Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሩሕ (Ruah)

ሩሕ ኣካል ንፋስ እያ፡ ንፋስ እንድሕሪ ዘይሃልዩ ንሳውን የላን፡ (መጽሓፍ ስነ-ሕይወት)። ብመሰረት  ናይ እምነት መጻሕፍቲ ግን ሩሕ ፍሉይ መግለጺ ኣሎዋ። ንፋስ’ሞ ንፋስ እያ: እንተኮነ ንሳ (ሩሕ): ካብ ኣፍ እግዝኣብሔር ንኣዳም ዝተለገሰት  ፍልይቲ ንፋስ (wind of

ሩሕ ኣካል ንፋስ እያ፡ ንፋስ እንድሕሪ ዘይሃልዩ ንሳውን የላን፡ (መጽሓፍ ስነ-ሕይወት)። ብመሰረት  ናይ እምነት መጻሕፍቲ ግን ሩሕ ፍሉይ መግለጺ ኣሎዋ። ንፋስ’ሞ ንፋስ እያ: እንተኮነ ንሳ (ሩሕ): ካብ ኣፍ እግዝኣብሔር ንኣዳም ዝተለገሰት  ፍልይቲ ንፋስ (wind of God) እያ ይብል ። ስለዚ ናይ ወዲ ሰብ ሩሕ ካብ ናይ እንስሳ ሩሕ በዝን እንኮን ትልለ። ቀጺሉ ናይ ወዲ ሰብ ሩሕ ኣብ ምድሪ ሃልያ ኣይሃልያ ናይ ዋናኣ እያ ኢሉ ይድምደም። ናይ’ዚ እመነት’ዚ እሙን ዋሕስ ከኣ ኦሪት ዘፍጥረት ኾይኑ ይቀርብ። ኣነ ሎሚ እቲ ቀንዲ ትርጉም ሩሕ እቲ ቀዳም እዩ ወይ እቲ ካልኣይ’ባ ዝብል ክትዕ ንጎድኒ ጎስየ ኣብቲ ክልቲኡ ሸነክ ዝሰማማዕሉ ትርጉም ኽዓስል ይመረጽ። ሳይንስን እምነትን ማዕረ ዝሰማማዓሉ ትርጉም ከኣ “ሩሕ ክብርቲ እያ” ኣብ ዝብል እዩ። ግን ሩሕ ብሓቒ’ዶ ከም ስማ እያ?

ዘመናት ዘቕጸረ ኣፈ ታሪክን ናይ ቐለምን ሰነድን ከምዝምስኽሮ፡ ሩሕ ኣብ ተግባር ማዕረ እተን ትንፋስ ዝሓዛ እንስሳ ተሰሪዓ ከርተት ክትብል እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ናይ ተወልደብርሃን ሩሕ’ዃ፡ ከም ብጾታ ብፈተነ ከምዝሓለፈት እዩ ቐለም ዝምስክር። ናይ ሩሕ ከርተት ዳርጋ ክልተ ገጽ’ዩ እዩ። እቲ ቐዳማይ ጠንቒ ባህርያዊ ኮይኑ ካብ ቝጽጽራ ወጻኢ እዩ። ኣብ’ዚ ንምንታይ ዝብል ሕቶ እንተዘይተፈተነ ይምረጽ።  እቲ ካልኣይ ግን፡ ቐንድን፣ ኣሻዅን፣ ዝኾነ ሓይሊመለክቲ እዩ። እዚ  ምስ መላኺ ማዕረ ዝተቀበለቶ ክብሪ ባዕላ ደርቢያ ንሕስረታ እሰይ ኢላ እንተዘይ ተቐቢላቶ ተሓካኺ እዩ። ኣብ ምድሓን ሩሕ ግደፍ ብኣርኣያ ፈጥሪ ዝተፈጥረ ትንፋስ ዝሓዘት እንስሳ’ዃ ትጋደል። መጀመርያ ቕድም ካብ ሓደጋ ብብህረራ (ብበርገጋ)  ምድሓን’እዩ። ድሕሪ ድሕነት ግን ምልስ ኢልካ ካብ ምንታይ ባህረርኩ ወይ ስፍራይ  ለቐቕኹ ወይ’ን ተሰደድኩ ኢልካ ምሕታታ ዝነበረ እዩ። ኣብነት፡-

ሓደ ግዜ ሓደ መንእሰይ ምስ ሓደ ወናኒ ሓንቲ ሹቅ ኮፍ ኢሉ የዋግዕ ነበረ። ከምኣጋጣሚ ዓይኑ ናብ ደገ ኣብ ዘምርሓሉ እዋን ከኣ ሰብ ክሃድም ረኣየ። ንሱ ግዜ ከይቐተለ ነቲ ወናኒ ድዃን እገለ፡ እገለ፡ ሃበኒ ነጸላይ! ሃበኒ ነጸላይ ቢሉ ጨደረ! እቲ ተሓታቲ ከኣ፡ ኣንታ እንታይ ኾንካ ኢኻ? ኢሉ ሓተተ። መልሱ ከኣ፡ በጃክ ሃበኒ ነጸላይ ሰብ ይሃድም ኣሎ። እንታይ ኮይኖም እዮም በሎ? …. ንሱ ኣንታ ሃበኒ ነጸላይ! ዶው ምስ በሉ ይሓቶም ኢሉ ነታ ነጸላ ከይወሰዳ ነብሱ ምስቶም ዝህድሙ ዝነበሩ ጸንበራ። ድሕሪ ነዊሕ በረራ ከኣ ኩሎም ንኣፍታ ኣብረዂ። ቀጺሉ፡ እቲ  ናይ ምህዳም ጠንቒ ዝነበረ ኣካል መጀመርያ ባዕሉ እንታይ ኾይና ኢና ሃዲምና ዝብል ሕቶ ኣቕረበ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣይንስካ እንድኻ  ይመጹ ኣሎዉ ዝበልካ ዝብል ሕቶ ምስ ኣቅረብሉ፡ ኣነ’ሞ  ይመጹ ኣሎዉ ዝበልኹ ንተጋደልቲ እንደኣለይ  ዝብል ምላሽ ሃበ። እቲ ድሕሪኡ ንዝተፈጥረ ዋዕዋዕ ንኣንባቢ ገዲፈ፡ ሩሕ ዝሓዘ እንትይ ዘይገብር? እዚ ሓደ ዓይነት ህጹጽ ፍታሕ ናይ ወናን ሩሕ ወይ ትንፋስ ዝሓዘ ኾይኑ ይስምዓኒ።

ቀጺሉ ግን ሩሕ ካብ ሃንደበታዊ ሓደጋ ጥራሕ ድያ  ከትድሕን ዘሎዋ። ሩሕ ካብቲ ምውዓላን ምሕዳራን ንጠቕሙ ዝቖጻጸራ መላኺ’ኸ። ኹሉ መላኺ ንሱ ንዝቖጻጸራ ሩሕ ኪኖ ጎቦ መጨረሻ ዓለም’ዩ ኢሉ እዩ ከእምን ዝፍትን። ነዚ ጉጉይ ራእይ ናይ መላኪ ብሓቒ ብሓቒ ቢሎም ዝምስክሩ ከኣ ደፋእቲ ዘውዱ ኾይኖም ኣብ ዝተረፈ እዋን ከም ኣቦታት-ነብሲ ይፍለጡ። ሩሕ ኣብ ኢድ መላኺ ረምዕን ገማዕን ኢላ ከምእትነብር ከኣ ይትሓባበሩ። ነዚ ንምእማን ከኣ ካባካ ኣዒንትኻ ዝተሰወረ ዝርእዩ ዘሎዉ ክመስሉ ክሳዶም ናብ ሰማይ ብምንቕዕራር ንሱ እንተሓሊፉ ወይልኣ ሩሕ! ኢሎም  ፍርሒ ኣብ ባሕሪ ከርሲ ህያው ከምትነግስ ይገብሩ። ድሕሪዚ ዓኾዃይ ኢሉ ከውጽኣ ዝኽእል ሓዊ ሽግ ክረከብ ግዜ ይወስድ። ሰባት ካብዚ ሽግር እዚ ክድሕኑ ከኣ እንተስ ብውልቐ እንተስ ብብዝሒ እግሮም ናብ ዝመርሖም( ዓጋም ጠሓስ) ይበሩ። እዚ ዝጸንሔ ኾይኑ፡ ንእንኾ ሃገረ ዝተዓደለ ትዕልድቲ ግን ኣይኾነን።

ከምዚ ዓይነት ሽግር ኣብ ዘጋጥመሉ ግዚ ገለ ብቅልጽሞም ፡ ገለ ብጥበቦም (ራእዮም) ገለ’ውን ንእምነት ሓቐኛ ትርጉማ ሒዞም ንቕልጽም መላኺ ክሰብሩ ይምስከር። ካብኦም ሙሴ ካብ ረርዖን፡ ዳዊት ካብ ጎልይድ፡ ማህተማ ጋንዲ ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ፡ ማርቲን ሉተር፡ ነልሰን ማንደላ……….. ተጠቐስቲ እዮም። እዚኦም ከም ሰቦም ሓንቲ ዓይነት ሩሕ ዝተዓደሉ እዮም። ካብ ካልእ ዝፈልዮም እንተሃልዩ ሩሖም ማዕረ እታ እትውጻዕ ዘላ ሩሕ ምስርዕም እዩ። እንተ ቀጺሉ ከኣ ነቲ ዝነፍስ ዝነበረ ንፋስ(ሓሳብ) ኣቕጣጭኡ ኣንቢቦም ናብ ሓደ ቦታ ክነፍ ናይ ምግባር ተክእሎ ዝወነኑ እዮም።

ሎሚ  ሃገረና ኤረትራ ብሰንኪ መላኪ ዝወጽእ እምበር ዝኣቱ የብላን። ልክዕ እቲ ዝወጽእ ዘሎ ገሊኦም ከምቲ ሃበኒ ነጸላይ ዝበለ እዮም፣ መብዛሕትኦም ግን ዝባን ርሖም ብመከራ ምስሓረረ ካብዚ ዝገድድ የሎን ኢሎም ዝባህረሩ እዮም። ርሖም ንምድሓን ከኣ ዝከፍልዎ ዋጋ መን ንመን ክዝርዝር። ሰብ ዓዱን ኣዲኡን ሓደ እየን። ምውጽእስ ይወጻኡ ምስ ወጹ ግን ንዓዶም ተመሊሶም ከየማዕድዉ ዝገብሮም ሓቒ ውሑድ እዩ። ብኣንጻሩ እዃ ደኣ ተመሊሶም ናብቲ ንርሖም ዘባረረ እከይ መላኺ እንደገና ክሰግዱ ትርኢ። ብዓይኒ ሩሕ ኣደን ሃገርን እኮ ሓደ እየን። ንምንታይ ኢልካ ኣብ እትሓተሊኡ እዋን ተኻኢ የሎን ይብሉ። እዚ ከም መልሲ መልሲ እዩ፡ እንተኾነ ግን ድኹም ጥበራ እዩ። ናይ ትማሊ ውድባት እንድሕሪ ዘሰይሚረን ንሕና የለናሉን ክብሃል ጋዶ። ኩሎም እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣብነት ሰባት እኾ ክቓለሱ ከሎዉ ካብኦም ዝዓብዩ ኔሮም እዮም። ከምዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ኤርትራ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ (ሓደ ሓደ ውፍያት ገዲፍካ) ትማሊ መርቕ፡ ትማሊ ርገም ኢሎም ኣይሓለፉን። ንክብሪ ሩሕ’ከ ኣነ ምሩቕ የድልያ ድዩ? ሃገር ተኪኤ ኢላ ክትኾርዕ ተቛወምቲ ኢና ዝብላ ማሕበራት ምስ ዝህልዋ ጥራሕ ድዩ? ብቡዝሕ ዝምስከር ሓቒ፡ ሃገር ብደቓ ትሕበን፡ ሕሰማ ርእዩ ዘይክሕድ ውሉድ ምስዝህልዋ እምበር፡ ኣፍ ደቓ ዓቢሱ ምትንፋስ ንዝከልእ መላኪ ዘጣቕዕ ብምውላዳ ኣይኮነተን። ትማልን ሎምን ይፈላለያ እየን። ትማሊ ንመን ምስ ሃሎወትሉ ትህሉ። ቖመተ ኣዕንቲ ካብ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዘሎ ዘይትከላ። ስለዚ የሎውን፡ የሎውና ገዲፍካ ከላካ ኣሎኩ  ምባል ዝቀርበ መልሲ ኮይኑ ይስማዕ።

