Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ ታደሰ ኪዳነ     በርሚንግሃም       19/12/2015 4ይ ክፋል   ኖኣም ቾምስኪ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ኣመሪካዊ፡ ኣብተን ‘IMPERIAL AMBITIONS’ (2005) ከምኡ`ውን  ‘POWER SYSTEMS’ (2013) ዝብላ ብመልክዕ ቃለ-መጠይቅ ዘዳለወን ክልተ መጻሕፍቱ፡ ነዘን ዝስዕባ ምስ ኩነታትና  ዝኸዳ

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ

ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ

ታደሰ ኪዳነ     በርሚንግሃም       19/12/2015

4ክፋል

 

ኖኣም ቾምስኪ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ኣመሪካዊ፡ ኣብተን ‘IMPERIAL AMBITIONS’ (2005) ከምኡ`ውን  ‘POWER SYSTEMS’ (2013) ዝብላ ብመልክዕ ቃለ-መጠይቅ ዘዳለወን ክልተ መጻሕፍቱ፡ ነዘን ዝስዕባ ምስ ኩነታትና  ዝኸዳ ጥቕስታት ንረክብ።

 

  • ነቲ ህዝቢ ብሓይሊ ክትቆጻጸሮ እንተ ኪኢልካ፡ ብዛዕባ ዝህልዎ ስምዒታትን ሓሳባትን ዘገድስ ኣይኮነን። ነቲ ህዝቢ ብሓይሊ ከትቆጻጸሮን ከተረኻኽበሉን ዘይትኽእል እንተ ኮንካ ግን፡ ኣተሓሳስብኡን ርእይቶኡን ክትቆጻጸር ኣገዳሲ ኢዩ” I- A
  • ሰባት ድሕነቶም ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ እንተ ሰጊኦም፡ ካብ ጸላእቶም መታን ክከላኸለሎምን፡ ካብ ዘለዎም ስግኣት ክድሕኑን፡ ብኡ ኣቢሎም ድማ ረብሓታቶም መታን ክዕቅቡ፡ ጸግዒ ናይቲ ዝበርትዐ መራሒ ኢዮም ዝደልዩ።” I- A
  • ሂትለር ንህዝቢ ጀርመን ክለዓዕሎ ከሎ ኣብ ዓለም ዝግበኣ ቦታ እትረክብ፡ ብርቱዕ ሓይሊ ዘለዋ ሓዳስ ጀርመን ክንፈጥር ኢና። ነዚ ንምግባር ድማ ኣንጻር ኣይሁዳውያንን ቮልሸቪካውያንን (ዴሳውያን ማለቱ ኢዩ) ክንቃለስ ይግባእ። ጸገምና ንሳቶም ስለ ዝኾኑ” P- S
  • ህዝቢ ተስፋ ዘይብሉ፡ ዝተነጻጸለን `ፖላራይዝድ` ኮይኑ ኣብ ሓድሕዱ ዘሎ ርክብ እንተ በቲኹን፡ ሓይሊ ኢዩ ዝዕወት” ‘P – S

 

ነዚ ከም መእተዊ ተጠቒመ ድማ ኢየ፡ ናብዚ ኣብ 4 ክፋል ኣዳልየዮ ዘለኹ ጽሑፍ ክኣቱ፡

ቃልስና ኣንጻር ህግደፍ ኢዩ ክንብል ከለና፡ ኣንጻር እቶም ንህግደፍ ዘቆሙ ውልቀ ሰባት ከም ጉጅለ፡ ወይ`ውን ኣንጻር ኢሰያስ ብውልቂ (ከም መራሒ ህግደፍ) ኣይኮነን። ቃስልና ኣንጻር`ቲ ኣብ ግዜ ገድሊ፡ ነቲ ቅዱስ ናይ ናጽነት ዕላማ ተጎዝጒዙ፡ ከም ጎድናዊ ኣሉታዊ ሳዕቤን (side effect) ኮይኑ ዝማዕበለ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ በቶም እናተበላልዑ ዝመጹ መራሕቲ ሰውራ ከም ባህሊ ዝተወርሰ ቀንጻልን በታንን ፖሊሲ ኢዩ። ዳርጋ ኩሉ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ሰብ ወይ ውዳቤ “ንስርዓተ ሕጊ እቃለስ ኣለኹ” ከም ዝብል ርዱእ ኢዩ። ሕጊ ንባዕሉ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት፡ ባዕሎም ብዝመረጽዎም ወከልቲ ዝቖዉም ስለ ዝኾነ፡ “ኣየናይ ስርዓተ ሕጊ . . . ? መን ዘውጽኦ ሕጊ . . .?” ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ዘድልዮም ኢዩ። ምኽንያቱ ውልቀ- መለኽቲ፡ ነጋውስ ይኹኑ ካልኦት መጸይቲ ስርዓታት፡ ናታቶም ሕጊ ኣቊሞም፡ በቲ ዘውጽእዎ ሕጊ ክትግዛእ ስለ ዝሓቱኻ።

 

ኣየናይ ሕጊ . . ?” እቲ ኩሉ ደላይ ለውጢ ክሓተሉ ዘለዎ ሕጊ እምበኣር፡ ብውክልናን ክኢላታትን ናይ ኩሉ ህዝቢ ዝወጽእ፡ ናብ ኣመጻጽኣን ኣቃውማን ፖለቲካዊ ስልጣን ዘተኮረ፡ ማዕርነታዊ ኣጠቓቅማ ጸጋታት ሃገር ዘረጋግጽ ሕጊ ኢዩ። ፖለቲካዊ ስልጣን ክብል ከለኹ፡ መራሕቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሕሉ ግዜ ዝድርት፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ኩሉ ዜጋ ድሕረ ባይታኡ (ሃይማኖቱ፡ ብሀሩ፡ ዝተወልደሉ ከባቢ . . . ) ብዘየገድስ፡ “ይበቕዖ ኢየ” ንዝበሎ ሓላፍነት (እንተላይ መራሕ ሃገር ንምዃን) ክወዳደርን ነዚ መሰል`ዚ ዘረጋግጸሉ ብቅዋም ዝጸደቀ ዝሰርሕ ሕግን ትካላቱን ከም ዝህልዎ ምግባር ማለት ኢዩ። እቶም ድምጺ ህዝቢ ተጠቒሞም ናብ ስልጣን ዝድይቡ ሓለፍቲ ድማ ደረት ስልጣኖም ገደብ ሃልይዎ፡  ተሓተትቲ ናይቲ ዝመረጾም ህዝቢ ከም ዝኾኑ ምግባር ማለት ኢዩ።

 

እቲ ማዕርነታዊ ኣጠቓቅማ ጸጋታት ሃገር ዝብል`ውን ካብቲ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝህሉ ውክልና ፈጺሙ ዝፍለ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ብዙሕ ክፋላት ናይቲ ሕ/ሰብ ፋሕ ዝበለ እንተኾይኑ፡ ኣጠቓቅማ ጸጋታት ሃገር`ውን ናብ ዝበዝሐ ኣካል ናይቲ ሕ/ሰብ ፋሕ ክብል ግድነት ኢዩ። ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ሓደ ከባብን ብዝተወሰነ ጉጅለን ዝተባሕተ እንተኮይኑ ግን፡ ኣተዓዳድላ ጸጋታት ሃገር`ውን ንዓኣቶም ቀዳምነት ዝህብ ኢዩ ዝኸውን። ዘይማዕርነታዊ ኣተዓዳድላ ስልጣን እንተልዩ፡ ዘይማዕርነታዊ ኣተዓዳድላ ጸጋታት ሃገር ይህሉ ማለት ኢዩ። እቲ ዝቀውም ሕጊ እምበኣር፡ ኩሎም`ቶም ንልኡላውነታ ደሞም ዝኸዓዉ ዜጋታት፡ ኩሎም`ቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት፡ ንባህልን ልምድን ናይ ነብሲ ወከፍ ከባቢ ብዘይጻረር መንገዲ፡ ማዕረ ተጠቀምቲ ጸጋታት ናይታ ሃገር ንኽኮኑ ውሕስና ዝህብ ሕጊ ከም ዝህሉ ምግባር ማለት ኢዩ።

 

ኩሉ`ዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ተግባራዊ ዝኸውን ግን፡ ስልጣን ብኣፍ ሻምብቆ ብረት ዘይኮነስ፡ ብድምጺ ህዝቢ ዝረጋገጽ ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ። ዘይርና ዘይርና እምበኣር ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ዓንዲ ማእከል ናይ ኩሉ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ኤርትራ ድማ ቅድሚ ናጽነት (ኣብ እዋን ገድሊ) ኮነ፡ ኣብ ድሕሪ ናጽነት (ኣብ ዘመነ ህግደፍ) ካብ ኣፍ ሻምብቆ ብረት ጥራይ ክረጋገጽ ምጽንሑ ክንዝክር ይግባእ።

 

ነዚ መሰረታዊ ናይ ፖሊሲ ሕቶ ኣቐሚጠ ድማ ኢየ፡ ናብ ኣርእስተይ ክምለስ።

ህዝቢ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ናይ ዓለም ይሃሉ፡ ኣንጻር`ቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ግፍዒ፡ ኣድልዎን ምዝመዛን ይቃለስ ኢዩ። ዘካይዶ ቃልሲ ውዱብን ዘይተወደብን ክኸውን ይኽእል። ከከም ዝህልዎ ናይ ኣመራርሓ ብስለት ድማ፡ ብውጽኢት ፍረ ቃልሱ ክዓግብ ወይ ተመሊሱ ናብ ዝኸፍአ ጭቆናን ኣድልዎን ክምለስ ይኽእል። እቶም ሓንሳብ በትረ ስልጣን ዝጨበጡ፡ ወይበትረ ስልጣን ካብ ኢድና ከምልጥ የብሉን” ዝብሉ መራሕቲ፡ ንውዳቤ ናይቲ ህዝቢ ተጠቂሞም፡ ናይ ስልጣኖም ጥሙሕ ከረጋግጹ ይጽዕሩ ኢዮም። ቃስሊ ህዝቢ ኤርትራ ድማ እዚ ሽግር`ዚ ኢዩ ኣጋጢሙዎ። እቶም ናይ ቀደም ናይ ገድሊ መራሕቲ ኮኑ ናይ ድሕሪ ናጽነት ስርዓት ህግደፍ፡ ውዳቤ ህዝቢ ኤርትራ ከም ውሕጅ ጸራሪጉዎም መታን ከይከይድ፡ ህዝቢ ካብቲ ቀንዲ ዕማሙ ንኽኣልዩዎ፡ ኣንጻር ውልቀ-ሰባት፡ ኣንጻር ዝተወሰኑ ቀጸላታት ናይቲ ሕ/ሰብ ወይ ጉጅለ ናይ ሰባት ዘነጻጸረ ቀንጻሊ ዘመታት ከካይዱ ጸኒሖም ኢዮም።

 

መራሕቲ ሰውራ ይኹኑ መራሕቲ ህግደፍ – ባዕሎም፡ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ጸላእቲ ይፈጥሩ`ሞ፡ ኣብቲ ካልእ ህዝቢ ስግኣት ፈጢሮም፡ ኣንጻር`ቶም ባዕሎም ዝፈጠርዎም ጸላእቲ ክጉስጉስዎን ኣብ ጎድኖም ከም ዝዓስል ብምግባር፡ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ኣናቚቶም ስልጣኖም ከደልድሉ ፈቲኖም ኢዮም።

ኣብዚ ሓጺር ተመኩሮና ጥራይ`ኳ፡ ስርዓት በሽር ከይጠፍአ፡ ንቱራቢን እስላማዊ ኣጀንድኡን ከየጥፋእና፡ ስርዓት ወያነ ከይጠፍአ፡ ሃጸይነትን ጽዮንነትን ካብ ገጽ ዓለም ከይጠፍኡ . . ወዘተ ዝብል ናብ ናይ ደገ ሓይልታት ዘነጻጸረ ጎስጓስ ሰሚዕና። ናይ ጽልኢ ጎስጓስ ኣብ ህዝቢ እና ኣካየዱ ከለዉ ድማ፡ ብውሽጢ ውሽጢ ምስቶም ጸላእትና ዝበልዎም ናይ ደገ ሓይልታት ክሰዓዓሙን ክዝትዩን ርኢናዮም።

 

ኣብቲ ውሽጣዊ መዳዩ ድማ ኣንጻር እስላማዊ ጥሩፍነት፡ ኣንጻር ጅሆባ፡ ኣንጻር ጴንጠ-ቆስጠን ኣብ ልዕሊ ገለ ከባቢታትን ናይ ጽልኢ ጎስጓስ ክካየድ ተዓዚብና። ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት (ኣብ ዘመነ ገድሊ) እውን ተጋዳላይ ብተመሳሳሊ ይጉስጎስ ምንባሩ ኩልና እንዝክሮ ሓቂ ኢዩ። እቲ ዕላማ ድማ፡ ከምቲ እቲ ኣመሪካዊ ዝበሎ፡ ህዝቢ ካብቲ ቀንዲ ጉዳዩ ኣሊኻ፡ ኣብ ሸንኮለል ኣትዩ፡ ነንሕድሕዱ ከም ዝናቖት ምግባር ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ድማ እዚ ንገለ ቀጸላታት ወይ ጉጅለታት ናይ ሕ/ሰብ እና ኣልዓልካ ኣንጻሮም ጎስጓስ ምክያድ፡ ኣብ ሓይልታት ተቓውሞ`ውን መልክዑ ቀይሩ ይቀላቐል ምህላዉ ኢዩ። ኣንፈትካ ኣስሒቱ ኣብ ሓድሕድ ምትህልላኽ ዘእቱ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ሓደስቲ ውልቀ መለኽቲ ዝፈጥር መንገዲ ስለ ዝኾነ ድማ ኢየ፡  ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ክዛረብ ዝደለኹ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ቃልሲ ኣንጻር’ቲ በታንን ከፋፋልን ፖሊሲ ህግደፍ ዘነጻጸረ ኮይኑ ካብ`ዞም ዝስዕቡ ኣደናገርቲ ጎስፍጓሳት ክጥንቀቕ ይግባእ

