Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

በቲ ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዓቕሎም ዝጸበቦም እሱራት ቤትማእሰርቲ ሰምበል ትማሊ ሰንበት ማዕጾ ቤትማእሰርቲ ሰይሮም ከምእተበተኑ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

በቲ ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዓቕሎም ዝጸበቦም እሱራት ቤትማእሰርቲ ሰምበል ትማሊ ሰንበት 5 ሚያዝያ 2020 ማዕጾ ቤትማእሰርቲ ሰይሮም ከምእተበተኑ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቶም ተመሳሳሊ ሕብሪ ዘለዎ ናይ ቤትማእሰርቲ ልብሲ

በቲ ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዓቕሎም ዝጸበቦም እሱራት ቤትማእሰርቲ ሰምበል ትማሊ ሰንበት 5 ሚያዝያ 2020 ማዕጾ ቤትማእሰርቲ ሰይሮም ከምእተበተኑ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቶም ተመሳሳሊ ሕብሪ ዘለዎ ናይ ቤትማእሰርቲ ልብሲ ዝነበሮም እሱራት እቲ ብምኽንያት ገደብ ምንቅስቓስ ኮረናቫይረስ ጸምዩ ዘሎ ከባቢታት ሰንበል ሓጊዙዎም ብዙሓት ከምዝሓዙ ኳ እንተተፈልጠ ክንደይ ከምዘምለጡ ብልክዕ ኣይተፈልጠን።

23 እሱራት በቲ ንሕስያ ዘይብሉ ማህረምትን ጎነጽን ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ተሃስዮም ኣብ ሕክምና ክዕቆቡ ከለዉ፡ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ውሑዳት ምዉታት `ውን ከምዘለዉ  እቲ ሓበሬታ ኣሚቱ።

ቤትማእሰርቲ ሰምበል ኣሽሓት እሱራት ዝርከቡዎ ቤትማሕቡስ ኳ እንተኾነ፡  ቁጽሪ ናይቶም ነቲ ምንቅስቓስ ዘበገሱ፡ ዘምለጡ ይኹን ዝተተታሕዙ ክንደይ ምዃኑ ዛጊት ዝተረጋገጸ ሓበሬታ የልቦን።

ኮረናቫይረስ ኣብ ዓለም ምልባዕ ካብ ዝጅምር፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ መንግስታት፡ እንተላይ ኢራንን ኢትዮጵያን ኣሽሓት እሱራት ከምዝፈትሑ ብማዕከናት ዜና ዓለም ክንገር ከሎ፡ ኣብቲ እሱራት ተጨቓጪቖም ተመቚሖምሉ ዘለዉ ልዕሊ 350 ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ዘለዉ ዜጋታትና ከቢድ ጉድኣት ክስዕቦም ስለዝኽእል ክፍትሑ ብብዙሓት ኤርትራውያን ኮነ ኣህጉራዊ ተጣበቕቲ መሰላት ን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲኽካ ተደጋጋሚ ጠለባት ክቐርበሉ ኳ እንተጸንሐ ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ጻውዒታት ክሳብ ሕጂ ጸማም እዝኒ ሂቡዎ ይርከብ ኣሎ።

 

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ እቶም እሱራት በቲ ኢሰብኣዊ ምልካዊ ስርዓት ንጅምላዊ ሕማምን ሞትን ኣብ ዝተኾነኑሉ እዋን፡ እቶም ከም ሰቦም ህይወት ዝሓዙ እሱራት ፈንጢሶም ከምልጡ ምፍታኖም ከኣ ዘገርም ኣይኮነን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT