Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ቤ/ጽሕፈት ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዝወጸ መግለጺ፡

ንሕና ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ነዛ ብዓለም ደረጃ ንመበል102 ዓመት እትኽበር ዘላ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ክነብዕል ከለና፤ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ንዝበጽሐን ዝበጽሕ ዘሎን ጾታዊ ጭቆናን ኣግላሊ ኣሰራርሓን ማእከል ብምግባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ወጽዓና ኣካል ኣምሳል ናይ’ቲ ዝበዝሐን ብቐጻሊ ብህግደፍ ዝሳቐ

ንሕና ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ነዛ ብዓለም ደረጃ ንመበል102 ዓመት እትኽበር ዘላ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ክነብዕል ከለና፤ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ንዝበጽሐን ዝበጽሕ ዘሎን ጾታዊ ጭቆናን ኣግላሊ ኣሰራርሓን ማእከል ብምግባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ወጽዓና ኣካል ኣምሳል ናይ’ቲ ዝበዝሐን ብቐጻሊ ብህግደፍ ዝሳቐ ዘሎ መላእ ሕብረተሰብናን ምዃኑ ብምግንዛብ፣ ናይ ኩሎም ውጹዓት ወገናትና መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ከይተኸብረ፡ መሰል ውጽዕቲ ጓል-ኣንስተይቲ ከምዘይረጋገጽ ብምርዳእ እዩ። ብተወሳኺ ከም ኣካል ናይ ኩለን ፍትሒ ዝጸምኣና ውጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ ዓለም መጠን፡ ነታ ካብ 1910 ጀሚራ ዓመት መጸ ብድምቀት እትኽበር ካብ ድቕድቕ ጸልማት ናብ ብርሃን ጾታዊ ማዕርነት ዝኸፈተት ታሪኻዊት ዕለት ምኽንያት ብምግባር፡ ውሽጣዊ ምትእስሳርና ብምሕያል ክንዲ ዝዓቕምና ድምጽና ንማሕበረ-ሰብ ዓለም እነስመዓላ ናይ ቃልሲ መድረኽ’ውን እያ።

ኣህጉራዊት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ 8 መጋቢት እተን ተቓሊሰን ዝተዓወታ ደቂ-ኣንስትዮ ዝሕበናላ፡ ኣብ መስርሕ ዝርከባ ድማ ብዝያዳ ድልዱል ውዳበ ፈጢረን ብትብዓትን ብቕዓትን ንመሰለን ደው ዝብላላ  ዕዝዝቲ ዕለት እያ። ህዝብና ኣብ ትሕቲ ፍጹም ጨና ደሞክራሲ ዘይብሉ ጨፍጫፊ መንግስቲ ህግደፍ ብምህላዉ፡ ተደራራቢ ወጽዓ ማለት ዱሑር ባህልን ኣተሓሳስባን ቀይዱ ተባዕታዊ ጸቕጥን ኢዲሞክራስያዊ ምሕደራ ህግደፋዊ ስርትዓን  ዝተሰከምና ውጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ጾርና ነውረደሉ፡ ተሳትፎና ብሕግን ብግብርን ነረጋገጸሉ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር፡ ዝያዳ ልዕሊ ካልእ ግዜ ብተናጸል ዘይኮነ ብሓባር ንቃለሰሉ ወሳኒ መድረኽ’ዩ። ካብ’ቲ ዝተሓተ ናብቲ ዝለዓለ ክንበጽሕ መጀመርያ ጠንቅን ሳዕበንን ዘቤታዊ ሕሰምና ከነለሊ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝውገደሉ፡ ንጹር ኣንፈት ክንጭብጥን ግብራዊ ተሳትፎ ከነረጋግጽን ከም ዘለና ንርዳእ። ካብ’ዚ ተበጊስና ጾታዊ ማዕርነት ብዓለም ደረጃ ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ፣ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ምምሕዳራዊ፣ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ መዳያት እንታይ ይመስል፡ ካብ ካልኦት ተመክሮ ንሓፍሰላ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ኸኣ ግደ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ግዜ ዝተናወሐ ዕጥቃዊ ነጻነታዊ ቃልስን ሎምን ብምንጽጻር እንርእየላ፡ ውዳበና ኣሐይልና፡ ካብ ዝጸናሕናዮ ሓኒና ንቕድሚት ንምርሸላ ፍልይቲ ዕለት’ያ።

