Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልውላው – ክልተ ኣዕዋፍ ብሓንቲ እምኒ

ቅልውላው ክልተ ኣዕዋፍ ብሓንቲ እምኒ መጋበት 23/2019 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ቅልውላው ብተራ ቋንቋ ትርጒሙ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ከርሳ ውሉድ ነዛ ዓለም ከተረክባ ኸላ ንዝህልዋ ሕማም ሕርሲ ዝወሃብ ቃል ኢዩ። እዚ ጻዕሪ ናይ ኣዴታት ብሓፈሻ ኩላትና ንፈልጦ እኳ

ቅልውላው

ክልተ ኣዕዋፍ ብሓንቲ እምኒ

መጋበት 23/2019 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ቅልውላው ብተራ ቋንቋ ትርጒሙ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ከርሳ ውሉድ ነዛ ዓለም ከተረክባ ኸላ ንዝህልዋ ሕማም ሕርሲ ዝወሃብ ቃል ኢዩ። እዚ ጻዕሪ ናይ ኣዴታት ብሓፈሻ ኩላትና ንፈልጦ እኳ እንተዀነ ብዝያዳ ወላድ ኣደ ኣጸቢቓ ትርድኦ ብተፈጥሮ ዝተዓደለቶ መስርሕ ምርባሕ ደቂ-ሰባት እዩ።

ወዮ ድኣ ንዘይምላእ “ ሕማም ሕርሲ ተረሳዒ” ዝበሃል ኰይኑ’ምበር ኣዚዩ ንምጽማሙ ቀሊል ዘይኰነ ቃንዛ ኢዩ። እቲ ውሉድ ምስ ተረከብናዮ ግን፡ እቲ ምስላ ሓቂ ይኸውን። እቲ ቃንዛ ዝነበረ ክኣ ናብ እልልታ ይቕየር። መሕረሲት ወይ መሕረስቲ ኣብ ግዜ ቅልውላው ክልተ ዕማም ኣለዎም። ሓደ ነታ ወላዲት ካልኣይ ክኣ ነታ ወይ ነቲ ህጻን ብጥዕንኦም ከም እንርከቦም ምግባር ኢዩ። እዚ ድርብ ዓወት ክርከብ ከሎ፡ ነቲ እልልታ ትርጒም ይህቦ።

ዘየጋጥም ነገር የለን፡ ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ንሓዲኦም ወይ ንኽልቲኦም ማለት ነወላዲትን ንውሉድን ክትስእኖም እትኽእለሉ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኣሎ። ውሉድ ተሳኢኑ ኣደ ክትተርፍ ከላ ግን፡ ናይ መጻኢ ተስፋ ኣብ ግምት ብምእታው ቤተ ሰብ ብፍላይ ክኣ ኣደን ኣቦን ክሓዝኑ ከለዉ፡ መጸናናዕቲ ለባማት ቀዳሞት ክኣ፡ ድሓን ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ “ላም ብምራኻ ትዓል” ብማለት ናይ ተስፋን ደበሳን ምትብባዕ ይልግሱ። ኣደ እንቋዕ ሰረረት እምበር ውሉድሲ ጽባሕ ብማዓልቱ ክመጸና ኢዩ ንመን ኢሉዎ ብማለት የጸናንዑ።

ነዚ ምስላ’ዚ ስለምንታይ ኣምጺእካዮ ትብሉኒ ትዀኑ። እቲ መልሲ፡ ናይ ቃልስና ታሪኽ ከምኡ ኰይኑ ስለዝረኸብኩዎን፡ ሕጂ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ መድረኽ ምህላውና ስለዝተገንዘብኩን ኢየ። ቃልስና ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሰውራ ይበሃል ነይሩ፡ ከምኡ ክኣ ኢዩ ንምህሮን ንመሃሮን ዝነበርና። በቲ ሓደ መንገዲ ሃገርና ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ነጻ ክንገብር፡ በቲ ካልኣይ መንገዲ ክኣ ብረት ኣውሪድና፡ ሕጊ ዓቲርና ደሞክራሲያዊ ስርዓት ተኺልና ብፍረ ዕዮና ብሰላምን ብልጽግናን ክንነባበር ኢዩ ትጽቢትናን ሃረርታናን ነይሩ። ድሕሪ እቲ ኩሉ ናይ ሳላሳ ዓመት ጥንስን ቅልውላው ናይ 1991 ክኣ እቲ ዝተመነናዮን ዝተቓለስናሉን ክልተ ውጽኢት ኣይከም ትጽቢትናን ኣይከም ሃረርታናን ኰይኑ ተረኺቡ።

እታ ኤርትራ ትብሃል ሃገር (ኣደ) ኣብ ዓለም ከም እትምዝገብ ጌርና ከነብቅዕ ነቲ ውሉድ (ደሞክራሲያዊ ስርዓት) ግን ኣብ ኢድና ከም ዝሓዊ ኰይኑ ተዘሚትና። ሕጽረትና እንታይ ነበረ? ከይነውሓና፡ ብሓቂ ብግቡእ ብቑዓት ዝተመልመሉ ነደን ንውሉድን ከድሕኑ ዝኽእሉ መሕረስቲ ስለዘይነበሩና ኢዩ። እወ! ነቲ መድረኽ እቲ “ላም ብምራኻ ትዓል” ኢልና ሓሊፍናዮ ክንስና እንሆ ሕጂ’ውን ከም እንደገና ላምና’ውን ኣብ ብርቱዕ ቅልውላው ንኻልኣይ ግዜ ትርከብ ኣላ። ተዳሊና ዲና? ብግቡእ ዝተመልመሉ ሓካይም ኣለውናዶ? ናይ ኣደን ናይ ውሉድን ውሕስነት ብዓል ምን ኢዮም?… እምብኣር ንርኣዮ ዕዳና ንፍለጥ’ሞ ኣበይ ከምዝበጻሕና ንምፍታሽ ዝኣክል ክኣ ኣመት ናይዚ መድረኽ ንግበር።

ዝተዓጽወ ኣፍ ክኽፈት፡ ዝተዓጽፈ ልሳን ክዝርጋሕ፡ ዝተደፍነ እዝኒ ክሰምዕ፡ ሰም ዝበለ ኣዒንቲ ቋሕ ክብል፡ ብጒንዱ፡ ብመሰረቱ ኣእምሮ ኤርትራውያን ግቡእ ስርሑ ክጅምር፡ ንመንነቱ ደው ክብል፡ ንቤተ-ሰቡ (ንደቂ ሃገሩ) ከለሊ፡ እሂን ምሂን ክበሃሃል፡ ብናይ ትማልን ቅድሚ ትማልን ሕጸረታቱ ከንጸርጽርን ክንድርን ክጠዓስን ክንርኢ ከለና፡ ኣብ ሓደ ተለላይ ዘይንዓቕ መድረኽ ናይ ምድላው መሕረስቲ ተገማጊምና ከም ዘለና ክንትስፎ ንኽእል። ተስፋ ግን ጽቡቕ መንፈስ ይፈጥረልካ እምበር ሂወታዊ ኣይኰነን።

ኣብዚ መዳይ’ዚ ብትዕዝብተይ ገና ካብቲ ዘይበለየ ድሑር ትሕዞ ጸኒሓዊ ዝምባሌታት ኣይተገላገልናን። ካብ ኣነነታዊ ነብሰ-ምክልኻል ጸጊዕነት ኣይወጻእናን። ካብ ዝነበረና ናይ ትማሊ ውድባዊ ዑቕባ ክንነጽልን ንኣእምሮና ሓራ ኣውጺእና ብደሞክራስያዊ ተረድኦ ዝርግሐ ናይ ሌላን ምትእምማንን ኣብ መንጎ ተማዓደውቲ ዝነበሩ ውድባት ክንፈጥርን ኣይክኣልናን። እምነትን ፖለቲካን ፍንጭሕ-ቅንጅሕ ኣቢልና ክንፈላልዮ ብዕግበት ኣይበቓዕናን። ጥርናፈና ንወገናውን፡ ሃይማኖታውን ንዕኡ ዝመሳሰል ውደባዊ መትንታትን በቲኹ ናብ ደሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ዘፈሓሶ ቅውዶ ናይ ፖለቲካዊ ዝምድና ገና ኣይፈሓሰን።

ንኹሉ ነገር ኣነ ኢየ ዝፈልጦ ዝብል ኣተሓሳስባ ካብ ኣእምሮና ኣይሃፈፈን። ንኹሉ ነገር ኣነ ኢየ ዝፈልጦ ዝብል ሰብ: ንዋላ ሓንቲ ነገር ከይፈለጠ ከምዝተርፍ ብዘዕግብ መጽናዕቲ ዝበጻሕናዮ ኣይንመስልን። መለኽቲ ስርዓታት ሽግሮም ንሱ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ብዙሕ ኲርንዓት ዓለም ኣኼባታት ንወላዲት ሃገረ-ኤርትራ ንምድሓን ይካየድ እኳ እንተሃለወ፡ ብፍላይ ካብ ምሁራት ኢዮም ኢልካ እትጽብጽቦም ሸነኻት ካብኣቶም ክትጽበዮ ዘይግባእ፡ ንግሉጽ ጉባኤታት ብዘይ ግሉጽ ቅድመ ጉባኤ ውዲታት ከም ዝሳቐ ምግባሮም ብሰነድ ደረጃ ብተሳተፍቲ ክቃላዕ ከሎ ክትርእዮ ከለኻ ኣዚዩ ኣሕዛኒ ኢዩ። እቲ ቅድሚ ሕጂ ንትሕዝቶና ከም ዝሃጒጒ ዝገበረ ኣገባብ ንምንታይ ንኽድገም ዕድል ይህልዎ? ግሉጽነት ስለ ምንታይ ብሕቡእ ስኽፍታ ይትካእ። እዝን ወድ-ከምዝን ንቓልስና ገና ጸማልያ ከም ዝኸውን ዝገብር፡ ንምትእምማን መሰረት ዘየንብር ኣሰራርሓ ኣብዚ ግዜ ቅልውላው ክበርስ ኣይምተገብአንዶ?።

ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነት ሸክስፔር (Shakespeare) ዝተጠቕመሉ ኣበሃህላ ክጠቅስ ኢየ። “To Thine Own Self Be True” እዚ ዝተፈላለየ ትርጒም ኣለዎ፡ ሓደ ሰብ እቲ ክገብሮ ዝግብኦ ምስ ዝገብር ንነብሱ ክግምግም ከም ዝኽእል፡ እቲ ካልኣይ’ውን ሓደ ሰብ ኣብ ኩሉ መንገድታቱን ዝምድናታቱን ኣብ ቅንዕና ክምረኰስ ከም ዘለዎን ከምኡ’ውን ብዝክኣል መጠን ቅኑዕ ክኸውን ከምዘድልን ኢዩ። ብዝዀነ ኣብዚ ዘለናዮ ዘበን ኣዕጋቢ ትርጒሙ ሓደ ወድ-ሰብ ካብ ቅንዕናን ተወፋይነትን ክርሕቕ ከም ዘይብሉ ዝሕብር ኢዩ። ናብ ረብሓኻን ረብሓ ህዝብኻን ዘተኰረ ኣሰራርሓ ክህልወካ ኣለዎ ማለት ኢዩ። እዚ ደረጃ ምዕባሌ’ዚ፡ እዚ ናተይ ወለዶ ሕድሪ ተሰኪሙ ዝጸንሐ፡ ሕድሩ ነዚ ሓዲሽ ወለዶ ከረክብ ፋሕተር-ተር ዝብል ዘሎ ኣብ ሃንቀውታ ጥራይ ተወሲኑ፡ ገና ነዚ ሓድሽ ወለዶ ሸውሃት ብዝኸፍት መንገዲ ዕድል ወይ መንገዲ ክህንድሰሉ ድልውነቱ ኣየርኣየን። ፖሎኒዩስ (Polonius) ኣብ ሃምለት (Hamlet Act.1) ልቢ ወለድ ከም ዘቐምጦ’ውን ከም ምዕዶ ንኻልኦት ክትኣሊ ምእንቲ ክትክእል መጀመርያ ንነብስኻ እለ ወይ ተኸናኸን ወይ ኣመሓድር ዝብል ኢዩ፡ (አተረጓጒማ ናተይ)

እምብኣር እዚ ናተይ ወለዶ ንነብሱ ክኣልን ብቕንዕና ክመላለስን ገና ስለዘይበቕዐ ሕድሪ ከነረክብ ይጽግመና ምህላዉ ከነለልዮ ከድልየና ኢዩ። እዚ ኢራብ ነብሪ ጎልጎል መንእሰይ ወለዶና ድሮ ቅድሚ ንሕና ነብስና ምምዛንና ካብ ዜሮ ስንቂ ተበጊሱ ቀዲሙና ይግስግስ ምህላዉ ከዂርዓና እምበር ከሕንኸና ስለዘይግብኦ ብትብዓት ኣገናዕ ክንብሎ ድሉውነትና ከነርኢ ኣለና። ብድሕሪ ሕጂ እንገብሮም ኣኸባታት ካብ “ድሕሪ ማይ ናብ ብዓቲ”፡ ካብ እዋይ ኣነ፡ ከምዚ ኣይመሰለናን ነይሩ፡ ወዘተ… ድኹም ጣዕሳታት ክንድሕን ምእንቲ፡ ነዚ ናይ ሕጂ መድረኽ ቅልውላው ብዓይነታዊ ተረድኦን ምድላውን ምስ እዚ ሓድሽ መንእሰይ ወለዶ ከነተኣሳስሮ ክንበቅዕ ኣለና።

ቶማስ ክላሰንስ (TOMAS CLASSENS) ከም ዝብሎ፦ ወትሃደራት ናይጀሪያ ገለ ካብቶም ዝበለጹ ኢዮም፡ እንተዀነ ግን መራሕቶም ኣግዲዖሞም ይብል። እዚ ክውንነት’ዚ ንዓና ኤርትራውያን ኣጋጢሙና ኢዩ። ብርግጽ ተጋዳላይ ህዝብና፡ ሕጂ’ውን ገዛ ዘይፈልጥ ሰራዊት ኤርትራ ጅግናን ካብቶም ምዑታትን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እንተዀነ ግን መራሕቱ ኣንጻሩ ብተግባር ዓጢቖም ስለዘለዉ ተገዲዑ ኣሎ። ንሕና እዞም ኣብ ግዳም ዘለና’ውን ብፖለቲካዊ ዕጥቂ ነዚ ሓድሽ ወለዶ ብዝግባእ ንጽግዖን ፋኑስ መብራህቲ ናይ መንገዲ ቃልሲ ክንኰኖን ኣይበቓዕናን።

መንእሰይና ግን በዘደንቕ ምልዕዓል ከንበልብል ጀሚሩ’ሎ። ሃየ ሕጂ’ውን “ክምብል በለ’ሞ ኣይፈሰሰን” ምባል ርሑቕ ኣይኰነን። ንመንእሰይና ክንድግፎን ከነተባብዖን ኣርክብ ዝብል ጭርሖ ኣልዒልና ክንጓየ ኣለና። ብህልኽ ዝተመረዘ ኣእምሮ ናብ ሃገር ኣልቦነት ስለዘሰጋግረካ፡ ካብ ዝሓለፍናዮ ኣሉታውን ኣዕናውን ተመኲሮ ሓራ ክንከውን ንቀላጠፍ።

ድኹም ዘይብቑዕ ሰብ: ኣብ ስቅያት ናይ መትእምማን ስእነት ዝነብር (crisis of confidence) ንነብሱን ንሃገርን ዝኸውን ስለዘይኰነ መደምደምትኡ ጥፍኣት ኢዩ። ናይ መለኽቲ መደምደምታ ክኣ ከም ውጽኢት ናይ እንታይነቶም ንሱ ኢዩ።

እዚ መድረኽ ቅልውላው እዚ ክልተ ኣዕዋፍ ብሓንቲ እምኒ ክንሃርመሉ እንተድኣ ኰንና ዕላማና ተመኲሮና ከይረሳዕና ወይ ክኣ ካብኡ ተማሂርና ንኢሳያስን ኣዕናዊ ከዳዕ ስርዓቱን ምዕናው ጥራይ ዘይኰነስ፡ ማዕረማዕሪኡ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ብናይ ሓባር ኤርትራዊ ህዝባዊ ውህደት ክንተክል ከም ምዃኑ ዕጥቅና ክዝንጋዕ የብሉን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነታ ኣብ ገምገም ጥፍኣት ዘላ ትሳቐ ዘላ ኣዴና ሃገርና ኤርትራ ከነድሕና ምዃንናን ከምኡ ድማ ነቲ ዝውለድ ህጻን ደሞክራስያዊ ስርዓተ-ምሕደራ ክዉን ክንገብር ንቕሓት ከነማዕብል ከምዘለና ምፍላጥ ምዃኑ ኢዩ።

ጥዕና ዘለዎ ክልተኣዊ ይኹን ብዙሕነታዊ (bilateral or multilateral) ዝምድናታት ምስ ዝቐረበን ዝረሓቕን ብዘየገድስ ብዘይ ውሽጣዊ ርግኣትን ጽንዓትን ሓድነትን ምትእምማንን ክሰርሕ ኣይክእልን ኢዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ኣይሰርሐን ጥራይ ዘይኰነስ ንድሕሪ ሐጂ’ውን ንዕኡ ዝኸውን ስነፍልጠታዊ ባይታ የለን። ስለዚ ኤርትራውያን ድሕሪ ደጊም ሃገራዊ ህንጻና ጥራይ ኢዩ ወሳኒ ናይ ፖለቲካውን ቍጠባውን ከምኡ ድማ ማሕበራውን ዝምድናና ክኸውን ዘለዎ። ብሕጽር ዝበለ ንስልጡን ባህላዊ ዕብየት ውሽጣዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ እንታይነት ጥራይ ኢዩ ዞናውን ክፍለዓለማውን ዓለምለኻውን ዝርግሐ ወይ ምስፍሕፋሕ ዝፈጥረሉ። እምበኣር ንሃገርና ምክንኻን ዝቕድሞ ካልእ ዕላማ የለን ዝብል ህንጻ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮና ክሰርጽ ኣለዎ። በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ ኢና ንመንእሰይና ከም ነብሪ ጎልጎል ከም ዝነጥር ክንገብሮ እንኽእል።

ስርዓት ኢሳያስ ዋላ ኣብ ስደት ብራዕዲ ዝኣክል ምስ ደቂ ሃገርና ከም ሕማም ተላገብ ከምዘይንቀራረብ ጌሩ፡ ዋላ ሕጂ’ውን ናይ ምትሕንፋጽ ገስጋሲ ሓሳባት ከነማዕብል እንተዘይክኢልና ብዕግበት ካብ ህቦብላ ናይ ራዕዲ ሓራ ወጺእና ኢና ክንብል ኣይንኽእልን። እዚ መድረኽ ፖለቲካዊ ቅልውላው’ዚ ነዚ ኹሉ ኣሻዂ መንገዲ ዕንክይክይ እንዳበልና ክንከይድ ዝገበረና ብመጸናዕቲ ክንህንድሶ ከድልየና ኢዩ።

ኤርትራውያን ኣብ መገሻ ናይ ቃልስና ብዙሕ ነገር ኣዐዊትና ኢና። ማዕረማሪኡ ክኣ ብለቖታ ዘይኰነስ ብዓብየት ዝስፈር ምህርቲ ናይ ደሞክራሲ ተሰዊሩና ጸኒሑ ኢዩ። ንሱ ድማ ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ ተመለኽቲ ክንከውን ሕራይ ምባልና ክንእመነሉ ይግባእ። ነዚ ሓቂ እዚ ክንቅበሎ ኣለና፡ ምኽንያቱ “ኣደስ ኩሉ ትሓብእ’ሞ፡ ሓበላ ዓይኒ ነይትሓብእ” ዝብል ምስላ ዘቃልዖ ክዉንነት ስለዝዀነ ክንእመን ከለና ሃናጺ ስጒምቲ ኢዩ። ደሞክራስያዊ ዕጥቂ ወኒንካ ናይ መጻኢ ኣነባባር መርሓ-ገበይ (road map) ምህንዳስ ካብ ክውንነት ምእማን ኢዩ ዝውለድ።

እዚ ናይ ኢሳያስ ስርዓት ናቱ ፍሉይ ናይ ሃገራዊ ክድዓት ጠባያት እኳ እንተለዎ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ ብነብሱ ዘይተኣማመን ቀንጻሊ ካብ ክኢላታት ዝርዕድ ዘይዓቕሙ “ አነ ንኹሉ ዝፈልጥ ኢየ፡ ኩሉ ብኣይ ክውሰን ኣለዎ” ዝብል ብናይ ጥፍኣትን ዕንወትን ፍልስፍና ዝምራሕ ኰይኑ፡ ሓድሽ ነገር ዘይኰነስ መቐጸልታ ናይ ሓድሽ መግዛእቲ (neo colonialism) መራሕቲ ስሉስ ዓለም ኢዩ። ኣብዚ ጒዳይ’ዚ ን ፐሮፌሰር ጆረጅ ኣይተይ (Professor George Ayittey) Ghanaian economist ዝበሎ ክጠቅስ፦ ይብል ንሱ፦ ነዞም ናይ ስሳታት ናይ ሓድሽ መግዛእቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ ከም ትውልዲ ጒማረ (Hippo generation) ይምስሎም’ሞ ስሱዓት  ምእዙዛት ናይ ገዛእቲ ሃጸያውያን ሓይልታት መልእኽተኛታት ኢዮም ይብሎም። ብኾፎም ናብ ጥቕሞም ዘድሃቡ ንኹሉ ሽግራት እቲ መንግሰቲ ክፈትሖ ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ዘለዎም ሃንጀማታት ኢዮም ይብሎም። በቲ ካልኣይ ሸነኽ ክኣ ኣብ ኣፍሪቃ ፍታሕ ዘምጽእ ዝኽእል ብማለት፡ ኣድህብኡ ናብቲ ምሁር መንእሰይ ከም ቅልጡፍ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኢሉ ከም ወለዶ ነብሪ ጎልጎል (Cheetah generation) ይምስሎ።

ከም ዝመስለኒ እዚ ኣበሃህላ ናይ ጆርጅ ኣይተይ ኣብ ክውንነትና ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ክሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮም ናይ ኣፍሪቃ መራሕቲ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ዝገላግሎም ናይ መሰል ዘይኰነስ ናይ ድርቅና  ሰብ ሕድሪ ኢዮም። ኢሳያስ ክኣ ምስ መመላእታ ናይ ሃገራዊ ክድዓት ጠባያቱ መቐጸልትኦም ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጒም የብሉን። ስለዚ እቶም ሽማግለታት ከምዚ ከማይ ነዚ ነብሪ ጎለጎል ኤርትራዊ መንእሰይ ንስደት ናብ ናይ ቃልሲ ምስጋም ቀይሩ ንሃገራዊ ድሕነት ገጹ ክውንጨፍ ብኹሉ ዓቕምታትና ኣይዞ ጎበዝ ክንብሎ ክንበቅዕ ከም ጒማረ ስሱዓትን ተማእዘዝቲ ግዳማውያን ገበትቲ ሓይልታት ካብ ምዃን ነጻ ክንከውን ይግባኣና።

ኣገልግሎትና እምነትና ናብ ግዳማውያን ልሙዳት ገዛእቲ ሓይልታት ብተፈላለየ ጥበብ ዝገማምዑና ዘይኰኑስ፡ ናብ  ውሽጣዊ እንታይነትና ዘድሃበ ክኸውን ኣለዎ። ምሁራትና፡ ዓበይትና፡ ሃብታማትና፡ ምቹእ ግዳማዊ ውልቀ ሂወታዊ ኣተሃላልዋና ንባህርያት ታሪኻውያን ገበትቲ ሓያላን ገዛእትና ዘንጊዑ፡ ንህዝባዊ መቕዘፍቲ ኤርትራ ሃገርና ብሸለልትነት ክሓልፎ የብሉን። ስደትና ፍረ ምልካዊ ስርዓት እምበር መተካእታ ኤርትራ ሃገርና ኣይኰነን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ንብዙሕነትና ብንቕሓት እንተ ኣሰኒናዮ ናብ ሓድነት ከሰጋግረና ይኽእል ኢዩ። ንብዙሕነትና ኣብ ጸቢብ ኣረኣእያና ከም ዝድረት እንተገረናዮ ግን ናይ ሓድነት ትንፋስ ሓጺሩና ኣብ ሒቕታ ከም እንነብር ክገብረና ምዃኑ ፈሊጥና ብዓንተብኡ ክንቃለስ ኣለና። እዚ ምስ ዝኸውን ኣብ መንጎ ኣረጊትን ውሒጣን ኣተሓሳስባን፡ ብኣበሃህላ ጆርጅ ኣይተይ ጒማረ (Hippo)   ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ስሉጥን ምሁርን ንቑሕን ተወንጫፋይ ነብሪ ጎልጎል (Cheetah ) ትውልድታት ዘሎ ፍልልይ ከነስተውዕል ክንክእል ኢና።

ሎሚ ግዳማዊ ደምበ ተቓውሞ ኩሉ ማለት፡ ኣባላት ባይቶ፡ ማሕበራት ደቀ-ኣንስትዮ፡ ትካላት ፓል-ቶክ፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ውድባት ምስ ኩሉ ጸገማቱ ናብ ሓድነት ዘድሃበ ላዕልን ታሕትን ይብል ስለ ዘሎ፡ እቲ መደምደምትኦም ናብ ትውልዲ ነብሪ ጎልጎል (Cheetah generation) ማለት ናብ መንእሰይ ትውልዲ ዘድሃበ ክኸውን ኣለዎ። ጽሟቝ ናይ’ዚ ኩሉ ክኣ ናብ ንጹርን ዘተኣማምንን ሕርኽራኽ ኣልቦ ዝዀነ ቅርጻ ከሰጋግረና ኢዩ። ብዛዕባ ዓበይቲ ናይ ዜና ማዕከናት ብዝምድናዊ ኣሰራርሓ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ እንታይ ግደ ክጻወቱ ኢዮም ህዝቢ ይጽበዮም ምህላዉ ክዝንግዑን ክደናጐዩን የብሎምን። ኣነ ብወገነይ ብዙሕ ግዜ ኣዘኻኺረ ስለዝዀንኩ ክደጋግሞ ኣሰካፊ ኰይኑ ረኺበዮ ኣለኹ።

ብዝዀነ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣሰራርሓ እንድሕሪ ኣብ ዝብጻሕ በጺሑ ክኣ: ነቲ ገመድ ምስ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ሰራዊትናን ህዝብናን ብምትእስሳር ኣዚዩ ዓቢ ተሰማዒ ሓይሊ ናይ ለውጢ ክፍጠር ከምዝክኣል ኣነ ብወገነይ ዕግበት ኣለኒ።

ጀጋኑ ኣቦታት ኣዴታት ዝብሃሉ፡ ንመጻኢ ወለዶ ማለት ንትውልዲ ነብሪ ጎልጎል፡ ትብዓትን ጽንዓትን፡ ሓቅን ኩለንተናዊ ገጻት ታሪኽ ሃገርን ብዝክኣሎም ዓቕሚ የረክብዎን ዝተረፈ ዕዳ ንኽኸፍል ክኣ  ኣብ መብጽዓ የእትውዎ። እቲ ሓድሽ ወለዶ ክኣ ነቲ ካብ ጀጋኑ ቀዳሞት ዝተረከቦ መብጽዓ ብዘበናዊ ኣተሓሳስባ ኣሰኒዩ ዝጐደለ መሊኡ ሃገር ይሃንጽ ጥራይ ዘይኰነስ ናብ ዝቕጽል ወለዶ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከመሓላልፍ ሓላፍነት ይወስድ። እዚ ሰንሰለታዊ ኣሰራርሓ’ዚ ሃገራዊ ታሪኽ ከም ዘይበታተኽ ይገብር። ኢሳያስ ነዚ መስርሐ’ዚ ክበጣጥስ ኢዩ ህርድግ ዝብል ዘሎ።

ሕጂ ብሃሰሰ-ለባም እዚ ስርዓት እዚ ጥራይ ይፍረስ ዝብል ኣተሓሳስባ ጥራይ ሒዝካ ተብ-ተብ ምባል ሓደገኛ ስለዝዀነ፡ ነዚ ዘለናዮ ናይ ቅልውላው መድረኽ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ዑፍ ከም እነውድቕ ብዘተኣማምን ኣገባብ ክንቃለስ ኣለና። እዚ ጥራይ ንግበር፡ እቲ ይጽንሓለና፡ ዳሕራይ ነርክበሉ፡ ወዘተ… ዝብሃል ናይ መለኽቲ ቅድመ ኲነት ምስ ዲሞክራሲያዊ ጽንሰ-ሓሳብ ወይ ጥምሮ-ሓሳብ ዘራኽብ የብሉን። ዓወትና ቀረባ ኢዩ፡ ኣእምሮና ግን ድርብ ጽዕነት ከምዘለዎ ኣይንረስዕ።

ኣብ መወዳእታ ናይ ሎም ዓንቀጸይ ኣብ ተወንጫፊ ነብሪ ጎልጎል መንእሰይ ኤርትራ ዘለኒ እምነት ንምግላጽን ምትብባዕን ዝኣክል ኣቐዲሙ ናይ መንእሰያት ጒባኤ ኣብ ኢትዮጲያ ክሸባሸብ ከሎ (EYSNS) ብ 2012 ዝደረስክዋ ግጥመይ ምንእሰይ! ተመንየካ’ንድየ ዘርእስታ ኣሰንየ ንሎሚ ክፋነወኩም እየ። ቅድሚኣ ግን ኣብቲ እዋን’ቲ ብ 2012 ዝረስኩዋ ተኣሳሲረን ስለ ዝኸዳ፡ ሃገረይ! ክንዲ ትሕፈርስ ትድፈሪ! ብዘርእስታ ግጥሚ ክጅምር ኢየ።

ሃገረይ! ክንዲ ትሕፈርስ ትድፈሪ

2012 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ኤርትራ ሃገረይ ቀመም ምድሪ

ደጋ ወይነ-ደጋ ቆላ ባሕሪ

ክንዲ ትሕፈርስ ትድፈሪ!

    ትወልድዮም ጀጋኑ ሰብ ስረ

    ሰብኣይን ሰበይትን ማዕረ-ማዕረ

    ካበይ ድኣ መጹ ብዓል ማእረ?

         ሓንሳእ ይደፍኡኺ ብሃይማኖት

         ክጎቱኺ ብገመድ ናይ ድሕረት

         ወግሐ ጸብሐ ስኢንኪ ቅሳነት

ዶብ የብልናን ኢሎም ይዛረቡ

ጽንሕ ኢሎም ብዶብ የሳብቡ

ደቂ ተብ-ተብ ብዓል ኣፈ-ርክቡ

    ሓንሳእ የውርዱኺ ንዕዳጋ

    ክሸጡኺ ተሰሪዖም ሪጋ

    ዘራይዶ ስኢንኪ ዓጽመ-ስጋ

ኣብ ቅርዓት ዝባንኪ በብታራ

ኩሎም ክስዕስዑ ኲዳ ስብራ

ናትክስ ንበይኑ’ዩ ጒዳም ሰውራ

    ገለ ይኣስር ገለ ድማ ይርሽን

    ተኸደኒ ይብለኪ ፈደረሽን

    ንበይኑ ዓይነቱ ጒዳም ሽንሽን

ኒዩው ዮርኪ እንተኸድኪ ትጒዕጸጺ

ዓድ-እንግሊዝ ዝገደደ ፈልጺ

መለሳ ዘይብሉ ወትሩ ረግጺ

    ሓንሳእ እንኪ ይብሉኺ ኣውቶኖሚ

    ኣንቃዕሪሮም ከስትዩኺ ስሚ

    ኣንቲ ኤረ ክንደይ ትጽመሚ

ትጸርግዮ ብግዳም ዝመጸ

ይጸንሓኪ ናይ ውሽጢ መላጸ

ፍልሖ ይኸይድ ደድሕሪኡ ጻጸ

    እንታይ ጌርኪ እዚ ኹሉ ኣበሳ

    ድራር በትሪ ደቅኺ ከም ቃርሳ

    ሓደ ይወድቕ ኣብ ቅድሚኡ ሬሳ

ኣሜን ተብልዮም ንገዛእቲ

ብፍረ ማህጸንኪ ተጋደልቲ

ብሓሞት ጀጋኑ ተሰዋእቲ

    ብሰይጣን ውሻጠ ትጒበጢ

    ከም ቆጽሊ ትረግፊ ትሽምጠጢ

    ኣንቲ ኤረ ንምንታይ ተጽቅጢ

ኩሉ ውሉድኪ ድዩ ተሓይሩ

የለዉን ዲዮም ተረፍ ዘይተኣስሩ

ስለምንታይ ድኣ ስቕ ሳዕሪሩ?

    ዘይታሪኽኪ ቀደም ዘይነበረ

    ነዊሑ’ኮ ጥዒሙና ዕረ

    ሰብ ረብሪቡ ብልሳናት ወረ

ምድርቤት ገዛኺ ተወሪሩ

ጎበዝ ተዘንጊዑ ተባሪሩ

ወዝ ወለዲ ቀምሲሉ ሓሪሩ

    የለዉን ድዮም መንእሰይ ወረስቲ

    ኣትዩዎም ድዩ ሕማም ኣረገውቲ

    ገዳምዶ ሰፊሮም ከም ፈለስቲ!

ቦዀራዩ ናይ ግዳም ምህለላ

ተእዊ’ሞ ጽንሕ ኢልካ ጓይላ

ተስፍላ’ሞ ካልእ ይቕበላ

    ካብ ውሽጢ ፈልፍሊ ወላድ ኣደ

    ከይመጸኪ ሃካይ ዝገደደ

    ዱኳ ዓርኩ ብዓል ዝለመደ

ኤርትራ ሃገረይ ዘይትርብርብ

ጽሓይ ገበላኺ ዘይትዓርብ

ካብቲ ናይ ዓንተቦስ ሕጂ ’ቐርብ

    ኣደ ጅግና ዝዀነ እንተዀነ

    ኣብ ከብዳ ትቐብር ፈዳይ ሕነ

    ሽሕ መሓውር ከም ዓራዛዝነ

ወኻሩዶ ጅግና ምኣሰሩ

ደቅኺዶ ግዳም ምሓደሩ

ተገምጢሉ ታሪኽ ተቐይሩ

    ተፈተል በልዮ መንእሰይኪ

    ብዓል ጽኑዕ ምናት ብዓል ብርኪ

    ንዓኺዶ ምልኣኽ ጠፊኡኪ!!! ኣይጠፍኣክን እዋእ!!!

 “ኤሎሀ-ኤሎሀ ላማ ሰበክታኒ” ጸሎተይ ሰሚሩ ሕጅስ ሰሚዕካኒ

ኣምላኸይ-ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ? ጸሎተይ ሰሚሩ ሕጅስ ሰሚዕካኒ

ምንእሰይ! ተመንየካ’ንድየ!

