Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቦኽሪ ርክብ መተዓብይቲ ደቂ ደቀምሓረ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት

22.10.2016 መተዓብይቲ  ደቂ  ደቀምሓረ  ኣብ  ሃገር  ጀርመን  ዝነብሩ  ብኣካል ተራኺቦም  ነንሕድሕዶም  ክፋለጡን  ኢሂን ምሂን  ተበሃሂሎም  ከኣ  ክመያየጡን ንዘኽእሎም  ኲነታትን ሃዋህውን ንምፍጣር  ድሕሪ  ናይ  ሓያሎ  እዋን  ውረድ ደይብ  ሓሳባት  እነሆ  ከልብን መዓልትን  ከይጸዋዕካዮም  ይመጹ  ተባሂሉ  ብኣበው  ኣቦታትና 

22.10.2016

መተዓብይቲ  ደቂ  ደቀምሓረ  ኣብ  ሃገር  ጀርመን  ዝነብሩ  ብኣካል ተራኺቦም  ነንሕድሕዶም  ክፋለጡን  ኢሂን ምሂን  ተበሃሂሎም  ከኣ  ክመያየጡን ንዘኽእሎም  ኲነታትን ሃዋህውን ንምፍጣር  ድሕሪ  ናይ  ሓያሎ  እዋን  ውረድ ደይብ  ሓሳባት  እነሆ  ከልብን መዓልትን  ከይጸዋዕካዮም  ይመጹ  ተባሂሉ  ብኣበው  ኣቦታትና  ከምዝተመሰለ  ኣብ  ከተማ ፍራንክፈርት ብዕለት 22.10.2016  ብዘደንቕ ኣገባብ  ብቡዙሓት   ደቂ ተባዕትዮን  ደቂ  ኣንስትዮን መተዓብይቲ  ዝተረኽቡዎ  ተሳተፍነት ብዓጀባ  ደሚቑን ከቢሩን ውዒሉ።

እቲ ኣኼባ ብዝኽርን  ጸሎትን  ሰማዕታት ተኸፊቱ  ቀጺሉ  ተሳተፍቲ  ናብ  በተን  ወዓሮ መተዓብይቲ  ደቂ  ደቀምሓረ  ኣብ  ፍራንክፈርት ዝነብራ ዘዳለውኦ  ኢድ  ዘቆርጥም  ሺሻይ  መግቢ   ካብቲ  ቡፌ   ቃሕ ዝበሎ  መሪጹ ብምውሳድ  ከብዲ ምላሽ ተመገበን ተዓንገለን።ዝስተ`ውን  እንተኾነ  ካብ  ስዋ  ዓድና  ጀሚርካ  ወይኒ  ደቀምሓረ  ከይተረፈ  ኲሉ ዝጎደለ የለን።ኣብቲ ኣኼባ ብዙሓት  ምሁራትን  ሰብ  ቅያ ተጋደልቲ  ከም በዓል ታረቀ በራኺ  ብምንባሮም ዝያዳ ሚዛንን መዓርግን ሂቡዎ።ንሱ ጥራሕ  ዘይኮነስ  እቶም  ወናማት ደረፍትን ተጻወትን  ሙዚቃ ብወደባት ደቀምሓረ  ነጋሽ  መሓመድ ብርሃን  ዝእለዩ ክሳዕ  ወጋሕ ትበል  ለይቲ ነቲ ህዝቢ  ብምዝንጋዖም  ዓቢ  ድምቀትን ግርማን ኣልቢሶምዎ  እዮም።እቲ ዳስ  ብዝተፈላለዩ  ስእልታት  ደቀምሓረ  ተሰሊሙን ተወቂጡን ኢዩ።ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ  መተዓብይቲ ደቂ ደቀምሓረ ብወንን  ብርቱዕ  ዝኽርን  ተደሪኹ ዝሞተ እንተሞተ እቶም ዘለና ንዛተ ክብል ምስቶም ሙዚቀኛታት ተወኃሂዱ“ እንታይሞ  `ታይሞ እዛ ዓለምዚኣሞ“  እንዳበለ ብፍላይ ነቶም ሰማዓታት መተዓብይቲ  ደቂ ደቀምሓረ ብምዝካር ንኹሎም ተሳተፍቲ ልቦም መሲጡን ተንኪፉን።ቀጺሉ  ከኣ ተሳተፍቲ ኣኼባ ካብ መንጎኦም ንባህልን ልምድን ኣቦታትና ተኸቲሎም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ናይ ጀርመን ዝቕመጡ መተዓብይቲ ደቂ ደቀምሓረ  ነዚ ሓድሽ  ምጥርናፍ  ኣማእኺሎም ክመርሕዎን  ከካይድዎን ዝኽእሉ ሰባት መሪጹ ቆጽሊ ኣውዲቑሎም።

ነዚ  ቦኽሪ በዓል  ርክብ  መተዓብይቲ  ደቂ  ደቀምሓረ  ኣብ  ፍራንክፈርት ጀርመን ንምትብባዕን  ንዝያዳ  ዕብየቱን ዝተመነዩ ብዙሓት ደቂ ደቀምሓረ ካብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለማትን ሃገራትን  ብስልኪ  ደዊሎም  ከምኡ`ውን ብስካይ  ተጠቒሞም  ኣብቲ ኣደራሽ ሰናይ ትምኒቶምን ሓጎሶምን ገሊጾም።

ናይ ሰነድ ጽሑፍ ኣቕራቢ

ኣንገሦም ገ/ዮውሓንስ

ሉድቪክስቦርግ/ጀርመን

dekemhare-gathering-5 dekemhare-gathering-4 dekemhare-gathering-3 dekemhare-gathering-2

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • PH October 26, 2016

    TEklay.
    You sound like old teclay we know in this forum. back word dreamer bahri -negasi .

  • Hafash October 29, 2016

    God bless you Deki Dekemhare Shidenat The Upright People! I wish I was there. Keep up the good work!

POST A COMMENT