Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

በየናይ ኣገባብ እዩ ምስሊ ኤርትራ ዝእረም?

ዶር ጨፈና ሃይለማርያም  መእተዊ እዚ እዋን`ዚ፡ ምዕራባውያን መንግስታት ብሕልፊ ድማ ኤውሮጳውያን፡ ብሰንክ`ቲ ካብ ሕሉፋት የማናውያንን ዓሌታውያንን ዝመጾም ዘሎ ጸቕጥን ዘየቛርጽ ዋሕዚ ስደተኛታትን ኣሰኪፉዎም፡ ንዘበናት ንደሞክራሲያዊ ስርዓታቶም ዘቑሙ ቐንዲ ኣዕኑድ ዝኾኑ መትከላት ሰብእዊ መስላት ዕሽሽ ይብልዎም ኣለዉ።

ዶር ጨፈና ሃይለማርያም 

መእተዊ

እዚ እዋን`ዚ፡ ምዕራባውያን መንግስታት ብሕልፊ ድማ ኤውሮጳውያን፡ ብሰንክ`ቲ ካብ ሕሉፋት የማናውያንን ዓሌታውያንን ዝመጾም ዘሎ ጸቕጥን ዘየቛርጽ ዋሕዚ ስደተኛታትን ኣሰኪፉዎም፡ ንዘበናት ንደሞክራሲያዊ ስርዓታቶም ዘቑሙ ቐንዲ ኣዕኑድ ዝኾኑ መትከላት ሰብእዊ መስላት ዕሽሽ ይብልዎም ኣለዉ። ንስለ ፖሎቲካዊ ዕላማታቶም ክብሉ ነዞም መትከላት እዚኦም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእትዮም ንስርዓት ኣስመራ ገጾም ኣብ ምምላስ ይርከቡ። እቲ ምልካዊ ስርዓት ድማ፡ ካብ ኣስመራ ናብ ግዳም ዝቐንዐ ወፍሪ ዲፕሎማሲያዊ መናውራታታት ኣበጋጊሱ ኣሎ።

ድሕሪ`ቲ ገዚፍ ኣተኩሮ ህዝቢ ዓለም ክስሕብ ዘኸኣለ ቕዝፈት ላምፓዱሳን እቲ ብሳላ ስሙር ጻዕሪ ዲያስፖራ ኤርትራውያንን፡ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተቓለስትን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዓለም፡ ኣብ መጋባአያታት ዓለምን ዕዙዝ ዓወት እዩ ተመዝጊቡ። እዚ ንስርዓት ህግደፍ ስለ ዘሰንበዶ፡ ዳግማይ ክሓስብን ‘ምስሊ ኤርትራ ምቕያር’ ወይ ‘እቲ ካልእ ጽዋይ’ (the other Narrative) ዝብል ናይ ዲስኲር ወፍሪ ከም ዘበግስ ጌርዎ ኣሎ። ከም`ዚ ንዕዘቦ ዘለና ድማ፡ ብናይ ወጻኢ ልኡኻቶምን ኣባላት ህግደፍን ዝውደብ ዘሎ ኣኼባታት ኣካል ናይ`ዚ ወፍሪ እዩ።

እዚ ናብ ግዳም ዝቐንዐ ዲፕሎማሲያዊ መናውራ፡ ፍሉይ ካብ ዝገብሩዎ ሓደ መለለይ ምልክቱ፡  እንታይ ነይሩ እንተበልና፡ ነዚ ወፍሪ`ዚ ኣካዳምያዊ መልክዕ ኣልቢሱ ክርአን ተቐባልነት ክረክብን ምእንቲ፡ ብስም ኣብ ምርምር ዝተመርኮሱ ወረቓቕቲ ዝቐርቡሉ ‘ዋዕላ መጽናዕትታት ኤርትራ’ ተባሂሉ ዝተሰምየ ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ኣብ መወዳእታ ወራሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት አዚ ምክይዱ አዩ። ምስኡ ሓቢሮም ዝለዕሉ ሕቶታት፡ እዞም ክሳብ 135 ዝበጽሑ ብናይ ውሽጢ ሃገርን  ካብ ወጻኢ ዝመጹ  ምሁራት ዝቐረቡ መጽናዕታዊ ጽሑፍት፡ ክሳዕ ክንደይ ናጽነቶም ተሓልዩሎም፡ ውድዓውን ዘይሻራውን ሓበሬታ ከቕርቡ ኣክኢዎም? ኣብ ከመይ ዝበለ ሃዋሁ`ከ እዮም ንወረቓቕቶም ብዘይ ዝኾነ ይኹን ጸቕጢ፡ ኣካዳምያዊ፡ ነቐፌታዊ  ርእይቶኦም ከመሓላልፉ ኣኽኢሎዎም ዝብሉ ሕቶታት ምልዓል ግቡእ ይመስለና።