2012 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ተመንየካ’ንድየ ብቐትሪ ብኣውሊ

ተቐልቂልካ እምብኣር ጀሚርካ ፍትሊ

ክትንቁ ሰሚዐ ብላዕላይ ብታሕታይ

ተበጊስካ እምብኣር መተካእታ ተስታይ

ወርሒ ድያ ደሚቓ ጽሓይ ኢዩ በሪቑ

ሰንሰለት ዕጣቑ ዘይብተኽ መሽቀቑ

ከምኡ ኢና ጌርና ዘብ-ዘብ ኣርኪብናዮም

ተመለሱ ክብሉ እምብለይ ኢልናዮም

ኣንታ ዋሕስ ድጊ ውሕስነት ሃገሩ

ሰልቲ ናይ መስኖና ልምጽምጽ ግንባሩ

ወለሽ ሳዕሪ ድሙ ዘፈርፈር ጎተና

እልል በላ በለን ንመጽእ ኣለና

 ኣንጸርጺርካ እንዲካ ልብኻ ነዲዱ

ማህጸን ኣዴታትካ ንሓራጅ ወሪዱ

ናይታ ለዋህ ኣደ ናይታ ዝሓምበሸት

ሓቂ መሲሉዋ ጐደና ሓርነት

እንተ ክትዛረብ ተወዲብካ ፈክር

ንሱ’ዩ እቲ ምስጢር መለኽቲ ዘባህርር

መንፊት ኣይተረስዕ ጸጸር ከይሰልኰና

ኣብዘይኣትዎ የብሉን ናይ ህግደፍ ከኒና

ኣተኣሳስሮ ምስ ታሪኽ ቃልስኻ

ካብ ዘየሎ ኣይኰንካን ትጅምር ዘለኻ

ብሃር ዝደኸመ ኣቦ ’ለካ ዓቢ

ዓይኒ ማይ ፍለጦ በይንኻ ’ይትዘንቢ

ክላ ድሕሪ ደጊም ይትረፍ ሃበስ-ቀደስ

ዑበል ሰቲ መረብ ውፈር ተመላለስ

ቦ ግዜ ለኩሉ ብዓል ሸለብ-ገለብ

መንእሰይ ኣርኪቡ ብቕልጽም ዝዛረብ

ዓይንኻ ጠማቲ እዝንኻ ሰማዒ

ንታሪኽ ዝተርፍ ክትምዝግብ’ያ ብርዒ

ዋልታ ናይ ውጹዓት ፍረ’ዛ ጸጋይት

ዘይነጽፍ ማህጸና ወላድ ኤርትራዊት

ኣንታ ውልዶ ሰዊት ለይ-ለይ ሳዕሪ ደንደስ

ጋልብ ብዳንጋኻ እንታይ ዝዓብስ ፈረስ

ንገሮም ንህግደፍ መልእኽተይ ኣንብቡ

ሰብ ነጻ ክኸውን ክዕንብብ ገረቡ

ይኣኽለኩም በሎም ንውጹዓት ምህሳይ

ክርድኡ መታን ሓረግ ቃልሲ ዋርሳይ

ኣበስር ህዝብኻ ደጊም ተሰራሰር

ታሪኽ ሂቡካ’ምበር መንእሰይዶ ’እሰር

ድምጽኹም ሰሚዖም ኰይኑ መጺኦምዶ

ሸበድበድ ኣብዚሖም ምድረ በጋሚንዶ

ኣእዛኖም ወዲቑ ኣብቲ ማርቻ ፔዲ

ናይ ሓሳዊ መግደፍ ዝለመደት ከብዲ

መሬት ጠሊማቶም ህግደፍ ጒድ ሰሚዕና

ዋርድያ ዝበዝሁ ካብቶም እሱራትና

ስግንጢር ኣመሎም እንዳ መን ኣመኖ

ዘይበደለ ይእሰር ዝበደለ ይፍኖ

ኣለኻዶ ክብል ኣነ ወግሐ ጸብሐ

ደድሰራሕክዎ እንዳ ተፈንጥሐ

ደንጒኻና እንዲኻ መሪሩ ዘበኑ

እንታይ ተሪፉና እቶ-እቶ ኰይኑ

ንኺድ ንብል እሞ ጅምር ፍሕት-ፍሕት

ከም ቀርኒ ናይ ኣጣል ንድሕሪት ንጥምት

መዋእል ሓሊፉ ክንፍንጣሕ ከንእከብ

ብዓወት ዛዚምና ንሳ’ያ ትንበብ

ምዃን ኣይሐመቕናን ሒዝናያ ጸኒሕና

ጒዳመኛ ገመድ ከይተበትከትና

እቶም ዘፋነናዮም እንተ ዝምለሱ

በሉ ንቀያየር ኢሎም ምኸሰሱ

ንሱ’ዩ ዓቕምና እንካ ተረከቦ

ታሪኽ ኣቦታትካ ብግቡእ ኣንብቦ

ኣሽሓት ከፊልና ገዛእቲ ክጸድፉ

ዕዳ ደሞክራሲ ንዓኻ ተሪፉ

ኣበይከ ክእቶ ግዜ ዝፈረዶ

ካባኻ ኣይሓልፍን ኢዩ ምዓንጥኡ ማእዶ

ከይምርሽ ምሳኻ ከምቲ ናይ ቀደመይ

ተወላዊለ እንድየ ጠርጢረያ ብርካይ

ክብጻሕ ኢዩ ኹሉ ኣጆኹም ጀጋኑ

እርድኣና ኢዩ ቋሕ-ሰም ምዓስ ኰይኑ

ኣይኰነን ኤርትራ ናይ ትማሊ ዕሸል

ዘመናት ዘሕለፋ ይብላ ’ለዋ ኰለል

ህግደፋዊ ስርዓት መደበር ኣበሳ

ምሃያ ከድዓት ጥርዝያ ንሬሳ

ብኢዱ ዝጅምር ተናኻሲ ኸልቢ

ትዓዘብ መንእሰይ ናይ መለኽቲ ረቢ

ጀጋኑ ኣቦታትኩም ኣነ ይሓልፍ ይብሉ

ህግደፋውያን ክኣ ኣሕዋቶም ይቐትሉ

ዝፈረደ ይፍረድ ብሕጊ ብስርዓት

ከምኡ’ዩ ዝንበብ ደብተር ናይ ውጹኣት

ቃርሳ ናይ መለኽቲ ኣብ ገደል ቍርቍስ

ምጽዳፉ ነይተርፎ ኣብ ገምገም ዝድቅስ

መንእሰይ ነቒሉ ሸቲት መተርኣሱ

እንታይ ክደርፉ’ዮም ብዓል ንሱ-ንሱ

ዋላ ትጽበብ እምበር ከም መንገዲ ጻጸ

ኣበይ ከየምልጥ ሓፋሽ ዝረገጸ

እንቋዕ ኣርከብካለይ ተመንየካ’ንድየ

ደጊም ኣይጠፍእን’ዩ ናይ ሰውራና ሆየ

ሳዕስዕ ይክኣሎ መንእሰይ ተኪእካ

መሰነይታ ዘንጊ ኣብ ኢድካ ዓቲርካ

ኩሉ ብጠጠውካ ስብራ ሽማግለ

ኣሰይ-ኣሰይ ንበል ይኹን ትሓምበለ

ቀርኒ ላም ዝፈሊ ብጥይቱ – ሰርቢ ማይ ምስላ ’ቦታቱ

ኣርክብ መዛኑኻ ወድብ – መክት ጸላእትኻ ከትክት

ጋልብ ዝለል እምበር ዝለል – ከንደይ ከይዓጅበካ ነብሪ ጎልጎል

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Woldegabriel March 25, 2019

    Bashay, as always, you are a true Tegadaly, honorable gentleman and a rare jewel. We are in the final lap of a relay marathon. It is therefore expedient that we give the baton to the Cheetah generation sooner than later. Empowering the young is the only way to success. I concur with your views 100%.

  • k.tewolde March 26, 2019

    “ንኹሉ ነገር ኣነ ኢየ ዝፈልጦ ዝብል ሰብ: ንዋላ ሓንቲ ነገር ከይፈለጠ ከምዝተርፍ ብዘዕግብ መጽናዕቲ ዝበጻሕናዮ ኣይንመስልን። መለኽቲ ስርዓታት ሽግሮም ንሱ ኢዩ።”>>>>>>Yes indeed,these bunch of demented senior citizens in Asmara with their psychotic capo who belong in the Century Village Retirement home are belligerent and combative to give up gracefully to the young generation instead they choose to drag the nation into abyss with them,the proof,look at the latest audience in Eritv and the characters who address them,it looks like the dining room of a local nursing home.What happened to the young!!!

POST A COMMENT