Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስለምንታይ ግን፧

ብ.ጴጥሮስ ተኽሉ፡(ሓላዪ)01/08/2015 መሰልካ ክትመዝን፣ ፈውሶ’ቲ መርዘን ኣይትፍኮስ ርዘን!  ብጭብጢ ግን ሓዘን፡ ካብ ኣፍልጦኻ ንላዕሊ ሓያል ክትበሃል ብምግዳስ ጠለብ ህዝቢ ምስትብሃል ብፍትሒ ዝሰሓል በሊሕ ከይደሃል ህዝባዊ-ጠለብ መልስ ክብል ከሎ ሃልሃል፡ ሕልናዊ መግብኻ ሓቂ ንቅንዕናኻ ዘይንከ ስንቂ ንኹሉ የአንጊዱ ዘዕገበ ቅቡል’ዩ! ዘይብሉ ዝድርበ፡ ገምጋም ግበረሉ ፍረ ጻዕሪ ብኸንቱ ኣይተሕልፎ

ብ.ጴጥሮስ ተኽሉ፡(ሓላዪ)01/08/2015

መሰልካ ክትመዝን፣ ፈውሶ’ቲ መርዘን

ኣይትፍኮስ ርዘን!  ብጭብጢ ግን ሓዘን፡

ካብ ኣፍልጦኻ ንላዕሊ ሓያል ክትበሃል

ብምግዳስ ጠለብ ህዝቢ ምስትብሃል

ብፍትሒ ዝሰሓል በሊሕ ከይደሃል

ህዝባዊ-ጠለብ መልስ ክብል ከሎ ሃልሃል፡

ሕልናዊ መግብኻ ሓቂ

ንቅንዕናኻ ዘይንከ ስንቂ

ንኹሉ የአንጊዱ ዘዕገበ

ቅቡል’ዩ! ዘይብሉ ዝድርበ፡

ገምጋም ግበረሉ ፍረ ጻዕሪ

ብኸንቱ ኣይተሕልፎ ጊዜኻ ከተማዓራሪ

ልዕሊ ኹሉ እምነት ዝጎደላ ፍቕሪ

ናብ ምፍራሳ’ያ ይትረፍዶ ከተዕሪ፡

እምነትካ ዘርጒድ ተረድኦ

ብተግባር ዝስነ ኣስተዋጽኦ

ንሓደ ሓቊፉ ንሓደ ዘይጎድኦ

ብርግጽ ዘይከሓድ ፍረ ኣለዎ፡

ዓቕምኻ ፍለጥ ኣብ ምንታይ፧

ደፋእ ድንኩል ዲኻ ደፋእ ተስታይ

ምህርትኻ ሕፈስ ኣብ ሕርሻ

ቆፎታትካ ምላእ ሽረብ ካሻ፡

ነጋዳይ ዲኻ፧ ንገድ፣ ምሁርዲኻ፧ ምሃር

ህዝቢዩ ወሳኒ ዝመርሕ ንደሓር

ንሃገርካ ካብ ትኾና ቅሓር

ስለምንታይ ግን! ከምዚኾይንና፧ ኢልካ ካብ ተሞክሮ ተመሃር።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Kombishtato August 5, 2015

    Who will be the next high profile Higdef to defect soon? Stay tuned, news is coming.

    Issaias is ready to throw some of his Higdef condoms to jail. Who is the next?

POST A COMMENT