Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቪቫ ወዲ ኣፎም!

ቪቫ ወዲ ኣፎም! እናፈለጡዎ *መቓፍር ምዃኑ  *ተንኮለኛ፡ ተካል ዚመጋብሩ ምሁራት’ዛ ሃገር *ቃቤላ ዘዕኑ  *ዓንዲ ማእከል፡ ጸዋር ኩሉ እናረኣዩዎ እወ ከጽንት ጀጋኑ ሃገራዊ ወኒ ዘይሰዓር ኮይኑ ንናጽነት ሃገር ዓጢቖም ኣብ ጎድኑ! ድሕሪ ናጽነትውን ቀጺሉ ቅንጸላ ህዝቢ እናታለለ ብዲጋ ብዒላ ዚጭበጥ ዚድህሰስ ዚቕመስ ዘይብላ ብሙዚቃን ከበሮን ብጣቒዒት

ቪቫ ወዲ ኣፎም!
እናፈለጡዎ *መቓፍር ምዃኑ  *ተንኮለኛ፡ ተካል ዚመጋብሩ
ምሁራት’ዛ ሃገር *ቃቤላ ዘዕኑ  *ዓንዲ ማእከል፡ ጸዋር ኩሉ
እናረኣዩዎ እወ ከጽንት ጀጋኑ
ሃገራዊ ወኒ ዘይሰዓር ኮይኑ
ንናጽነት ሃገር ዓጢቖም ኣብ ጎድኑ!
ድሕሪ ናጽነትውን ቀጺሉ ቅንጸላ
ህዝቢ እናታለለ ብዲጋ ብዒላ
ዚጭበጥ ዚድህሰስ ዚቕመስ ዘይብላ
ብሙዚቃን ከበሮን ብጣቒዒት ጓይላ
ሓሊፉላ ሃገር ይብለና ማዕቢላ
መከራን ሓዘንን ወላዲት ክኣኽላ
ጀጋኑ ተንስኡ ዋልታ ክትኮኑላ!
እምበር እዚ መላኺሲ፥
ኣመና ጨካን’ዩ ልቢ ሰብ ዘይብሉ
ምስ ኩሉ ዚናኸስ ነዛ ስልጣኑ ኢሉ
ዋላ ህዝቢ ይጥፋእ ካብ ሃገር ጠቕሊሉ
እንታይ ይግድሶ መዓስከ ይሓልየሉ
ስልጣኑ ኪዕቅብ ሓይሉ ኣደልዲሉ
ወርቂ ናይ መሬት ኣጽዋር ሸሚቱሉ!
ኣይኮነን ንሓፋሽ ዘይዓጽመ ስጋኡ
ድያብሎስ ጨካን’ዩ ዋላ ንስድራኡ
ዚሰርሓን ዚሕልዋን እንኮ’ያ ንእኡ
ኣብ ስልጣኑ ምንባር ዝጥፋእ ኣጥፊኡ!
ፍቕርን ሃይማኖትን ብ *ማኦ ኣጥፊኡ  *ቻይናዊ መላኺ
ኪጽለል’ዩ ዚደሊ ስመን እንተ ሰሚዑ
መላኺ ብሃንደበት እንተ ተቖጢዑ
ሰባት ንኸጥፍእ ንጹህ ደም ኪኽዑ
ብዓል ንሕና ንሱ ከበሮ እናወቕዑ
‘ቪቫ ወዲ ኣፎም’ ኢሎም የጣቕዑ!
ብዓል ንሕና ንሱ እዚ እንተዘይ ጌሮም
ቁጣዐ ድያብሎስ ብደዎም ከይቀብሮም
ብዊስኪን ኣረቅን ዑድ ዕጣን ኣሕሪሮም
‘ኣድሃ ኣድሃ’ ይብሉዎ ብጓይላ ጨፊሮም
ድሕሪ’ዚ ድማ’ዩ *ኣውቶክራት ዚምሕሮም!  *ውልቀ መላኺ
ኣታ እዞም *ባጊራት ብዓል ንሕና ንሱ   *ኣዝዮም ድሑራት፡ ዓዋናት
ህዝቢ እናሓዘነ ንሳቶም ዝድበሱ
ኣርዑት ተቖሪኖም እንካብ ዝሕረሱ
ካብ ኣምልኾት ጣኦት መታን ክፍወሱ
ምሕረት የውርደሎም ኣምላኽ ካብ መንፈሱ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 03-06-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • halal June 4, 2013

    To mesinas
    ANE HADE KAB TEKETATELTI TSEHUFATKA KOYNE ,BETEKEREBOM GETEMETATKA {TSEHUFATKA} BEMESGANA KEGEMERO .SERAHATKA NAY BEHAKI MEHARTI ,KETETA MELEKETI ZEMEHALALFU KEKONU KOLEWU ETI KENDI GENA BETETSEHFOM AZYOM BERTUAT ZEKONU KALAT KEYEMESGENKUKA KEHALF AYDELEN ENTEKONE GENA GETMETATKA KENEBEBOM MKELEKU BESENKI TETEKEMOM WORDS FLLOW NAY GETEMETATKA YESEBER EMO AB MONGO KETEKARESO TEEDED PLEASE USE EASY WORDS .

  • Mesinas June 4, 2013

    ዝኸበርካ ሓው/ሓፍቲ ሓላል፡ ብመጀመርያ በቲ ሓበናን መግለጺ መንነትናን ዚኾነ ሃብታም ቋንቋና፡ ቋንቋ ትግርኛ ጌርካ ንዝሃብካኒ ሞራልን ኣድንቖትን ብልቢ ከመስግነካ እፈቱ። ብምቕጻል፥ ናይቲ ዘቕረብካለይ ዓለቕ (ርእይቶ) መልሲ ክህበካ ፍቐደለይ? ርእይቶኻ ከምዚ፥ …GENA BETETSEHFOM AZYOM BERTUAT ZEKONU KALAT KEYEMESGENKUKA KEHALF AYDELEN. ENTEKONE GENA GETMETATKA KENEBEBOM ENKELEKU BESENKI TETEKEMELOM WORDS FLLOW NAY GETEMETATKA YESEBER EMO AB MONGO KETEKARESO TEGEDED PLEASE USE EASY WORDS. እዩ ዚብል ነይሩ።

    ጽቡቕ ኣለኻ ክቡር ሓው። ዘይዙውቱራት ቃላት ምጥቃም ንምርደኦም ጸገም ከም ዘምጽእ ይርደኣኒ’ዩ። እንተኾነ እዚ ሓደ ካብቲ መኸተ ኣንጻር’ቲ ብምልኪ ዚህመሽ ዘሎ ቋንቋና ስለ ዚኾነ ሸለል ኢልካ ኪስገር ዚከኣል ኣይኮነን። ብተወሳኺ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላማታተይ ቋንቋ ትግርኛ ምምዕባል ስለ ዚኾነ፡ ናብቲ መልእኽቲ ጥራይ ብምትዃር ክጽሕፍ ከጸግመኒ’ዩ። ዘይከኣል ግን ኣይኮነን። ኣብ ርእሲኡ እቲ “ብሓንቲ ወንጭፍ ክልተ ዑፍ…” ዚብል ምስላ ኣቦው በዚ ኣጋጣሚ ተተጠቐምኩሉ ጎዳኢ ኣይመስለንን። ኣብ መወዳእታ ምስ ብዙሕ ይቕረታኡ ክብለካ ዚደሊ፡ ካብዚ ዝበልካዮ ዕንቅፋት ንምድሓን፡ ነቲ ጽሑፍ ደጊምካ ከተንብቦ’የ ዝላበወካ። ንኣኻውን ናይ ቃላት ሃብቲ ኪውስኸልካ ስለ ዚኽእል ደጋጊምካ ምንባብ ጠቓሚ’ዩ።

    ሓውኻ መሲናስ

    • halal June 4, 2013

      thakyou for your reply .kemti zebelkayo kegeber eye betewesaki kem WORDS tsehifka mes tergumu entetedalu betaeemi tsebuk neru .bezekone bezehabkani melsi hegus eye thankyou

  • Mussina June 4, 2013

    Messinas
    habtam Eritreawi nflema yr’ei aeleku, messinas if possible i want to meet with you, your Tigrigna knowledge is very very interesting to the majoity of the population. if possible i like meet with you for some corections…there are rare people like you have good Tigrigna knoledge, so please write articles if possible as well.
    Carry on !!

    we are pleased of you.

  • oromay June 4, 2013

    Choose the right title for your poem bro.

  • Mesinas June 6, 2013

    ዝኸበርካ/ኪ ሓው ሙሲና፡ ብመጀመርያ ንዝሃብካኒ/ክኒ ሞራልን ኣድንቖትን ከመስግን እፈቱ። ብምቕጻል፥ ንሕቶኻ/ኺ መልሲ ክህብ ፍቐደለይ/ፍቐድለይ? ንእርማት ክትረኽበኒ/ብኒ ከም ዝደለኻ/ኺ ሓቢርካኒ/ክኒ ጸገም የለን። ኣድረሰይ ካብ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ኣማኑኤል እያሱ ወሲድካ/ኪ ክትረኽበኒ/ብኒ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ። ኣቐዲመ ክሕብረካ/ኪ ዝደሊ ነገር ግን ኣነ ተማሃራይ ናይ ቋንቋ ትግርኛ’ምበር መምህር ከምዘይኮንኩ’ዩ። ዓቕመይ ዝፈቕዶ ኣፍልጦይ ንኣሕዋተይን ኣሓተይን ንምክፋል ግን ሓደ ካብቲ ደስ ኢሉኒ ዝፍጽሞ ተግባር ምዃኑ ከረጋግጸልካ/ኪ እፈቱ።

    ሓውኻ/ኺ መሲናስ

POST A COMMENT