ብዝተረፈ፡ መላኪ ካብ ኢዱ ንዝመለቖት ሩሕ ከይተረፈኹሉ ግዜ ክቖጻጸራ  ምስ ፈተነ እዩ። ሜልኡ ከኣ ምስ ግዜ ይቀያየር። ሓጺር ኣብነት እዚ ከኣ-መላኪ ሃገረ ኤረትራ ምልኩ መሪርዋ ንዝበረረት ሩሕ ኣማስዩ ክመልሳ ክጽዕር ቀንዩ። ካብኡ ዘምለጠት ሩሕ ብምክንያት ባህርይዊ ሓደጋ ከም ዝበተረረት ዘመሳስል ተንቀሳቃሲ ስእሊ ከርእዩ ቀንዩ ክብል ሰሚዔ። ንሳ ዘይነቅጽ ሰልምን ዘይሓልፍ ጸገምን የሎን ኢላ፣ ቓንዛ መረረ ሩሓ ዘሚራ ንፋስ ስደት ክትመልስ እተርኢ ፊልም “ ኣደ ህንዲ” Mother India) እያ። ግርም ፈተነ፡ ጭቓን ደርፊ ዓዳን እኮ ቖርበት ናይታ ፊልም እዩ። ኣይፋል! ውርድ ደኣ በል። ብሓደ ብዕራይስ ይትረፍ ብክሳድ ደቓ ሓሪሳ ካብ ዘእተወቶ እክሊ በዓልቲ ዕዳ እኪ፡ ቕድም ዕዳኪ  ክፈሊ፡ ቀጺሉ ኣብ ዓውዲ ከቓልዉ ንዝጸንሑ ሕፍንቲ እክሊ ክትህብ ዝክክልክል፡ ዝገደደ ከኣ መሕደሪ ነብሲ ቚንጣሮ እክሊ ክትልምን ኣብ ዝከደትሉ እዋን ክብሪ ሩሓ ዝሓትት መላኪ እኮ ሓከለ ናይቲ ፊሊም እዩ። ወረ እቲ መዝሙር እንተኾይኑ ተፈትዩ፡ ንሳስ ግሩም ዝኾነ ደርፊ ዓዳ ዘሚራ ህዝባ መሊሳ ፡ እዚ ኣይከሓደን። ኣደ ህግደፍ’ከ እንታይ ዘሚራ እያ ከተድሕን? ጽንብላሊዕ’ዶ ዋላስ ይገርመና ኣሎ ……………..?

ኣብ መጨረስታ ተቛወምቲ ነንሕድሕደን ተቛዊመን፡ ንዓይ መን ከየረካክበለይ ተባሂሉ ክድቐስ እንተተሓሲቡ ሕልሚ እዩ። ሩሕ ከም መግለጺኣ ንክብራ ኣብ እትገብሮ ቓልሲ ጸገም እንተጋጠማ ሕቕታ እዩ። ካብዚ ሕጂ ዘሎ ናህሪ ቃልሲ ክተምልጥ ምሕሳብ ከም ኣብ ማእከል ሰሃራ ተማህሊልካ ኣዝመራ ምጽባይ እዩ። ክብሪ ሩሕ ብከረመለ እትጥበረሉ ግዚ ሓሊፉ እዩ።

ንሳነ ! ቕድሚ ደሓን ቕነ ።

መረጸ ኣስመላሽ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT