Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ “ፕረሲደንት” ኢሳያስ ኣፍወርቂ

ቅልዕቲ ደብዳቤ፣-                                                                     ዕለት 15/02/2013 ናብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ።- ንሕና መቦቀሊና ሳሕል ዝኾነ ኤርትራውያን ብሰንኪ ዘይፍትሓዊን ኣረመንያውን መግዛእትኻ ሃገርና ኤርትራ ገዲፍና ኣብ ምብራቅ ሱዳን ማለት ፖርትሱዳን, ቶከርን ቃሮራን ከባቢኣን አንነብር፣ ገሊና ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበርና  ሃገራውያን ደለይቲ

ቅልዕቲ ደብዳቤ፣-                                                                     ዕለት 15/02/2013

ናብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ።-

ንሕና መቦቀሊና ሳሕል ዝኾነ ኤርትራውያን ብሰንኪ ዘይፍትሓዊን ኣረመንያውን መግዛእትኻ ሃገርና ኤርትራ ገዲፍና ኣብ ምብራቅ ሱዳን ማለት ፖርትሱዳን, ቶከርን ቃሮራን ከባቢኣን አንነብር፣ ገሊና ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበርና  ሃገራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣቀዲምና ንፍጻሜ 21 ጥሪ ስርሒት ፎርቶ ናይ ህዝብን ሰራዊት ጠለባት ብምኻኑ  ከምእንድግፎ እንዳገለጽና እዚ ጠለብ ሽትኡ ስጋብ ዝበጸሕ ንቀጻሊውን ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ  ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኣኢ (ብፍላይ ጅግና ሰራዊትና) ተሓባቢርና ክንቃለስ ብሽም ስዉኣት ቃል ንኣቱ።

እዚ ብዕለት 21 ጥሪ ዝተፈጸመ ስርሒት ፎርቶ በዞም ዝስዕቡ 4 ጀጋኑ፣-

  • ብ/ጀ ሳልሕ ዑስማን
  • ኮ/ ስዒድ ዓሊ (ወዲ ዓሊ)
  • ኮ/ ኣለም ግዝዋ
  • ኮ/ ኣብርሃም ገለዋን

ኣባላት ምኒስትሪ ምክልኻል መርሕነት፣ ተኻይዱ እካ እንተኾነ ተራ ወተሃደራትን ዓበይቲ ጀነራላት ዝሓቆፈ ብህዝቢ ምሉእ ድጋፍ ዘለዎ ስርሒት ኢዩ።

ከም ኣመልካ ፈላሊኻ ምግዛእን ኣብ መንጎ ቀቢላታትን ኣውራጃታትን  እተኣልሞ ዝነበርካ ውዲዳት ኩሉ ኣብቂዑ ሕጂውን ስልጣንካ ንምንዋሕ እዛ ሃገር ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያን ሁውከትን ግጭትን ንምፍጣር እዞም ታሪኾም ዝምስክረሎም  ሃገር ሓራ ዘውጻኡ ደልይቲ ለውጢ፣ እስላማውያን ጥርኑፋት ደቂ ሳሕል  እዮም ኢልካ ብመንገዲ ዕሱባትካ ትዝርግሖ ዘለኻ ሕሱር ፕሮባጋንዳ ሓቂ ንምምሳልውን ብርክት ዝበሉ  ተጋደልቲ እስላም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እእቲኻ። ከምኡውን ንተጋዳላይ ዓብደላ ጃብር ብናትካ ትእዛዝ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክቅተል, ከምኡውን  ተጋዳላይ ሙስጣፋ ኑር ሕሴን  ናይ ጸቅጢ ደምን ሹከር ሕማም ስለዘለዎ ክሳብ ዝመውት ሕክምና ንከይዋሃቦ ታእዛዝ ከምዝተሓላለፍካ ካብቶም ብኣካል ምሳኻ, ብልቢ ምስ ህዝቦምን ሰራዊቶም ዘለዉ ደለይቲ ለውጢ ምንጭታትና ኣረጋጊጽና።

ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ 3 ግንባር ናደው ከም ምኽንያት ገርካ ኣብ ሳሕል ከተማ ኣፍዓበት ዓቢ ፈስታ ተዳሉ ከምዘለኻ ኣረጋጊጽና።  ነዞም ኣሲርካዮም ዘለኻ ጀጋኑ ደቂ ሳሕል ንስድርኦምን ኣንስቶምን ኣይትሻቀሉ እናበልካ ኣገዲድካ ጋይላ ክትስዕስዕ ንዕቀት ንደቂ ሳሕል ምኻኑ ርዱእ እዩ። ንሕና ብወገና ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንህዝቢ ሳሕል ብፍላይ ኣብ ኣፍዓበት ተዳልዮ ዘለኻ ዳስ ከይካፈሉ ጋስጋስ ነካይድ ኣሎና። እቶም ንሂወቶም ፈሪሖም ተገዲዶም ዝሳተፉ ሰባት ከም ዓወት ኣይትውሰዶ።

ንሕና ኤርትራውያን እስላምናን ክርስትያናን ከምቲ ሓደ ኢድ ኮይና ንኤርትራ ነጻ ዘውጻእና ሎሚውን ሓድነትና ኣደልዲልና ንለውጢ ብዘየወላውል መንገዲ  ኣብ ጎኒ ህዝበናን ተባዕ ሰራዊትና ኮይና ምሉእ ናይ  ምትሕብባር ክንገብር ኢና። ህዝቢ ሳሕል ጅግንነቱ ናይ ቀልሲ ታሪኹ ይምስክረሉ።

ከምቲ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ኣብ ጊዜ ቃልሲ በሽም መንካዕ ጀጋኑ ምሁራት ደቂ ኣከለጉዛይ ከምዘጥፋእካ, ብሽም ትሕቲ ሃገራውነት ሃገር ነጻ ዘውጸኡ ገዳይም ተጋደልቲ (G15) ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ኣሲርካ መብዛሕቲኦም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝሞቱ ገርካ።

ቀንዲ ተልእኾ ናይዛ ቅልዕቲ ደብዳቤ፣ ስልጣንካ ንምንዋሕ ትኣልሞ ዝነበርካ (ብሽም ቀቢላን ኣውራጃን፣ ጀሆባን ፐንጠን፣ ኣስላምን ክርስትያንን) ተቃሊዑ እዩ። እዛ ሃገር ኣብዝያዳ ቅልውላው ከየእተኻ፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ስልጣንካ ነቶም ምሳኻ ዘለዉ ኣመንቲ ለውጢ ጀጋኑ ኣባላት ምኒስትሪ ምክልኻል ክተረክብ፣ ንሶምውን ሃገር ኣረጋጊኦም እሱራት ፈቲሖም ቅዋም ኣተግቢሮም ደሞክራስያዊ ለውጥን ህዝባዊ ምርጫ ከካይዱ።

                            ዓወት ንሓፋሽ

ካብ ሃገራውያን ደልይቲ ለውጢ-ሱዳን                                                                                                           እዚ መልእኽቲ’ዚ ብቐጥታ ናብ ኢሳይያስ ድሮ ተላኢኹ እዩ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • Yikun Selam February 21, 2013

    Ezi uuwwaalla Jegauna garish wediuuwom . Tebaraber eritrawi. !!

  • tekle March 23, 2014

    brother don’t be innocent what ever eseyas or G15 abdela jabr mostofa menkaa and all the other in position with him are more guilty than him because eseyas to be more oppressive is by motivation of all of them lets weight we will see all of the to die and in prison so finally eseyas and his colique they will finish their chapter.
    so you think about to come free political line for the eritrean people specialy be becarfull from the historical enemies of our people the regimes in Ethiopia any relation with them must be with the chaise of our interest even now we must say before leaving eritrean teritory no any meeting with them

POST A COMMENT