 

  1. ጎስጓስ ኣንጻር ዝተወሰኑ ቀጸላታት ናይ /ሰብና፡

ከምቲ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ቀጸላታት ሕ/ሰብና ክሃርም ጸኒሑ። ገለ ካብኡ ኣንጻር ጅሆባ፡ እምነት ጴንጠ-ቆስጠ፡ ከምኡ`ውን ኣንጻር እስላማዊ ጥሩፍነት ብምጉስጓስ፡ ኣብቲ ክርስትያናዊ ወገን ዘየለ እስላማዊ ስግኣት ክፈጥር ርኢናዮ። ከምቲ ቾምስኪ ዝበሎ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ንርእይቶታትን ስምዒታትን ህዝቢ ግምት ከይሃበ፡ ብበትሪ ኣፉ ክዓጽዎ ከሎ፡ ኣብ ደገ ግን ከረኻኽበልና ስለ ዘይከኣለ፡ ዝተፈላለየ ናይ ምፍልላይ ስልትታት እና ኣተኣታተወ፡ ኣተሓሳስባናን ስምዒታትንናን ክቆጻጸር ዕድል ሂብናኖ ኣሎና። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ህዝቢ ክከፋፈልን “ፖላራይዝ” ክኸውንን ጸኒሑ። ኣብ ሓድሕድና ዘሎ ርክብ በቲኽና፡ ሓድሕድ ምርድዳእና ፈጺሙ ጠፊኡ ስለ ዘሎ ድማ፡ ሕጂ`ውን ከምቲ ቾምስኪ ዝበሎ፡ ኣብ መጻኢ ሕጊ ዘይኮነስ፡ ሓይሊ ክገዝእ ዘለዎ ዕድል ዓቢ ኢዩ። እዚ ሎሚ ንሰምዖ ዘሎና፡ ዋንነቱ ዘይፍለጥ፡ ከም ሓደ ማሕበራዊ ቀጸላ ኣንጻር ተጋደልቲ ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ድማ (ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ) ካብቲ ሂትለር፡ ኣንጻር ኣይሁዳውያንን ዴሳውያንን ዝገበሮ ቀንጻሊ ጎስጓሳት ዝፍለ ኣይኮነን። እዚ ዘሊ ናይ ህግደፍ ጎስጓስ እምበኣር፡ ህዝብና ከፋፊሉ ካብ ቀንዲ ጉዳዩ ኣልዩዎን ከፋፊሉዎን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ዝሓየለ (ናይ ህግደፍ) ጸግዒ ሃሰስ ከም ዝብል`ውን ገይሩዎ ኣሎ።

 

እንተ ብዛዓባ`ቲ ናብ ተጋደልቲ ገጽካ ምውጥዋጥ ግን፡ እቶም ስልጣን ናብ ህዝቢ ክምለስ፡ ግዝኣተ ሕጊ ክረጋገጽ፡ ዜጋታት ብማዕረ ተጠቀምቲ ጸጋታት ሃገሮም ንኽኮኑ ጎስጒስኩም ተባሂሎም ዝተሞቑን ዝተቀትሉን ተጋድልቲ ፡ ካብቶም መሓውራት ስለያ፡ ጸጥታን ሰራዊትን ስለ ዝተቖጻጸሩ ሃገር ዘብርሱ ዘለዉ ጎሓሉ፡ ዝተዓጻጸፈ ቊጽሪ ከም ዘለዎም ምፍላጥ ከድሊ ኢዩ።

ነቶም ብገርሆም ኣብ ተጋደልቲ ኣነጻጺሮም ዝጉስጉሱ ወገናትና ድማ እዛ እትስዕብ ኣብነት ወስ ከብለሎም ጽቡቕ እመስለኒ። ሓደ ብርትዕ ዝበለ ሕማም ዝሓመመ ሰብ፡ ብርትዕ ዝበለ መድሃኒት ይእዘዘሉ። እቲ መድሃኒት ነቲ ሕማም የጥፍኦ። እቲ ሕሙም ድማ ካብቲ ቀንዲ ዘሳቕዮ ዝነበረ ሓደገኛ ሕማም ይገላገል። እቲ መድሃኒት ብርቱዕ ስለ ዝነበረ ግን፡ ኣብቲ ሕሙም ገለ ኣሉታዊ ሳዕቤን (side effect) ይገድፈሉ። ሓካይም ድማ ነቲ ብሰንኪ`ቲ መድሃኒት ዝተፈጥረ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣስተኻኺሎም፡ ነቲ ሰብ ስሩዕ ህይወቱ ክመርሕ ይሕግዝዎ እምበር፡ ተመሊሶም ነቲ ሕማም ኮነ ነቲ መድሃኒት ዘማርር የብሎምን።

ኤርትራውያን ድማ ነቲ ኣብ ገድሊ ዝማዕበለ ሕማቕ ኣሰራርሓ ከስተኻኽሉ እምበር፡ ነቲ ገድሊ ኮነ ንተጋደልቲ ዘጽልእ የብሎምን። ብዙሓት ተጋደልቲ ድማ፡ እቲ ክስተኻኸል ዘለዎ ኣሰራርሓ ተረዲኦሞን ይሰርሕሉን ከም ዘለዉ ክገልጽ እፈቱ።

 

  1. ጎስጓስ ኣንጻር ዝተወሰኑ ጉጅለታት፡ ውድባት፡ ማሕበራት ወዘተ

እዚ ውድባት፡ ማሕበራት፡ ምንቅስቓሳትን ጉጅለ ናይ ሰባትን እናኣልዓልካ ኣንጻሮም ዝግበር ጎስጓስ፡ ካብ 1961 ዓ.ም ኣትሒዙ፡ ነቲ ክቡር ናይ ናጽነት ዕላማ ተጎዝጒዙ ዝመጸ፡ ጽኒሑ ናብ ውርሻ ዝተቀየረ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤን ገድሊ ኤርትራ ኢዩ። ቀዳሞት ግዳያት ናይቲ ቀንጻሊ ፖሊሲ ድማ ኣብ 1963 ዓ.ም.  ኣብ ዕላ-ጻዕጻ ዝተጨፍለቑ፡ ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ) ነይሮም። እታ ሽዑ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእል` ትብል፡ ነቶም ናይ ሽዑ ተጋደልቲ ዝተነግረቶም ኣስተምህሮ፡ ኣብቲ ዝቐጸለ 30 ዓመታት ናይ ገድሊ፡ ጠንቂ ምቅትታል ኤርትራውያን ውድባት ኮይና ጸኒሓ። ኣብ 1993 ዓ.ም. ድማ ናይ ዘመንና ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣፎርቂ ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን ክብል ደጊሙዎ።

 

ኩሎም`ቶም ቀዳሞት ይኹኑ ዳሕረዎት መራሕቲ ኣብ ገግዜኦም፡ ኣልፋን ኦመጋን ናይቲ መሪሕነት ንሕና ጥራይ ኢና። “ንኣመራርሓናን ንእንህቦ ትእዛዛትን እንተ ዘይሰሚዕኩም፡ ክንጭፍልቐኩም ኢና” ኢዩ እቲ መልእኽቲ። እቲ ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 52 ዓመታት  ዝቕጽል ዘሎ ኣሰራርሓ ንሱ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ገድሊ ኤርትራ፡ ነዚ ዘሎ ኣሰራርሓ ከም ዝፈጠረ ዝስሓት ኣይኮነን። እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ድማ፡ ነቲ ናይ ትማሊ ጌጋታት ክእርም እምበር፡ ንዕኡ ክቕንጽል እንተሓሊኑ ኣብ ተመሳሳሊ ጌጋ ይወድቕ ምህላዉ ክፈልጥ ይግባእ።

 

ቃልስና እምበኣር፡ ኣንጻር`ቲ ቀንጻልን በታንን ፖሊሲ እምበር፡ ኣንጻር`ቶም ንህግደፍ ኣቚሞም ዘለዉ ጉጅለ ናይ ሰባት ኣይኮነን። ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ መራሕቲ ሓራካ ምስ ተቐንጸሉ ወይ መሪሕነት ጀብሃ ተኣልዩ ሜዳ ኤርትራ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ምስ ተባሕተ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ምረኣና። ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ሓይልታት (ዳሕራይ ህዝባዊ ግምባር) ኣውን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ነቲ ውድብ ዝመርሕ ዝነበረ ጉጅለ ናይ ተጋደልቲ ኮነ ናይ ምውሳን ዓምታቶም ዝተፈላለየ ኢዩ። ሕጂ`ውን እዚ ሎሚ ንህግደፍ ዘቆመ በታኒ ጉጅለ፡ ብኻልእ ጉጅለ ናይ ሰባት ስለ ዝተቐየረ ጥራይ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ንምርግጋጽ ውሕስነት ኣይህብን ኢዩ። ጠለብና ውሕስነት ዝህልዎ እምበኣር፡ ኣብቲ ፖሊሲን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ኣተኲርና ምስ እንሰርሕ ጥራይ ኢዩ።

 

እዚ ዘሎ ኣወዳድባ ደምበ ተቓውም ድማ ካብቲ ዝጸንሐ ሓድሕድ ናይ ምቅንጽጻል ኣገባብ ዝወጸ ኣይመስልን። ጠንቁ እቲ ካብ ገድሊ ዝተወርሰ ኣሰራርሓ`ኳ እንተኾነ፡ እቲ ብህግደፍ ንምብታኑን ንምድኻሙን ዝስላዕ ባጀትን፡ ተጽዕኖ ናይ ከባቢና ሓይልታትን`ውን፡ እጃም ከም ዘለዎ ዝሰሓት ኣይኮነን። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ሓይሊ ውድባት ደምበ ተቓውሞ ኣዳኺሙ፡ ህዝቢ ካብ ዘለዎ ስግኣታት ክድሕን፡ ጸግዒ ናይቲ ዝሓየለ ህግደፍ ክደሊ ይረአ ኣሎ።

 

  1. ጽልእን ጎስጓስን ኣንጻር ውልቀ-ሰባት

ብዙሕ እዋን “ታሪኽ ናይ ሓፋሽ ኢዩ” ክበሃል ሰሚዐ ኣለኹ። ብሓቂ`ውን ኣብ ፍጻሜታት ታሪኽ፡ ደሙን ጉልበቱን ዘፍስስ እቲ ህዝቢ ኢዩ። እንተኾነ እቶም በቲ ህዝቢ ተቐባልነት ረኺቦም ወይ ብሓይሎም ነቲ ህዝቢ ዝመርሑ ውልቀ-ሰባት፡ ንኣንፈትን ማእዝንን ናይቲ ንታሪኽ ዝምዝገብ ፍጻሜታት ዝቕይሱን ዝመርሑን ውልቀ- ሰባት ኢዮም። እቲ ጉልበቱን ህይወቱን ዝኸፍል ህዝቢ፡ እምነቱ ኣብኣቶም እንተገይሩ`እሞ ከኣ፡ ተመሊሱ ኣገልጋሊኦም ክገብርዎ ዘለዎ  ዕድል ዓቢ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ፡ ነቲ ኣቐዲምካ እምነት ዘሕደርካሉ`ሞ ዝጠለመካ መራሒ (ውልቀ-ሰብ) ትጸልኦ። ኣንጻሩ ከኣ ትቃለስ። እቲ መስርሕ ይቅጽል። ካብ ንጉሁኡ፡ እምነትካ ይኹን ጽልእኻ፡ ካብ ውልቀ-ሰባት ወጺኡ፡ ኣብ ኣገባብን ፖሊሲን እንተ ኣቐሚጥካዮ ግን ካብ ዕንክሊላዊ ምትኽኻእ ናይ ውልቀ-ሰባት ትድሕን። ብፍላይ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ፡ ውልቀ-ሰብ ምስ ብሀር፡ ሃይማኖት፡ ከባብን ኣውራጃን ተኣሳሲሩ ዝረኣየለን ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ሳዕቤኑ ቀሊል ኣይኮነን።

 

ገለ ሰባት ነዚ ናይ ህግደፍ ብልሽው ኣሰራርሓ፡ ፡ምስ ጥልመት ውልቀ-ሰብ (ኢሰያስ) ጥራይ ኣተኣሳሲሮም ይርእዮዎ ኢዮም። ኢሰያስ ግን፡ እቲ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝነበረ ምብልላዕ ዝወለዶ ጉሒላ እምበር። ብውልቁ መሎኮታዊ ሓይሊ ስለ ዝወነነ ኣይኮነን። መራሒ (ኣቦ-ወንበር) ካብ ስልጣኑ ስለ ዝተኣልየ ለውጢ ዝመጽእ እንተኸውን፡ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ኣብ 1987 ዓ.ም ኣብ ተ. ሓ. ኤርትራ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ኣዋናት ኣቦ-መንበራት ተቐይሮም ኢዮም። ኣብቲ ውድባት ግን ዝመጸ ለውጢ ኣይነበረን። እዚ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ እምበኣር፡ ነቲ ከም ሓደ ጎድናዊ ኣሉታዊ ሳዕቤን (side effect) ናይ ገድሊ ኤርትራ ኮይኑ፡ ንኢሰያስ ዝወለደ ኣገባብ (ፖሊሲ) እምበር፡ ኣንጻር ኢሰያስ ብውልቂ ኣይኮነን።