ፍልሰት መንእሰያት፡ ምርምርን፡ ተራ ምሁራትን

ገለ ኣብ`ቲ ውራይ ኣሳሰይትን ኣወወሃድትን ኣባላት ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ ኤርትራ፡ ዝበልዎ ንስማዕ፥

‘ኣብ ምርምራዊ መጽናዕቲ ተፈጢሩ ዝጽንሐ ጋግ ኣብ ምፍዋስ ዘኽኣለ`፡ ከምኡ ድማ  ‘ኣብ ወጻእተኛታት ብዛዕባ ሃገርና ሰሪጹ ዝጸንሐ ድሩት ጠመተ (Perspective) ኣብ ምስፋሕ ከምኡ`ውን ምስ ኤርትራውያን ምሁራት ናይ ምልዉዋጥ ሓሳባት ባይታ ብምፍጣር ወድዓዊ ሓበሬታ ኣብ ምምሕልላፍ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ’ ሓቢሮም ይብል ጋዜጠኛ ኤሪ ቲቪ። ካብኡ ሓሊፎም፡ `እዚ ዋዕላ`ዚ ሓቐኛ ምስሊ ኤርትራን ብዛዕባ ኤርትራ ዉድዓዊ ሓበሬታ ንኽረኽቡ ሓጋዚ ነይሩ፡ ዕዉት ዋዕላ ኢዩ` ብምባል ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣኼበኦም ደምዲሞም።

ናይ ቁም-ነገር አንተዝኸውን እቲ ቴማ ናይ`ቲ ዋዕላ ‘ንንጥፈታት ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ኣብ ኩሉ ጽላታት ምዕባለ፡ ማለት  ቊጠብዊ፣ ማሕበረ-ባህላዊ፣ ጽልታትትን ከምኡ ኣብ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕናንን ትማህርትን ተባሂሉ፡ ግሉጽ ብዝኾነ መንገዲ ዝግምግም ኮይኑ እንተዝቐርብ ከመይ ምጸበቐ። ካብ`ቶም  ቐንዲ ኣገደስቲ ኣርእስቲ ድማ፡ እቲ ንዓለም ምሉእ ዘዛርብ ዘሎ ፍልሰት መንእሰያት ኤርትራ ንባዕሉ ከም ሓደ ንኡስ-ቴማ ናይ’ቲ ዋዕላ ክኸውን ምተገበኦ። ቁጽሪ ህዝባ ኣብ ግመት ኣእቲኻ፡ ኤርትራ ካብ`ቶም ብኣይሂ ቦምባታት ኣባይቶም ዝዓኑ ዘሎ`ሞ ህይወቶም ከድሕኑ ዝሃድሙ ዘለዉ  ሶርያውያን ብዘይውሕድ ቁጽሪ፡ `ኤውሮጳ ወይ ሞት` ኢሎም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም፡ ንማእከላይ ባሕሪ ከቋርጹ ዝፍትኑ መንእሰያት ኤርትራ ዝተዓዘበ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ጠንቂ ናይ`ዚ ተርእዮ`ዚ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ ኮይኑዎ ኣሎ።  በዚ ድማ ህዝቢ ዓለም፡ ብዛዕባ ኤርትራ ሓደ ኣሉታዊ  ስእሊ ኣብ ሓንጎሉ ኽቐርጽ ግድን ኢዩ።

ናይ ኤርትራ ሕማቕ ዝምነዩ ሓይልታት ከም ዘለዉ ኣምሲሎም ከመኻንዩን ካብኡ ሓሊፎም፡  ዉዲት ምዕራባውያን እዩ ክብሉ ከም ዘይጸንሑ፡ ኣብ ካልእ አዋን “ዓለም ትዘርየና ኣላ፣ ፖለቲካዊ ድራኸ ዘበገሶ ዝምቡዕ ትራኸታትን ዛንታታትን” ዝብል ብምርባሕ፡ ናይ ምስትምሳል ዝተሓወሶ ዘረባታት ከስምዑ ቀንዮም።

ንኣብነት ንክልተ ካብተን ዝቐረባ ወረቓቅቲ፡ እንተሪኢና፡  ኣብ ዙርያ `ብዛዕባ`ዚ አንታይ ይበሃል ኣሎ?` ኣብ ዝብል  ንጽጽራዊ መጽናዕትታት ኮይነን ፡ ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ፍልሰት ጎስየን ኣብ  ጓል ዘረባ ዘተኮራ ንመደምደምታን  ኣቐዲመን ዝቐርባኦ ዝመስልን ፡ምሁራዊ ነቕፌታዊ ኣገባብ ዝጎደለን ምንባረን የርእያ ። አንተኾነ ዕቱብ መጽናዕቲ ክበሃል ፡ አቲ ክኸውን ዝነበሮ፡ ብቐዳምነት፡ ካብ`ቶም ነዚ ጉዕዞ`ዚ ፈጺሞም ኣብ ገማግም ባሕሪ ዶባት ኤውሮጳ ይዓልቡ ካብ ዘልዉ መንእሰያት ክርከብ ንዝግብኦ ሓበሬታ ኮነ ኢልካ ኣብ ክንዲ ምጕሳይ፡ ኣቐዲምካ ብጸለመ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ምኽሳስ፡ ናጻ ክትወጽእ ተጫቢጥካ ክትምጒት እቲ ዝቐለለን ዘእምንን ኣገባብ ምኾነ።

ኣብ መጽናዕቲ ዝምርኮስ ወረቐት ክበሃል ዝከኣል፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ጸቕጥን ስክፍታን ናጻ ኮይኑ፡ ኣብ ኣካዳሚያዊ ሃዋሁ ንሕቶታት ብነቐፌታዊን ዓይኒ ግን ከኣ ወድዓዊ፣ ዘይሻራዊ፣ እዋናዊ ሓበሬታታት ዘመሓላልፍን ዝምህርን ደኣ`ምበር፡ ንኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ዝብሎ ዘራጉድ ዋዕላ ምዉዳብ፡ አቲ ዋዕላ ብዓንደ-ርእሱ ነቲ  ኣብ ስልጣን ናይ ዝርከብ መንግስቲ ፖሊስታት ደገፍን፡ ብናይ መደረታት መደራጋሕ  ከንቱ ውዳሰ ከቕርብ ዝተዋደደ ምዃኑ ጥራይ ኢና ተዓዚብና።

ደሓር ከኣ፡ ኣብ ቐዳማይ ተርታ ዝርከባ ወናብር ብሓለፍቲ ጸጥታ፣ ሓለፍቲ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍን `ካምቦ-ቦሎ` ኣዘዝቲ ሰራትዊን ዝተታሕዘ፡ ብምኒስተር ዜና ቡራኬ ዝተኸፍተ፡ ዘይሻራዊንቱ ብኸመይ ከረጋገጽ ኢልካ ይግመት? ናይ`ቲ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣቓውማን ዓይነት ተሳተፍን ንዝተዕዘበ፡ ወድዓዊ ሓበሬታን ርእይቶን ናይ ምልውዋጥ ናጻ መድረኽ ኔሩ ኢልካ ምዝራብ ኣየድፍርን። ካብኡ ከይወጻና ልክዕ ቅድሚ ዓሰርተ-ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ`ቲ ብሽም ‘ማአከል መጽናዕትታ ኤርትራ’ ኣብ መበል ዓስራይ ዓመት ናጽናት፡ ብተመሳሳሊ ብቤት-ጽሕፈት ህግደፍ ዝተወደበ ዋዕላ ኣብዚ ኣዳራሽ አዚ ባዕሉ ተኻይዱ ነይሩ ። ናይ ሽዑ ፕረሲደት ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኤርትራ፡ ብሰንክ`ቲ ኣብ ልዕሊ ናጽነት ፈራዲ-ኣካል ቀኒዑ ዝነበረ መጥቓዕቲ፡ መረርኡ ብመልክዕ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ምስ ኣቕረበ እንዶ`ኸ ኣይኮነን ኣብ ሳልስቱ ናይ `ደስኪልካ` ዝብል ደብዳብ ዝበጽሖ።

