Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስዉእ ይነብዕ ኣሎ

ስዉእ ይነብዕ ኣሎ ስዉእ ይነብዕ ኣሎ ዕረፍቲ ሓሪምዎ ኣውያት ህሉዋት ድቃስ ከሊእዎ ተግባራት ጠላማት ምጽዋር ስኢንዎ ብህይወት ዝገደፎም ስዒቦሞ መቃብር ጸቢብዎ። ስዉእ ይነብዕ ኣሎ መልኣከ ሞት ኣንጸላልይዎ ኣብ መቃብሩ ደምን ንብዓትን ዝዒግዎ ሓድሽ ኣዕጽምቲ ሓቅይዎ ከቢብዎ ዕረፍቲ ኣይረኸበን ጥርዓን ስድራቤት መሪርዎ። ስዉእ ይነብዕ ኣሎ

ስዉእ ይነብዕ ኣሎ

ስዉእ ይነብዕ ኣሎ ዕረፍቲ ሓሪምዎ

ኣውያት ህሉዋት ድቃስ ከሊእዎ

ተግባራት ጠላማት ምጽዋር ስኢንዎ

ብህይወት ዝገደፎም ስዒቦሞ መቃብር ጸቢብዎ።

ስዉእ ይነብዕ ኣሎ መልኣከ ሞት ኣንጸላልይዎ

ኣብ መቃብሩ ደምን ንብዓትን ዝዒግዎ

ሓድሽ ኣዕጽምቲ ሓቅይዎ ከቢብዎ

ዕረፍቲ ኣይረኸበን ጥርዓን ስድራቤት መሪርዎ።

ስዉእ ይነብዕ ኣሎ ሕድሩ ስለዝተጠልመ

ዋጋ መስዋእቱ ባህግታቱ ስለዝቀሃመ

ሓቂ ከይዛረብ ኣፉ ስለዝተሎጉመ

ንፍትሒ ናጽነት ሰማዒ ኣዝኒ ስለዝሰኣነ።

ስዉእ ይነብዕ ኣሎ በቶም ዝተሰዱ ኣብ ጉዕዞ ዝተቀዝፉ

ብስቃይ እሱራት ብዘይ ፍርዲ ንመዋእል ዝግረፉ

በቶም ጸሞም ዝሓድሩ ብጥሜት ዝተዓጽፉ

በቶም ከይዛረቡ ልሳኖም ዝተቆለፉ።

ስዉእ ይነብዕ ኣሎ ንስለ ሓቂ ይማጎት ብጽሞና ስምዕዎ

እቲ ሓቂ ንገርዎ ዕሽሽ ኣይትበልዎ

ዓይንኹም ከፊትኩም ርኣይዎ ደብስዎ

ብጽሕዎ ምስጢር ንብዓቱ ክትፈልጥዎ።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (30 ግንቦት 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Desalegn May 31, 2016

    ዘበነ ኣካሒዳ [ህግደፍ]

    ወግዕን ባህልን ኤርትራ ኣዚዩ ጽቡቕ ከምዘይነበረ
    ንሓሶት ብሓበሬታ ብህግደፍ ምስተቐየረ
    ኣይ ሽዑ ጀሚሩ እንድዩ ምንባር ዝጸንከረ
    ህዝብና ኣይትረዶኦን ነይሩ ብህግደፍ ንዝተቐብረ
    ዲሞክራሲ ዝስሙ ባዶ ቆፎ ኣብ ቤትና ዝሰፈረ
    ሓፋሽ ህዝቢ ሓቂ መሲልዎ እንዳጣቐዐ ሰመረ
    ሓደ ልብን ባሕግን እንዳበለ ከም ብተይ ዓንደረ
    ኣየቕለበን ነይሩ ብስነሓስብ ህግደፍ ከምዝተሳዕረ
    ናይ ባድመ ጋዕ ገልጠም ብህግደፍ ምስተነግረ
    ንኹነታቱ ብኑጹር ከይፈለጠ ናብቲ መጋሪያ ተጸምበረ
    ሃገር ካብ ወራሪ ንምድሓን ብዙሕ ምርብራብ ተገብረ
    ህግደፍ ቦትኡ ገዲፉ ናብ ኣፍዓበትን ኣስመራን ተዓዝረ
    ዶባታትና ብሙዑታት መንእሰያታ ደምን ዓጽምን ተሓጽረ
    ህግደፍ ከዳዕ ራሕሪሕዎም ከምዘይሃደመ ክግዕር ጀመረ
    ገበኑ ንዝፈልጡ ኣባላት ንኸየቃልዕዎ ከምዝስወሩ ገበረ
    ኣብ ሰራዊትን ህዝብን እዚ ዘይብሃል ግፍዒ ብወፈራ ተጀመረ
    መንእሰይ ካብዚ ጥፍኣትን ሂልቂትንዚ ንምድሓን ክስደድ ጀመረ
    ኣካላቱ ኣብ ፎቅዱ በረኻታትን ባህሪታትን ተኾመረ
    ህግደፍ ባዕሉ ንዝፈጠሮ ጌጋታት ንኣመሪካን ንወያነን ኣማረረ
    ሰብ መሰል ሰይጣን በየን ኣቢሉ እዩ ናብ ሃገርና ዝሰገረ
    ናጽነትና ሒዛትልና መጺኣ ሰይጣን ዝሰረረ
    ኣብ ሓደ ከይኸዉን ኣብ ኩሎም ዝሳዕረረ
    ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኣማረረ
    ሓፋሽ ህዝቢ ካብ ቀዳምይ ናብ ካልኣይ ዜጋ ተቐየረ
    መሬትና ለምለም ኮነትሉ መረብ ንዝተሳገረ
    ኤርትራ ብወግዒ መሬታ ብደቂ ኣርብዓ ተወረ
    ህዝብና ኩሉ ጸልመቶ ዘይንቡር ምስተገብረ
    ቀሪቡ እዩ እቲ መዓልቲ ዝንገረሉ ናይቲ ዝሰተናዮ ዕረ
    ጀነቫ ኣኹሪዕዮምስከ ኣብ ዕለት 23 ንደለይቲ ፍትሒ ስብ ስረ
    ሕግዳፋዊያን ይፍለጡ ሕግን ፍትሕን ከምዘይተሰወረ
    ክወጽእ እንድዩ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝተቀብረ
    ጀነቫ ቅልዕዮ ንኹሉ ገበናት ብህግደፍ ዘመን ንዝነበረ
    ህዝቢ ኤርትራን መሬታን ክረግእ በቲ ዝተነግረ
    ህግን ፍትሕን ብምንጋስ ባህልና ክምለስ ናብቲ ዝነበረ።

    • ናይ ፈለማ ተሞክሮ ስለዝኾነ ንዘሎ ጌጋታት ኣቐዲመ ይቕረታ የሓትት: ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ብ[ረ]ብምዉድኡ ኣሰልቻዊ ክኸዉን ይኽእል እዩ።

    • AHMED SALEH !!! June 2, 2016

      You are doing great Desalegn .

      Zeben akahida libi hagher ms adeskele
      Nebeat adetat bihazen ms tesaere
      Nay wulud negher Suwue teberabere dikas seane
      Ajokhum alewumukhum deki hidri
      MebxeA zeyteleme nikhisefn bikhibri
      Xineat yihabena kenewres zelalemawi zikri
      Chuwa Wedi Erey ab zolokha halikha
      Aytitalel bezom hulufat xelaeti hadnetka .

POST A COMMENT