 

ሰውራ ኤርትራ ብዓንዳ ርእሱ`ውን፡ ኣንጻር`ቶም ንኢትዮጵያ ዝመርሑ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ኣይነበረን። ቃልሱ ኣንጻር`ቲ መግዛኣታዊ ፖሊሲኦም ጥራይ ኢዩ ዝነበረ። መስፍናዊ ስርዓት ሃይለ-ስላሴ ተኣልዩ፡ ዝሓሸ ውክልና ብዝነበሮ ስርዓት ደርግ ምስ ተተከአ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደው ዘይበለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ደርግ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ መግዛእታዊ ፖሊሲኡ ስለ ዘይቀየረ ጥራይ ኢዩ። ሽዑ`ውን እኮ፡ “ድሑር መስፍናዊ ስርዓት ብሓድሽ `ገስጋሲ` ስርዓት ስለ ዝተተክአ፡ ናይ ናጽነት ሕቶኹም ኣወንዚፍኩም፡ ምስቲ ሓድሽ `ገስጋሲ ስርዓት` ሓቢርኩም ስርሑ” ተባሂልናን ኣቢናን ኢና። ሕጂ`ውን ንኢሰያስ ምእላይ ጥራይ ከም ቀንዲ ዕላማ ክንርእዮ የብልናን። እቲ ኣብ ኣድልዎ ዝሰረተ፡ ክፋፋልን በታንን ፖሊሲ ምስ ተኣልየ፡ ኩሎም`ቶም ነቲ ሕማቕ ኣሰራርሓ ዘሳሰዩ ገበነኛታት ምስኡ ክጽረጉ ኢዮም።

 

ስለዚ ፖሊሲታትካ ምስ ካልኦት ተቓወምቲ ከተወሃህድ ስለ ዘይከኣልካ ወይ ስለ ዘይደለኻ፡ ወይ`ውን ንዕኡ ካብታ ሒዙዋ ዘሎ መንበር ኣሊኻ፡ ንባዕልኻ መተካእታ ኮንካ ንመሓውራት ናይቲ ስርዓት ክትጥቀመሉ ካብ ዘለካ ጥሙሕ ጥራይ፡ ወይ`ውን ብስም ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ – ካብ መወልቲ ዝረኸብካዮ ሚልዮናት ስለ ዘለካ መወራረዲ ሕሳብ ክትጥቀመሉ ስለ ዝደለኻ፡ ወይ`ውን ካልእ ኣብዚ ዘይተጠቕሰ ናይ ባዕልኻ ምኽንያት ሃልዩኳ፡ ኣጻብዕትኻ ብውልቂ ናብ ኢሰያስ ጥራይ ምውጥዋጥ፡ ዘይምትእምማን ምክፍፋልን ኢዩ ዝፈጥር ዘሎ። እንተ`ቲ ሓቀኛ ቃልስና ግን ኪንዮ ኢሰያስ ከይዱ፡ ህዝቢ ወናን ፖለቲካዊ ስልጣኑ ክኸውንን ማዕረ ተጠቃሚ ጸጋታት ሃገሩ ኣብ ምግባርን ከተኩር ኢዩ።

 

ኣብ መደምደምታ ናይ ጽሑፈይ እምበኣር፡ ናብ ጥቕስታት ኖኣም ቾምስኪ ኢየ ክምለስ። ህግደፍ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ብጎሮሮኡ ሓኒቑ፡ ብሓይሊ ክቆጻጸሮ ስለ ዝኸኣለ፡ ብዛዕባ ስምዒታቱን ርእይቶታቱን ዝግደስ ኣይኮነን። ነቶም ብቐሊሉ ከረኻኽቡልና ዘይከኣለ ኣብ ደገ ዘሎና ኤርትራውያን ግን፡ ብሃገር  ደረጃ ንኹሉ ናይ ሓበቤታ ማሽኔሪ ስለ ዝቆጻጸር፡ ብመርበብ ሓበሬታ 03 ኣቢሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት በበይኖም ናይ ጽልእን ቅንጸላን ሓበሬታታት ኣብ ውሽጥና ብምዝርጋሕ፡ ከምቲ ቾምስኪ “atomization is a technique of control and marginalization” (ምብትታን መሳርሒ ናይ ምቁጽጻርን ውገናን ኢዩ) ዝበሎ፡ ሓድሕድ ርክባትና ተበቲኹ፡ ኣብ ገገዛና ናብ ሓመይቲ ጥራይ ቀይሩና ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ ሕጊ ዘይኮነስ፡ ሓይሊ ክገዝእ ዘለዎ ዕድል ዓቢ ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ`ኳ ብዙሕ ሰብ ናይ ለውጢ ተስፋ ስለ ዘይተራኣዮ፡ ወለዱ ክርኢ ወይ ምእንቲ ካልእ ረብሓታቱ ክብል ንኹሉ ተጻብኦታት ተጻዊሩ ጸግዒ ህግደፍ ክደልን ዓዱ ከምላለስን ይረአ ኣሎ።

 

እቶም ስም ደምበ ተቓውሞ ሒዞም፡ ኣስማት ናይ ዝተፈላለዩ  ማሕበራውያን ቀጸላታት እናኣልዓሉ (ገለ ካብኡ ተጋደልቲ፡ ዓበይቲ፡ ሃይማኖታውያን ጉጅለታት ወዘተ) እናኣልዓሉ፡ ኣንጻሮም ጎስጓስ ዘካይዱ ሰባት፡ ብፍላጥ ወይ ብዘይ ፍላጥ ኣገልገልቲ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ይኾኑ ምህላዎም ክፈልጡ ይግባእ።

 

ከምቲ ውሩይ ደራፋይ ቦብ ማርሊ “emancipate yourself from mental slavery” (ንገዛእ-ርእስኻ ካብ ናይ ኣእምሮ ባርነት ሓራ ኩን) ክብል ዝደረፈ፡ ንሕና`ውን ካብቲ ህግደፍ ብመርበብ ሓበሬታ ባዶ ስለስተ (03) ዝዝርግሖን ብእዝንና ሰሚዕና እንደግሞን፡ ሓቂ መሲሉና እንዝርግሖን ወረታት ነብስና ሓራ ክንገብርን፡ ኩሉ ናይ ስምዒት ህዋሳትና ክንጥቀመሉን ይግባእ።

