Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባጊርነት!

ባጊርነት! ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ፡ ኣቐድም ኣቢለ ማለት፡ ብዕለት 28-05-2013 ኣብ ትሕቲ “ግርማ ኣስመሮም” ዝብል ኣርእስቲ፡ እንታይነትን መንነትን ናይቲ ኣርፓፔ (ሊቀ ጳጳሳት) ዕሱባት መላኺ ብምዃን፡ ደበራ (ጽዩፍ ስራሕ) ዚፍጽም ዘሎ እልልድኩ (ሓኽሊ ድሙ) ኣምበሳደር ህግደፍ ኣቶ ግርማ

ባጊርነት!
ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ፡ ኣቐድም ኣቢለ ማለት፡ ብዕለት 28-05-2013 ኣብ ትሕቲ “ግርማ ኣስመሮም” ዝብል ኣርእስቲ፡ እንታይነትን መንነትን ናይቲ ኣርፓፔ (ሊቀ ጳጳሳት) ዕሱባት መላኺ ብምዃን፡ ደበራ (ጽዩፍ ስራሕ) ዚፍጽም ዘሎ እልልድኩ (ሓኽሊ ድሙ) ኣምበሳደር ህግደፍ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ክንጸረለይ ሓቲተ ኔረ። ነዚ ሕቶ’ዚ ብእወታን ኣሉታን መልሲ ንዝሃብኩምንን ናይ ገዛእ ርእስኹም ዓለቕ (ርእይቶ) ንዝለገስኩሙለይን ግዱሳት ኣሓትን ኣሕዋትን ከመስግን እፈቱ።
ዝኸበርኩም ኣሕዋት፡ ካብ መልስታትኩም ከም ዝተረዳእኩዎ፡ መብዛሕትኹም ሕቶይ ክፈልጥ’ምበር ክፈላሊ ከም ዘይደለኹ ዝበራሃልኩም’ኳ እንተኾነ ገሌኹም ግን እንተ ብፍላጥ፡ እንተ ብዘይፍላጥ፡ ነቲ ሕቶ ባጊርነት ከተልብስዎ ከም ዝፈተንኩም ተገንዚበ። ዝኸበርኩም ኣሕዋት፡ ቅድም ቀዳድም ከነጽረልኩም ዝደሊ ነገር፡ ኣነ ብዕድል ካብቶም ዓይኒ ኣንቊሖምን ምስ ግዜ ተጓዒዞምን ድሕረት ዝቐበሩ፡ ኣብ ሓንቲ ኤርትራን ምልኣት ህዝባን ዝኣምኑን ዕላማ ስውኣት ብግቡእ ዝርድኡን ብዙሓት ዜጋታት’ዛ ሃገር ሓደ ምዃነይ እዩ። ንኣይ ከምቲ ገሌኹም ዝተረዳእኩሞ መንነት’ዚ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንዋሕ ተራኡ ዝጻወት ዘሎ ጊላ ህግደፍ ኣይኮነን ኣገዲሱኒ! እንታይ ደኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘሎዎ ሕሉፍ ጽልኢን ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒትን ካብምንታይ ከም ዝነቐለ ንኽፈልጥ ስለ ዝደለኹ ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ፡ እዚ ሰብ’ዚ ኩሉ ንጥፈታቱ እንተ ደኣ ኣስተብሂልኩሙሉ፡ ፍጹም ኣስሓኮ ዘይብሉ! ነዚ ለዋህ ህዝቢ’ዚ ንምጉዳእ፡ ሓለፋ ካልኦት ኣባባት (ሰብ ውዕለት) ደማሒ (መላኺ) ድልውነቱ ዘረጋገጸ ዕሉል ብዓል ጋራ (ተጻይ)  ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ስለ ዝተረኣየኒ’የ። ካልኦት ዕሉላት መጸይቲ ደም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ማሕበር ህግደፍ የለውን ማለተይ ግን ኣይኮነን። ናይ ግርማ ኣስመሮም ዕሱብነት ግን ንእመት ስድሪ ኣላታ ብምዃኑ’የ እንታይነቱ ክሓትት ተገዲደ።
ቀደም ኣብ ሃገርና ብትሕተ ሃገራውነት ንዝሕመ ሰብ፡ ባጊር (ኣዝዩ ድሑር፡ ዘይስልጡን) እዩ ዝጽዋዕ ዝነበረ። ሎሚ፡ ብወገን፡ ብሃይማኖት፡ ብዓሌት፡ ብኣውራጃን ሃገሪትን (መበቈል ዓድን) ዚፈላሊ ሰብ ግን ባጊር ዘይኮነስ እንስሳ’ዩ ዚበሃል። እዚ ግን ንኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር፡ ኣብ ጽላል ሓንቲ ርያ (ባንዴራ) ዝማሓደሩ ኣህዛብ ጥራይ እዩ ዝምልከት’ምበር ሃገር ምስ ሃገር ኣይነጻጸላን’የን ማለት ኣይኮነን። ብርግጽ ዓለምና ሎሚ ኣይኮነንዶ ንከም ከማና ዝኣመሰሉ ደቂ ሓደ ዘርኢን እንዳን ማለት ደቂ ቤጃን ሴምን ዝኾንና ኣህዛብስ ይትረፍ፡ ነቶም ብዝኾነ ይኹን መራኸቢ ዘይብሎም፡ ዝተፈላለየ ዝንዳኦም ኣህዛብ ኣመሪካን ኤውሮጳንውን እንተኾነ ከም ሓደ ስድራቤት ጠርኒፋ፡ ኣብ ሓንቲ መኣዲ ቀሪባቶም ኣላ! እዚ ስምረት ወይ ሓድነት ዝብሃል ዘይክማህ ኣጽዋር’ዚ ከኣ ንኹሉ ዘርብሕን ዘሐይልን ጸዳል (ብርሃን) ምዃኑ ብዓይንና ንርእዮ ኣለና። ኣብዚ ሎሚ እዋን ብዓድን ዓውድን መኘኽ ዝብሉ ሰባት እንተልዮም ከኣ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፡ ባጊራት ዘይኮኑስ ኣስዋር (ኣብዑር) እዮም ክጽውዑ ዘለዎም ማለት’ዩ።
ፍቑራት ኣሕዋት፡ ደጊመ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሎ፡ ቃልስና፡ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝሰረቱ፡ ሓድነት ዝዕጥቁ፡ ክብርን ምትሕልላይን ዝስንቁ ኮይኑ፡ መብራና (ዓላማና) ሓርነታዊት፡ ፍትሓዊት፡ ደሞክርያስያዊት፡ ማእገት (ፈታሽ፡ ኬላ) ዘይብላ፡ ብግብሪ ናጻ ዝኾነት፡ ብልጽግትን ክብርትን ኤርትራ ንምህናጽ ይኹን! እዚ ግን ንግዕዙይን ዘይሓላፍነታውን ምሕደራን ኣካይዳን ምልኪ እናወደስካ ዝርከብ ነገር ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ፡ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓገራ (ራኢ፡ ትልሚ፡ ውጥን) ስውኣትና ክፍጽም ድሌትን ተወፋይነትን እንተርእዩ ክንድግፎ፡ በዚ ዝኸዶ ዘሎ ናይ ዕንወትን ጥፍኣትን መገዲ እንተ ቐጺሉ ኸኣ ዓገብ ክንብሎ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ቀውፍና (ተቓውሞና) ኣብቲ ንሃገርና ናብ ጥፍኣት ዚሸማ ዘሎ ፖሊሲኡ እምበር ኣብ ውልቀ ሰባት ስለ ዘይኮነ። ስለዚ፡ ውልቃዊ ጽልእን ቅርሕንትን ኣወጊድና፡ ብቕንዕና ገባር ኩፉእ እናወገዝና፡ ንገባር ጽቡቕ እናመጐስና፡ ንሰብ ልባብ (ፈረስ ንየማነ ጸጋም መታን ከይርኢ ኣብ ገጹ ዚውደ መጣምር) ኣስፊሖም ንኽርእዩ ዓቕምና እናበርከትና፡ ሃይዶ (መራሕ ዕውር) ብምዃን ክሳዕ ምሉእ ሓርነት ክንቃለስ ኣለና! ወዮ ደኣ ሰባት ብሙዃንና ብጹኡነት ይጐድለና ኮይኑ’ምበር ንዚተጋገየ ሰብ’ኮ ካብ ብምጽራፍን ብምድሃልንሲ ብሰደይ (ብጥዑም ዘረባ) ክንመኽሮ ከለና’ዩ ዝያዳ ዚርደኣና።
ሓላላት፡ ንእግረ መገደይ ከዘኻኽረኩም ዝደሊ ሓደ ነግርውን ኣሎ፡ ቃልስና ኪኖ ምእላይ ምልኪ ኪኸይድ ኣለዎ። ነቲ ውርዙይን ክቡርን ባህልና ዝብልል ዘሎ፡ ፋልሉነት ህግደፍ ክንኩንኖ ኣለና። ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ ሃገርና ኣዝዩ ሳዕሪሩ ዘሎ ሕልያን (ብላዕ፡ ጉቦ)፣ ኣያ በያ፣ ግበረለይ ክገብረልካ፣ ስርቕን ምጥፍፋእን፣ ምድፋር ዓበይቲ ሰባት፡ ማለት ምዝንጣል፣ ብዓብይኡ ድማ ኣብ ምዕቃብ ጽፉፍ ባህልናን ቋንቋናን ዝጠመተ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣቲኹም ርእይቶኹም ክትህቡ ከለኹም፡ ብዝተኻእለ መጠን ጽሑፋትኩም ብቛንቋኹም ማለት፡ ብትግርኛ ከም ዚኸውን ግበሩ። ምኽንያቱ ቋንቋ፡ ብምዝራብ፡ ብምጽሓፍን ብምንባብን’ዩ ዚምዕብል። ምምዕባል ቋንቋ ኸኣ መሰረት ምምዕባል ሃገር ምዃኑ’ዮም ዝተፈላለዩ ምሁራት ዝገልጹ። እቶም ኣብ ቋንቋ ኣፍልጦ ዘሎዎም፡ ፍልጠቶም ንዘይፈልጡ ብምክፋል፡ እቶም ኣፍልጦ ዘይብሎም ድማ መሲናስ (ብሃብቱ ንስነ ጥበብ ዝድግፍ ለጋስ ሰብ) ብምዃን፡ ኩልና ቋንቋና ኣብ ምምዕባል እጃምና ከነበርክት ይግባእ። ስለዚ ብዝከኣለኩም መጠን ኣብ ክንዲ ቋንቋ እንግሊዝ ቋንቋኹም ተጠቐሙ። ኣብቲ ብእንግሊዝ ዝተጻሕፈ ዓንቀጻት፡ እንግሊዝኛ እንተተጠቐምኩም ግን ነውሪ የብሉን። ብትግርኛ ንዝጸሓፈ ጸሓፊ ብእንግሊዝኛ ክትምልሱሉ ግን ንቡር ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ክንዲ ቋንቋ ኣደኹም ቋንቋ ባዕዲ ተማዕብሉ ስለ ዘለኹም።
ህግደፍ ንቋንቋናን ባህልናን ካብቶም ብቕድሚኡ ዝሓለፉ ዘለምቲ (ረገጽቲ፡ ጨቆንቲ) ስርዓታት ንላዕሊ፡ ከመይ ጌሩ ይቐትሎ ከም ዘሎ፡ ነቶም ናይ ቋንቋ ኣምር ዘሎዎም ሰባት ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ’ዩ። እቶም ውድቀቱ ዘይበራሃልኩም ወይ ድማ ዘየስተውዓልኩሙሉ ሰባትውን ርሑቕ ከይከድኩም ነዚ ዘረድእ ክልተ ቀለልቲ ኣብነት ክጠቕሰልኩም ፍቐዱለይ፥ 1ይ፥ ነቶም ህግደፍ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጽንብላቱ ግዜ ናይ መጽናዕቶም ብምሽማው ብግዴታ፡ ዝተፈላለየ ኣልባሳት ከዲኑ፡ ኣብ መድረኽ ዘላህዮም ኣሓትናን ኣሕዋትናን ንሳዕስዒቶም ምዕዛብ፣ 2ይ፥ ነቶም ምስ ህዝቦም ንኽላለዩን ብቕዓቶም ከመስክሩን ኢሎም ምስኡ ሕግብግብ ዝብሉ ዝተፈላለዩ ድምጻውያን ሃገርና፡ ዝደርፍዎ ግጥምታት ብጽሞና ተኸታቲልካ ናይ ቋንቋ ብስለቱን ሰዋስዋዊ ኣሰራርዕኡን ብምስትውዓል፡ ሃስያ ቋንቋና ንምርዳእ ዚከኣል ይመስለኒ። ከምቲ ግቡእ ግን ድምጻዊ ዚደርፍ ወይ ናብ መድረኽ ዚድይብ ሰለስተ ነገራት ንምፍጻም’ዩ። ንሳተን ከኣ ቀዳማይ፥ ትምህርትን ማዕዳን ንምሃብ፣ ካልኣይ፥ ህዝቢ ንምዝንጋዕ፣ ሳልሳይ፥ ቋንቋን ባህልን ንምምዕባል’ዩ። ክቡራት ኣሕዋት፡ ኣብዚ ግን ክርሳዕ ዘይብሉ ነገር ኣሎ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ሜዳ ከሎ ዓቢ ተስፋ ዝተነበረሉ፡ ደሓን ዝኾነ ናይ ቋንቋ ኣንፈት ሒዙ ናብ ዓዲ ከም ዝኣተወ ዝከሓድ ከምዘይኮነ’ዩ። እቲ ብልሽት ቋንቋን ባህልን ድሕሪ ናጽነት’ዩ ጀሚሩ።
ገለ ሰባት ‘ሎሚ ከም ድላይና ብቋንቋና እናተዛረብናን እናጸሓፍናንሲ ከመይ ጌሩ’ዩ ቋንቋን ባህልን ተሃስዩ ዝብለና ዘሎ?’ ዝብሉ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ኣቐዲመ ግን ሓንቲ ነገር ክብሎም እደሊ፥ እተን ሓደ ደራሲ ልዑል ቆላሕታ ሂቡ ኪሰርሓለን ዘለዎ ነገራት ክልተ ምዃነን’ዩ። ንሳተን ከኣ ንዝተረስዑ ቃላት ምዝኽኻርን ንዘይፍለጡ ግን ከኣ ገለጽቲ ዚኾኑ ቃላት ምልላይን እየን። ስለዚ፡ ካብዘን ድሕሪ ናጽነት ተደሪሰን ትብሉወን ትዑላት (መጻሕፍቲ) ይኹና ግጥምታት ደርፊ፡ እታ ብብስለት ቃላታ ኮነ ስርዓተ ሰዋስው ኣጠቓቕማኣ ብልጽቲ’ያ ትብሉዋ’ሞ ጥቐሱለይ፡ ሽዑ ኣነ እቲ ዘሎዋ ናይ ቃላት ድኽነትን ናይ ስርዓተ ሰዋስውን ስርዓተ ነጥብን ዕርቃንን ዘርዚረ ክገልጸልኩም ክፍትን’የ። ሰላም።
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 31-05-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
99 COMMENTS
  • biniam t. June 5, 2013

    To these who are so obsessed with divisive name calling, please allow me to ask you these –

    1. What makes you (because you’re from X region) to be “better” than the rest? What’s your criteria – education, economy, wealth, standard of leaving, resources etc. or something else as difference in opinion? Do you mention that in your resume – assuming you have one, I hope.

    2. How are we (as people in the 21 century) better than our neighbors?

    Please enlighten us with something other than your favorite divisive poisonous nonsensical words. My assumption could be wrong but most of you (people like Ali, MightyEmab…be PFDJ supporters or Opposition) reside outside Eritrea, as immigrants(at least at some point in time) and I bet you hate when discriminated by natives in your adopted countries. Isn’t it ironic when you discriminate your own blood people who happens to have a different point of view, be it political or social. Wouldn’t it be better to discuss the difference in a civilized way instead of personally name calling your own brother/sister?

POST A COMMENT