Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስኒት ዘለዎም ኣናህብ መዓር ይጐርሱ፡ ፋሕ ዝበሉ ሃመማ ገምቢ ይልሕሱ!

ስኒት ዘለዎም ኣናህብ መዓር ይጐርሱ፡ ፋሕ ዝበሉ ሃመማ ገምቢ ይልሕሱ! ኣብ ያታናን ባህልናን ንሓድነት ህዝብን ሃገርን ዝሕብሩን ዘተባብዑን ብዙሓት ምስላታት ኣለዉ። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ፡ መኣዶ ምስ ዝሓብር ኣንበሳ ይኣስር ኣሕዋት ክፋቐሩ፡ ጸላእቲ ይባረሩ ላም ፍርቂ ጐድና

ስኒት ዘለዎም ኣናህብ መዓር ይጐርሱ፡ ፋሕ ዝበሉ ሃመማ ገምቢ ይልሕሱ!

ኣብ ያታናን ባህልናን ንሓድነት ህዝብን ሃገርን ዝሕብሩን ዘተባብዑን ብዙሓት ምስላታት ኣለዉ። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ፡

  • መኣዶ ምስ ዝሓብር ኣንበሳ ይኣስር
  • ኣሕዋት ክፋቐሩ፡ ጸላእቲ ይባረሩ
  • ላም ፍርቂ ጐድና ኣይትሰብሕን’ያ
  • ኣፍንጫ እንተ ተሃርመት፡ ዓይኒ ትነብዕ፡ ወዘተ ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣነ ንሓድነትናን ሓይልናን ብቋንቋ ትግርኛ ጥራይ’ኳ  እንተቕረብክዎ፡ ካልኦት ብሄራትና’ውን  ነናተን ከም’ዚ ዓይነት ናይ ስምረትን ሓድነትን ምስላታት ከም ዘለወን ዘየማትእ ሓቂ’ዩ። ከም’ዚ ክብሃል ከሎ ግን  ሓድነትና ብምስላን ብቃላትን ጥራይ ዝተወሰነ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ’ውን ኣቦታትና ንዘመናት ብምክብባርን ሓድነትን ፡ ብዘይ ኣፈላላይን፡ ንርኹስ ፈተነታት ገዛእቲ ኣፍሺሎም ዘዂርዕ ባህልን ልምድን፡ ሕጊን ስርዓትን፡ ወግዒን ዝሓቘፈት ሃገር ኣረኪቦምና’ዮም። ስለ’ዚ ድማ ከም’ቲ ነፍሰ-ሄር ኣቦና ሱናባራ ማሕሙድ ደመና ዝበልዎ “ንሕና ኤርትራውያን ጸባ ሓንቲ ላምን፡ እኽሊ ሓንቲ ግራትን” ኢና።

እሞ እዚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ንሕና-ንሶም ዝዓይነቱ ኣውራጃዊን ሃይማኖታዊን ጸቢብ ፖለቲካዊን  ሕብሪታት ዝተለኽየ ኣልባሳት ደኣ ካበይ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ? ፍንፉን ቃላትን ጽዩፍ ጸርፍታትን መን ዝመሃዞ መን ዝመወሎ ኢዩ? ኣነ ከም ዝመስለኒ ገለ ጠንቂ ናይ’ዚ ፈላላዪ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን፡ መንነትና ኣነጺርና ካብ ዘይምፍላጥ ክኸውን ይኽእል። መንነት ብዙሕ ቀጸላታት ዝሓቘፈ ብዙሕ-ጐድናዊ ኣምር ኢዩ። ንኣብነት ዓብላሊ  ኤርትርዊነት ረሲዕካ፡ ሃይማኖታዊ፡ ኣውራጃዊ፡ ደጋፊ ህግደፍ፡ ደላይ ፍትሒ፡ ወዘተ ዝብል ዝተተምየነ (fake) መንነት ክንጉልበብ ንኽእል ኢና። ነስተውዕል’ሞ! እቲ ሃይማኖት ወይ እቲ ኣውራጃ’ኮ ኣብ ኤርትራ ኢዩ ዘሎ! ኤርትራውነት ዘይሓዘ ኣውራጃ ወይ ሃይማኖት ወይ ፖለቲካ ናትና መንነት ኣይኰነን’ሞ ዓገብ ንበሎ!

ነቲ ንሕና-ንሶም ዝብል ጸግዒ ሓደ ፖለቲካዊ፡ ኣውራጃዊ ወይ ሃይማኖታዊ ወገን ሒዝካ ዝግበር ዘሎ ኣነዋሪ ስራሓትን፡ ዝጋዋሕ ሓደገኛ ቃላትን፡ ነቶም ዝተተምየነ መንነት ዝሓዙ ሰባት ንዕኦም ዝመስሉ ወይ ክም’ቲ ናቶም እምነት ዝኣምኑ ሰባት ኣቕሪቦም ነቲ ካልእ ድማ ኣጓንዮም ይጐዓዙ። ወዲ ኣውራጃይ፡ ወይ  ወዲ ሃይማኖተይ፡ ወይ ወዲ ውድበይ እንተዘይኰንካ ጸላኢየይ ኢኻ ዝብል ጸቢብን ዕዉርን ኣተሓሳስባ ኣብ ዘይድሊ ሓሸውየ የወድቐና’ሎ ። እምበኣርክስ ብቋንቋታትና እንዳተዛረብና፡ ከም ግምቢ ባቢሎን ዘይንረዳዳእ ዝገብሩና  ዘለዉ ሰባት እቶም ዝተተምየነ መንነት ሒዞም፡ ተሓለቕቲ ወይ ተጸዋዕቲ ናይ ጸቢብ ፖለቲካዊ መርገጾም፡ ኣውራጃኦም ወይ ሃይማኖቶም ከም ዓብላሊ መንነት ጌሮም ዝሓስብዎ ኢዮም። እዚ ነቲ ኤርትራዊ ዝበሃል ክቡር መንነት ኣዳቒቑን ኣህሲሱን ኣብ ክንዲ ብሃገር ብትሕተ-ሃገራዊነት ክንካፋፈልን፡ክንባዳደልን ዝደፋፍእ ሰይጣናዊ ተግባር’ዩ። እስክ ሕስብ’ሞ ነብል- ሓደ ዓይነት ፖሊቲካዊ ኣረኣእያ፡ ሓደ ዓይነት ሃይማኖት፡ ሓደ ኣውራጃ ዘለዋ ኤርትራ ከመይ ምመሰለት? ብተመሳሳልነት ተምባህቚ ሃገር፡ ንበጻሕቲ ሃገር ይትረፍ ንዓና’ውን ዘይትበሃግ ሃሳስ ሃገር ምዀነት። ክልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታትናን፡ ኣውራጃታትናን፡ ኣብ ኤርትራ ዝሰረተ ዝተፋላለየ ፖልቲካዊ ኣረኣእያናን፡ መልክዕናን ሕብርናን ዘድምቕን ዘጸብቕን ደኣ’ምበር ዘባእስ ወይ ዝፈላሊ ክኸውን ኣይግባእን። ደሓር ድማ ሓንቲ ኣውራጃ ወይ ሓንቲ ሃይማኖት ንበይና ከም ሓንቲ መንገብገብ ጥራይ ዘለዋ ዑፍ ኢያ ክትከውን፡ ኣይትበርር! ኣይትምእርር፡ ጾማ ድማ ትሓድር።

ሓይሊ ሳምሶን ኣብ ጸጉሪ ርእሱ ከም ዝነበረ፡ ሓይሊና ሓይሊ ኤርትራውያን ድማ ኣብ ሕብረትናን ሓድነትና ምዃኑ በቲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ቃልስና ኣመስኪርና ኢና። ንሓደ ዓቢ መንግስቲ ምስ ርእሰ-ሓያላን መወልቱ ስዒሩ ሃገር ዘምጽአ’ኮ ብሓድነትን፡ ሓቦን ጽንዓትን ደኣ’ምበር ብብዝሒ ህዝቢን  ብብዝሒ ብረትን ከምዘይኰነ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። እሞ ሕጂ እዚ ንሓያላንን ንርእሰ-ሓያላንን ዝሰዓረ ህዝቢ ደምበርበር ኢሉ ነንሕድሕዱ ክጻረፍን ክፋላለን ክትርኢ እንታይ’ዩ ጉዱ? ኢዩ ዘብል። እቲ መሪሕነት ናይ’ዚ እጹብ-ድንቅ ዝዀነ ታሪኽ  ዝፈጸመ ድማ ካልእ ስም ተጠሚቑ  ሓይሉ ኣንጻር ህዝቡ ከውዕሎን፡  ከም መራሒ ዘይብሉ ህዝቢ፡ ሹም ዘይብሉ ንህቢ፡  ፋሕ-ብትን ኣቢሉ፡ ማሕበራዊ ጸጋታትና ክብሕጒጎ ክትዕዘብ ከሎኻ፡ ከመይ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ እዚ ኩነታት ሃገርና? ኢልካ ዘሻቕልን ዘስደምምን’ዩ!

ከም’ቲ ኣብ ኣርእስትና ዝተጠቕሰ፡ ስኒት ዘለዎም ኣናህብ መዓር ይጐርሱ፡ ፋሕ ዝበሉ ሃመማ ገምቢ ይልሕሱ ስለ ዝዀነ፡ መራሕትና ኣብ ንመርጸሉ ጊዜ ኣብ’ቲ  ጸቢብ መንነት ተመርኲስና፡ ወዲ ኣውራጃይ፡ ወዲ ሃይማኖተይ፡ ወዲ ውድበይ ዝብል ሓደገኛ ዝንባሌ እንተዓብሊሉ፡ ዘየድሊ ሓገጽጐጽን ሕማቕ ውጽኢትን ኢዩ ትርፉ። እሞ ወዲ’ዚ ኣውራጃ ወይ ሃይማኖት ኣይገዝእን’ዩ እንተኢልና፡ ካበይ ዝመጽአን መንን ደኣ ኢና ከመሓድረና ኢና ንደሊ?  ክንርስዖ ዘይብልና ድማ፡ ኣነ ወዲ ኣውራጃይ ወይ ወዲ ሃይማኖተይ ጥራይ  ክምረጽ ዝደሊ እንተዀይነ፡ እቲ ወዲ ካልእ ኣውራጃ ወይ ሃይማኖት’ውን ከምኡ እንተኢሉ፡ ተፋጠጥ ተጓጠጥ ኢዩ ዝኸውን። ውጽኢቱ ድማ ከምቶም ፋሕ ዝበሉ ሃመማ ጉሓፍ ምልሓስ’ዩ።

ኣብ’ዚ ዘሎናዮ እዋን ኣሽሓት ኪሎ ሚተራት ተራሓሒቕካ ከሎኻ ብማዕዶ ምስ ዘይትፈልጦም ሰባት ብኣውራጃ፡ ሃይማኖት፡ ወይ ጸቢብ ፖለቲካ ኣማሳሚስካ  ክትጻላእ ወይ ክትፋቐር  ዘኽእሉ ማሕበራዊ መራኺቢታት ዓብሊሎም ይርከቡ። ነዚ ተረዲእና ንኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ብምስትውዓልን ብስነ-ምግባርን ንረብሓ ውጹዕ ህዝብናን ሰብኣዊ መሰሉ ንምሕላውን፡ ሓድነቱ ንምድልዳልን ክንጥቀመሉ ይግባእ። ናይ ሳይበር ውግእ  ነቶም መሃዝቱን ዋናታቱን ንግደፈሎም።

ንሕና ውግእና ኣንጻር ምልኪን፡ ድኽነትን፡ ጥሜትን ድንቁርናን ድሕረትን ደኣ’ምበር፡ ኣንጻር ኣውራጃታትና ወይ ሃይማኖታትና ኣይኰነን።  ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጥብ ትብል ቃል ንህዝብና መምሃርን፡ መዘናግዕን፡ መቀራረቢን፡  መራሕትና ንከነለሊ ትሕግዝን ከትከውን ይግባእ። ንዓኻ ዝበቅዕ መንግስቲ ኢኻ ትረክብ ከም ዝበሃል፡ ንዓና ዝበቅዕ፡ ሕልምናን ባህግናን ተስፋናን  ናብ’ቲ ክንበጽሖ ንደሊ ዝመርሓናን ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥረልናን፡ ብሕጊ ዝምእዘዝ መንግስቲ ክንተክል ካብ ጸቢብ ኣፈላላይ ወጺእና ብሓባር ንጓዓዝ።

እምበኣር ሓንቲ ሃገር’ያ ዘላትና፡ ምስ ንሓብር ኢና ከኣ ሓያላት ንኸውን’ሞ፡ ከም ስጋ ጉዚ ብኣውራጃ፡ ብሃይማኖት፡ ወይ ብጸቢብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኣይንጐዛዘ። ከመይ’ሲ ኤርትራ ትበሃል ናይ ሓባር ረቛሒት ሃገር ስለ ዘላትና። ኣልበርት ኣነስታይን ከም ዝበሎ ዓለም ካብ በቶም ገበርቲ እከይ፡ በቶም ንእከይ እንዳረኣዩ ዘጽቀጡን ወይ ንእከይ ዝጻወሩን’ያ ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ትወድቕ።  እዚ ንዓና ከም ህዝቢ ብቀጥታ ዝምልከት’ዩ። ኣብ ሃገርና እከይ ኣንዳረኣና ከም ዘይረኣና፡ ከም’ታ ኣብ ጊዜ ሓደጋ ርእሳ ኣብ ሑጻ ትቐብር ሰገን፡ ኣጽቅጥ ኣቢልና፡ ኣውራጃ፡ ሃይማኖት ክንብል፡ ብደጋፊ፡ ተቓዋሚ ኢልና ክንፈላለ፡ እቶም ገበርቲ እከይ ብቐሊሉ ዘይሓዊ ጉድኣት ከውርዱልና ክኢሎም። ሕጂ ግን ይኣክል፡ንለብም!

 

እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይሓሉ።

ዶ/ር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት

ካልጋሪ፡ካናዳ።

 

 

yakobe@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde May 4, 2020

    Good old Eritrean adages,all the tools to succeed are ingrained in our culture passed on from generations just to be whited out every now and then by outside rulers and rogue political organizations like HGDEF,it is time to reclaim who we are—Eritreans,and fight for that identity like we did for thirty years,we don’t need training wheels,we know how to ride it already,just hop on it,see!! they slowly took that skill away from us,that is how enemies incapacitate you.Thank you Dr.Tesfamichael, it is a sobering article which beckons us to return to the basics—‘united we win,divided we fall.’

  • ወዲ ሃገር May 5, 2020

    ኣብ ሃገርና ዝሎዉ ሰብ ስልጣን ፥ እሰያስን ሰዓብቱን ፥ ንጥፍኣት ህዝቢ ካብ ዝብገሱ መዋእል ሓሊፉ። ገበናቶም ዘርዚርካ ኣይውዳእን።

    – ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘይሙኽኑይ ውግኣት ምክያድ።
    – ንኤሪትራ ካብ ናይ ዓልም ሕብረተሰብ ምንጻል።
    – ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘይ ሕጊ ምምሕዳር።
    – ህዝቢ ኣብ ድኽነት ከም ዝነብር ምግባር።
    – ንብረት ዜጋታት ምምንጣል።
    – ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ከም ዘይቀስን ምግባር።
    – ኣብ ስደት ዝነብር ከም ዘይምለስ ምግባር።
    – ቁጠባ ሃገር ብኮንትራባንዶ ምዕናው።
    – ህዝቢ ኣብ ራዕድን ሽበራን ከም ዝነብር ምግባር።
    – ባህርያዊ ሃብቲ ሃገር ምጥፍፋእ።
    – ንወጻእተኛታት ወታሃደራዊ ማዓስከራት ምክራይ።
    – ዶብ ንኸይ ሕንጸጽ መስምሳት ምብዛሕ።

    ስለዚ ፥ እዚ ኩሉ ሽግራት ኣንዳ ኣሕለፍና ፥ ኣብ ክንዲ ጸገማትና ሓቢርና ንፈትሕ ፥ ኣብ ዘየድሊ ሃይማኖታውን ኣውራጃዊ በለካ-ለኻዓካ ተጸሚድና ንርከብ። ዘሕዝን እዩ።

    • k.tewolde May 7, 2020

      I can add to the list Wedi Hagher, HGDEF is a colonialist in every sense of the word and need to be dealt with as such,the Eritrean nation should rise and crush this brutal intruder like it is 1961 and restore the stolen identity.It is time to choose a venue like mount Adal to herald the journey towards that goal,this time equipped with over half a century of experience,deep mental,social and physical scars to prove it.Revolution and driving the pesky intruder out of our homeland by force is the only answer, anything less is like spinning the ferret wheel,29 years of downward spiral and degradation of a society is a stark reality to prove it.

  • Wedi Hagher May 7, 2020

    Dear Brother k. tewelde,
    Unfortunately not many people know the ugly truth about the doomsday clique in Asmara.
    As you said there is no way they can leave the stage peacefully. The only language they understand is the one that comes out of gun barrel.
    The sooner people realize that the better.

    .

POST A COMMENT