ርግጽ ነቲ ዋዕላ መዳምቕቲ ክኾኑ፡ ብናይ ቱሪስት ቪዛ ዝኣተዉ ወጻእተኛታት ከም ዝተሳታፍዎ ግሉጽ እዩ። እንተኾነ፡ ካብ`ቶም ብስርሖምን ኣብ ዓንኬል መጽናዕትታት ኤርትራ፡ ብዕዙዝ ተራኦም ዘመስከሩ ህቡባት ተማራመርቲ ብኲራት ናይ’ቲ ጉባኤ ጒሉሕ ሕጽረት ዘመልክት ምዃኑ ኣየማጕትን። ምስ`ዚ ብዝዛመድ ምናልባት ከም ኣገዳሲ ክጥቐስ ዝግብኦ ነጥቢ፡ መብዛሕትኦም ካብ’ዞም ኣብ ኣብ ዓንኬል መጽናዕትታት ኤርትራ ንነዊሕ አዋን ዝተኸታተሉን ብሉጻት ስራሓት ዘወፈዩ ተማራመርትን ጋዜጠኛታትን፡ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ዘይፍቐደሎም ምዃኑ ፉሉጥ ኢዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ካብ`ቶም ንውሕ ዝበለ እዋን ኣብ ኤርትራ ሰሪሖም  ኣብ ምምሕዳርን ምስትምሃርን ኣበርክቶ ካብ ዝገብሩ፡ ብዛዕባ ናጽነት ምርምር ርእይቶ ኣሎዎም፡፡ ተኽእሎ ካብ ጸቕጢ ናጻ ዝኾነ ምርምራዊ ስራሓት ብዝምልከት፡ ከም`ቲ ናይ ታሪኽን ስነ-ጥንትን ኤርትራ ማለት ኣርክዮሎጅን  ክልተ ተመራመርቲን ፕሮፈርስር  ሪቻርድ ረይን ፕሮፈሰር ፒተር ስምሚዝን  ‘ድሕሪ ምዕጻው ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኣብ ኤርትራ ናጻ መጽናዕቲ ከም ዘይከኣል እዩ።(ጽሑፋቶም  ንጠቕስ)

እቲ ሓቒ አዚ እናኾነ፡ ድሕሪ ዋዜማ ናይ’ቲ ናብ ግዳም ዝጠመተ ወፍሪ፡ ልኡኻት ትካላት ላዕላዋት ትምህርቲ ኤርትራ፡ ኣንፈቶም ናብ ከታማታት ምዕራብ ኤውሮጳ ገይሮም፡ ኣብ`ቲ ብኤምባሲታት ዝተወደበ ኣኼባታት፡ ኤርትራውያን ምሁራት ናብ ሃገር መጺኦም ኣብ ምሃናጽ ሃገር ጊደኦም ከበርክቱ ዝዕድም መወዓውዒ ኣብ ዝገብርሉ ኣጋጣሚታት፡ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ዓውዲ ላዕለዋይ ትምህርትን፡ ኣብ ዘመዝግብዎ ዘልዉ ዓወታት`ውን ክንየቱ ብኸም’ታ ላዘኣ ዝወደኣት ብዕሪር ብዝጥዕም ኣዘራርብ ከምዝይ ይብሉ፥ `መጺኹም ረኣዩና፡ ምርኣይ ምእማን ኢዩ`። ንህዝቢ ኤርትራ ያኢ ዝተኸወሎ ምስጢር ሃልዩ! `እንታይ ድኣ እዩ ብኽንድ`ዚ ዝኣክል ቑጽሪ ዓዱ ገዲፉ ዝወጽእ ዘሎ` ንዝብል ሕቶ፡ ነቲ ጠንቒ ኣብ ክንዲ ብክፉት ልቢ ምግላጽ፡ “40% ካብ`ዚኦቶም ኢትዮጲያውያን እዲዮም፡” ናይ`ቶም ዝተረፉ ከኣ ሕጂውን እቲ ጸገም ካን ናይ ግዳም ሓይልታት እዩ` ነይሩ አቲ ዝህብዎ መልሲ፡፡ ዘገርም ካድራዊ ኣገላልጻ።

ናብ`ቲ ኣቐዲሙ ዝተላዕለ ሕቶ ወድዓዊ ሐበሬታ፡ ብፍላይ ብዛዕባ ፍልሰት መንእሰያት ኤርትራውያን ዘተኣማምን ሓበሬታ ንምእካብን ብኡ ኣቢልካ ንምታንታንን ክከኣል እምበኣር፡ ብቀዳምነት ነቶም ዝወጹ ዘለዉ መንእሰያት ብምውካስ፡ ንሳቶም`ከ እንታይ የቡል ኢልካ ምሕታት ዝበለጸ ምኮነ። ከም ኤርትራ ዝበላ ሃገራት ሓደ መዓቐኒ ምዕባለአን፡ ቊጽሪ ኣብ ስራሕ ዝርከቡ ሓካይመን ብመጠን ብዝሒ ተገልጋላይ ህዝበን (ብሽሓዊት) እዩ።  አብ`ዚ አዋን`ዚ፡ እቶም ነቶም እናዓበዩ ዝመጹ ዘልዉ ገዳይም ኣያታቶም ሓካይም ከብርዩን ክትክኡን ተስፋ ዝተነብረሎም መንእሰያት ሓካይም፡ ከም ሰቦም ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ኣቛሪጾም ኤውሮጳ ዝኣትዉ ዘለዉ ንዝተዓዘበ ለባም፡ ብቐዳምነት ናብ ኣእምሮኡ  ዝመጽእ (ቕጅል ዝብል)  መጠን ክሳራ ሓብቲ ሃገር እዩ።  ቐጺሉ ዝስዕብ ሕቶ `ንምንታይ`ከ ናይ ሕክምና ዶክተራት?   ሓደ ካብ`ዞም ዶባት እቛሪጾም ኣብ ዘለኹዎ ሃገር ካብ ዝኣተዉ ዝበሎ ነስተብህል፥  እተን ብሓደ ኢድ መቐስ በቲ ሓደ ድማ ወረጦ ሒዘን ህይወት ከድሕና ዝግበአን ኣጻብዕቱ ቓታ ክስሕባሉ ምስ ተኣዘዘ ሓኪም ዝፈትዋ ዓዱን ዝፈትዎ ህዝቡን ገዲፉ ክወጽእ ከም ዝተገደደ እዩ ነጊሩኒ። ብኣበሃህልኡ፡ “ብረት ክስከም ተሓቲተ፡ እዚ ድማ ምስ`ቲ  ኣብ መዓልቲ ምረቓይ ዝኣተኽዎ መብጽዓ፣ ሕክምናዊ፣ ሞያዊ፣ ሞራላዊ፣ መትከላትን እምነትን ዘይከይድ ብሙዃኑ ተቓዊመ። ኣብ ዓደይ ብሰላም ክነብር ስለ ዘይከኣልኩ ክወጽእ ተገዲደ”  ኢሉኒ።

እዚ ሓደ ኣብነት ናይ`ቲ ዘስደምም ግን ከኣ፡ ሓቐኛ ምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ዘማጕት ኽኸውን ኣይግብኦን። ምስሊ ኤርትራ ንምምእራም ድማ ንኹነታት ፍልሰት መንእሰያት፡ ሓቐኛን ስእሊ ምቕራብ ድኣ`ምበር ንሓቂ ከዊልካ ዝቐርብ ስእሊ ዘይእመንን ዘይውድዓውን ጥራይ ኢዩ ክኸውን።

ነዚ ከም ሕቶ ቐሪቡ ዘሎ ኣርእስቲ ናይ`ዚ ጽሑፍ እንተ መሊስና፡ ኣብ`ዚ ንሕዝንቢ ኤርትራ ወዲቕዎ ዘሎ ሰብኣዊ ቕልዉላው፡ ሓቂ ምዝራብን ተራ ምሁትራት ኤርተራን አንታይ ክኸውን ኣልዎ ናብ ዝብል ታንታነ ገጽና ክንሰጋገር የገድደና። ኣብ ከም`ዚ ኤርትራ ወዲቓትሉ ዘላ ደልሃመት፡ ህዝቢ ገለ ናይ ብርሃን ጩራ አንተረኸበ ናብ ምሁራት ዜጋታቱ ገጹ ቑሊሕ ክብል ድማ ንቡር ኢዩ። እቲ ዘይንቡር ብቑጽሪ ውሑዳት ዘይኮኑ ምሁራት መርገጺ ኢዩ። እቲ መብዛሕትኡ የዋህ ሓፋሽ፡ በቲ ንመጸውዒ ስሞም ዘቐድሞ ኣካዳምያዊ መዓርግ ተሃዲዱ፡ ኩሉም ምሁራት ሓሶት ዘይወጾም፡ ወይ ምስ ዉጹዕ ደው ዝብሉ  ክመስሎዎ ይኽእሉ። እንተኾነ፡ ንሳቶም`ውን ከም ሰባት ድኻም የርእዩ ምዃኖም ንብኲራት ወይ ንኣሉታዊ ተራ ምሁራት ኣብ ዘበነ ሂትለር ብታሪኽ ተመዝጊቡ ኣሎ። ብሰንኪ ኣብ ቒድሚ ዓይኖም ግፍዒ አንዳረኣዩ ስቕታ ምምራጾም እዮም ክውቐሱ ዝነብሩ ዘለዉ። ብኣንጻሩ ንፖሎቲካዊ ገባቲነት ስርዓት ሕብረት- ሶቪየት ዝበድሁ ፍሉታት ተመራመርቲ በቲ ጽቡቕ ታሪኾም ክስብ ሕጂ ይዝከሩ።

መደምደምታ

ስቕታ በለጽ ዝቚጸር አንተደኣ ኮይኑ፡ ብምሁራት ዝፍጸም ሓሶትን ምድፋን ሓቒን ግን፡ ምልክት ሞራላዊ ጥፍሽናን ምስሉይነትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ገበን`ውን እዩ። ኣሃዛት ሰናኒዖም ንዘየለ  ቊጠባዊ ምዕባለ ከምዘሎ ገይሮም ዘቕርቡ፣ ንርኡይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሕዱ፣ ብሕልፊ ድማ እቶም  ሓደ እግሮም ኣብ ግዳም ሓድ እግሮም ኣብ ዓዲ ረጊጾም ዝነብሩ ተስቶት ምሁራት፡ ዓይኒ ብዘንቊር ሓሶቶም ክምድሩ ካብ ዝጅምሩ ጸኒሖም ኣለዉ። ብዘይካ`ቶም ገለ ጅሆ ዝተታሕዙ፡ ብዛዕባ ጠንቂ ፍልሰት መንእሰያት ኣብ ክንዲ ሓቂ ምዝራብ፡ ንሓቂ ሸውዓተ መዓሙቕ ሰዲድካ ምድፋን፡ ብታሪኽ ዘሕትት ገበን ምዃኑ ሊቃውንቲ ህግደፍ ክስቖሮም ይግባእ። እቲ ሱር ናይ`ዚ ቕልውላው`ዚ፡ ድምር ናይ ታሪኻዊ  ዉልቃዊ ጽልኢ መራሒ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ሊበራላዊ ምዕራባዊ ትምህርትን  እሉኽ ተጻብኦ ኣብ ልዕሊ ደለይቲ-ፍትሒ ኤርትርውያን ምሁራትን ዝደፍኦ ብሓደ ወገን፡ ነቲ ጸኒሕ ያታ ዘጥረየን ኣህጉራዊ ተፈላጥነቱ ዘረጋገጸ እንኮ ትካል ላዕለዋይ ትምህርቲ ዓጺኻ፡ ኣብ ክንድኡ ኮለጃት ኢልካ ብቐዳምነት ንትግባረ ‘ኣርሒቕካ ሓሉ’ ዝብል ጸጥታዊ ፖሊሲ ከገልግል ምግባር ድማ በቲ ካልእ ወገን እዩ። ስለ`ዚ ድማ፡ ናጻ ምርምር፡ ወይ ወድዓዊ ሓበሬታ ምልውዋጥ ዝበሃል ኣምር፡ ፍጥር ክብል ዝተጨፍለቐ ምንባሩ ንመን ይጠፍኦ?