 

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣምበኣር ኣንጻር ኢሰያስ ብውልቂ፡ ወይ ኣንጻር `ቶም ንህግደፍ ኣቚሞም ዘለዉ ውልቀ-ሰባት ከም ጉጅለ፡ ወይ`ውን ኣንጻር`ቶም ንባዕሎም ግዳያት ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣይኮነን። ቃልስና ብፖሊሲ ደረጃ ክንርእዮን፡ ዕላማና ድማ ግዝኣተ-ሕጊ ምዃኑ ክንርዳ ይግባእ። ሕጊ ድማ ተጋደልትን ዘይተጋደልትን፡ ሃይማኖትን ብሀርን፡ ኣውራጃን ከባብን ኣይፈልን ኢዩ።

 

 

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Lilay December 19, 2015

    Very impressive analysis which is evidence based and factual. Thank you so much!!!!!

  • delayi fthi December 19, 2015

    nay bhaki tsbuk raito kexlo ableka

  • Gabir December 19, 2015

    Well said Taddesse. Thank you for all the efforts you put on.

  • my eritrea December 19, 2015

    ተጋዳይ ገበነኛን መሳለጢ ገበን ገድሊን ዝነበረ ብሕጊ ዝሕተት ገባር እኩይ/criminal እዩ።ብዘይ ሽርኪ ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣይሰርሕን ።ግን ነዚ ብሞት ከቕጽዖ ዝግባእ ተጋዳላይ ፍርዲ ኣብ ጎኒ ጌርና ግን ናይ ዕርቅን ምሕረትን ኮሚሽን ብምፍጣር ክንሳነ ይግባእ ፣ምኽንያቱ ተጋዳላይ ገበነኛ ኮይኑ ንባዕሉ እውን ናይቲ ኩነታት ተጠቅዓይ/victim እውን ኔሩ እዩ።ተጋዳላይ ክደሊ ከምቲ ምእንቲ ደመወዙ ኢሉ ኣብ መጀመርያ እዋን ናጽነት ዝገበሮ ተቓውሞ ክገብር ከም ዝኽእል ርኢና፣ ንህዝቢ ግን ክቕጥቅጥን ክዕምጽን እምበር ክድንግጽ እኳ ኣይተራእየን።፡ግን ከልቢ ነኺሱኒ ኢልካ ከም ዘይትነኽሶ ንሕና እቲ ንሱ ዘየርኣየና ፍትሒ ከነርእዮ ይግብኣና።

    • ተወልደመድኅን December 20, 2015

      ማራ ደፊርካ።ንተጋዳላይ ኣብ ኣርባዕተ ምቐሎም፡ናይ ገበን ኣዛዚ ወይ ሃንዳሲ፡ንገበን ኣሳላጢ ወይ ተሓባባሪ፡ብምርዳእ ምእንቲ ሓቂ ዝሰርሐን ኣብ ቅድሚት ኮይኑ መስዋእቲ ዝኸፈለ ሓቀኛ ተጋዳላይ፡ተኾኪቡ ዝኸደ ኣይምስቶም በደልቲ ኣይምስቶም ቅኑዕ ገድሊ ዝጋደሉ ንዝመጸ ሓቂ’ዩ ኢሉ ዝቕበል ወይ ከምቲ ጓል በረኻ ነ’ደአ ኣበይና ንሓድር ኢላታስ ኣቦኺ ኣብዝበለና ዝበለቶ።ውድብና ኣብዝለኣከና ንኸይድ።ውድብና ዝበለና ንገብር፡ውድብና ዝሃበና ንቅበል ካልእ ቁሊሕ ኣይንብልን፡ውድብና ዝቖረሰልና ተቐማሲስና ንኸይድ ዝብሉ ኢዮም።ብቀዳማይን ብካልኣይ ደረጃ ዘለው ሎሚ’ውን ኣብቲ ዝለዓለ ባይታ መንግስትን ውድብን ስለዘለው ሎሚ’ውን ዝኹነኑ’ዮም።ብራብዓይ ደረጃ ዘለው እቲ ሕመቕን ድሕረት ኅብረተሰብ ዝፈጠሮም ፈትዮም ዘይኮኑ ሰኣን ኣፍልጦን ንቕሓትን’ዮም።ስለዚ በዚ መሰረት ክትክስስ ንቡር’ዩ።ብጠቕላላ ምኽሳስ ግን ጽቡቕ ኣይኮነን።

      • Lilay December 20, 2015

        ጽቡቅ ዘረባ ተወልደመድህን። አቲ ዝበልካዮ ኣብ ካለኣይ ክፋል ዘለዉ ተጋደልቲ ዘይኮኑስ ኣብዚ ጊዜ እዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዮም። ኣባላት ስለያ ኮይኖም፣ ኣሰርቲ መርመርቲ፣ ሓለውቲ፤ ረሸንቲ ዘለዉ ብሓፈሻ ኣባላልት ሀገራዊ ኣገልግሎት ዮም። ኣብ ፈቀዶ ዶባት ዘለዉ ረሸንቲ መድ ዲዮም፣ መራሕቲ ሓይሊ ኮንና ኢሎም ሰብ ሰላም ከሊኦም ዘለዉ፣ ሎሚ ደኣ ሞ ተጋዳላይ ሕሱም ይኹን ብሩኽ ኩሉ ኣሪጉ ክለኣኽ ኣይክእልን ዩ። እሰያስ እዚ ፈሊጡ ካብ 2000 ጀሚሩ ቅያር መልሚሉ ዩ።

      • Lilay December 20, 2015

        ትምህርቲ ሰውራ ተስፋ ኣቁሪጾሞ ዮም። ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ግና ዝተዋህቦም ቦታ ንህዝቦም ከጥፍኡ ሚስቶም ሳጥናኤላት ዝነበሩ ዉሑዳት ተጋደልቲ ኢና በሃልቲ ብጸጋ ተቀቢሎሞ። ኣነ ዘይርስዓ ኣደታት ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ፪፻፩ ደሃይ ደቀን ክገብራን ኣዉያተን ከስመዓን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተኣከባ ኣባላት ሀገራዊ ኣገልግሎት ዮም ከምይ ገሮም ብበትሪ እና ተሳህሉ ኣብ መካይን ይሰቅልወን ነሮም ካብ ዓይነይ ዘይጠፍእ ዩ። ሽዑ ነቲ ምሳይ ዝነበረ እንታይ ዮም እዚኦም ኢለዮ፣ ንሱ ኣካ ዋርሳይ ኢሉኒ። ዓገብ ስለ ዝበልኩ ድማ ንዓይ ድማ ብበትሪ ተሳሂሎም ሳልስቲ ኣብ ማእሰርቲ ዳጉነሙኒ። ክገፉ ከለዉ ከመይ ሰብ የጋፍዑ ነሮም ኩሉኹም ትፈልጡ ኢኹም። ግፈፉ ክበሃሉ ከለዉ ኣይረኸብናን ኢሎም ኮሊሎም እንተ ዝመጹ ነሮም ኢሰያስ ተስፋ ምቆረጸ ኮይኑ ግና ስጋብ ፍርጅ። ኣርማዲዮ ባስካ ከይተረፈ ይፍትሹልካ። ነቲ ክገብር ዝደሊ ተጋዳላይ ተስፋ ዘቑረጹ ወሎዶ ዮም።

    • Lilay December 20, 2015

      Even if you change name, I know who you are from your phrases. I would like to remind you that You know nothing, you can do nothing and even you are nothing.

