ታሪኽ እስራኤል ታሪኽ ህዝቢ እስራኤል’ዩ – ኩሉ እቲ ክፉእን እቲ ጽቡቕን:: ታሪኽ ብመግዛእቲ ዝሰክሓ ሃገራት ብታሪኽ ገዛእተን: ወይ’ውን ብታሪኽ ኣብ መወዳእታ መድረኽ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ጸብለል ኢሉ ዝወጸ ኣይትርጎምን:: ኤርትራ ካብዚ ኣረኣእያ ፍልይቲ ኣይኮነትን::

 

ስለዚ: ይሕመቕ ይጸብቕ ካልእ ኣርእስቲ ኮይኑ: “ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ግን ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ጥራሕ’ዩ::” ህዝቢ ኤርትራ: ቅድሚ ህግ ሃለዋትን ታሪኽን ነይሩዎ’ዩ:: ህግ ኣብ ዘለወሉ እዋን’ውን ካብ ታሪኽ ህግ ዝዓቢ ተወሳኺ ታሪኽ ነይሩዎን ኣለዎን:: ድሕሪ ሕልፈት ህግ ‘ውን እቲ ህዝቢ ከም ህዝቢ ክቕጽል ዩ: ስለዚ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ክህልዎ’ዩ::  እምበር’ከ ኣበየናይ ሃገርን ቦታን’ዩ: ታሪኽ ሚእቲ ሽሕ ዘይበጽሑ: ንታሪኽ ዝያዳ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝኾኑ ዝዕብልል?

 

ወፍሪ  ንታሪኻዊ ተቐባልነት

እዚ ኣብላዕሊ እተጠቕሰ: ትርጉምን ደረትን ታሪኽ ሃገር ብታሪኽ ሓደ ውድብ ግን: ዘይመስል ስለዝኾነ ጥራሕ ኣይፍተንን’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን:: ኣብ ብዙሓት ሃገራት ይፍተን:: ብፍላይ ኣብቶም ስልጣን ክግብቱ ዝደልዩ ይፍተን:: ኣብ ኤርትራ: እዚ ፈተነ: ናይቶም ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብታሪኽ ህግ ክትርጉምዎ ሓኾት ዝብሉን: ንሳ ምስ ሰለጠት: ዋናታት ህግ ኮይኖም ብምቕራብ ንኻልኦት ኣግሊሎም: ዋናታትን በዓል ቤትን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ክኾኑ ዝፍትኑ: በዚ ድማ ንስልጣኖም ታሪኻዊ ተቐባልነት (legitimacy ) ከላብስዎ ዝፍትኑ: ንዝመጎቶም ናብቲ ንሶም ታሪኽ ዝብልዎ ዛንታ በይኖም እናመልከቱ “ኣበይ ኔርካ?” ክብሉ ዝደልዩ ይፍተን:: ኣብ ዛንትኦም ዘይተዋስአ: ዘይኤርትራዊ ክገብሩዎ ይደናደኑ:: እዚ ግን: ሓደ ስልጣን “መሰሉን: መሰል በይኑን” ትመስሎ መላኺ: ታሪኻዊ ተቐባልነቱ ንሓፋሽ ኸውሕጥ ዝደሊ ዝኽተሎ ደርሆ ጻሕቲራ ትረኽቦ ዓቕሊ ጽበታዊ ሃለውለው’ዩ::

 

ንእግረ መንገድና

ንእግረ መንገድና: ጸገንቲ’ውን ኣብዚ ድምር’ዚ እዮም ዝኣትዉ:: ምኽናያቱ: እቲ ውድብ ከም ውድብ ብጹእ’ዩ ዝብል መረዳእታ ስለዘቐድሙ: ቃልሶም ነቲ ናይ ሎም ‘ወናኒ ውድብ’ ዓልዮም ንባዕሎም ዋናታት ንምዃን ጥራሕ’ዩ:: ቃልስን ንነብስና ዘይኮነስ ንህዝቢ ዋና ታሪኽ ህግ ክንገብሮ ኢዩ እንተበሉ’ውን: በዚ ኣበሃህላ እዚ ዘዋስንዎም ብዙሓት ኤርትራውያን ወገናት ከምዘለው ኣይንረስዕ:: እዚ’ዩ: እቲ ላሕ ዘበለና ኣካይዳ:: ንስልጣን ክንዲ ብመጎትን ሓቅን ቅንዕናን ናጻ ክትዕን ምርጫን ምድላያ: ዘይመስልን ዘይኮነን ዝተለባበጠ ታሪኽ ኣውሒጥካ ንመጻኢት መንበርካ መገዲ ምጥጣሕ:: “ታሪኽ ህግ ታሪኽ ኤርትራ’ዩ” ዝብል: ብዘየወላውል: ምስ ኣውሓጡኻ: ጽንሕ ኢሎም: “ንሕናስ ኣብቲ ብጹእ ህግ ኔርና: ንስኻ’ኸ?” ንኽብሉ ዘጣጥሑዎ መንገዲ’ዩ:: ‘ኣይነበርኩን’ ምስ በልካ ካብ ሜዳ ታሪኽ ኤርትራ ተባሪርካ ኣለኻ:: ንህግ ከይሰገድካ ድማ ኣይትምለሶን ኢኻ:: እቲ ካብ ታሪኽ ዘሳጎገካ: ካብ ፓለቲካው ህይወት ውን ከምዘባርረካ ዘይምዝንጋዕ::

 

ውድብ ብውልቀ ሰባት ዝቖመ ትካል’ዩ

ህግ ውድብ ‘ዩ:: ውድብ ወይ ማሕበር ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ተሰኪሙ ዝኸይድ ብውልቀ ሰባት ዝቖመ ትካል’ዩ:: እዚ ትካል ነቶም ዘቖምዎ ኣካላትን ኣተሓሳስብኦምን ከንጸባርቕ ይኽእል ይኸውን:: ንሃገር ምሉእ ክውክል ይፍትን’ውን ይኸውን:: ስለዝፈተነ ወይ ስለዝደለየ ወይ ስለዝመሰሎ ወይ ካልኦት ስለዝመሰሎም ግን ይውክል ማለት ኣይኮነን:: እነህለና እንዶ ደው ኢልና ኣይውክለናን’ዩ ንብል:: ሎም’ሞ ንሕና’ኳ ንበዝሕ:: እሞ እቶም ከምኡ ንብል: “ጉሰምዎ ወይ ታሪኽ ኤርትራ ኣይምልከተኩምን” ዲዩ ዝበሃል ዘሎ? እንታዋይዩ’ኸ ዝያዳና ኤርትራዊ ኮይኑስ “ነዚ እንተዘይኣሚንኩም” ኢሉ ዘጓጥጥ?

 

ዘይሕከኽ ታሪኽ

እዚ ማለት ግን ስለ ህዝቢ ዝተጋደለን: ካልእ ሰናይ ተግባር ዝገበረን ውልቀሰብ: ኣብ ህግ ይንበር: ኣብ ጀብሃ ወይ ኣብ ካልእ: ብገዛእ ታሪኹ ክኸብር ኣይግባእን ማለት ኣይኮነን:: ክኸብር ንቡርን ግቡእን እዩ:: ንሱ ኣብ ዝነበረ ውድብ ይንበር ዝሕከኽ ክብሪ ኣይኮነን:: ጉዳይ ዓማጺ ድማ ከምኡ’ዩ: በደላት ዓመጹ: ኣብ ዝነበረ ውድብ ይንበር ዝሕከኽ ኣይኮነን:: ክፉእ ውልቃዊ ባህርያቱ ታሪኹን መጋረጃ ‘ከይድፈራ – ከይንቀፋ’ ዝበሃለለን ውደባታትን ትካላትን ሸፋፊኑ: ወደሳ ክምእርር ዝወፍር ግን እቲ ብታሪኽ ገዛእ ርእሱ ዘይተኣማመን ብሕልኽላኽ (complexity) እተጠቕዐ ጥራሕ’ዩ:: እዚ ኣብ ከም ህግ ዝኣመሰለ ፓለቲካዊ ውደባ ይኹን ኣብ ካልኦት ናይ ሰብኣውያን መሰላትን ናይ መድያ ትካላትን ሓቂ ዩ:: ኣብ ደምበ ፍትሒ እዚ ዓይነት ኣቀራርባ ንጹግ ክኸውን ይግብኦ::

 

ክግታእ ዘለዎ ዕብዳን

ኣብ ሞንጎና: ካባና: ግን ከምዚታት ዕነ ዘረባ ካብ ካድረታት ህግ ለቓቒሙ: ‘ተረካብ ዘረባ’ ኮይናትለይ ኢሉ:  ከይመርመረ ዝደግም ተልመዴን ፓለቲከኛ ግን: እዚ ኣብ ሞንጎ ታሪኽን: ጽውጽዋይን ዘሎ ፍልልይ ክሳብ ዝበርሃሉ: ልቡ ርኢኻ ነቲ ውልቀሰብ ሸለል ምባሉ: ንፍረ ዘረብኡ’ውን ዋጋ ዘይምሃብ:: እቲ ዝብሎ ግጉይ ኣተሓሳስባ ሱር ከይሰድድ ግን ርትዓዊ መጎት ኣቕሪብካ ምውዳቑ ኣገዳሲ’ዩ::

 

Biko

February 19, 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • MAHMUD SALEH February 20, 2015

    ክቡር ጸሓፊ፡
    “ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር: ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ”
    እዚኣ ድያ ወይስ ተወሳኺት ኣላታ?
    ከም ዝርደኣኒ እዛ ጠቕሲ እዚኣ ካብ “ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር፡ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እዩ” ንላዕሊ ዝመጥጥ ሰበብ የብላን።
    ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ደኣ መን ክሕመለልካ ደሊኻ? ኢትዮጵያ? ኣመሪካ? ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ጥራይ እዩ ታሪኽ ኤርትራ ወይ ኤርትራ ብታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ጥራይ እያ ትግለጽ ኣየሰምዕን እዩ። ካብ ጀመርካዮ ክወደኣልካ፡-
    1. ጥንታዊ ታሪኽ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ኣሰራት ተበራረይቲ ገዛእቲ ታሪኽና እዩ። ታሪኽ ናይ 40ታት ሰልፍታት እንኮላይ ኣንድነትን ኣልራቢጣን ታሪኽ ኤርትራ እዩ።
    2. ታሪኽ ጃብሃ ዓባይ ምስ ኣወንትኡን ኣሉትኡን፡ ታሪኽ ኤርትራ እዩ።
    3. ታሪኽ ኮማንዲስን ናይ ቆላማ ማሕበራት ታሪኽና እዩ።
    4. ታሪኽ ህግ ምስ ኣሉትኡን ኣወንትኡን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
    ርኢኻ፡ ክፋል ናይ እኩብ ታሪኽና እዩ ዝብል ዘሎ እቲ ጠቕሲ። እቲ ቀንዲ መልእኽቲ፡-
    ታሪኽ ጸጸቡቑ ጥራይ ዝእክብ ሰነድ ኣይኮነን። ብውልቃዊ መንፊት ዝጻረ እውን ኣይኮነን። ታሪኽ ንእኩባትን ተመሳሰልትን ተደራረብትን ፍጻመታት ኣሳሲሩ ትርጉም ናይቲ ዝሰፍሐ ስእሊ ዝህበና እዩ። ገድሊ ኤርትራ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኮነ፡ ኩለን ንሓርነት ኤርትራ ዝተቓለሳ ውድባት ባእታታት(elements) ናይ ታሪኽ ኤርትራ እየን። ከም ሓደ ባእታ ድማ ታሪኽ ህግ ታሪኽና እዩ። ብዘይ ተሓኤ ህግ ክትብል ኣይትኽእልን፡ ብዘይ ህግ ድማ ኤርትራ ክትብል ኣሸጋሪ እዩ።
    ስለ’ዚ ሓውና፡ እታ ጠቕሲ ንባዕላ ጸገም የብላን። ተወሳኺ እንተላታት ደኣ ንገረና’ምበር። ወይ ድማ እቲ ቁንቁኛ ዝበልካዮ ኣብ ሓንጎልካ ከይህሉ ደኣ። ብዝኾነ እንታይ ማለት እዩ እቱ ኣዘራርባ? ህግ ኤርትራዊ ኣይኮነን እንተኮይኑ እቲ ነገር ብከምኡን ኣቐምጦ። ህግ ኤርትራዊ እንተኮይኑ ግን ስለምንታይ ታሪኹ ኤርትራዊ ዘይከውን?

    • AHMED SALEH !!! February 20, 2015

      If you read the article he didn’t try to dismiss other Eritrean history .
      But some people jump in conclusion out its proportion either knowingly
      or not . His arguments on our weak understanding in partial politics was
      the root cause to surrender the country at the hands of few individuals
      contrary the principle of Eritrean revolution .

  • fact-is-fact February 20, 2015

    ክቡር Mahmud Saleh,

    Have you, in all honesty, read the article in its entirety? I fear you simply put your shoes in your mouth, with all due respect. I doubt you read the article in its entirety with an open mind.

    If you had had then you would even have blinked in in listing what you have b/c he has thoroughly, articulately jotted down everything that purely depicted the title in itself “ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር: ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ”. No ambiguity there to interpret or misinterpret at all that can force an honest reader to veer off and inquire in such a way you did.

    To me you presented yourself as in the adage “The pot calling the kettle black”. Pure & Simple!

    besides —
    እቲ ብምቁንጻብ ብምሽክዕላል ምድምዳምካ ነቲ ጸሓፋይ ብውሕሉልነት ዝገለጾ ባህርያትን ኣነነትን ህ.ግ. ሓንጸጽቱን ሃንደስቱን ካድረታቱን : ፍላጥ ዝነበሮም ቀንዲ ኣተግበርቱን የንጸባርቖ ይኸውን’ዶ ?

  • fact-is-fact February 20, 2015

    correction.. please read:
    If you had had then you would NOT even have blinked in listing what you have b/c he has thoroughly….

  • Yonas February 21, 2015

    It seems the writer has an agenda. But his motives and his agenda are not stated.

  • Yonas February 21, 2015

    Apparently this is one of the key reasons why BIKO wrote this article:
    ግናሲ: ኣብቲ “ጽቡቕ” ዝበሃል እዋን: ብመሓውራት ህግ ህይወቱ ዝሓለፈ ስለዘሎስ: ነዚ ብጥርኑፍ ክነመጉሶ ዝድለ ዘሎ ትካል: ብዛዕባ ዝጠፍአ ትንፋስን ስቓይን ብጥርኑፍ ሓላፍነት ክነስከሞ’ኸ ንኽእል’ዶ ንኸውን:? ንገበን – ንፈጸምቱ ምስ ካልኦት ሓዊስካ – ብጥርኑፍ ንጉጅለ ሓላፍነት ከተሰክም ጌጋ እንተኾይኑ (ከምኡ’ዩ ድማ) ብጥርኑፍ ወደሳ’ኸ እንታይ መለሳ ኣለዎ? ወይሲ እቶም ዝተሳቐዩን ትንፋሶም ዝሓለፈትን ብህዝቢ ኤርትራ እዮም ተፈሪዶም እዩ ዝበሃለና ዘሎ?
    However, just because there was crime in EPLF does NOT mean it is not a history of the Eritrean people. It is Eritrean history and even the Gebar have participated in it directly or indirectly in the form of providing intelligence, economic and moral support. I know the perspective from which you are looking at it. But I have to say your argument is divisive and counterproductive. And it should be unveiled and strongly rejected.

  • Teclay February 21, 2015

    Biko & Mahmud Saleh

    Thank you for both of you

    Biko
    You raised very interesting and difficult question. In some way you are right EPLF was an organization and an organization is formed by ppl of the same idea, which means there were also other group who opposed this idea ..We know those ppl were cold bloodily killed in the cities and villages .So in this case your argument is critical and good.

    Mahmud .S
    Your argument is right.History of one ppl is not a buffet lunch to choose only what you like,instead it is a packet.For example the history of Adolf Hitler is the history of Germany ,the history of Mao is the history of China.
    In the case of EPLF it is not secret.this mafioso organization deceived us all,so it is very difficult not to agree,the history of EPLF is our history.

    Again thanks for both of you.

  • fact-is-fact February 21, 2015

    Brother AHMED SALEH,
    Always refreshing to know that you are a sensible person.

    There is nothing to twist about this … ንለባም ኣምተሉ ክንደይኳ ከይስሕቶ …beautifully written, clear cut piece. It has no space for argument at all.

    It is one of those short, precise pieces that is written with a message of
    a) even those who created Gedli & its cruel institutions that eventually put Eritrea to what it now is committed heinous crimes & justified it in the name of Gedli. And therefore the people of Eritrea have YET to hold them (if still alive) & their HISTORY accountable once the people of Eritrea becomes holder of their own destiny.

    b)The writer nicely attempted to shade lights in our dark minds, that those who are at the moment, in particular since sep 18, 2001, forming one opposition after another are viciously tearing each other apart b/c they are trying to form an institutions that is indifferent to EPLF & PFDJ.

    so Biko didn’t whatsoever stated that Gedli’s history in its entirety must be wiped out. Nevertheless, All those victims & what has become the whole Eritrea that has ended up a -collateral damage- of Gedli’s institution & history must be accounted for!

    so why some people trying to take a rabbit out of a hat where there isn’t one. It is baffling. It shows how much cruel the Eritrean diaspora have become. ደይስንኻስ ሑጻ ቆርጠመሉ !

    • AHMED SALEH February 22, 2015

      Brother facts
      If the current opposition political organizations failed to succed as we anticipated ,
      they are also include in Etitrean history either way . Everyone of us has his own
      past history and the same goes to all nations . For those who refuse to recognize
      their bad and good past history , they are creating barriers from learning experience
      on sociopolitical matters .
      We can’t ignore the events wich took place from Italian colony , Ethiopian occupation,
      events of political movements and our armed struggle since 1961 because for the
      record it surely happened .
      Anyway , nice to hear from you in this forum . RESPECT .

  • aus 17 February 21, 2015

    history of EPLF will only remain itsown history not of the whole ERitrea. Never one organisation’s saga can exclusively be the whole truth: worse when it comes to EPLF’s!The result you see and experience is what’s their history.
    I will never qualifty that to be our whole Eritrean history.

POST A COMMENT