Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 8፡ ጕዕዞ ናብ ኣካን ቀብር

ምዕራፍ 8፡ ጕዕዞ ናብ ኣካን ቀብር  ንጹሃት ሰባት  ብዘይ ፍትሒ ኣብ ዝእሰሩሉ ግፍዐኛ ስርዓት እቲ ሓቀኛ ቦታ ናይ ቅኑዓት ሃገራውያን ቤትማእሰርቲ’ዩ።                            ሄንሪ ዴቪድ ቶረ ኣብ ካሜራ ዓሰርተ ሓሙሽተ ካብ ዝኣትው ሰሙናት ሓሊፉ ከብቅዕ ዝኾነ ሕቶ ወይ

ምዕራፍ 8፡ ጕዕዞ ናብ ኣካን ቀብር

 ንጹሃት ሰባት  ብዘይ ፍትሒ ኣብ ዝእሰሩሉ ግፍዐኛ ስርዓት እቲ ሓቀኛ ቦታ ናይ ቅኑዓት ሃገራውያን ቤትማእሰርቲ’ዩ።

                           ሄንሪ ዴቪድ ቶረ

ኣብ ካሜራ ዓሰርተ ሓሙሽተ ካብ ዝኣትው ሰሙናት ሓሊፉ ከብቅዕ ዝኾነ ሕቶ ወይ መርመራ ኣይቀረበለይን። መኪና ዝሸጥኩሉ ኣባል ጸጥታ ጥራይ ሓንቲ መዓልቲ መጺኡኒ ነይሩ። ንሱ’ውን ብዘይወግዓዊ መንገዲ ብቐዳድ ናይ ማዕጾ’ዩ ተዳሂዩኒ። ብጕዳይ ስራሕ መሲሉኒ ክሰምዖ ቅርብ በልኩ። “ብዛዕባ’ታ ዝለሸጥካለይ መኪና እንተ ሓተቱኻ ከይትዝንግዕ…፡” ኢሉ ዘረባ ጅምር ከብል ከሎ ቅጭ ስለ ዘምጻለይ፡ “ሕራይ ሰሚዐካ ኣለኹ። ናብ ገዛይ ኴድካ ጥራይ ንሰበይተይ ኣብ ሳምሶናይት  ሰለስተ ሽሕ ብር ከም ዘሎን ኮድ 406 ተጠቒማ ክትከፍቶን ንገራ፡” ኢለ ኰለፍኩዎ።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • petros April 8, 2014

    Brother Estif,

    Thank you for exposing the evil deeds of DIA and his puppets.

POST A COMMENT