    • Lilay December 20, 2015

      መን ምኻንካ ፍለጥ መጀመርታ፣ ንስኻን ንዓኻ ዝመስሉን ፍትሒ ንህዝቢ ዝኣክል ኣይኮነን፣ ዝተኣስረት ደርሆ ኣይትፈትሑን ኢኹም።

  • ABEL December 19, 2015

    TADESE KIDANE
    YOU ARE EMPOWERING THE YOUTH IN CRITICAL THINKING AND POLITICAL MATURITY. I PERSONALLY HAVE LEARNED SO MUCH FROM THESE MULTIPLE ARTICLES ON THIS SPECIFIC ISSUE. PLEASE KEEP WRITING AND I WILL KEEP LEARNING.

  • the patriot December 19, 2015

    What an analysis, supérb.

  • Kamal December 20, 2015

    Tadesse I read the 4 parts of ur article about “Tegadalay”…….. even if we can may differ on some points I really appreciate you. Excellent!!! keep giving more views and advices to our generation…..

  • MY ERITREA December 20, 2015

    ክቡራት ተወልደመድኅንን Lilayን ,

    ኣብ criminal code..aiding and abeiting ዝብሃል ኣሎ።ቲፎዞ ናይቲ ዘጥቅዕ ዘሎን መሳለጥን ማለት እዩ።ስለዚ ከምቲ ዝበልኩሞ እስከ ኣብ ነዞም ተጋደልቲ 4 ንኽፈሎም ,

    1)ኢሳያስን መሻርኽቱን ጸረ ህዝብና ፈወንቲ ገበንን
    2)ብስዉር ንኽቐትሉን ንኽዕምጹን እቲ ውድብ ዝልእኮም ዝነበረን ዘሎን
    3)እዚ ኩሉ ክግበር ከሎ እናርኣዩ እዚ እንተኮይኑ ቃልሲ ኣይንደልን ኢሎም ንህዝብን ምስኦም ንዝነበሩ ተጠቃዕትን ዘይተካላኸሉ፣ድሙ ድሙ ከም ማይ እናተሰተየን ኣብ ቅድሚኦም ካልእ ኣብዚ ከስፍሮ ዘይደሊ ብዕልግናን ኣብ ርእሲ ተጋደልቲ ደቀንስትዮ እናተፈጸመን ከሎ ፣ዓይነይ ኣይርኢ እዝነይ ኣይሰምዕን ኢሎም ዘስትሓመሉ ጃጀውቲ ገበነኛታት ተጋደልቲ
    4)ብሓይሊ ካብ ማሕረስ ተገዲዶም ብሰለፍ ጠበንጃ ዝተወስዱን ፣ካብ ሕጽኖት ንእደን ተጎቲተን ክቃለሳ ዝተገደዳ መሳኪን ተጋደልትን !!!

    ከምቲ ካብ ኣህባይ ኣየነይተን ጽብቕቲ ምድላይ ዋጋ ከም ዘይብሉ ፣ብዘይካ እዞም ኣብ ቁጽሪ 4 ዘስፈርኩዎም በዚሕ ኦም ገበነኛታትን መሳለጥቲ ገበንን እዮም ኔሮም።እዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ 400 ኪሎ ሓርማዝ ስለ ዘይንርኢ ኢና ኩሉ ጊዘ ዘይህዕወት፣ እቲ ጸገምና ንሓሰማ ጥልፊ ዙርያ እናውደን ወዘሮ ክንገብራ ስለ ንደሊ እዩ።

    With utmost respect
    My Eritrea Shikor

    • Lilay December 21, 2015

      ባጀላ ኣላትኒ ኢልካስ ያኢ ብዛዕባ ሕጊ ሰው ኣቢልካ፣ ዓጀብ፤ ስቅ ኢልካ ተለእኮኻ ፈጽም። ንኢትዮጵያ ህዝባን ዝጸልእ ኤርትራዊ ዳርጋ የለን ኣብዚ ጊዜ ዚ። ኮይኑ ግና ንስኻን መሰልትኻን ገለ ቁራስ ክትበልዕ ኢልካ ምስሊ ገድሊ ደዊንካ ኣስቢ ኪትቅበል ትገብሮ ዘለኻ ጻዕሪ ንኹሉ ሰብ ስዉር ኣይኮነን። ካልኣይ ድማ ኣብ መንጎ ተጋዳላይን ሓዲሽ ወሎዶን ዘይቅዳው ፈጢርካ ውዕለት ርኹስ ተግባርካ ድማ ህግደፍ ኪትቅበል ትገብሮ ዘለኻ ሽሕጣን ካብ ዝኾነ ሃገሩን ታሪኹን ዘኽብር ኤርትራዊ ዝተኸወለ ከይመስለካ። ንስኻ እቲ ናይ ምንቅልዋጥ ስራሕካ ቅጽሎ፣ እንተ እቲ ደላይ ፍትሒ ግና ዓቢኡ ንእሽትኡ ብሓባር በቲ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ቃልሲ ጎደና ክምርሽ ዩ። እንተ ንስኻ ባርያ ዘይወግሕ መሲልዋ ኣብ ቦኽራ…….. ዩ ነገሩ;;