ኣብ መወዳአታ፡ ምስሊ ኤርትራ ንምእራም ብቐዳምነት እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ፓሎቲካዊ፣ ሰብኣውን ቑጠባውን ኩነታት ክቕየር ኣሎዎ። ስቓይ ህዝቦም ክስመዖም ዝግብኦም፡ ብቐዳምነት ምሁራት ኤርትራውያን ኩኾኑ ይግባእ። ብዝወሓደ፡ ምስ ዉጹዕ ህዝቦም ክደናገጹ ታሪኽ ዘሰከሞም ሓላፍነት ክፍጽሙ ግዴተኦም እዩ። ምስ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ብዝመሳሰል ጽሟቕ፡ ናይ`ቲ ውሩይ ፍልስጤማዊ ኣመሪካዊ ምሁር ዝተላብዎ ጌርና ክንዛዝሞ። አድዋርድ ሰይድ ይብል “ምሁራት ኣፍ ናይቲ ውጹዕ ድኣ ኩኑ`ምበር ምስ ሓያል ወይ ምስ በዓል ስልጣን ኣይትውግኑ። ልዕሊ ኩሉ ድማ፡ ምስ`ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ሓቂ ተዛርቡ።” ኣብ ልዕሊ’ዚ ኸ እንታይ ክንውስኽ?

 

መወክስ

Abstracts from the ‘International Conference on Eritrean Studies’  Asmara  July 22-23

1 Gebregiorgis, H. 2016. Representations and Storytelling: An Investigation of Why people are Leaving Eritrea

  1. Muhaffy, S. 2016, Speaking of Eritrea: A MetaAnalyis of Discourse Structure of Competing Nrratives,

Journal Articles

Reid, R. 2014. Writing Eritrea: History in a Bad Neighbourhood. History of Africa, volume 41, 2014, pp83-115, CUP.

Said, W. E. 1996. Representations of the Intellectual. Vintage Books.

Schmidt, P. R. 2010. Postcolonial Silencing, Intellectuals, and the State: Views from Eritrea. African Affairs, Vol. 109, Issue 435, pp. 293-313, 2010

Sims, A. 1978. Intellectuals In Crisis: Historians Under Hitler. A National Journal of Literature & Discussion Volume 92/4. Fall 2016 http://www.vqronline.org/essay/intellectuals-crisis-historians-under-hitler.Accessed 08.12.2016

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • hidat December 11, 2016

    MEMHIR CHEFENA NISKA HADE ERITRA KAB ZEFREYETOM MUHURAT IKA. FILSET ERITRAWIAN HADE KAB ZEGADEDO DOB ZEYMIHINXAXE ZELO AKMI HAGER AB WEFRI MIEBALE HAGER ZEYWALE MUKANUN BIABEUU DIMA BAELU OBAMA TETELEUU ZITEZAREBO”””””KAB ERITRA HIXANATN ADETAREN NEWEXEE ALEN.:………………..”””””ZIBIL ETI NEZELALEM KISAB BHIWET ZELENA KAB AEZAN ERITRAWI MEKALHU ZEYELIGISE DIMXEE PR:OBAMA KEE SILEMINTAY ZEIZEKERKAYO. EMO ETI ID AMERIKA ITA HAYAL NAY ALEM ZIATEWETO GUDAYSI .BIKELILU TETEW ZEBÖO HAILY ALENADO?????AB RESEUU NEFSI WEKEFNA AB MIGIDAD SIDET ID KEM ZELENA KE MEN YISEHTO??. NIZIKONE NETA BUZUH AMETAT ZEYREAKWA GENET HAILEMARIAM SELAM BELLELEY.

