Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባህግና

ባህግና ፍሥሐየ መብራህቱ   ሰላም ተባሂልና ብሰልም ክንነብር ሓምሊ ተደሪርና ቀሲንና ክንነብር መሲልና ኣምሲልና ከም ግቡር ከምንቡር ወሊድና ዘሚድና ክንሓዝል ክንሕንግር ነቶ ዝዓረፉ ብኽብሪ ክንቀብር ምርቓ ቀሲምና ታሪኾን ክንዝክር ሰላም’ዩ ባህግና ምስ ዓለም ዚጽንብር።   ሰላም ጸሚእናያ ከም ማይ ምደረ በዳ ዘይክፉል ከፊልና ኣቲና ኣብ ዕዳ ወኒንናያ ኢልና

ባህግና

ፍሥሐየ መብራህቱ

 

ሰላም ተባሂልና ብሰልም ክንነብር

ሓምሊ ተደሪርና ቀሲንና ክንነብር

መሲልና ኣምሲልና ከም ግቡር ከምንቡር

ወሊድና ዘሚድና ክንሓዝል ክንሕንግር

ነቶ ዝዓረፉ ብኽብሪ ክንቀብር

ምርቓ ቀሲምና ታሪኾን ክንዝክር

ሰላም’ዩ ባህግና ምስ ዓለም ዚጽንብር።

 

ሰላም ጸሚእናያ ከም ማይ ምደረ በዳ

ዘይክፉል ከፊልና ኣቲና ኣብ ዕዳ

ወኒንናያ ኢልና እምብዛ ክንንእዳ

ዘሕድራ ስኢና ክትእሪ ኣንቂዳ

ቅሳነት በነነት ኣቋራጭ መንገዳ

ንስደተይ በለት ሰኣን ዘአንግዳ

ንሕና ዝብሃግታ ሰላም እንታይ ግዳ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • vanity rules February 22, 2015

    ክቡር መብራህቱ
    ህግደፍን ወያነን ሓዲኦም ብግፍዒ እቲ ሓደን ብሽጣራ ህዝብና ንወጻኢ እናልኣኹ ባዕሉ ፕረሲደንት ናይ ትግራይ ኣባይ ወልዱ ኣብ መዔንገል ሽደተኛታት ሽመልባ እናኸደ ንኤርትራውያን ኣንጻር ድሌቶም ንቕሓት ዓባይ ትግራይ ትግርኚ እናምሃረ ክንደይ ደቂ ሃገር ናብ ምህዞ ታሪኽ ሃጸይ ዮውሃንውስን ወራሪ ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋን ከም ክዉን እናምሃረ ንህዝብና ብሓይሊ ካብ ህዝበ ትግርኛ ናብ ትግራዋይ ይቕይሮ ኣሎ።ንሕና ምስ ተጋሩ ጽልኢ የብልናን፣ግን በበይኑ ዘርኢ ስለ ዝኾነ ዘይከውን ትምህርቲ ታሪኽ ምንባሮምን ዘይምንባሮምን ታሪኽ ዶኩመንታሪ ዘይድግፎ ጽውጽዋይ እናምጻእካ ንህዝበትግርኛ ኣንጻር ዓሌቱ ክትምህሮ ኣንጻር ናይ ጀኔቫ መምርሒ እዩ። ህግደፍ ስጋና ይቐትሎ ወያነ ታሪኽናን ገድልናን .
    ይቐትሎ።
    ንህግደፍን ወያነን ደምሲስና ክንዕወት ኢና

  • ERITRAWIT February 23, 2015

    Nay bhakey Bahgna berera endaranaya!!!!

  • change February 23, 2015

    I100% agree with you good job Fshaye.

POST A COMMENT