  • MY ERITREA December 20, 2015

    ክቡራት ተወልደመድኅንን Lilayን ,
    ኣብ criminal code..aiding and abeiting ዝብሃል ኣሎ።ቲፎዞ ናይቲ ዘጥቅዕ ዘሎን መሳለጥን ማለት እዩ።ስለዚ ከምቲ ዝበልኩሞ እስከ ኣብ ነዞም ተጋደልቲ 4 ንኽፈሎም ,
    1)ኢሳያስን መሻርኽቱን ጸረ ህዝብና ፈወንቲ ገበንን
    2)ብስዉር ንኽቐትሉን ንኽዕምጹን እቲ ውድብ ዝልእኮም ዝነበረን ዘሎን
    3)እዚ ኩሉ ክግበር ከሎ እናርኣዩ እዚ እንተኮይኑ ቃልሲ ኣይንደልን ኢሎም ንህዝብን ምስኦም ንዝነበሩ ተጠቃዕትን ዘይተካላኸሉ፣ድሙ ድሙ ከም ማይ እናተሰተየን ኣብ ቅድሚኦም ካልእ ኣብዚ ከስፍሮ ዘይደሊ ብዕልግናን ኣብ ርእሲ ተጋደልቲ ደቀንስትዮ እናተፈጸመን ከሎ ፣ዓይነይ ኣይርኢ እዝነይ ኣይሰምዕን ኢሎም ዘስትሓመሉ ጃጀውቲ ገበነኛታት ተጋደልቲ
    4)ብሓይሊ ካብ ማሕረስ ተገዲዶም ብሰለፍ ጠበንጃ ዝተወስዱን ፣ካብ ሕጽኖት ንእደን ተጎቲተን ክቃለሳ ዝተገደዳ መሳኪን ተጋደልትን !!!
    ከምቲ ካብ ኣህባይ ኣየነይተን ጽብቕቲ ምድላይ ዋጋ ከም ዘይብሉ ፣ብዘይካ እዞም ኣብ ቁጽሪ 4 ዘስፈርኩዎም በዚሕ ኦም ገበነኛታትን መሳለጥቲ ገበንን እዮም ኔሮም።እዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ 400 ኪሎ ሓርማዝ ስለ ዘይንርኢ ኢና ኩሉ ጊዘ ዘይህዕወት፣ እቲ ጸገምና ንሓሰማ ጥልፊ ዙርያ እናውደን ወዘሮ ክንገብራ ስለ ንደሊ እዩ።

    With utmost respect
    Your’s My Eritrea Shikor

    • ተወልደመድኅን December 20, 2015

      ስማዕ ዓርከይ ባህሪ ህዝቢ ኤርትራ ትርስዖ ኣሎኻ።እስከ ናብ ገድሊ ቅድሚ ምዃድካ ሎሚ ኣብዚ ከምድላይካ ሃበረታ ክትረኽበሉ ትኽእል እዋን ከመይ ንኸይድ ኣሎና።ሰባት ኣብ ኣጻምእ ምድረበዳ ብጽምኢ እናሞቱ፡ኣብ ቀላያት እናጠሓሉ፡ገደ ኣረመናውያን በደዊን እናኾኑ፡ኣብ ኤውሮጳን ኤሜሪካን እረ ገሊኦምስ ምሁራት ከይተረፉ ስእሊ ኢሳያስ ተሓንጊጦም ንሕና ንሱ ክብሉ’ዶ ይውዕሉ የለውን።ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ንዝኾነ ኩነታት ከከም ረብሓኡ ኢዩ ዝርእዮ።ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝፈጸም ዚነበረ ከኣ እቲ ዝበዝሕ ኣካል ስሚዒት’ምበር ብሰለት ፖለቲካ ኣይነበሮን።ብዘይካኡ እቲ ኢሳያስ ንዝገብሮ ግስርጥና ናብ ኩሉ ተባጺሑ ዝኾነ ይኹን ምውድዳብ ከይፍጠር ናይ ሓበረታ ጉድለት ኔሩ። ቅንጸላ ሃደ ሰብ፡ተጋዳላይ ክሳብ ዝሰምዕ ብውሑዱ ክልተ ዓመት የድልዮ።እቲ ዝሰምዐ’ከ ምስ መን ክዛረብ።እቲ ንውሕስነት ተባሂሉ ዝተወስደ ስለያ፡ንተጋዳላይ ኣሱሩዎ።ሰለዚ እቲ ዝመረሮ ምጽዋር ዝሰኣኖ ነናብ ዘድልዮ በተግ ኢሉ ክከይድ’ዩ፡እቲ ብኒሕ ድዩ ወይ እሱር ዝነበረ ከኣ ኣብ ናጽነት በጺሑ’ዩ።ስለዚ ኤርትራ ከም ሃገር፡ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ርእሱ ዝከኣል ኣካል ኦኣለም ክከውን በቒዑ’ዩ።ስለዚ ዝነበረ ጌጋ ዘይምዕራዩ፡ብዘይጠቅም መብጸዓ ተታሊሎም ኣብ ኣርባዕተ ዝኸፈልኩዎም ተጋደልቲ ይወቕሶም’የ።ግን ስራሕ ኢሳያስ ምስረኣዩ ገዲፎሞ ዘይከዱ ምባል ግን ቅብልቲ ኣይኮነትን።ምኽንያቱ ከምዚ ሕጂ ንርእዮ ዘአሎና’ኮ ኢሳያስ ነቲ ቃልሲ ክብትን ዝወፈረ ሰብ’ዩ።ስለዚ ኩሎም ገዲፎም እንተዝኸዱ፡ን ኢሳያስ ዝበለጸ ሎሚ ፕረዝደንት ኢትዮጵያ ኮይኑ ምሃለወ።ኤርትራውነት ከኣ ከም ጡብ ኣደ ምተቐብጸ ኔሩ።

    • AHMED SALEH !!! December 20, 2015

      It is true our past experience was bitter to think about it but we
      shouldn’t hold grudges to punish our future . To avoid mistakes
      from repeating themselves we must inform and educate the young
      generation with thoughts that insulate them from negatives .
      Otherwise to play game of blame doesn’t take us no where especially
      at our present critical moment that needs prior attention .

    • haile simon December 20, 2015

      my eritrea
      ሓደ ነገር ረሲዕካ። እቶም ተጋደልቲ ንሃገር ክዋግኡ ከለዉ፡ ንስኻን ኣቦኻን ድማ ሓደ ወዶ ገባ፡ ሓደኹም ድማ ማልሻ ስርናይ ኮንኩም ንተጋደልቲ ክትወግኡ ምስ መጻእኩም፡ ምስቶም “ሽፍቶች፡ የኣረብ ቡችሎች፡ ኣቃጣሪዎች፡ ወንበዴዎ . . . “እናበሉ ንተጋደልቲ ክቐትሉ ዝወፍሩ ዝነበሩ ተሰሊፍኩም ምንባርኩም ረሲዕካ። ንስኻትኩም 5ይ ኢኹም። ሽዑ ኣቦኻ ኣብኡ ተሪፉ – ንስኻ ከኣ ልብኻ ሽዓ ምስ ባህረረት፡ ክሳብ ሎሚ ንተጋደልቲ ክትጸርፍ ትውዕል ኣላ።
      ሳላ ንወጻኢ ዝሰገርካ ግን ካብ ሞት ኣምሊጥካ ኣሎኻ። ስለዚ ምጽራፍካ ዘገርም ኣይክነን።

  • the patriot December 20, 2015

    What would be next ?

POST A COMMENT