  • k.tewolde December 11, 2016

    This is a historical defining moment for every Eritrean especially the intellectual,the educated,history will ask,where were you?what role did you play?on which side of the isle did you stand?what did you contribute to alleviate the pain and suffering of your people?what did you do to stop the bleeding of the nation of its important asset-the youth?………………………………………. the rest is going through the motion,you said it better Dr.Hailemariam,thanks.

  • PH December 11, 2016

    ሎሚሲሲሲ! ምስመን ከምንዛረብ’ኢዃ ጠፊኡና።ሙሁራትና የጸሙውና፡መንእሰያትና ብዝወርዶም ጸገም ይለምሱ፡ዓለም ትጎስየና፡ኣይ ካብቲ “መንግስትና” ንብሎ፡ኣይ ካብቲ ጎረበትና ንብሎ፡ኣየ ዓለም! ኮንቱ ዘርመዘም።

  • Tesfay December 11, 2016

    The Eritrean movement of treachery destroyed a proud Habesha nation and its institutions inside out as a cancer could destroy a proud and healthy body. And now it has nothing to show for it except death, refugees and destruction. There are leaders and groups that created havoc in otherwise civilized nations that brought the entire continents to their knees. A mentally intellectually challenged Hitler is a good example. We know today what type of people draw inspiration from Hitler, Mussolini and Esayas Afeworki.

  • Simon G. December 13, 2016

    Good article Dr.!
    My take on this though (with all due respect):
    1. First of all, we need to clarify what does the intellect refer when it comes to Eritreans?
    2. An educated person doesn’t always mean they are smart. They can be really good in their fields but the absolute opposite on other fields. Sad but true.
    3. There were many educated people who renegade against the Tembien boys and started to educate people but most of the Eritreans were not ready to hear because HGDF programmed them and not open to other ideas but HGDF’s.
    4. Unlike you and other dignified educated people, there are many educated people who either with no self confidence or morally bankrupt individuals.
    5. Forget about the west but if you compare Eritreans to Sudanese or Eritreans, we are allergic to read. Most of our source of communication depends on bela belew. You can imagine what you can learn from that. If I have to guess the % of Eritreans who read this article would be <1%. I am being generous here.
    6. You are trying to educate Eritreans by writing this kind of useful article but the people you are targeting to send your message do not read papers (almost most of them). It is very sad but true.
    7. Quite a lot of educated people that I know still believe devil isayas is better than the moslem or Akele Guzay dominated opposition group. I have no idea where they get this statistics but they truly believe this. A lot of said that to me and when I tell them I am the Mighty and also have Saho relatives they get shocked. Their reasoning after that, you don't want to hear them. It is a bluff to say the least.
    I could give more reason but it doesn't add any weight.
    My conclusion: we are as ignorant as low level animal. So, the Tembien boys will rule until their death. Extremely sad but true.

    • k.tewolde December 15, 2016

      Simon,G,it is a very good definition and classification of the Eritrean intellectual you posted above.I will give you an example,there is an educated family member who lived over four decades in the west, he supports HGDEF because there are relatives within the rank and file of the regime and he gets access to go back home as he pleases,as long as that is not interfered with nothing matters.I know medical doctors,pharmacists,accountants,realtors,business owners of that mold.And some of them when you tell them the horrendous stories back home they will react as if they heard it for the first time because nothing matters as long the bills are paid and the kids are tucked in bed on time and they are keeping up with johnses next door. And then there are the highly educated scholars,academicians who can be classified into a number of categories,but at the end of the day,today’s Eritrea grave situation is about human conscience,empathy,sobriety,prudence,selflessness,sacrifice……these characteristics which once was the strand that wove our social fabric is shredded to pieces and thrown into MY BELA. The tyrant fixed the nation the way it suits him including the psyche of its people and draped them with his colors.China education served him well,thanks to jebha,his version of Maostic Chinese cultural revolution.

POST A COMMENT