ናይ ሓደ ሕ/ሰብ ፍትሓዊ ቃልሲ ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣይዕወትን እዩ። ጾታዊ ማዕርነት’ውን ብሃገር ደረጃ ስርዓተ ምልኪ ተወጊዱ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ከይነገሰ፡ ሉዑላዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ ኣብ ባይታ ብግብሪ ከይተረጋገጸ፡ ኮታ መሰል ኩሎም ዜጋታትን ማሕበራዊ ክፍልታትን ከይተኸብረ ንበይኑ ተነጺሉ ዝምለስ ሕቶ ስለዘይኮነ፡ ጸላእን ፈታውን ምልላይ፡ ካብ ብተናጸል ብዝመስለካ ውደባ ምፍጣር፡ ኣብ’ዚ ከይተሓጸርካ ንዝለዓለ ሓባራዊ ዕማም ብሓሳብን ብግብርን ድልዊ ምዃን የድሊ። እዛ ሎሚ ኣብ ዓመተ 2012 ኮይና ነኽብራ ዘለና 8 መጋቢት ኣህጉራዊት በዓል ደቂ-ኣንስትዮ፡ ፍልይቲ ዝገብራ፡ተበታቲኑ ነንበይኑ ክሃልኽ ዝጸንሐ ደምበ ኤርትራውያን ሓይልታት ደለይቲ ለውጢ፡ በበይንኻ ጉያ ከም ዘየዋጽእ ተረዲኡ፡ ደረጃ ብደረጃ ፍልልያቱ እንዳጽበበ፡ ዓቕሊ ጽሮቱ እንዳወሰኸ መጺኡ፡ ንነዊሕ ዓመታት ሃርር ክንብሎ ዝጸናሕና፡ ንኹሉ ክፍልታት ዝጥርንፍ ሰፊሕ ግንባር ብመንገዲ ዕውት ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክውን ኣብ ዝገበርናሉን፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ናይ ቃልሲ ኒያቱ ተበራቢሩ ኣብ ቅሉዕ መድረኽ ምስ መሓውራት ህግደፍ ኣብ ዝኳሸሓሉን ዘሎ ምቹእ ናይ ቃልስን ለውጥን መድረኽ ብምህላውና እዩ።  

ኤርትራውያን ብዙሕን ክቡርን ናይ ሂወት ዋጋ ዝኸፈልናሉ ሃገራዊ ነጻነት፡ ካብ’ቲ በዓል ቤት ዝኾነ ህዝቢ ብሓይሊ ብረት ተመንዚዑ ይርከብ። ሃገርና መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ዜጋታትን ኩሎም ማሕበራዊ ክፍልታትን ኣብ ተጋሂሱን ነጻነት ልዑላውነት መሬት ዝብል መስመሩ ዝሰሓተ ኣስካሪ ፕሮፖጋንዳዊ ነፍሕታት ንኣስታት 20 ዓመታት ልዕነት ሒዙ ኣሎ። ዘመን ዝሰገሮ ባርነት ነጊሱ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ናይ ኣደታታ ክብርን መዓርግን ስኢና መርወዪ ስምዒት ስበስልጣን ህግደፍ ኮይና ኣደዳ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ዘይተደላዪ ጥንስን ሕርስን ኮይና ብመሪር ሓዘንን ዓሚቕ ድኽነትን መጻኢኣ ጸልሚቱ መልከዓ ተዳዊኑ ኣሎ። እቲ ጠንቂ ሕሰም ናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራን ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይትን ዝኾነ ጠላም ኢደ-ወነናዊ ስርዓት ድሮ ሓቀኛ መንነቱ ተፈሊጡስ ብወሳኒ መልክዑ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ዞባናን ደላዪ ሰላም ማሕበረሰብ ዓለምን ተነጺሉ ማይ-ቤቱ ተሓቑዊኑ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ቲ መንግስቲ ጥራሕ ዘነጻጸረ እገዳ ተበዪኑሉ ይርከብ።

ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ሎሚ ብሃገር ደረጃ ኣጋጢሙ ዘሎ ከም ህዝብን ሃገርን ቀጻልነትና ናበይ ዘብል ኣሰካፊ ሓደጋ ንምእላይ፡ ምስ ኩሎም ወገናታ ሓቢራ፡ ነቶም ወሰንቲ ሕቶታት ሰላምን ደሞክራስን ንምምላስ ብዝነጸረ ኣንፈት ናይ ቃልስን ብዝጸፈፈን ዝሓየለን ውደባን ዝጀመረቶ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከተጎሃህርን ከተስፍሕን’ዩ ዘለዋ። ደኒንካ ምብካይ ወይ በበይንኻ ብዝተበታተኸ መልክዕ ኣንጻር ምልኪ ዝግበር ተቓውሞ ከምዘየዐውት፡ ተመክሮ 20 ዓመት ኣንጻር መግዛእቲ ህግደፍ ዝመጻእናዮ ጉዕዞ ኣብሪሁልና’ዩ። ሎሚ ህግደፍ መንእሰይ ገፊፉ ኣብ ዘይፍትሓዊ ኲናት ኣእትዩ ጠጢቑ፤ ኣብ ዶባት ብተኲስካ ቅተል ትእዛዝ መእሰያት ረሺኑ፤ ፍቐድኡ ብኣጸያፊ ዓመጽ ደቀንስትዮ ተጋሲሱ፣ ንብረት ኣራሲዩን፣ ዕዳጋ ገቢቱን፣ እናተባህለ እታ ስድራ-ቤታዊ ጾር ዝተሰከመት ፈራይትን ኣላይትን ኤርትራዊ ኣደ፡ ሓሲምዋ ከፊእዋ ዝብል ዜና ምስማዕን መሬት እንዳቖስቆስካ ምቑዛምን መድረኹ ኣይኮነን።

እዚ መድረኽ’ዚ፡ መድረኽ ሕኑን ቃልስን ለውጥን’ዩ። ውጽዕቲ ኤርትራዊ ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ መንግስቲ ብባህሪ ዘይውክላ፡ ብሕጊ ብመንገዲ ህዝባዊ ምርጫ ዘይተሰቕለ፡ ብተግባር ኣብ ዘይጽሒ ሓዘንን እህህታን ክትነብር ዝፈረደ፡ ሕሉፋት ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘይገበርዎ ዝገብር ብቃልሲ ክውገድ ዘለዎ ጨካን ገዛኢ ምዃኑ ብንቕሓት ተረዲኣ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺኣ ዝርገሐ ውዳበአ ብምስፋሕን ብምጉልባትን ምስ ኩሎም ንለውጢ ዝቃለሱ ወገናት ቀላጽማ ብምውህሃድ፡ ዕምሪ ጸላኢኣ ዝሓጽረሉ ኩሉ ኣገባባት ቃልሲ ተጠቒማ ምቅላስ ጥራሕ’ዩ። ውደባ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ በቲ መድረኽ ዝጠልቦ ዓይነትን ዓቐንን ኣይኹን’ምበር፡ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ነብሰን ውዲበን ክነጥፋ ጸኒሐን’የን። ከምቲ ኣብዝሓለፈ መድረኻት ዘመስከርናዮ ሕጂውን ምስ ምምጻእ ኤርትራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ነንሕድሕድና ተፋሊጥናን ዝምድናታትና እንዳስፋሕናን እንረኽቦ መድረኻት ተጠቂምና ኣብ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ዘይስገር ኣበርክቶ ንምግባር በቒዕና ንርከብ።

እዚ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ቃልሲ መድረኽ ብዕድል ወይ ብኣጋጣሚ ዝመጸ ኣይኮነን። ፍረ ውጽኢት ናይ’ቶም ኣላሽ ከይበሉ ብጽንዓትን ሓቦን ጸረ-ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክቃለሱ ዝጸንሑ ሃገራውያን ደሞክራስያውያን ሓይልታት’ዩ። ቃልስና እንዳወደቐን እንዳተንሰአን ኣብ’ዚ በጺሑ ኣሎ። ካብ ሕጂ ግን ንቕድሚት ናብ ዘይተርፍ ዓወት ደኣምበር ንድሕሪት ዘብል የብልናን። ጥጡሕ መቃለሲ ባይታ ተፈጢሩ ኣሎ፡ ዘመናዊ መራኸቢታትን፡ ብዕውት ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣቢልና ዝጨበጥናዮ ሕድሕድ ኣፍልጦን ሕጋዊ ውደባን ረኺብናኣለና። ስለዚ መታን ዝወጠናዮ መደባት ብኣድማዕነት ክንፍጽም፡ ሓሳባትና ከነስምዕን ናይ መወዳእታ ሸቶና በቲ ንደልዮ ክንሃርምን ግዜ ከይወሰድና ናትና ተሓታትነት ዘለዎ ውደባ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ክንዝርግሕን ነቲ ብምሉእ ተሳትፎና ዘጽደቕናዮ ውሳኔታት ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ ተግባር ንምትርጓም ብዘይተጎላባነት ክንሰርሕ ብኣጋጣሚ እዛ ታሪኻዊት ዕለት ዳግም ቃልና ኣሐዲስና ክንምርሽ ኣለና። ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ዝያዳ  ተሰካሚት ኣደራዕ ናይ’ቲ ሕሰም ንስኺ ከም ምዃንኪ መጠን፡ ኣብ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ኣብነት ናይ ስሕበትን ዓወትን ደኣምበር፡ ተጸባይትን ተጎታቲትን ክትኮኒ ኣይግባእን።

በዚ ኣጋጣሚ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ሕቶና ደው ኢሎም ንዝገብርዎ ዘለው ናይ ቃልሲ ደገፍ ነመስግን።

8 መጋቢት ኣህጉራዊት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ንዘለኣለም ከቢራ ትንበር!

ብዘይምሉእ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የለን!

መሰልና ብተግባር ብምስታፍን ውሳኔታትና ብምትግባርን ይረጋገጽ!

 

ፈ/ጽ ኤርትራዊሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡

ቤ/ጽሕፈት ጉዳይ ደቂ-ኣንስትዮ

 

8መጋቢት 2012

ኣዲስ-ኣበባ- ኢትዮጵያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Semhar March 9, 2012

    We should read and implement the advise of the founders of our revolution.

    1) Woldeab W/ Mariam: “God blessed this crown (Eritrea) for us,
    Woe to him who dares touch it.”

    2) Ibrahim Sultan. “ Stand united my dear folks.
    Unite and work together for Eritrea.”

    Death to the mad dog, the tyrant dictator and his followers!

POST A COMMENT