ርሑስ ሓዲሽ ዓመት
ኣረጊት ክወጽእ - ሓዲሽ እንክኣቱ ገለ ኣብ ስደት - ገለ ኣብ ምድሪቤቱ ገምጋም ክገብር - ኣብ ሕሉፍ ሕይወቱ ህሉው እንታይ ይብል - ንድሕሪት ጠሚቱ? በረካዶ ኔሩ - በዱ ዝሓለፈ? ወይስ ለምለም - ሳዕሪ እተነጸፈ? ዕንባባ ዶ ኔሩ - ንህቢ ዝሃረፈ? ወይስ ተዋጋኢ
ኣረጊት ክወጽእ – ሓዲሽ እንክኣቱ
ገለ ኣብ ስደት – ገለ ኣብ ምድሪቤቱ
ገምጋም ክገብር – ኣብ ሕሉፍ ሕይወቱ
ህሉው እንታይ ይብል – ንድሕሪት ጠሚቱ?
በረካዶ ኔሩ – በዱ ዝሓለፈ?
ወይስ ለምለም – ሳዕሪ እተነጸፈ?
ዕንባባ ዶ ኔሩ – ንህቢ ዝሃረፈ?
ወይስ ተዋጋኢ – እሾኽ ዝዓንደፈ?
ሃሩር ዶ ኔሩ – ቑሪ ዝቐዘፈ?
ወይስ ህዱእ ንፋስ – ዘቅሰነ ዘዕረፈ?
ማእከላይ ዶ ኔሩ – መርከብ ዘንሳፈፈ?
ውይስ ህቦቡላ – ሕይወት ዝቀዘፈ?
ዘይልለ ዶ ኔሩ – ኩሉ ዝሓቖፈ?
ወይ?
ራህዋ ዶ ኔሩ – ጸጋን ክብረትን?
ዋላስ መካራ – ጽምእን ጥሜትን?
ሓደ ክስዕሳዕ – ብድርፍን ህርመትን
ገለ ዶ ሓዚኑ – ብሞትን ቅዝፈትን?
ብከመይ ይግምገም – ዝበለ ብትንትን?
ኢሉ ክሓስብ ! ክግረም! ከስተንትን!
ንግዜ ከፋኑ – ብፍርሕን ድፍረትን
መን ኣሎ ካባና – ኣልዒሉ ዘይፍትን?
ጊዜ ግን ሓሳብ ኢዩ – ዘይውንን ነብሲ
ሓንሳብ ምስ ሓለፈ – የብሉን መላሲ
ጥዕና ዝሃቦ – ንተንቀሳቃሲ
ክሳብ ዘይደቀሰ – ዘይኣፍቀረ ማእሲ
ናይ ሕይወት ሚስጢር – ዋና ኣገዳሲ
ግዜ ተስፋ ኢዩ – ተስፋ’ዩ ወራሲ
መረጸ ኣስመላሽ 12 -31- 2016
Simon G. January 9, 2017
The best poem I have read. Beautiful!