Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተማሕጺነካ’ለኹ! ተማሕጺነካ!

ጀነቫ በጺሑ’ሎ ዝፈጸምካዮ ገበናት ሰንጢቑ ናይ ኤርትራ ሰማያት ስለዚ ተማሕጺነካ’ለኹ! ተማሕጺነካ! ጽባሕ 27 ግንቦት ካብ እግረይ ከይትተርፍ! እንተተሪፍካ ኣብኣ ትደኻ ክኸብድ’ዩ ዕዳኻ ከይትዝንግዕ ከኣ ኣብ ጀነቫ ምዃኑ ቆጸራይ ቆጽራኻ ይስቆረካ’ውን ይኸውን ናይ ካልኦት መሰል ግሂስካ ብዘይ ፍርዲ ሰብ ምጥፋእካ ናይ ገበን ገበን ከም ዝፈጸምካ ስለዚ ኣብ

ጀነቫ በጺሑ’ሎ ዝፈጸምካዮ ገበናት

ሰንጢቑ ናይ ኤርትራ ሰማያት

ስለዚ ተማሕጺነካ’ለኹ! ተማሕጺነካ!

ጽባሕ 27 ግንቦት ካብ እግረይ ከይትተርፍ!

እንተተሪፍካ ኣብኣ ትደኻ

ክኸብድ’ዩ ዕዳኻ

ከይትዝንግዕ ከኣ ኣብ ጀነቫ ምዃኑ ቆጸራይ ቆጽራኻ

ይስቆረካ’ውን ይኸውን

ናይ ካልኦት መሰል ግሂስካ

ብዘይ ፍርዲ ሰብ ምጥፋእካ

ናይ ገበን ገበን ከም ዝፈጸምካ

ስለዚ ኣብ ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ቀሪብካ

መሰልካ’ዩ ክትሰምዕ ክትቅበል ክስኻ

መልሲ ክትህብ መልሲ እንተልዩካ

ነቲ ብዓለም መሪማሪ ኮሚሽን ዝተረጋገጸ ገበናት

ኣንጻር ሰብኣዊነት

ክትምልከቶ ነቲ ኣእላፋት ዝፈረሙሉ ሰነዳት

ሓሶት እንተ በልካ ከም ኣመልካ!

ሓሳዊ ምዃንካ ጥራይ ኢኻ ተመስክር ዘለኻ

ዝገደድ ዝረኣየኒ ዘሎ ከኣ ክነግረካ

ዝሰምዕ እዝኒ ዘስተውዕል ኣእምሮ እንተለካ

ምዑታት ይትኣኻባቡ ኣለዉ

ከሕጽሩዎ ምዓልትኻ

ኣዕጽምቲ ስውኣት’ውን ይስሓል’ዩ ዘሎ

ኩናት ኮይኑ ክወግኣካ

ኩሉ ዝመረሮ ይስዕበካ’ሎ ይስዕበካ

ካባኻ ተኸዊሉ በታ ጽላሎትካ

ስለዚ ዝቐለለካ ሒዝካ

ኸበደካ ገዲፍካ

ምእላይ ይሕሸካ ግዜ ከለካ

ስዓብትኻ ገበነኛታት ሒዝካ

ፍርዲ ህዝቢ ከይመረካ

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 20 ግንቦት 2016

“ሓሳዊ … ኣዳራሽ ገዛ መዕነዊ”…!”*

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT